ዕስክርና ኤርትራ ብመንጽር ዞባዊ ጂኦፖለቲካውን ኤኮኖምያውን ረብሓታት

(Yoel Alem)

ዝኾነት ሃገር፡ ድኻ ትኹን ሃፍታም ብዘየገድስ፡ ንውድዓዊ ኩነታታን ትሕዝቶኣን ዘንጸባርቅ፡ ናይ ገዛእ ርእሳ ፍሉይ ኤኮኖሚያዊ ኣቋውማ ኣለዋ። ኤርትራ ‘ውን ከምኡ።

ኤርትራ፡ ናይ ገዛእ-ርእሳ ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ ኣለዋ። ማዕድን ኣለዋ። ንሕርሻ ምቹእ መሬት፡ ሰፊሕ ገማግም ባሕርን ክልተ ወደባትን። እቲ ዝያዳ ንኤኮኖሚኣ ዝጸልዎ ረቋሒ ግን፡ ጂኦግራፊያዊ ኣቀማምጣኣ እዩ። ከም ሃገር፡ ኣብ መንጎ ክልተ ናይ ዞባና ቀንዲ ስትራተጂካውያን ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ ዝተቀርቀረት እያ – ኣብ መንጎ ቀይሕ ባሕርን ሩባ ኒልን (ሩባ ኣባይ)። እዚ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ዋላ ኤኮኖምያዊ ህይወት ሕብረተሰብና ልዑል ተራ ክጻወት ጸኒሑን ኣሎን።

ጅኦግራፊያዊ ኣቀማምጣ ኤርትራን፡ ንሱ ዘንቅሎ ዞባውን ኣህጉራውን ረብሓን ግጭትን፡ ሕብረተሰብና ኣብ ውግእ ምርኩስ ዝገርብ ኤኮኖሚ (war-based economy) ንኽውንን ዘገድድ እዩ። ሎሚ ዋላ ኣብ ታሪኽ። ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ፋሽሽቲ ጣልያን ከም ኣብነት ክጥቀስ እንተኾይኑ፡ እቲ ሽዑ ኣብ ኤርትራ ዝተኸስተ ኤኮኖምያዊ boom፡ ገዚፍ ክፋሉ ኤኮኖምያዊ ሃብቲ ሮማ ዝፈጠሮ ነበረ። ድጎማ ሮማ፡ ትሕተ-ቅርጽን ንግዳዊ ትካላትን ኢንዱስትሪን ክሃንጽ በቂዑ እዩ። ብዙሕ ናይ ስራሕ ዕድል ‘ውን ክፈጥር ኪኢሉ። መንእሰያት ኤርትራ ድማ ብኣማኢት ኣሽሓት ንኽዕስክሩ ተጌሩ።

እቲ ቀንዲ ፋሽሽቲ ጣልያን ከረጋግጾ ዝደሊ ዝነበረ ዕላማ፡ መግዛእቲ ጣልያን ኣብ ኣፍሪቃ ምስፍሕፋፍ ኮይኑ፡ ንኢትዮጵያ ብሓይሊ ጎቢጥካ ምሓዝ፡ ሓደ ካብቶም ቀንዲ ተልእኽኡ ነበረ። ነዚ ዕላማ ንምፍጻም፡ መሬት ኤርትራን ህዝባን ኣገደስቲ ረቋሒታት ኔሮም። ኤኮኖምያዊ ድጎማ ሮማ ተጠቂምካ፡ ኤርትራ ከም መደበር ወይ ደጀን ፋሽሽቲ ኮይና ኸተገልግል። ዓቅሚሰብ ድማ፡ ኤርትራዊ መንእሰይ ከም ዓስከርን ባርያን ኮይኑ ነዚ ዕላማ ኣብ ምዕዋት ንኸገልግል ተፈሪድዎ። እምበርከስ እቲ ሽዑ ኣብ ኤርትራ ዝተኸሰተ vibrant ኤኮኖሚ፡ ንሓደ ወራር ወይ ወራራት (ጉዳይ ሊብያን ሶማልን ሓዊስካ) ንምዕዋት ተባሂሉ፡ ኣብ ውግእ ምርኩስ ዝገብር ኤኮኖሚ ኮይኑ፡ ብዓቢኡ ድጎማ ሮማ ዘረጋገጾ ደኣምበር፡ ኣብ ውሽጣዊ ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ ኤርትራ ጥራይ ዝምርኮስ ኣይነበረን።Map - Ethiopia, Eritrea, Horn of Africa

ኤርትራ ኣካል ኢትዮጵያ ምስ ኮነት ‘ውን፡ ዳርጋ ብምልኡ ኣብቲ ክፍለ-ግዝኣት ዝካየድ ዝነበረ ኤኮኖምያዊ ምንቅስቃሳት፡ ኣብቲ ኣብ መንጎ ገድልን ስርዓታት ኢትዮጵያን ዝካየድ ዝነበረ ውግእ ምርኩስ ዝገብር እዩ። ብወገን ኢትዮጵያ፡ ኤርትራ ንኸይትፍንጨል፡ እዚ ዘይብሃል ሃብቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ንኽውዕል ተጌሩ። ብወገን ገድሊ ድማ፡ ናይ በዓል ግብጽን መሓዙታን ፔትሮዶላር ኣብ ኤኮኖሚ ኤርትራ ተራ ንኽህልዎ ኮይኑ። ብመንጽር ኤኮኖሚ ክውሰድ እንተኾኑ፡ ኣብዞም 30 ዝኾኑ ናይ ውግእ ዓመታት፡ ኤርትራ ማዕክን ኤኮኖሚያዊ ግጭት ናይዞም ክልተ ዓበይቲ ሓይልታት – ሃብቲ ኢትዮጵያን ዓረባዊ ፔትሮዶላር ግብጽን – ከም ዝኾነት ክንርዳእ ንኸእል። እዋን ዝሑል ኩናት ምንባሩ ‘ውን፡ ተጻረርቲ ወገናት – እስራኤል /ኢምፐሪኣሊዝምን ኮሚኒዝምን – ኣብ ክልተ ጫፋት ናይቲ ግጭት ተሰሪዖም፡ ተራኦም ተጻዊቶም።

ብመንጽር ኣብ ኤርትራ ዝፈሰሰ ሃብቲ ኢትዮጵያ፣ ፔትሮዶላር ግብጽን የዕራብ መሓዙታን፡ ከምኡ ‘ውን ሃብቲ ተጻረርቲ ወገናት ዝሑል ኩናት፡ ብዓቀን ምስ ውሽጣዊ ትሕዝቶ ኤርትራ ክነጻጸር ከሎ ዘራኽብ የብሉን። ውሽጣዊ ሃብቲ ኤርትራ፡ ምስቶም ሽዑ ኣብ መሬት ኤርትራ ዝዋሓዙ ኤኮኖምያዊ ሃብትን ሎጅስቲክስን፡ ንሶም ዝጾርዎ ዓቀን ዕስክርናን ኣጽዋርን ክወዳደር ከሎ ኣዝዩ ድሩት እዩ። ንኽንድኡ ዝኣክል ዕስክርናን ኣጽዋርን፡ እሞ ኸኣ ንነዊሕ ዓመታት፡ ክጸውር ዓቅሚ የብሉን።

ኣብ ኩናት 30 ዓመት፡ ተራ ኤርትራዊ ሕብረተሰብ፡ ብፍላይ ድማ መንእሰይ እንታይ ኔሩ ንዝብል ሕቶ፡ ዋላ’ኳ እቲ ዕላማ ፍልይ ዝብል እንተኾነ፡ ብመሰረቱ ግን ልክዕ ከም ዘመን ፋሽሽቲ፡ ዕስክርና እዩ። ዕላማ እተን ዓበይትን፡ ቀንዲ ተጻረርትን ዙሑል ኩናት፡ እቲ ሓደ ናይቲ ዓንጻር ወገን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክህልዎ ዝኸእል ፖለቲካዊ ጽልዋ ምዕናውን ምጥፋእን እዩ። ኣብ እዋን ጀማል ዓብደል ናስርን ጃንሆይን፡ እቲ ኢምፐሪያሊዝም ዓለም ምስ ጃንሆይ፡ እቲ ኮሚኒዝም ድማ ምስ ዓብደል ናስር ኔሮም። ጸኒሖም ኣብ እዋን መንግስቱን ኣንዋር ሳዳትን ድማ፡ ወገን ተቀያይሮም።

ብመንጽር ኢትዮጵያን ግብጽን፡ እቲ ዕላማ ብቀንዱ ንኣፍደገ ባሕሪ ዝምልከት እዩ። ብወገን ኢትዮጵያ፡ ንምዕቃብ ኣፍደገ ባሕሪ ዝግበር ቃልሲ ክኸውን ከሎ፡ ብወገን ግብጺ ድማ፡ ኣፍደገ ባሕሪ ካብ ኢትዮጵያ ንምምንዛዕ ዝግበር ጻዕሪ ነበረ። ኣብ ውሽጢ እዚ ኣህጉራውን ዞባውን ጅኦፖለቲካዊ ቁርቁስ፡ ተራ መንእሰይ ኤርትራ፡ ሕጂ ‘ውን ዕስክርና ኔሩ። እቲ ሓደ ሸነኽ ብወገን ገድሊ ከም ዝዕስክር ኮይኑ። እቲ ሓደ ድማ፡ ቅድም ከም ኮማንድስ ኣብ እዋን ጃንሆይ፡ ጸኒሑ ከም ህዝባዊ ሰራዊት ኣብ እዋን ደርጊ ዓስኪሩ። እቲ ኤኮኖሚ ብመሰረቱ ናይ ውግእ እዩ። መንእሰይ ኤርትራ ድማ ዓስኪሩ። ውሑዱ ዘይብሃል ቁጽሪ ‘ውን ንስደት ኣምሪሑ።

ዘበነ ናጽነት ኤርትራ፡ ብመንጽር ኤኮኖሚ፡ ካብቲ ታሪኽዊ ሓቅታት ብዙሕ ዝፍለ ኣይኮነን። ኣብ ውግእ ምርኩስ ዝገብር ኤኮኖሚ እዩ። እወ እተን ናይ መጀመሪያ ውሑዳት ዓመታት፡ ብተዛማዲ እዋን ሰላም ተባሂሉ ክጥቀስ ይከኣል። ናይቲ ዞባ ታሪኻዊ፣ ፖለቲካውን ኤኮኖምያውን dynamics ብግቡእ ንዝፈልጥ ሰብ ግን፡ እቲ ናይ ሽዑ ሰላም፡ ግዝያዊ ጥራይ ምንባሩ ዘማትእ ኣይነበረን። ምኽንያቱ፡ ነቲ ምስ ሩባ ኣባይ ዝተሓሓዝ ናይቲ ዞባ ቀንዲ ጠንቂ ጅኦፖለቲካዊ ግጭት፡ ተወንዙፉ ደኣምበር፡ መሰረታዊ መፍትሒስ ፍጹም ኣይተገብረሉን። ዕለቱ ደኣሉ ዘይተፈልጠ እምበር፡ ሓደ መዓልቲ እቲ ግጭት ናብ ዲቅ ዝበለ ውግእ ክግንፍል ምኻኑ ዘጠራጥር ኣይነበረን።

ብልክዕ፡ ኣብተን ናይ ናጽነት ናይ ሰላም ዓመታት፡ ኤርትራ፡ ኣብ ውግእ ምርኩስ ዘይገብር ኤኮኖሚ ከተማዕብል ኪኢላ ክበሃል ይከኣል። ክፉት ንግዲ ምስ ኢትዮጵያ፡ እሞ ኸኣ ኢትዮጵያ ንናይ ኤርትራ ኣፍደገ ባሕሪ ክትጥቀም ፍቃደኛ ብምኻና፡ ኤርትራ ኣብ ውግእ ምርኩስ ዘይገብር ኤኮኖሚ ንኽትሃንጽ ሓጋዚ ኔሩ ክበሃል ይከኣል። እዚ ግን ብላዕሊ ላዕሊ ክርአ ከሎ’ዩ እምበር፡ ውሽጡ ኣቲኻ እንተ መርሚርካዮ፡ እቲ ሓቂ በንጻሩ እዩ።

ብመጀመርያ ደረጃ፡ ተራ ግብጽን መሓዙታን ኣብ ናጽነት ከም ዘብቅዐ ዘረጋግጽ ወላ ሓንቲ ኣሰር ኣይርከብን። በንጻሩ’ኳ ደኣ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ይኹን ወትሃደራዊ ተቋማት ኤርትራ፡ ዋላ’ውን ስለያ ሻዕብያ፡ ካብ መፈለምታኡ ብሎጂስቲካዊ ድጎማ ግብጽን መሓዙታን ከምዝተሃንጸን፡ ሕጂ ‘ውን ዓመታዊ ብድጎማ ናተን ከም ዝምወል ይጽብጸብ። ሕብረተሰብና ዓመታዊ ኣማኢት ኣሸሓት ከዓስከር ዝኽእል፡ ከምኡ ‘ውን ገዚፍ ወትሃደራውን ስለያውን መሓውር ናይ ምህናጽ ኤኮኖምያዊ ይኹን ሎጂስቲካዊ ዓቅሚ የብሉን። ሎሚ የብሉን። ኣብ ታሪኽ ‘ውን፡ ከምቲ ኣቀዲሙ መብርሂ ዝተዋህበሉ፡ ሃሊዎ ኣይፈልጥን። ካብ ታሪኽና ንመሃሮ እንተሃልዩ፡ ናይ ግዳም ኤኮኖምያውን ሎጂስቲካውን ዓቅሚ ጥራይ ‘ዩ ኣብ ሕብረተሰብና ገዚፍ ዕስክርና ንክህሉ ዘረጋግጽ። ካብዚ ሓቂ ‘ዚ ብምብጋስ፡ እቲ ኣብ እዋን ሰላም፡ ካብ ውግእ ናጻ ዝኾነ ኤኮኖሚ ዝመስል ዝነበረ፡ ብመሰረቱ በንጻሩ ምንባሩ ንምግማት ከቢድ ኣይከምውንን።

ሃገር ምሉእ ብምሉእ ናብ ወትሃደራዊ መዓስከር ተቀይራትሉ ኣብ ዘላ እዋን፡ ስለያዊ መሓውር ሻዕብያ ዝያዳ ሓያልን ፈጣሪ ራዕድን ፍርሕን ኣብ ዝኾነሉ ግዜ፡ ተራ ‘ቲ ካብ ግብጽን መሓዙታትን ዝውሕዝ ዓመታዊ ድጎማ ማዕረ ኽንደይ ምኻኑ ንምግማት ከቢድ ኣይኮነን። እዚ ድጎማ ‘ዚ፡ ኤኮኖሚያዊ ህይወት ኤርትራ እዩ እንተ ተባህለ ምግናን ኣይከውንን። ሕብረተሰብና፡ ብዝኾነ ተኣምር፡ ነዚ ግዙፍ ሓይሊ ዘለዎ ወትሃደራውን ስለያውን ማሓውር ክጸውር ዝኽእል ኤኮኖምያዊ ይኹን ሎጅስቲካዊ ዓቅሚ የብሉን።

ዕላማኡ ካብቲ ኣብ ታሪኽ ዝተራእየ ብዙሕ ዝፍለ ኣይኮነን። ብቀጥታ ምስ ኢትዮጵያን ሩባ ኣባይን ዝተሓሓዝ እዩ። ንኤርትራ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከም ደጀን ወሲድካ፡ ንዕስክርና ዘገልግል ዓቅሚሰብ ሕብረተሰብና ምኻኑ እዩ። ኢትዮጵያ ንሩባ ኣባይ ንምምዕባል ትወስዶ ዝኾነ ተበግሶ፡ ብወገን ኤርትራ ሑሕ እንዳበካ ምፍርራሕን ምቁጽጻርን። ወረ ኣብ ገለ እዋናት ዝውርወሩ ቃላትን፡ ዝፍጸሙ ተግባራትን ክትመዝኖ ከለኻ፡ ንኢትዮጵያ ጭራሽ ፋሕ ፋሕ ክሳዕ ምባል ዝዓለመ ይመሰል። ዕጫ መንእሰይ ኤርትራ እንታይ እዩ ኢልካ ምስ ትሓትት፡ ከምቲ ኣብ ግዜ ፋሽሽቲ ይኹን ድሒሩ ዝነበረ እዋናት፡ ሕጂ’ውን ምዕስካርን ባርያ ምኻንን እዩ። ወይ ከኣ ዋሕዚ ንስደት።

መንእሰይ ኤርትራ ሃገር ገዲፉ ንስደት ምምርሑ፡ ነቲ ቀንዲ ካብ የዕራብ ዝምንጩ ኤኮኖሚያዊ ህይወት ኤርትራ ዝጎድኦ ኣይኮነን። በንጻሩ ‘ኳ ድኣ ሓጋዚ እዩ። ምኽንያቱ፡ ናይ እዋን ዕስክርናኡን ጊላነቱን እስትሕጋግን መፋነውን ካይሓተተ ሃጽ ኢሉ ይጠፍእ ብምህላው፡ ነቲ ኤኮኖሚ ተጽዕኖ ይጎድለሉ ኣሎ ማለት እዩ።

ኣድላይነት መንእሰይ፡ (1) ዓስኪሩ ድዮስ ናይ ስለያ ኮይኑ ኣብ ልዕሊ ፖለቲካን ኤኮኖምን ኢትዮጵያ ሓደጋ ክወድቅ ክሳብ ዝኸኣለ፡ (2) ጊላ ኮይኑ የዕኑድ ስልጣን ሻዕብያ ክቕውም ክሳብ ዝበቅዐ እዩ። ነዚ ዘየድምዕ እንተ ኾይኑ፡ ንስደት እንተወጸ ይምረጽ። ምኽንያቱ፡ ነቲ ኤኮኖሚ ተጽዕኖ ስለ ዝኸውን። እምበኣርከስ፡ ንሻዕብያ ይኹን ግብጺ: ዋሕዚ ኤርትራዊ መንእሰይ ንስደት የሓጉሶም እምበር፡ ዘፍርሖም ወይ ዘጉህዮም ኣይኮነን።

ኣብ ኤርትራ ይኹን ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ንመዓስከሪ ዝኸውን ኤኮኖምያውን ሎጅስቲካውን ዓቅሚ ደኣሉ ክሰኣን ዝኽእል እምበር፡ ዝዕስክር ተሳኢኑ ኣይፈልጥን። ሎሚ ዋላ ኣብ ታሪኽ። ዋላ ኤርትራውያን መንእሰያት እንተ ተወድኡ፡ ኢትዮጵያውያን ከም በዓል ግንቦት 7 ይኹኑ ደምሒት ክህልው ስለዝኾኑ፡ ሕጽነት ክዕስክር ዝኽእል ዓቅሚ ሰብ የለን።

ብዘይ ፍቃድ ሻዕብያ፡ መንእሰይ ንስደት ክወጽእ የብሉን ዝብል ሕጊ ኣሎ። እዚ ሕጊ ‘ዚ ስለ ዘሎ፡ እሞ ኸኣ ብጥብቂ ስለ ዝፍጸም፡ ሻዕብያ መንእሰያት ንስደት ከምርሑ ኣይደልን እዩ ዝብል እምነት ዘለዎም ውሑዳት ኣይኮኑን። እዚ ሕጊ ‘ዚ ግን መንእሰያት ንኸይወጹ ኣይኮነን ኣብ ግብሪ ዝውዕል። እንታይ ደኣ፡ ርእሱ ዝኸኣለ ስልቲ ካብ ሕብረተሰብና መመልጠጢ ገንዘብ እዩ።

ሓሽሽ ወይ ድራግ፡ ብሕጊ ኣብ ዝተኸልከለሉ እዋን፡ ዋጋኡ ኣዝዩ ይኸብር። ምውጻእ ካብ ኤርትራ ብሕጊ ኣብ ዝተኸልከለሉ እዋን ድማ፡ ፍልሰት ደቂ ሰባት ዋጋኡ ሰማይ ይዓርግ። በኸምዚ ኣገባብ፡ እቶም ኣብ ፍልሰት ደቂ ሰባት ዝተዋፈሩ መኮንናት ሻዕብያ ተጠቀምቲ ይኾኑ። ስለዚ እቲ መንእሰይ ዓዲ ገዲፉ ክኸይድ ምድላዩ ንሻዕብያ ይኹን ነቲ ቀንዲ ኤኮኖሚያዊ ህይወት ኤርትራ ሓላል እዩ። ናይ መዓስከሪኡ እስትሕካግ ክሓትት ዝግብኦ መንእሰይ፡ በንጻሩ ገንዘቡ ንመኮንናት ሻዕብያ ከፊሉ ካብ ዓዲ ከም ዝፋኖ ይግበር። ብተወሳኺ፡ ካብ ስደት ሰሪሑ ንዓዲ ዝልእኾ ገንዘብ’ውን መሊሱ ሓላል። ንሻዕብያ ካብ ተጽዕኖ ቤተሰብ እቲ መንእሰይ ይገላግሎ። እምበኣርከስ፡ ፍልሰት መንእሰይ ንስደትል ነቲ ቀንዲ ኤኮኖሚያዊ ህይወት ኤርትራ፡ መሊሱ የሓይሎ እምበር ዝጎድኦ ኣይኮነን።

እቲ ሕቶ፡ እዚ ናይ ኤርትራ ኤኮኖሚያዊ ሚዛን (balance) ከመይ ጌሩ ይሕቆንን ይቅየርን ዝብል ይኸውን። ንሕና ከም ኤርትራውያን ብዙሕ ነገር ክንገብር ንኽእል ኢና። ኣንጻር ሻዕብያ ዘተኮረ ፖለቲካዊ ምንቅስቃሳት ክንገብር ንኽእል ኢና። ክግበር ‘ውን ጸኒሑን ኣሎን። ካብ ዲያስፖራ ዝርከብ ገንዘብ ‘ውን ከም ዝቋረጽ ክግበር ይከኣል ይኸውን። ሓደ ሓቂ ግን ኣሎ። ንበይኑ፡ ነቲ ቀንዲ መንኮርኮር ኤኮኖሚ ኤርትራ ከነናቃንቆ ኣይኽእልን። ምኽንያቱ፡ ኣብ ውሽጣዊ ሃብቲ ሕብረተሰብና ምርኩስ ዝገብር ስለ ዘይኮነ።

ገንዘብ ዲያስፖራ ይኹን ዕደና ቢሻ፡ ብሓፈሻኡ ‘ውን ዘሎ ውሽጣዊ ሃብቲ ሕብረተሰብና ተደማሚሩ፡ ብመንጽር እቲ ቀንዲ ኤኮኖሚያዊ ህይወት ኤርትራ ኣዝዩ ደቂቅ እዩ። ስለ ዝኾነ ድማ፡ ካብ ፎርምላ ኤኮኖሚ ኤርትራ ቀኒስካዮም ማለት፡ ‘ቲ ቀንዲ ኣብ ውግእ ምርኩስ ዝገብር ኤኮኖሚ ይሕቆን ማለት ኣይኮነን። ኣብ ልዕሊ ሻዕባያ ተቀሚጡ ዘሎ ዓለምለኻዊ ኤኮኖምያዊ ማዕቀብ ‘ውን፡ ነቲ ካብ ግብጽን መሓዙታን ዝውሕዝ ድጎማ ዝምልከት ኣይኮነን። ክሳብ ነዚ ድጎማ ‘ዚ ክበትኽ ዘይዓለመ ድማ፡ ኣስናኑ ዝጎረፈ ማዕቀብ ኮይኑ ‘ዩ ክቅጽል። እምበኣርከስ፡ ሚዛን ኤኮኖምያዊ ስርርዕ ኤርትራ ዝቅየር፡ ብዓቢኡ በቲ ኢትዮጵያ እትወስዶ ስጉምቲ እዩ።

ኢትዮጵያ ትወስዶ ስጉምቲ ክበሃል ከሎ፡ ኢትዮጵያ ንሻዕብያ ካብ ስልጣን ንምእላይ ወትሃደራዊ ስጉምቲ ከም ምውሳድ ዝርድእዎ ብዙሓት እዮም። እዚ ስትራተጂ ግን፡ ሓደገኛ ሳዕቤን ክህልዎ ይኽእል። backfire ብምግባር፡ ነቲ ኣብ ውግእ ምርኩስ ዝገብር ኤኮኖሚያዊ ህይወት ኤርትራ፡ ክሳብ ንጥዕና ኢትዮጵያ ኣብ ሓደጋ ከውድቅ ዝኽእል፡ መሊሱን ብተዓጻጻፍን ናይ ምሕያል ተኽእሎ ኣሎዎ። ታሪኽ ‘ውን ነዚ ሓቂ ‘ዚ እዩ ከም ቀንዴል ዘብርሃልና።

ዋላ’ውን ወትሃደራዊ ስጉምቲ ኢትዮጵያ ንሻዕብያ ብውግእ እንተሰዓሮ፡ ነቲ ቀንዲ ኤኮኖሚያዊ ሓይሊ ግን፡ ስዒርዎ ማለት ኣይኮነን። ሓይሊ ግብጺ፡ ኣብ ጥፍኣት ሻዕብያ፡ ሓድሽ ሻዕብያ ንምስራሕ ዓቅሚ የብሉን ዝብል መን እዩ? በዓል ኢሰያስ እኮ፡ ራኢ የብሎም ሕልሚ፡ ካብ ኣብ ውግእ ምርኩስ ዝገብር ኤኮኖሚ ኤርትራ፡ ሎሚ ይኹን ኣብ እዋን ገድሊ፡ ከም ዑሱባት ነጋዶ ኮትሮባንድ፡ ብውልቂ ዝኸሰቡ እዮም። ኣብ እንግድዐ ተጋዳላይ ከሲቦም፡ ኣብ እንግድዐ ዋርሳይ ከምኡ፡ ገና ድማ ተወሳኺ ክኸስቡ ዝሕልኑ ዘለው ዕሱባት ነጋዶ እዮም። መቸም ኢሰያስን ጉሩፕኡን ዕቁር ሚልዮናት ገንዘብ የብሎምን ኢሉ ዝኣምን የዋህ ጥራይ እዪ። እምበኣርሲ፡ ሓይሊ ግብጺ ሓደሽቲ ነጋዶ ኮትሮባንድ ንምስራሕ ዓቅሚ የብሉን ዝብል መን እዩ? ድሮ ‘ኳ፡ መዋሊቶም ግብጺ ዝበሃሉ፡ ቃላትን ኑዛዜን ሻዕብያ ከም ዳዊት ዝደግሙ ናይ ትምክሕቲ ሓይሊታት፡ ኣብ ደምበ ተቃውሞ ከም ዘለው ይጽብጸብ። እምበኣርከስ፡ ብኢትዮጵያ ዝውሰድ ወትሃደራዊ ስጉምቲ፡ ሳዕቤኑ ሓደገኛ ናይ ምኳን ተኽእሎ ከም ዘለዎ ምግንዛብ የድሊ።

ኢትዮጵያ ትወስዶ ስጉምቲ ዝብል ኣዘራርባ፡ ወትሃደራዊ ዘይኮነ፡ ብኻልእ መገዲ ክውሰድ ይግባእ። ንምቅያር ኤኮኖምያዊ ሚዛን ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ ሓደ ዓብይን ታሪኻውን ስራሕ ንከተፈጽም ተኽእሎ ኣለዋ። ንሩባ ኣባይ ምሉእ ብምሉእ ናይ ምዕጋት ዓቅሚ ከተጥሪ ክትቃለስ ኣለዋ። ዲጋ ህዳሴ ንሩባ ኣባይ ምሉእ ብምሉእ ክዓግት ዘይክእል እንተኾይኑ፡ ካልእ ተወሳኺ ዲጋ ክህነጽ ይግባእ። ከምዚ ብምግባር፡ ንህዝቢ ግብጺ እቲ ንሕና ብሰንኪ ተኸታተልቲ ስርዓታቶም ንሓልፎ ዘሎና መከራ፡ ብማይ ጽምኢ ክፍደይዎ ከም ዝኽእሉ ዘዘኻኽር መልእኽቲ የቕርብ። ግብጻውያን ማይ ክጸምኡ ዝምነ ኤርትራዊ ይኹን ኢትዮጵያዊ ኣጓኒፉኒ ኣይፈልጥን። የግዳስ ክሳብ ሎሚ ኣተሓሳስባኦምን ኣካይዳኦምን ከም ዝቀየሩ ዘርኢ ብዘረባ ይርከብ እዩ፡ ብግብሪ ግን ዋላ ሓንቲ ምስክር የለን።

ኢትዮጵያ ንሩባ ኣባይ ምሉእ ብምሉእ ናይ ምዕጋት ዓቅሚ ምስ ዝህልዋ፡ ንግብጺ ካብ ኤርትራ ይኹን ቀርኒ ኣፍሪቃ ጠቅሊላ ኢዳ ንኽትስሕ ከትግደዳ ትኽእል። ከም ካሕሳ ውን፡ እንተ ወሓደ ንኤርትራ demilitarize and democratize ኣብ ምግባር ግብጺ ኣወንታዊ ተራ ክትጻወት ይግባእ። ክሳብ ኢትዮጵያ ዓቅሚ ክትድልብ ዘይከኣለት ግን፡ ንግዜኡ ኣብ ምክልኻል ክትጽመድ ምኳና ዘጠራጥር ኣይኮነን። እቲ “ተመጣጣኒ ግብረመልሲ” ዝብል፡ ኣብ ልዕሊ ሻዕብያ ዘተኮረ መርገጺ ኢትዮጵያ ቅቡል እዩ። ብተወሳኺ፡ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ዘራኽብ መደባት ዝያዳ ክስራዕን ክስረሓሉን ይግባእ።

ብወገን ኢትዮጵያውያ የሕዋት፡ ናይ ኤርትራ ጉዳይ ንኤርትራውያን ጥራይ ዝምልከት ‘ዩ ዝብል የዋህ መርገጽን ርድኢትን ዘሎ ይመስል። እዚ ድማ ነቲ እግሩ ዝብኢ እንዳበልዖ ከሎ፡ “ሱቅ በሉ፡ እቲ ዝብኢ እግረይ ይበልዓኒ ኣሎ” ዝብል ዘረባ የዋሃት የዘኻኽረካ። እዚ ጉዳይ፡ ሽሕ’ኳ ሎሚ ኣብ ኤርትራውያን ዝወርድ ዘሎ ኣደራዕ ዕስክርናን ጊላነትን እንተ ኾነ፡ እቲ ቀንዲ ታርጌቱ ኢትዮጵያን ኢትዮጵያውያንን ምኳኖም ክዝንጋዕ የብሉን።

ኢትዮጵያውያን የሓዋት፡ ኣብ ዝኾነ ኣንጻር ሻዕብያ ብኤትራውያን ዝግበር ምንቅስቃሳት ደገፎምን ተሳትፎኦምን ብምዕዛዝ፡ ከሓይልዎ ይግባእ። ብተወሳኺ፡ ርክብ ህዝቢ-ምስ-ህዝቢ ንምሕያል፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝያዳ ደገፍ ምእንቲ ክገብር፡ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጻውዒት፡ ኣድላዩ እንተኾይኑ ‘ውን ተጽዕኖ ክገብሩ ይግባእ። እዚ ኹሉ ዝግበር፡ እቲ ኤኮኖሚያዊ ሓይሊ ኤርትራ፡ ኣብ ባይታ ከምጽኦ ንዝኽእል ፖለቲካዊ ጽልዋ ንምምካን እዩ። በዚ መገዲ ድማ፡ ንበዓል ግብጽን መሓዙታን ሓደ መልእኽቲ የብጽሕ። ኤኮኖሚያዊ ድጎማ፡ ገንዘባውን ፖለቲካውን ክሳራ እምበር፡ ኣብ ባይታ ዘምጽኦ ለውጢ ከም ዘየለ ንኽኣምናን፡ ብኡ ኣቢለን ድማ ፖሊሲኣን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ይኹን ቀርኒ ኣፍሪቃ ንኽልውጣ ምግዳድ እዩ።

ብወገን ኤርትራውያን፡ ማዕረ እቲ ኣንጻር ሻዕብያ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ፡ ኢትዮጵያ ምእንቲ ንሩባ ኣባይ ንምዕጋት ዝኸውን ዓቅሚ ከትውንን፡ ከነተባብዕን ክንድግፍን ይግባእ። ብተወሳኺ፡ ነቲ ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ዝጠልብ፡ ንሩባ መረብ ካብ ምልክት ጽልኢ፡ ናብ ምልክት ሰላምን ሕውነትን ንምልዋጥ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ፡ ክንድግፍን ክንሕግዝን ይግባእ። ምኽንያቱ፡ እዚ ዳሕረዋይ ‘ዩ ‘ቲ መሰረታውን ዘላቅን ለውጢ ኣብ ኤርትራ ይኹን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከረጋግጽ ዝኽእል።

**************
* The author Yoel Alem can be reached at [email protected] or
facebook or twitter

Guest Author

more recommended stories