ልእኽቶታት ካልኣይ ወያነ ትግራይ ናብይ ኣበሉ?

ካልኣይ ወያነ ትግራይ ብሓፈሻዊ ኣገላልፃ ኣብ መወዳእታ ዓመታት ስልጣን ስርዓት ሃይለስላሰ ቦቒሉ ኣብ መባእታ ዓመታት ስርዓት ደርጊ ብምግዋድን ቅልፅሙ ብምሕያልን ንህልውና ትግራዎትን ትግራይን ሓደጋ ኮይኑ ንኣማእቲ ዓመታት ዝፀንሐ ዓብላልን ገባትን ስርዓት ብምሽናፍ ሓዱሽ ሰላማዊ ናይ ልምዓትን ቃልስን መድረኽ ክፍጠር መንገዲ ዝፀረገ ወሳኒን ታሪኻውን ፍፃመ እዩ። ቴክኒካዊ ብዝኾነ ኣገላልፃ ወያነ ትግራይን ህወሓትን ሓደን ቅንጪን ኣይኮኑን። ቃልሲ ህወሓት ናይ ካልኣይ ወያነ ትግራይ ዓይነታዊ መግለፂ ምዃኑ ግን ኣብዛሓና እንስማመዓሉ ነጥቢ ይመስለኒ። ስለዝኾነ ከኣ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ህወሓት ናብ ዘካየደቶ ዕጥቃዊ ቃልሲ ክነውርዶ ኣይግባኣናን ብምባል ምስ ዝከራኸሩ ሰባት ከምዘየባእሰኒ ተስፋ ‘ገብር። ኣንፈታት ቃልስታቶም ብዘየገድስ ትግራይ ካብ ተፃዒኖሙዋ ዝነበሩ ዕብለላዊ ፀውራታት ንምንጋፍ ዘስተንተኑ፣ ዝተጨነቑ ፣ዝርሃፁ፣ንብረቶም፣ ኣካሎምን ህይወቶምን ዝገበሩ ትግራዎት ኩሎም ኣካል ናይ ዝሰፍሔ ፀፍሒ ካልኣይ ወያነና ምዃኖም ርዱእ ኮይኑ ብውፅኢቱ እንትዕቀን ግን ህወሓት ናይዚ ወያነ’ዚ ብልሒ ጫፍ ጌረ እወስድ። ምእንቲ እዙይ ካልኣይ ወያነን ህወሓትን ኣብ ዝጥዕም እናቐያየርኩ ክጥቀም እየ። ሰናይ ንባብ

ካልኣይ ወያነ ትግራይ ብሓፈሻ እንትርአ ክልተ መሰረታዊ ዕላማታት ነይረሙዎ። እቲ ቀዳማይ ዕላማ ብሰንኪ ኣብ’ቲ ጊዜ እቲ ሳዕሪሩ ዝነበረ ፀረ-ዴሞክራሲ ዝኾነ ስርዓት ብሓይሊ ምምላኽን ምግላስን እንትኸውን እቲ ካልኣይን ቀንድን ዕላማ ድማ ህንፀት ሰላም፣ ልምዓትን ዴሞክራሲን ምስላጥ እዩ ነይሩ። እምኸ እዞም ሽቶታት እዚኦም ባህሪያዊ ኣፈፃፅማኦምን ሓደ ነቲ ካልእ ዘለዎም ፅልዋታትን እንታይ ይመስል? ተዓዊቶም’ዶ ገና? እቶም ወሰንቲ ሽቶታትና ብነዊሕ እዋናት ዝዕወቱ ከም ምዃኖም መጠን እቱ ዝሓዝናዮ መንገዲ ድልዱልን ውሑስን ድዩ? ናብ ዓወት ዘብፅሑ ፈለጋት ምሓዝና ርግፀኛታት ዲና? ሐዚ እናማዕበሉ ዝመፁ ዘለው ናይ ትግራዎት ፖለቲካዊ ቁዋማት ንዚ እዋናዊ ሽግር ትግራይ ይፈትሑ’ዶ ወይስ የጋድዱ? እምበኣር ከስ ናይ ሎሚ ፅሑፈይ እዞም ሕቶታት ‘ዚኦም ብምምላስ ንህልዊ ኩናታትና ምፍታሽን ኣብ ግምት ክኣትዉ ዝግበኦም ዛዕባታት ምውካስን ዝዓለመ እዩ።

ዕጥቃዊ ቃልሲ ህወሓት እቲ ቀዳማይ ዕማሙ ብዓወት ምዝዛሙ ዘተሓትት ኣይኮነን። ኣብ ሕቶ ክኣቱ ዝግብኦ ነገር እንተሃልዩ ንቲ ካልኣይን ቀንዲ ዋኒን ዝኾነ ምዕሳል ሰላም፣ ምርግጋፅ ህንፀት ሃገራዊ ኢኮኖሚን ዴሞክራሲን ዝነበሮን ዘለዎን ፅዕንቶ እዩ። ካልኣይ ወያነ ትግራይ(ንኣጠቓቕማ ክጥዕም ወያነ ትግራይ ናብ ዝብል ነሕፅሮ)መግለፂ ብልሒ ፖለቲካዊ ተፃብኦ ዝኾነ ዕጥቃዊ ቃልሲ ብዓወት ምዝዛሙ ጥንኩር ጎኑ ኮይኑ ዘይሕለፉ ወድዓውያን ፀገማትውን ኣውሪሱና ኢዩ። እቶም ዝወረስናዮም ፀገማት እንታይ እንታይ እዮም?

1. ውፅኢትን ከይድን ዘይምልላይ

ብዓቐን ስነ ሓሳብ ወያነ ትግራይ ዕጥቃዊ ቃልሲ ክይዲ እምበር ዓርሱ ዝኸኣለ ሽቶ ከምዘይኮነ ተንቲኑ እዩ። ኣብ ሃገርና ስልጣን ሒዙ ዝነበረ ሓይሊ ብሰላማዊ መንገዲ ኣፈላላያት ናይ ምቕራብ ዕድልን ካብ ፍቓድ ኣብዝሓ ህዝቢ ዝምንጭው ስርዓተ መንግስቲ ንኽህልው ዘይፈቅድ ብምዃኑ ዝተኣትወ ናይ መወዳእታን ሕማቕን መማረፂ ምንባሩ ዝስሓት ኣይኮነን።እንተኾነ ግና ድሕሪ ምዝዛም ዕጥቃዊ ቃልሲ ዓርሱ ዝኸኣለ ውፅኢት ኮይኑ ንረኽቦ። እቱ ጨፍጫፋይ ዝኾነ ስርዓት ደርግ ካብ ዝጠፍእ ርብዒ ክፍለ ዘመን እንተኾኖ’ኳ ልሳናትና ካብ ስርሒታት ዕጥቃዊ ቃልሲ ክወፁ ኣይካኣሉን። እታ ዝርካባ መስኮት ተለቪዥን ትግርኛ ኣብ ዕጥቂ ቃልሲ ዝተሳተፉ ኣእማንን ኣእዋምን ንምትንታን ተጥፍኦ ጊዜ ምስ ፀብፃብ ፍትሒ ስኢኑ ዝሳቐ ዘሎ ህዝቢ እንትወዳደር ሰማይን ምድርን’ዩ። ዝኾነ ሰብ ናብ መስኮት ቴሌቪዥን እማይ ኮይኑ እንተቐሪቡ ነቲ መንግስትን ውድብን ንምምጓስ ጥራይ እዩ። ምስኩሎም ፀገማትና “ፅቡቕ ኣለና” ምባል ንዕጥቃዊ ቃልሲ ኣድላዪ ነይሩ ይኸውን። ምድንጋር ዓርሱ ዝኸኣለ ስልቲ ስለዝኾነ። ዋኒን ናይ’ቲ ጊዜ’ቲ ከኣ ብመሰረቱ ስርዓት ምፍራስ ስለዝኾነ ዘዋፅእ መሲሉ ዝረአ ኩሉ ሜላታት ምጥቃም ነውሪ የብሉን። ነውሪ ዝኸውን ግን መንግስቲ ምስ ዝኽወን ኣብ ጥቒሚ እንተውዒሉ እዩ። መንግስታዊ ስርዓት ብግጉይ መረዳእታን ብሓሶትን ክድልድል ኣይኽእልን።Photo - Hawelti, Mekele - Tigrayan martyrs memorial statute

ተጋድልቲ ህወሓት ኣብቲ ናይ መጀመሪያ ዓመታት ተፈናቲቶም እዮም ዝጓዓዙ ነይሮም። ሽዑ ጊዜ ምፍንታት ክልተ ጥቕምታት ነይረምዎ። እቲ ሓደ ውሑዳት እንዳሃለው ብዙሓት ንምምሳል እንትኾን እቲ ካልኣዋይ ረብሕኡ ግን ካብ ፀላኢ ዘይተሓስበ መጥቃዕቲ እንተጋጥም ኩሎም ናይቲ ሓደጋ ግዳያት ከይኾኑ ንምክልኻል ዝዓለመ’ዩ። ኣብዙ እዋን እዚ ከዓ ምፍንታት መልክዑ ቀይሩ ፖለቲካዊ ኮይኑ ንረኽቦ። ምስ ሕመቓትና ምልኩዓት፣ ምስ ሕላገትና ፅጉባት ኮይንና ክንርአ ላሕ ንብል። ዘቐመጥናዮም ሽቶታት ምፍፃም ምስ ዝስኣነና ኣብ ባይታ ዘይርከብ ምስሊ ክንስእል ንነጥፍ። መሬት ትግራይ ዘየብቆሎ ምስሳን ምህርቲ ብሚድያታት ንቕለብ። ዕላማ ሴፍቲኔት ምስኻዕ እንትኣቢ ሰባት ብመምርሒ “ክምረቑ” ብምግባር ብስም ዘይተሓስበ ጊዜያዊ ሓደጋ (exigency) መሊሶም ክርድኡ ንገብር። ካብ ድኽነት ዝተናገፈ ትግራዋይ ቁጽሪ ኣብ መዛግብትና ነስፍር፣ ፀብፃብ ሃገራዊ ድኽነት ነመሓይሽ፤ ዓለም ለኻዊ ናእዳ ንረኽበሉ። ናብራ ህዝቢ ትግራይ ግን ወይከ ፍሒት። ክንደይ ጎዳጉዲ ማይ ተዃዒቱ? ክንደይ ጎዳጉዲኸ ማይ ዓቒሮም? ማይ እንተዝሕዙኸ ክንደይ ዝስፍሓቶም ግራውቲ ኣስትዮምስ ምህርቲ የሰስኑ? እዚኦምን ከምዚኦም ዘመሰሉን ሕቶታት ዘገድስዎም ካድረታት ውሑዳት ኮይኖም ንረኽቦም። መበገሲ ናይ’ዞም ፀገማት ሽቶታትና ብኸይዲ ንምምዛን ካብ ዘማዕበልናዮ ዝንባዐ ይብገስ። ጉድጓድ ተተዃዒቱ ማይ ምሓዝ ዘይምሓዙ ምፅራይ እንታይ ክዓብስ? ዘመናዊ ድኹዒ ብግዲ ይኹን ብውዲ ሓረስታይ ክዕድግ እንተተጌይሩ ኣብ ጥቕሚ ወዓለ ኣይወዓለ ንመን እንታዩ ኣይኮነን። እንትጠቓለል ናብራ ህዝቢ ትግራይ ውሕስነት ‘ዶ ረኺቡ? ናይ ስራሕ ዕድል በብእዋኑ ይፍጠረሉ ‘ዶሎ? ዝመሰሎ ክዛረብን ኣብ ዝመሰዮ ክሓድርን ዘፍቅድ ኩናታት ‘ዶሎ? ካብቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ውድብ ካልኦት መማረፅታት ‘ዶ ብዘይስኽፍታ ይቐርቡሉ ኣለዉ? ውድብና ህወሓትን ንሳ እትመርሖ መንግስትን ወግሐ ፀብሐ “እምባታት እናደፋእና ኢና” ይበሉ’ምበር ናይ መወዳእታ መዐቀኒ ክኸውን ዝግብኦ ግን ብናይማን እምባታት ትግራይ እናደፍኡ ምዓል ምሕዳሮም ዘይኮነስ እዙይ ኩሉ ኾይኑ እንተብቅዕ ንህዝቢ ትግራይ እንታይ ተረፎ ዝብል’ዩ። ኣብ ዘሎናሉ እዋን ጭቡጥ መኸሰብ ኣብዛሓ ትግራዋይ ምልኩዕ ድኽነቱ እዩ። ፈተውትን ፀላእትን ዘሰማመዐ ውቁብ ድኽነት። ደቁ ለይትን ቀትርን ደኺሞም ዘበርከትሉ ህያብ መሻበብ። ወይ ክስማማዕ ወይ ስኽ ምባል ዘይካኣለ ንሱ ወይለኡ።ውፅኢት ቃልስና ከምዙይ ስለዝኾነ እዩ ካብቲ ከይዲ እንብሎ ዕጥቃዊ ቃልሲ ክንወፅእ ድፍረት እንስእን። መደባት ልምዓትን ሰናይ ምሕደራን ሕልሚ ኮይኖም እንትተርፉ ፅላል ዕጥቃዊ ቃልስና ንዝርግሕ። እዛ ፀላል እዚኣ ንክንደይ ክረምቲ ከምተፅልለልና ዘይምፍላጥ ወይ ክትፈልጥ ዘይምድላይ ታሪኻዊ ሓላፍነትና ምዝንጋዕ ጥራይ ዘይኮነስ ንህላውናና መሊሱ ኣብ ሓደጋ ዝመልስ ውሳነውን’ዩ።

2. ዝበልኩም በሉ ምቕናይ!

ከምሓሳበይ እንተኾይኑ “ዝበልኩም በሉ ምቕናይ” self-preservation at any cost ዝብል ናይ ፈረንጂ ኣባህላ ንምግላፅ ዝተጠቐምኩሉ እዩ። ታሪኽ ከምዝነግረና ብዕጥቃዊ ቃልሲ ናብ ስልጣን ዝመፁን ብሰናይ ድሌታቶም ስልጣኖም ዘረከቡን ሓይልታት ብዙሓት ኣይኮኑን። ውድብና ህወሓት ካብቶም ልሙዳት ፍልይቲ ክትከውን እያ ዝብል ሃንቀውታ ናይ ኩሉ ቅኑዕ ዘቦኡ ዝሓስብ ትግራዋይ ምንባሩ ሓቂ እዩ። ይኹን እምበር ተስፋና ከም ሃፋ ከምዝበነነ ወይ ከኣ ፍታሕ እንተዘይተጌርሉ ካብኡ ከምዘይተርፍ ምትንባይ ነብዪ ምዃን ዘድልዮ ኣይኮነን።

ዕጥቂ ቃልሲ ብዘይካኣቶም ዓዲ እትጠፍእ ዝመስላቶም መራሕቲ ኣውሪሱና እዩ። ገና ካብ ብጊሓቱ ካብ ማእኸል ሃገርን ወፃእን ዓዶም ከገልግሉ ሰናይ ድሌቶም ዘርኣዩ ወገናት “ኣበይ ዝነበሩ” ብዝብል ዕጥቃዊ ቃልሲ ብዝፈጠሮ ኣነነት ቦታ ክስእኑ ተጌሩ። ኣብ ዕጥቂ ቃልሲ ምስታፍ ነቲ ቃልሲ ካብ ዝነበሮን ዝህልዎን ወሰን ጥሒሱን ትርጉሙ ስሒቱን ኣብ ባንኪ ዝተቐመጠን ኣብ ኩሉ ቦታን ጊዜን ዝሽረፍ ዕቋር ኮይኑ። መዐቀኒ መዝታት መንግስቲ ብቕዓት ምዃኑ ተሪፉስ ኣብ ዕጥቂ ቓልሲ ምስ ዝተገብረ ወፈያ ክተኣሳሰር ወይ ከኣ ንኸምዙይ ዝዓይነቱ ኣተሓሳስባ ዝድግፍ ሓይሊ ዝፃወተሉ መይዳ ኮይኑ። ነዚ ምእንታ ክጥዕም ግብሪን ውዕሎን ስውኣት ብዘይ ዕረፍቲ ይዝንቶ። ንሱውን ንኽብራቶም ተባሂሉ ዘይኮነስ ብዓብይኡ ዝተፈለየ ሓሳብ ንዝሓዙ ሰባት ርእሶም ከድንኑ ንምግባር ዝዓለመ ኮይኑ ንረኽቦ። እዞም ንስኩላኣ ካብ መስዋእትነት ዝተረፉ መራሕቲ ዋኒን ዓለም ከምዝረሰዐ ባሕታዊ ኮይኖም ሕድሪ ስውኣት ንምፍፃም ዝተሰለፉ ምሩፃት ምዃኖም ይዝንተወሎም። ነዚ ክጥዕም ድማ ዳርጋ ከሉ መሓውር መንግስቲ በዚ ኣግባብ ተቐንዩ። ሓረስታይ ኮነ ከተመታይ ኣብ መስርዕ ከምዝነብር ውድብ ሰራዊት ክውደብ ግድን ኮይኑ።

ብሕጋዊ መንገዲን ብኣፍልጦ መርፃ ቦርዲ ሃገርናን ዝተጣየሹን ኣብ ትግራይ ክነጥፉ ዝወሰኑን ውድባት ዕላማኦም ብዘየገድስ ናይ ምንቅስቓስ ህገ መንግስታዊ መሰሎም ተሓልዩ ክንቀሳቐሱ ዘኽእል ሃዋህው ኣብ ክንዲ ምፍጣር “ኳዅቶ” ዝብል ሽም ብምልጋብ ድሑር ዝኾነ ፖለቲካዊ ሽቶ ከቑፅር ይፍትን። ዕላማ ወያነ ትግራይ ብሰናይ ድሌት ህዝቢ ስልጣን ዝሕዝ መንግስቲ ምርግጋፅ እምበር ብሓይለ መልጢን መማረፅ ብምኽላእን ርዝነቱ ዝምዝን ሓይሊ ምፍጣር ክኾን ኣይኽእልን። እዙይ ምስ ዝኸውን ኣንፈቱ ስሒቱ ኣሎ ማለት’ዩ። “እዋይ ዘበን እዋይ ዘበንየ ዘዕበኹዎ ድሙ’ዶ ኣምፂኡለይ ተመንየ” ኢሉ ንጃንሆይ ዘዜመ ትግራዋይ ትምክሕቲ ግዲ ተቖፂሩሉስ ድሕሪ ሓደ ትውልድን ፈረቓን ኣብ ዓርሱ በፂሑዎ ክርኢ በቒዑ። ዘዕበዮም ደቁ ክሳዱ ረጊፆም ሰንሰን የብሉዎ ኣለው። ፍርቂ ዕድመኡ ኣብ ቃልሲ ንዘሕለፈ ተጋዳላይ ኩነታት ምስተለወጠ ንህዝቢ ዘይጠቅም ስልጣን ምሓዙ እንታይ እንታይ ይጥዕሞ? ንዓይ ዘስደምም ተርእዮ እንትኸውን “ዝበልኩም በሉ ጥራይ ምቕናይ” ንዝበሉ መራሕትና ግን ዝስከፉሉ ዛዕባ ኣይመስልን።

3. ባዕላውያን ጎነፃት ወያነታት ትግራይን ኢትዮጵያን

ትግራይ ግዳይ ካብ ዝኾነትሎም ፀገማት ሓደ ህወሓት ኣብ ወያነ ኢትዮጵያ ዝነበራ ዕዙዝ ተራ ዝብገስ ከምዝኾነ እምነተይ እዩ። “ዓወት ወያነ ትግራይ ብዓወት ወያነ ኢትዮጵያ ይረጋገፅ” ዝብል ውድባዊ ጭርሖ ብመሰረቱ ትኽክል ይኹን እምበር ሚዛኑ ሓሊዩ ዝተሳለጠ ዕማም ኣይመስለንን።ኣብ’ቲ ጊዜ’ቲ ሃገርና ኣዝዩ ታኣናፋይ ኣብ ዝኾነ ፖለቲካዊ ሃዋህው ነይራ። ሰላም ካብ ምዕሳል ጀሚሩ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ሓይልታት ባህታግቶም ኣማእኺሉ ዝመርሕ ብሱል መሪሕነት ዝጠልበሉ ጊዜ ምንባሩ ሓቂ እዩ። ብመንፅር ሃገራዊ ሽቶታት እንትምዘን ከኣ ናእዳ እምበር ወቐሳ ዝግብኦ ኣይኮነን። እቱ ሽግር ናብ ትግራይ ክነሽርፎ እንተለና እንረኽቦ ምስሊ እዩ። በብግዚኡ ኣብ ትግራይ ክሳለጡ ዝትሓዙ ዝነበሩ ናይ ልምዓት መደባት ሓያሎ ተቓውሞ የጋጥም ነይሩ። እቶም ተቓውሞታት ካብ ተናሓናሕትን ፀላእትን ጥራሕ ዘይኮኑስ ካብ ኣባላትን መሪሕነትን ኢህወዴግ እውን ይምንጭዉ ክምዝነበሩ ይፍለጥ። ከም ውፅኢትውን ትግራይ ዝግብኡዋ ናይ ልምዓት ብፅሒታት ክትረክብ ልቡ መሊኡ ዝማጐት ሓይሊ ወይ ኣይነበረን ወይ ከኣ ክስማዕ ዕድል ኣይረኸበን። “ትግራይ እስክትለማ ሌላው ክልል ይድማ” ንዝብል ኣዝዩ ዝቕንዙን ኣብ ባይታ ዘይነበረን ዘየሎን ሓቂ ዘንፀባርቕ ጭርሖ ፀላእቲ ብምምብርካኽ ትግራይ ንምስክርነት እትቐርብ ናይ ድኽነት ኤግዚቢት ኮይና ክተርፍ ተገይራ። ዝሓሽ ናይ ኣመራርሓ ብቕዓት ዝነበሮም ካድረታት ህወሓት ናብ ማዕኸል ሃገር ብምስሓብ ትግራይ መዐንደሪ ድኹማት ክትከውን ተፈሪዱላ። እዙይ ማለት ኣብ ትግራይ ዘለዉ ካድረታት ኩሎም ድኹማት እዮም ንምባል ኣይኮነን። እኳድኣስ ጥንኩራት መምዩ ዝድርቢ ስርዓት ስለዝኾነ ጥንክር ዝበለ ሰብ ምስ ዝርከብ ናብ’ቲ ለውጢ ዘምፅእ ናይ ኣመራርሓ ፀፍሒ ዘቕርቦ የለን። እዚ ማለት ትግራይ ንክመርሕ ዕድል ዝተውሃቦ ሓይሊ እቲ ቀንዲ ድኽመቱ ድኹም ምዃኑ ዘይኮነስ ድኹማት ዘፍቅርን ብድኹማት ክኽበብን ብሰናይ ድሌቱ ዘፍቀደ ምዃኑ እዩ።

እቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነበረ ሓይሊ ኣብዙ መሰረታዊ ድኸመት’ዚ ዝነበሮ ብፅሒት ትግራይ ፖለቲካዊ ፀገም ናብ ዘይትኾነሉ ኩነታት ክትወርድ ምስርሑ እዩ። ዝኾነ ዓይነት ፍሉይ ሓሳብ ዝሓዘ ሰብ እንተልዩ ንዕኡ ብምልማስ “ብኣሜን ጎይታይ”ን “ምእንተ እዛ ሞጎጎ ትሕለፍ ኣንጭዋ” ብዝብል ድጉል ቅርሕንትን ተተኪኡ። ትግራይ ውዕውዕ ፖለቲካዊውን ልምዓታውን ምንቅስቓሳት ዝሳለጠላ ክልል ምዃና ቐርዩስ ቕህምምትን ናብ ኣዲስ ኣበባ ገፃ እናጠመተት እትምህለል ነዳይ ኮይና። ከምቱ ልሙድ ከዓ ትግራይ ምእንቲ ምዕዋት ወያነ ኢትዮጵያ ክባሃል ንዳግም መስዋእቲ ቐሪባ። ዋጋ ሓቂ እዞም ክልተ ወያነታት መሰረታዊ ዝኾነ ተፃብኦ የብሎምን። ብዓብዩ ድልድልቲ ኢትዮጵያ ምህናፅ ንትግራይ ከዳኸም ግድን ኣይነበረን። ብተግባር እንትምዘን ግን ትግራይ ድሕሪ ቤት ዝገብር ፖለቲካዊ ምዕባለ ግሂዱ።

ኣብ’ዙይ ክልዓል ዝግብኦ ሕቶ ትግራይ ሐዚ እትርከበሉ ፖለቲካውን ኢኮኖሚያውን ፀገም ኣብ ካልኦት ክፋላት ሃገርና ምስ ዝርአ ዘሎ ኢኮኖሚያዊ ዕብየትን ፖለቲካዊ ምርግጋእን እንትርኤ ክኽፈል ዝግብኦ መስዋእትነት’ዶ ክንብሎ ንኽእል ዝብል እዩ። ብዙሓት ሰባትውን ምስ ውሱን ጊዜን ዓቕምን ብምንፅፃር ካብዚ ንላዕሊ ክስራሕ ምፅባይ ዘይምኽኑይ ከምዝኾነ ይከራኸሩ።

እቲ ጉዳይ ግን መራሕትና ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ዘይሰርሑ ኢሉ ብእዝኖም ዝወጠጦም የለን። ክንሰርሖ ኢና ኢሎም ቃል ዝኣተውሎም ዕማማት ዘይምስርሖምን ንትግራይ ዘይኮነስ ንውልቀ ስልጣኖም ሓደጋ መሲሉ ምስ ዝርኣዮም ዝዓፅፉዎም ናይ ልምዓት መደባት ከምኡውን ኩሎም ፀገማት ተፃዊሮም ኣብ ትግራይ ኢንቨስት ንምግባር ዝወሰኑ ሰብ ሃፍቲ ብምድሃል ክሃድሙ ብምግባር ንድኽነትና ዝገበሩዎ ኣበርክቶ ዘይሕለፍ ታሪኻዊ ድኽመት ብምዃኑ እዩ። ኣብ ናእሽቱ ንግድታት ተጓይዩ መድፈኒ ስድራ ዝረክብ ትግራዋይ ብዘየዋሳውስ ቁፅፅርን ምስ ክዉን ኣታዊ ዘይሳነ ግብሪን ሰንሰን ኢሉ ናብ ርሑቐን ቀረባን ክስደድ ምኽንያት ኮይኑ። ኣብዝሓ ኢትዮጵያዊ ናይቲ ዝርካቡ ሃገራዊ ምዕባለን ዋግዋጎ ዴሞክራሲን ተረባሓይ እንትኾን ትግራዋይ ብፍላይ ግን ቀለቡ ስርሒታት ዕጥቂ ቃልሲ ኮይኖም። ወግሐ ፀብሐ “ግርም ኣለኻ” ብዝብልዎ ክልላዊ ሚድያታት ደንፅዩ። ሓለፍቲ መንግስቲ ፌደራል ርኢቶ ህዝቢ ንምስማዕ ንትግራይ እንትኸዱ “ወርቂን ጨርቂን ኮይንና” ብዝብሉ ሕሩያት ውልቀታት ተደሚሞም ይምለሱ።እዙይ እንታይ ማለት’ዩ? ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ዴሞክራሲያዊ ሃዋህው ኣብ መቐለ የለን። ህዝቢ አዲስ ኣበባ ንዘስምዖ መረረት ዝወሃቦ ምላሽ ንህዝቢ መቐለ ሰማይ እዩ።

እሞ እዞም ክልተ ወያነታት ተመጋገብቲ ጌርና’ዶ ክንወስዶም ንኽእል? ከምናተይ እምነት ወያነ ኢትዮጵያ ምስኩሎም ፀገማቱ ኣብ ምስጓም ይርከብ፤ወያነ ትግራይ ግን ኣብ ደውታ። ወያነ ትግራይ ንወያነ ኢትዮጵያ ዕዳ ዝኾነሉ ጊዜ በፂሑ’ዩ ዝብል እምነት ኣለኒ። ድኽመታቱ ብዕቱብን ኣብ ዝቐልጠፈን ጊዜ ምስ ዘይፈትሕ ከኣ ሳዕቤኑ ኣብ ትግራይ ጥራይ ተውሲኑ ዝተርፍ ዘይኮነስ ርኡይ ሃገራዊ ሓደጋ’ውን እዩ።

4. ግዳይ ቁንፅል ራዕይ

ወያነ ትግራይ ኣብ ከይዲ ዘጋጥሙዎ ዝነበሩ ፀገማት ጠቕሊልካ እንትርአ ምስ ጊዜን ምዕባለ ቃልሲን ዝተዓፃፀፍ ኣመራርሓ ዘይነበሮ ምዃኑ እዩ። እዙይ ማለት ዝሓሽ ኣመራርሓ ክፍጠር ምኸኣለ ወይ ክፍጠር ነይሩዎ ማለተይ ከምዘይኮነ ኣንበብቲ ክትርድኡለይ እላቦ። ዝብሎ ዘለኹ እቲ ቃልሲ ከፍርዮ ዝኽእል አመራርሓ እኳ ዘፍረየ እንተኾነ ኣብ ድሩት ኩነታት፣ ከባቢን ጊዜን ዝፈረየ ሓይሊ ብምዃኑ ካብ ኢድ ናብ ኣፍ ክባሃል ብዝኽእል ኣንፈት አመራርሓ እዩ እቲ ቃልሲ ተሳሊጡ። ዝበዝሑ ምዕባለታትውን ድኸመታት ምስተኸሰቱን ከብፅሑዎ ዝግባእ ጉድኣት ምሰብፅሑን እዩም ዝእረሙ ነይሮም። ታሪኽ ከምዝነግረና ሕንፍሽፍሽ(1969 ዓ/ም)፣ ቀዳማይ ደወታ(1977 ዓ/ም) ካልኣይ ደውታን (1982 ዓ/ም) በብግዜኡ ዝፍጠሩ ዝነበሩ ቃልሲ ዝሃስዩ ኣረኣእያታትን ቀዲሙ ብምእማት መፍትሒ ዝናዲ ኣመራርሓ ነይሩ ክባሃል ኣይካኣልን። ተሓንፊሽና እንታይ ንግበር? ቃልስና ደው ኢሉ እንታይ ንግበር? ኣብ መንጎ ተጋደልትን አመራርሓን ዘይዴሞክራሲያዊ ርክባት ማዕቢሉ እንታይ ይገበር? እናበለ መፍትሒ ዝናዲ ሓይሊ ኣብ ርእሲ ምንባሩ ካብ ታሕተዎት ኣካላት ዝምንጭዉ ሓሳባት ዘይምቕባል ገላፃይ ባህሪ ናይቲ ኣመራርሓ ምንባሩ ብዙሓት ዝስማመዕሉ ጉዳይ እዩ።

ድሕሪ ውድቀት ደርጊውን ብዓይነቱ ዝተፈለየ ኣመራርሓ ነይሩና ኢለ ኣይኣምንን። ትግራይ ብኵናት ብዝበፅሓ ስምብራት፣ብስእነት ትሕተ ቅርፃን ካልኦት ፖለቲካዊ ፀገማትን ዝብገስ ቀልቢ ውልቀ ርእሰ ማል ናይ ምስሓብ ዕድላ ኣዝዩ ድሩት ከምዝኾነ ኣሚቱ እንተብቅዕን ነዚ ከም ጊዜያዊ መፍትሕን ፀራጊ መንገዲን ኮይኑ ከገልግል ኢፈርትን (Endowment Fund for the Rehabilitation of Tigray) ሳርትን (Sustainable Agricultural Rehabilitation of Tigray) ንምጥያሽ እንትውስንን ካብ ልቢ ካብ ዝተቐበሉ ሰባት ሓደ ጌረ ንነብሰይ እቖፅራ። ከም ዝኾነ ግዱስ ትግራዋይን ደጋፊ ህወሓትን መጠን ከኣ ንኢፈርትን ሳርትን ካብ ዓይኒ ጠባን ንምክልኻል ዝከኣለኒ ከምዝፅሓፍኩን ከምዝተማጐትኩን ይስምዓኒ።

ብውልቀይ ዕላማታት ኢፈርት ዕላማታት ሳርት ኣብ ሽቶኦም ክበፅሑን ንኢንዱስትሪያዊ ምዕባለ ትግራይ መንገዲ ክፀርጉን ካብ ምግባር ወፃእ ዝርዱእኒ ኣይኮኑን። ከም ናይ’ቲ ጊዜ ትልሚ ኢፈርት ብተዋህልሎ ማል ሳርት(ሓመዳ ድኣ ይቕለላ እምበር) መልክዕ ትግራይ ብዓይነቱ ዝቕይር ዕማም ዳግመ ግረባ፣ ምህናፅ መስኖኣዊ ሓፅብታትን እታወታት ቴክሞሎጂን ክተሳልጥ፣ ቅድም ቀዳድም ህዝቢ ትግራይ ውሕስነት መግቢ ከረጋግፅ ብኡ ኣቢሉ ድማ ናብ ሕርሻ ዝመሰረቱ ኢንዱስትሪ ክሰጋገር ዝገብር ዘኹርዕን ናይማን “እንቋዕ ተቓለስና” ዘብልን ትልሚ እዩ ነይሩ። እሞ እዙ ወርቂ ዝኾነ ትልሚ እዙይ ጋኔን ኣየናይ ሩባ ረኸቦ? ንብዙሕ ኣሽሓት ሄክታር ከልምዕ ተተሊሙ ዝነበረ ፕሮጀክት ጎላጉል ራያ እንታይ ኮለፎ? ንብሉፃት ተምሃሮ ትግራይ ፍሉይ ዕድል ብምሃብ ዕቑር ዓቕሚ ሓዱሽ ወለዶ ናብ ጭቡጥ ረብሓ ሃገር ክቕይር ብሰብ ራእይ ዝተጣየሸ ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ መቐለ እቶም ሰብ ራእይ ካብና ምስ ዝፍለዩ ናብ ተራ ሓደ ክፍሊ ትምህርቲ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ክሕወስ ንምንታይ ተጌሩ? ክነስተውዕሎ ዝግባኣና ነገር ካብ ቃላሚኖን ኤም. ኣይ.ቲ.ን ተሞክሮ ቐሲሞም ተመሳሰልቲ ተቋማት ዘጣየሹ ክልላት ብዙሓት ምዃኖም እዩ። ንሳርት ስዒቡ ዝተጣየሸ አመልድ(አማራ መልሶ ማቋቋሚያ ልማት ድርጅት?) ዝተፈላለዩ ከባቢታት እቲ ክልል ብመሰረቱ ዝቐየረ ልምዓት የሳልጥ፤ ከምኡውን ንዓመታት ተመሊጦም ዝነበሩ ጎድባታት መሊሱ ኣብ ምሕዋይ ዕዙዝ ግደ ኣብ ምፅዋት ይርከብ። ትግራይና ብኣንፃሩ ግን ጀሚራ ዘይትውድእ ምስሓቕ ጓህማማት ኮይና ትርከብ። ኣብ ትግራይ ራእይ ምስ በዓል ዋንኡ እዩ ሓቢሩ ዝመውት። ሓባራዊ ራእይ ዝብሃል ዛዕባ ከም’ቲ ዝድረፈሉ ኣብ ባይታ ደሊኻ ኣይርከብን። ልምዓት ከኣ ኣብ ንፁር ሓባራዊ ራእይ ንሓያሎ ትውልድታት ሰገፅ ብዘይብል ዲስፕሊንን ብሉፅ ኣፈፃፅማን ወፃእ ክሕሰብ ኣይኽእልን።

5. ምስ ድኽመታት ተሳኒኻ ምንባር

መበገሲ ድኽመታት ኣብ ክልተ ክኽፈሉ ይከኣል። ቀዳማይ ሽግር ምዃኖም እናተፈልጡ ብሰንኪ ኣሰራርሓታት ኣጥቢቕካ ዘይምሓዝ፣ግዕዝይና፣ መዝኻ ካብ ኣግባብ ወፃእ ምጥቃም፣ ምስልን ፅባቐን ሓሶት ምብሃግ፣ ምፍራሕ ወዘተ (እንትጠቓለሉ ቅንዕና ምስኣን ዘበግሶም ድኽመታት) ዝብገስ እንትኾን ካልኣይ መበገሲ ድኽመታት ከኣ ናይ ፍልጠት ክፍተት እዩ። ናይ ፍልጠት ክፍተት ብመሰረቱ ዝፍታሕ ተወሰኽቲ ስልጠናታትን፣ ትምህርትን ምርምር ብምክያድ ይኸውን። እቲ ቀዳማይ መደብ ድኽመታት ግን ብስልጠናን ተወሳኺ ፍልጠትን ጥራይ ዝፍታሕ ኣይኮነን። እኳድኣስ ፍልጠት ዘናሹ ንዝኾነት ጥቕሚ ከኣ ከም ቅድመ ኩነት ኮይኑ እንትቐርብ ብመዝነቱን ገንዝቡን ፍልጠት እንተዘይኮነ’ኳ ምስክር ወረቐት ካብ ምዕዳግ ንድሕሪት ዘይብል መሕፈሪ ባእታ ኮይኑ ንረኽቦ። ድኽመታት ምህላዎም እናፈለጠ ጎምባሕባሕ ዝብል ኣመራርሓ ለውጢ ከምፅእ ኣይኽእልን። መሪሕነት ለውጢ ዘምፅእ ብዕሊ ንዘለለዮም ድኽመታት ብቅንዕናን ዕቱብነትን መፍትሒ ከደሊ ድቃስ ዝስእን ምስ ዝኾን ከምኡውን ብሰንኪ ክፍተት ፍልጠት ዝፍጠሩ ሓልክታት በዘየቋርፅ ምምኽኻርን ስልጠናን እናፈትሐ ዝኸይድ እንተኾይኑ እዩ። እቶም ፀገማት ክፈትሕ ዓቕሚ እንትሓፅሮ ከኣ ዝሓሸ ክእለት ዘለዎ ውልቀሰብ ወይከኣ ጉጅለ ክትክኦ ክሳብ ምግባር ዝኸይድ ስጉምቲ ምስ ዝወስድ ጥራይ እዩ።

ርብዒ ክፍለ-ዘበን ሓፂር ጊዜ ኣይኮነን። ንኽንድዙይ ዓመታት ብመጠን ትፅቢት ህዝቢ ትግራይ ትርጉም ዘለዎ ልምዓትን ሰናይ ምሕደራን ዘየንገሰ ኣመራርሓ ክስከፍ እንተዘይክኢሉ ምስ ድኸመታቱ ከይበታትኽ ዝመሓለ ኮይኑ’ሎ ማለት’ዩ። እዙ ዝለመድናዮ ጥብ ትብል ለውጢ ዘየምፅእ ኣጋማግማ ወጊድ! ብውሽጣዊ መስርሕ ለውጢ ናይ ምምፃእ ተስፋ ዘብቀዐ ይመስለኒ። ውሽጣዊ ድኸመታት ምፍታሽ ንሳልሳይ ወገን ክመሓላለፉ ይግባእ። ሳልሳይ ወገን ዝብሎ ዘለኹ ነፃነት ዘለዎ ሚድያን ትካላዊ ኣሰራርሓ ዝውስኖ ርክብ ስራሕ መካየዲ መንግስትን ሲቪል ሰርቪስን ክህልው ኣለዎ ማለት’ዩ። ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ግን ሲቪል ሰርቪስ ትግራይ ብተናሓናሒ ውድባዊ መስርሕ ተመንጢሉ ይርከብ። ኣብ መንግስትን ውድብን ዘሎ ኣፈላላይ መስመሩ ዘይፍለጥ እቱ ውድብውን ንዝንተኣለሙ ኣብ ስልጣን ክፀንሕ እምበር ትፅቢት ህዝቢ ክሳብ ዘየዕገበ ክልወጥ ከምዝኽእል ዝኣምን ኣይኮነን።

ካብዙይ ቀፂለ ኣብዚ ኣዋርሕ ብዝተፈላለዩ ሚድያታት ዝቐረቡን ክልዓሉ ይግባእ ኢለ ዝኣምነሎምን ንጥብታት ከስዕብ።

[ናብ ገጽ 2 ክቅጽል እዩ። ቁጽሪ 2 ይጠውቁ::]

Teweldebrhan Kifle

more recommended stories