ኣሰላልፋ ግዳማውያን ፀላእትና ኣብ መበል 12 ጉባኤ ህወሓት

ህወሓት ኣብ ዝሓለፉ 40 ዓመታት ናይ ውሽጥን ደገን ፀገማት እንዳኣለየ ዝመፀ ዕዉት ውድብ እዩ፡፡ ኣብ ናይ 40 ዓመት ዕድሚኡ ቡዙሓት ኣንፃሩ ዝተሰለፉ ፀላእቱ ዝሰዓረ መሪሕ ውድብ ህዝቢ ትግራይ ውን እዩ፡፡ እንተኾነ ግን ዝተስዓሩ ፀላእቱ ክድምይዎ ናብ ዘይክእሉ ደረጃ ኣውሪዲዎም እምበር መሊኦም ኣይጠፍኡን፡፡ በብግዚኡ ኩነታት ህወሓት እንንዳተኸታተሉ ደኺሙ ኢሎም ኣብ ዝሓሰብዎ እዋን ክሻመይሉ እሞ ከውድቕዎ ፀፀገዖም ሒዞም ዝፅበዩ ፀላእቱ ኣይደቀሱን፡፡ እዚ ብተደጋጋሚ ፈቲኖም ኣይኮነሎምን፡፡

ቀንዲ ምክንያት ፅልኣት እዞም ሐይልታት ከኣ ግልፅን ግልፅን እዩ፡፡ ህዝባውን ወያናይ መስመርን እምነትን ህወሓት ነዞም ሓይልታት ካብ ባይታ ነቒሉ ሰለዝደርበዮም እዩ፡፡ ህወሓት ዴሞክራስያዊ ብሄራዊ ኣረኣእያን እምነትን ህዝቢ ትግራይ ቀሚሩ መሊሱ ከኣ ሕቶ ሰላም፣ ልምዓትን ዴሞክራስን ህዝብታት ኢትዮጵያ ንምምላስ መተካእታ ዘይብሉ ፖሊስን ስትራቴጅን ቀሪፁ ሃገር ንምህናፅ ካብ ዝገብሮ ጉዕዞ ጠጠው ከብልዎ ኣይከኣሉን፡፡ ራእን እምነትን ህወሓት ራእን እምነትን ህዝቢ ትግራይ እዩ፡፡ ህወሓት ካብ ኩሎም ውድባት ዝፍለ ከኣ በዚ ምኽንያት ይኸውን፡፡ ሰለዚ ፀላእቲ ህወሓት ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ እዮም፡፡

ህዝቢ ትግራይ ፀላእቲ ህዝብታት የብሉን፡፡ ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ዝኾኑ ረብሕኦም ዝተጓደሎም ጉጅለታትን ውልቀ ሰባትን ግን ኣለዉ፡፡ እዞም ሓይልታት በብግዚኡ ብግልፂ ኣንፃር ህዝቢ ትግራይ ጠጠው ኢሎም ድሌቶም ብግልፂ ኣንፀባሪቖም እዮም፡፡ ንህዝቢ ትግራይ ክስዕርዎ ሰለዘይከኣሉ ድማ ናይ ስትራቴጂ ለውጢ ገይሮም ናይ ቀቢፀ ተስፋ ቃልሲ ኣይገደፍዎን፡፡

ኣብ መበል 12 ጉባኤና ዝረኣዩ ዘለዉ ጨርባሕባሓት ውን ንሶም እዮም፡፡ እቶም ኣንፃር ህዝቢ ትግራይ ብግልፂ ጠጠው ዝበሉ ሓይልታት፤ ነቲ ዉህደቱ ዝሓለወ ኣብ ጥንኩር ወዳበን ሓድነቱን ዝኣምን ህዝቢ ትግራይ ኣንፃሩ ተላዒሎም ውፅኢቱ ድማ ተደጋጋሚ ፍሽለት ኮይኑ፡፡ ሰለዚ ሓድሽ ኣንፈት ክቕይሱ ተገዲዶም፡፡Photo - Mekelle, Tigrai region, Ethiopia

እቲ ሓድሽ ኣንፈት ከኣ ከምዚ ይብል … ብሓፈሻ ህዝቢ ትግራይ ፀላኢና እዩ ኢልና ክንስዕሮ ኣይከኣልናን፡፡ የግዳስ እምነት ህዝቢ ትግራይ ናብ ካልኦት ህዝብታት ሰሪፁ ካብ ባይታ ከምንንቀል ገይሩና ኣሎ፡፡ ሰለዚ ንብዓት ሓርገፅ እንዳነባዕና ብሽም ህዝቢ ትግራይ እንዳመሓልና እንዳጠሓልና፤ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ክንነፃፅሎም ኣለና ኣብ ዝብል ተስማዕሚዖም፡፡ ኣብዚ ናይ ስትራቴጂ ለውጢ ቀንዲ ተዋሳእቲ ዝነበሩ ድማ ካብ ህወሓት ተሳዒሮም ዝወፁ ደሓር ዓረና ዝበሃል መሳርሒ ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ዝኾነ ውድብ ዘጣየሹ ገለ ሰባት ይርከብዎም፡፡ ህወሓት ካብ ህዝቢ ትግራይ ንምንፃል ከም መቃለሲ ዝሓዝዎም ነጥብታት ከዓ፤

– ህዝቢ ትግራይ ተሰዊእካ ቆሲልካ ህወሓት ግን ፃማካ ክኸፍለካ ኣይከኣለን፡፡ ብሽምካ ይሽቅጥ ኣሎ እንዳበሉ ቁስሊ ሀዝቢ ትግራይ እንዳተናኾዩ፤ ህዝቢ ትግራይ ካብቲ መሰረታዊ እምነቱ ክንፀል ምግባር፡፡

– ከባብያውነትን ፀቢብነትን እንዳፈሓሓሙ ውህደት ህዝቢ ትግራይ ምድኻም፡፡

– ህወሓት ንውልቀ ሰባት እምበር ንህዝቢ ትግራይ ኣይትጠቅምን እንዳበሉ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ህወሓት እምነት ክቕንስ ምግባር

– ኣብ ሰናይ ምሕደራን ክራይ ኣካብነትን ዝረኣዩ ነኻላት እንዳጋነኑ፤ ዓወት ዝረኣየሎም ዓውድታት ውን እንዳኸሓዱ ህዝቢ ከንፀርፅር ምግባር … ወዘተ፡፡

ኣብዚ ግን ህዝቢ ትግራይ ክርድኦ ዝግባእ ሓቂ፤ እዞም ብኣፍ ፀላእትና ዝዝረቡ ፀገማት ይጋነኑ እንተኾኑካ ኣብ ባይታ ከምዘለውን ህወሓት ውን ከምዝኣምነሎምን እዩ፡፡

መፍትሒ እዞም ፀገማት ግን መስመር ህወሓት እምበር መስመር ፀላእትና ኣይኮነን፡፡ ሰለዝኾነ ድማ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሃገራውን ክልላውን መረፃ ንህወሓት ብምምራፅ ኣረጋጊፅዎ እዩ፡፡ ፀላእትና ብሓደን ክልተን ዝቑፀር ትርፊ ኣይትረፉን ግን ኣይበሃልን፡፡ ናይዚ ቀንዲ ፀገም ከኣ ነኻላትና ንምዕባስ ዝገብርናዮ ምድኑጋይ ኮይኑ ቀንዲ ተሓተቲ ንሕና ባዕልና ኢና፡፡

ተስፋ ዘይቖርፁ ፀላእትና ግን ሐዚ ውን ንህዝብና መፃባበቕቲ መሲሎም ይቱኽትኹዎ ኣለው፡፡ ናይዚ ቀንዲ መግለፂ ከኣ ኣብ ድሮ መበል 12 ጉባኤ ዝረኣይ ዘሎ ሃለውለውን ጠምባላሓትን እዩ፡፡ ፀላእትና ኣብ ዘይሰምር ናይ ሓባር “ህወሓት ምውዳቕ” ዝብል ዕላማ ተሰሊፎም፤ ዝተፈላለዩ ክንሶም ተሓዋዊሶም ጫውጫው ይብሉ ኣለዉ፡፡ ግልፂ ንምግባር ዝኣክል ኣሰላልፈኦም ከምዝስዕብ ከቐምጦም ክፍትን እየ፡፡

መሳርሒ ትምክሕቲ ዝኾነ ዓረና

ዓረና ብቒምን ኩራን ዝተኣኻበቡ ሰባት ዝርከብዎ ራኢ ኮነ ዝምርሓሉ ንፁር መስመር ዘይብሉ ንትምክሕቲ ወኪሉ ኣብ ትግራይ ዝንቀሳቐስ ውድብ እዩ፡፡ እዚ ካብ ቅንዕና ዘይነቐለ ህዝባውነት ዘይብሉ ቃልሲ ዝገብር ውድብ ናይ ባዕሉ ኣጀንዳ ዘይብሉ ብትምክሕተኛታት ማእኸል ሃገር ዝዝወር ውድብ ኮይኑ፤ በቢመዓልቱ ህወሓት ካብ ህዝቢ ትግራይ ንምንፃል ኣብ ስእነት ሰናይ ምምሕዳር (ባዕሉ ውን ዝሳተፈሎም) እንዳኣተወ ዝፅሕትር ምንቅስቓስ እዩ፡፡ ዓረና ለይትን ቀትርን ህዝቢ ትግራይ ሓለፋ ዝፅበ ህዝቢ ከምስል ዘይተገበረልካ ክብል ፀሓይ ይዓርቦ፡፡ ቀንዲ ትኹረት ዓረና ድማ ከምዝስዕብ ምቕማጥ ይከኣል፤

– ላዕላውነት ዝብል ዘይንፁር ኣምር ብምሓዝ ዘይከውን ናይ በሪ ባሕሪ ሕቶ ብምልዓል ህወሓት ነቲ ብዓለማዊ መስርሕ ዝወድኦ ጉዳይ ንጎኒ ገዲፉ፤ ህወሓት ዘይሃገራዊ ከምኡ ውን ንኤርትራ ዘዳሉ ውድብ ከምዝኾነ ጌሩ ንህዝቢ ምስባኽ፡፡

– ዓረና ክልል እምበር ብሄር ኣይውክልን ብምባል ምስ ደምበ ትምክሕቲ ተዓሪቑ ኣብ ጎቦን ሩባን ዝተመሰረተ ኣንፃር መሰል ብሄራት ዝኸይድ ፌደራሊዝም ከተግብር እየ እንዳበለ፤ ብሄራዊ ስምዒት ህዝቢ ትግራይ ምድኻም ብኡ ኣቢልካ መልክዕ ዘይብሉ ኢትዮጵያውነትን ኣብ መቓብር መንነት ብሄራት ዝምሰረት ሓድነትን ተመሊሱ ክመፅእ ምፅዓር፡፡

– መሰል ብሄራት ዘኽብር ወያናይ ዴሞክራስያዊ ሕገ-መንግስቲ ብምቅዋም ንጉጅለ ትምክሕቲ ብዝጥዕም መልክዑ ሊበራል ዴሞክራሲ ክተኣታቶ ምግባር

ጉጅለ ትምክሕቲ

ብቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ዝተስዓረ ናይ ትማሊ ጮቋኒ ስርዓት ተመሊሱ ክመፅእ ዝጠልብ ከይኑ፤ እቲ ኣብ ተግባር ዘሎ ዴሞክራስያዊ ሕገ-መንግስቲ ንምፍራስ ኩሎም ዝኽእሎም መማረፅታት ዝጥቀም ሓይሊ እዩ፡፡ ካብ ራዕዲ ጀሚሩ ክሳዕ ሰላማዊ ቃልሲ ዝከኣሎ ይገብር፡፡ እዚ ሓይሊ ብቐጥታ ምስ ህዝቢ ትግራይ ዝራኸበሉ ገመድ ስለዝተበጠሰ፤ ኣብ ትግራይ ዕሱባት ውድባትን ገለ የዋሃት ውልቀ ሰባትን ከም መሳርሒ ይጥቀም፡፡ ናይዚ ጉጅለ ዝተራቐቑ ስልትታት ንምጥቃስ፤

– መናእሰይ ትግራይ ብሄራዊ ስምዒቶም ክቕንስ ተባሂሉ ኣጉል ሃገራውነት ምስባኽን

– ዱሑራትን ዘርአኛታትን ባዕልቶም እንዳሃለዉ ትግራዋይ ብብሄሩ ከይሓስብ ዘረኛ እንዳበልካ ምሽምቓቕ

– ፍቕርን መርዓን እንዳመሰረትካ ፀላኢ እንዳሀለኻ ፈታዊ መሲልካ ምቕራብ

– ባህልን ቋንቋ ህዝቢ ትግራይ ክብረዝን ክዕብለልን ምፅዓር

– ስነ-ጥበብን ሙዚቃን ተጠቒምካ ኣብ ብሄራዊ ስምዒት ተጋሩ ምድኻም ምፍጣር… ወዘተ፡፡

ዓለም-ለኻውያን ኒኦ-ሊበራለስት ትካላትን መንግስታትን

ሓይልታት ኒኦ-ሊበራሊዝም ኣንፃር ህወሓት ኢህወደግ ዝተሰለፉ ገና ኣብ ፅባሕ ወድቀት ደርጊ እዩ፡፡ ኢምፔርያሊስታዊ ረብሓታቶም ኣብ ኢትዮጵያ ከሳልጡ ካብ እዋን ምስረታ ሽግግር መንግስቲ ጀሚሩ ኣይደቀሱን፡፡ ህወሓት ኢህወደግ ግን ነዞም ናይ ደገ ሓይልታት ብብስለትን ውሕልነትን መኪቱ ናተይ ዝብሎ ንረብሓ ሓፋሽን ሃገርን ደው ዝበለ መስመር ክሃንፅ ኪኢሉ፡፡

ሓይልታት ኒኦ ሊበራሊዝም ህወሓት ኢህወደግ ረብሓ ሃገሩ ዘረጋግፅ ንእኦም ዘይግዛእ ዱልዱል መንግስቲ ምኻኑ ንካልኦት ኣፍሪካውያን መንግስታት ሕማቕ ኣብነት ሰለዝኾነ ኣይደቀሱሉን፡፡ ብተደጋጋሚ ኣንፃሩ ጠጠው ክብሉ ከኣ ተራእዮም፡፡ ውፂኢት መረፃ ሲዒቡ ናይ ጎደና ናዕቢ ክልዓል፣ ዝተጋነኑ ናይ ሰብኣዊ መሰል ጠቐነታት፣ ካብ ዓለም-ለኻዊ ትካላትን ደገፍቲ ሃገራትን ዝርከብ ልቓሕን ሓገዝን ክቋረፅ ብምፅዓር ዝኽእልዎ ኩሉ ፈቲኖም፡፡ ኣይኮነሎምን ግን፡፡

ንሕና ውን ኣይንስዓርን ንሶም ውን ተስፋ ኣይቖርፁን፡፡ ብፍላይ ድሕሪ እቲ ኣብ ሃገራት ዓረብ ዝተርኣየ ምልዕዓል ናብ ኢትዮጵያ ዝገበርዎ ምቁማት ዝወሰኸ ይመሰል፡፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኒኦ-ሊብራሊዝም ከተኣታትዉ እሞ ብኡ ኣቢሎም ፀረ-ረብሓ ሓፋሽ ዝኾኑ ረብሓታቶም ንምስላጥ ከም መሳርሒ ዝጥቀሙሎም ስልትታት ዘይመንግስታዊ ትካላትን ቀይዲ በተኽ ሚድያታትን ሰለዘይሰመሩሎም ከኣ ካልኦት ስልታት ይፍትኑ ኣለዉ፡፡ ካብዚኦም ገሊኦም ንምጥቃስ፤

– ብናታቶም ርእዮተ-ዓለም መናእሰይ ብምስልጣን ናብ ማሕበራዊ ሚድያ ብምልኣኽ ፃውዒት ናይ ቀለም ወያነ ምስላጥ

– ክንዲ ዝከኣል ንዓዓቶም ዝመስሉ ሰባት እንዳመልመሉ ናብ ኣመራርሓ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምእታው

– ውልቃዊ ረብሓ ዘስድዖም ሰብ ሃፍቲ ኣብ ፖለቲካዊ ውሳነታት መንግስቲ ኢትዮጵያ ፅልዋ ከሕድሩ ከም መሳርሒ ምጥቃም

– ብመንገዲ ሰብ-ሃፍቲ ኣቢልካ ኒኦ-ሊበራላዊ ምቅስቓስ ዝገብሩ መንእሰያት ምምዋል … ወዘተ፡፡

ተስፋ ኣልቦ መንግስቲ ኤርትራ

ሻዕብያ ልዕሊ ህወሓት ኣብ ዴሞክራስያዊ መሰል ህዝቢ ኤርትራ ዝኣምን ውድብ ከምዘየለ ኣፀቢቑ ይፈልጥ፡፡ ሻዕብያ ግን ንጋፍ ህዝባውነት ሰለዘይብሉ፤ ህወሓት ኣንጻር ዓማፃይ ጉጅለኣዊ ረብሕኡ ጠጠው ዝበለ ዴሞክራስያዊ ውድብ ከምዝኾነ ሰለዝፈልጥ፤ ህወሓት ከጥፍእ ምስ ኩሎም ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ/ህወሓት እዮም ዝብሎም ክሰርሕ ተገዲዱ፡፡ ብግልፂ ህወሓት ካብ ስልጣን ምውራድ ብኡ ኣቢልካ ከኣ ህዝቢ ትግራይ ጎቢጥካ ኢትዮጵያ ክተፈራርስ ምግባር ከም እንኮ መንግስታዊ ተልእኾ ወሲዱ ዝሰርሕ መንግስቲ ከይኑ ኣሎ፡፡

ሻዕብያ እከይ ዕላምኡ ንምስኻዕ ካብ ራዕዲ ጀሚሩ ኣብ ሶሻል ሚድያታት ተሓቢኡ ክሳዕ ምርባሽ ከምኡ ውን ኩነታት እንዳረኣየ ናብቶም ፈፂሞም ነፃነት ኤርትራ ዘይቕበሉ ውድባት ኢትዮጵያ ውን ስልታዊ ምትእትታው እንዳገበረ ናይ ዓቕሙ ይገብር ኣሎ፡፡ ኣብ ድሮ መበል 12 ጉባኤና ዝረኣይ ዘሎ ውን እቲ ሉሙድ እዩ፡፡

እዚኦም ኩሎም ሓይልታት ናይ ትማሊ ፀላእቲ እዮም፡፡ በብግዚኡ ዝሰዓርናዮም ዝፈልጡና ንፈልጦም፡፡ ሓድሽ ነገር እንተሃለወ ኩነታት ዝፈጠሮ ናይ ስትራቴጅን ስልትን ለውጢ እዩ፡፡ ትማሊ ህዝቢ ትግራይን ህወሓትን ኣብ ናይ ሓባር ራእን እምነትን ደው ሰለዝበሉ ፀላእትና ተሳዒሮም፡፡ ሎሚ ውን እንኮ ዕርድና ህዝብና እዩ፡፡

ሰለዚ ህዝብና ዝሓተና ሕቶታት ብምምላስ፣ ተዓፃፂፍና ፃምእ ልምዓት ህዝብና ብምርዋይ፣ ኣብ ሞንጎ መሪሕ ውድብ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ፀላእቲና ክህሊ ዝደልይዎ ምፍልላይ ብምዕባስ መመሊስና ክንስዕሮም ይግባእ፡፡

ህዝቢ ዝኣመነ ውድብ ኩሉሻዕ ይዕወት!

************

Mehari Yohanes is a lecturer at Department of Political Science and Strategic Studies of Mekele University. He can be reached at [email protected]

more recommended stories