ተቓዉሞ ዲሞክራሲያዊ መሰል እዩ – መንግስቲ ትግራይ ምፍትሒ ክህቦ ይግባእ!

(ሕሩይ ነጋሲ)

ብሰብ ሃብቲ ትግራይ ዝተፈነወ ተቓዉሞ ዲሞክራሲያዊ መሰል እዩ! መንግስቲ ትግራይ ብቕንዕና ሪኡ ሚዛን ብዝሓለወ ዉሕሉል አመራርሓ ምፍትሒ ክህቦ ይግባእ!!

ብሰብ ሃብቲ ትግራይ ብዛዕባ ምሕደራን ዕብየትን ትግራይ ዝተፈነወ ተቓዉሞ ብፍላይ ብጉዱስ ትግራዋይ ፈታዊ ህዝቢ አይተ ዳዊት ገ/እግዛሄር ዝተጋወሐ ተቓውሞ ሓቂ ይኹን፤ ኣይኹን በዘየገድስ ክረአ ዘለዎ ጉዳይ እዩ፡፡ መስቲያት ህዝቢ ኮይኖም፤ ስእላዊ መልክዕ ፀገማት ምሓደራ ትግራይ ስለዘርኣዩና ነዚኦም ጉዱስ ትግራዋይ ኣድናቖት ክንገብረሎም ይግባኣና፡፡ ምኽንያቱም እዚ መረረቶም፤ ናሃቶም ጥራይ ዘይኮነስ ካብ ብዙሓት ጉድሳት ተጋሩ ዝላዓል ዝነበረ ጉዳይ እዩ፡፡ ንሱውን ብተማሃሮ፤ ብምሁራን፤ በሰብ ሃብቲ ሙሁራንን ሓፋሽን እናተላዓለ ዘሎ ጉዳይ ስለዝኾነ፡፡ ብሕቡእ ዝዝረብ ዝነበረ ናብ ዓለም ለኸ ሓበሬታ ሚድያ ወፂኡ ይርከብ፡፡ ሓዱሽ ጉዳይ ኣይኮነን፡፡

ንመንግስቲ ምቅዋም ዲሞክራሲያዊ መሰል እዩ፡፡ እቲ ተቓዉሞ ናይ ሓደ ውልቀሰብ ባዓል ሃብቲ ጉዳይ ዘይኮነስ ኣብ ተፈላለየ እዋናት ብቡዙሓት ተጋሩ ስለዝላዓል ዘሎ፤ ብወከልቲ ህወሓት-መንግስቲ ትግራይ ብፍላይ ኣብ መበል 12 ጉባኤ ህወሓት ክረአ ዝግባእ ጉዳይ እዩ፡፡ መንግስቲ ትግራይ ብቕንዕና ሪኡ ሚዛን ብዝሓለወ መንገዲ ብዉሕሉል አመራርሓ ምፍትሒ ክዋሃቦ ትፅቢት ይግበር፡፡

እንድሕሪ እዚክዕፈን ተጌሩ ዳሕራይ ናበይ ገፅና ከምነምርሕ ኣይንፍለጥን፡፡ ካብ ታሪኽ ክንማሃር አለና፡፡ ድሕሪ ሞት ሃፀይ የውሃንስ ኣብ ትግራይ ዝነበሩ ኣመራርሓ መሳፍንቲ (??) ነንባዕሎም ንኽጠፋፍኡ፤ ንኽዋግኡ መሳፍንቲ ሽዋ ዓብይ ሮል ተፃዊቶም እዮም፤ መሳፍንቲ ትግራይ ምስተዳኸሙ ብመሳፍንቲ ሽዋ (ብሃፀይ ምንሊኽ) ኣብ ልዕሊ ትግራይ ህዝቢ ዝበፀሐ ግፍዒ ብዙሓት ዘይክንፈልጦ ንኽእል ኢና፤ ብሓፂሩ ናይ መምህር ገ/ኺዳን መፅሓፍን ናይ ካልኦት ፅሓፍቲ ምርኣይ ይካኣል እዩ፡፡ ብሃፀይ ሃ/ስላሴ ብ1967 ዓ.ም ናይ ትግራይን ናይ ወሎ ክ/ሀገር ናይ ድርቂ ጥምየት ህዝቢ ንናይ መንግስቲ ዕልዋ እቲ ሓደ ቐንዲ ምኽንያት ከምዝኾነ ዝፍለጥ እዩ፡፡ ብዘመን ደረጊ እውን ብ1977 ዓ.ም ናይ ድርቂ ጥምየት ህዝቢ እቲ ሓደ ቐንዲ ምኽንያት ወድቀት ደርጊ ከም ዝኾነ ክንግምግም ይግባዕ፡፡ ኣብ ህዝብታት ዘይተመጣጠነ ኢንቨስትሜንት፤ ዘይተመጣጠነ ናብራ፤ ዘይተመጣጠነ ዕብየት፤ ናይ ኣብዛሓ ናይ ከተማ ህዝቢ ጥምየት፤ ናይ መናእሰይ ትግራይ ስደትን ብግፍዒ መቕተልቲ፤ Grand project and grand corruption; ዳሕራይ ናበይ ገፅና ከምዘምርሓና ኣይንፍለጥን፡፡Photo - Hawelti, Mekele (Tigraian martyrs memorial)

ኣብዚ እዋን እዚ ጠጠው ኢልካ ክልተ ሻብ፤ ሰለስተ ሻብ ምሕሳብ ዘድሊ እዋን እዩ፡፡ እቲኦም ካብ Grand project grand corruption ይጥቀሙ ኣለዉ እናተባሃለ ዝጋዋኽ ዘሎ ተራእዩ ጠጠው እንድሕር ዘይሉ፤ ዳሕራይ ናበይ ገፅና ከምዘምርሓና ኣይንፍለጥን፡፡

ብወገነይ ሓይሊ ሚዛን ሪኢና ብውሕልል ኣካይዳ ክናኣልዮ ኣለና ይብል፡፡ ምኽንያቱም መንግስትና/ሀገርና ኣብ ውጥረት (ብጎረባብቲ ሀገር ሰላም ዘይምህላው፤ ብውፃእን ብውሽጥን ትምክሕተኛ ተቃወምቲ ምህላው፤ ኣኽረርቲ ብውሽጥን ብወፃኢን ምህላው፤ ድቃስ ዘይህበካ ዕማም ሜጋ ፕሮጀክት ምህላው፤ ናይ ኸተማ ናብራን ሻቕሎት፤ መናእሰያት ስራሕ ምስኣን ምህላው) ስለትረከብ እዩ፡፡ በዚ ምኽንያት ሓይሊ ምዝባዕ ንኸይሕሉ ብጥንቃቐ ክረአ ኣለዎ፡፡

ስለዚ ነገራት ብኹሉ ዘሎ ፅልዋታት ተራእዩ ደረጃ ብደረጃ ክፍትሑ ኣለዎም፡፡ ብፍላይ ኣብ ትግራይ

1. ናይ ኣመራርሓ ምትዕርራይ ምግባር – ብቡቓዓትን ብሓደሽቲ ኣመራርሓ ምትካእ (ነባራት ኣመራርሓ ናይ መፅናዕትን ኣማኸርትን ቢሮ ከፊትካ ኣብ መንግስታዊ ስራሕቲ ክሰርሑን ክሕጉዙን ምግባር)፡፡ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ስለዝተኸልና እቲ ስርዓት በይኑ ንቲ ንደልዮ ዕላማ ከዕውተልና ኣይኽእልን፡፡ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ማለት ውህደት ናይ መራሕቲ/ሰባት/መንግስቲ፤ ፖሊሲ ልምዓትን ዲሞክራሲን፤ ህዝብን እዮ፡፡ ናይ’ቲ ስርዓት ዝደኸመ ፈፃሚ ወይክዓ ዝደኸመ መራሓይ ከእርፍ ኢና ንደሊ፡፡ መንግስታዊ ስርዓትና እንታይ ኣበር ኣለዎ? Free press, free civil associations and even personal freedom are part and parcel of the democratic system እንታይ ዝጎድሎ ኣለዎ? ስርዓት መንግስቲ ክንቕየር ኣይኮነን ድልየትና፡፡ ነቲ ዝድለ ስርዓት ንምሕያልን፤ ብንጥፈት ንኽፍፀምን ኣብ ሽቶ ንምብፃሕን ናይ መራሕቲ ሓይሊ፤ ዓቕሚ፤ ዕድመ ሓይሊ፤ ተወፋይነት ወሳንነት ኣለዎ፡፡ ሓደሽቲ መራሕቲ፤ ብሓዱሽ መንፈስን ጉልበትን ንደለዮ ዘላና ምኽንያት እዚ እዩ፡፡

ምሓደራ ህዝቢን ልምዓትን ምስ ዓቕሚ ፍልጠት፤ ብስለት፤ ስነ-ምግባር፤ ዕድመ፤ ተመክሮ ስራሕን፤ ተወፋይነትን ዝተኣሳሰረ እዩ፡፡ ካብ እዚአን ዝተገለፃ ረቑሓታት ሓዲአን እንድሕር ጎዲለን ሰናይ ምምሕዳርን ልምዓትን ክሕሉ እዩ ኢልካ ምሕሳብ የዋህነት እዩ፡፡ ኣብ ክልልና ኣብ ትግራይ ዘሎ ምሕደራ ክንሪኢ እንከለና እዚኦም ብጥንቃቐ ዝተራኣዩ ኣይመስሉን ምኽንያቱም መንቀሊ ክራይ ኣካብነት፤ ምስኣን ሰናይ ምምሓደራ ኮይኑ ንሪኦ ስለዘለና እዩ፡፡ ብፍላይ መሪሕነት ወይክዓ ናይ ነዊሕ ግዜ ኣማሓዳሪ ምኻን ምሕደራ ድልየት ዘርአ ዘሎ ይመስለኒ፤ እዚ ሓደገኛ ኣካይዳ ናብ ምጉባጥ መሰል ህዝቢ/ኣምባገነናዊ ስርዓት ዝመርሕን፤ ከይዱ ከይዱ ንኹላትና ሒዙና ክጠፍእ ዝኽእል ኣካይዳ እዩ፡፡ ስለዚ ስልጣን ምስ ዕድመ ክኸይድ ኣለዎ፤ ምሒር ዕድመ ዝደፈአ መራሒ ዘይኮነስ ተመራሓይ እዩ ክኸውነ ዝኽእል፡፡ ምኽንያቱም ከም እቲ ህዝቢ ዝደልዮ የማንን ፀጋምን እናበለ ክዋናጨፍ ስለዘይክእል እዩ፡፡ ድኻምን ድቃስን ስለዘብዝሖ እውን እዩ፡፡ እዚ ድማ ናይ ደቂ ሰባት ነባራዊ/ባይሎጂካል ኹነት ስለዝኾነ እዩ፡፡ ሃፀይ ሃ/ስላሰ ዕድመ ስልጣኖም እስካብ መቓብር እዮም ኣውሪዶ’ሞ፡፡

ብዕድመን ብቓልሲን ዝደኸመ ከዕርፍ ኣለው፤ አዕርፍ ኣቢሎም ድማ ተወሳኺ መፅናዕቲ (Research) ምግባር፤ ታሪኽ ቓሊሲ ክፅሕፍን ኣብ ሰነድ ከስፍር፤ ንሓዱሽ ወለዶ ክመኽሩ፤ ሓዱሽ ወለዶ ዓቕሚ ንኽፈጥር ክሃንፁ ይግባእ፡፡ ቓልሲ ህወሓት ቓልሲ ህዝቢ እናተሓደሰ እናተወዓዓየ ክኸይድ ኣለዎ፡፡ እንድሕር ዘይኮይኑ እቲኦም ብዕድመ ዝደፍኡ ኣመራርሓ ብጥዕና ምስኣን ሰንከልከል ኢሎም ክወድቑ እዮም፤ ንባዕሎም እውን ኣይጥዕሞምን እዩ፡፡ ሓላፊነት ምስ ዓቕሚን ምስ ዓድመን ዝኸይድ እዩ፡፡ እቲ ነባር ኣመራርሓ ናይ እቲ ሓዱሽ ወለዶ ኣመራርሓ ሓጋዛይ፤ መኻራይ፤ መተባባዓይ፤ ሃናፃይ፤ ገምጋማይ ክኸውን ይግባእ፡፡እንድሕር ብምሒር ስልጣን ምድላየ ምትኽኻእ ዘይተፈጢሩ ናበይ ገፅና ከምነምርሕ ኣይፍለጥን፡፡ ስለዚ ናይ ህዝብና ስልጣንን ሕዳሰን ናብ መቓብር ንኸይወርድ ክንጥንቐቕን ክንሓስበሉን ይግባእ፡፡

2. ብተመሳሳላይ ኣብ ትግራይ ዘለዉ ፀገማት ክልተ እዮም ተባሂሉ እንድሕር ተኣሚንሎም ነቲኦም ፀገማት ዝፈትሑ ኣማራፅታት ምድላይ የድሊ፡፡ እቲኦም ፀገማት 1ይ- ክራይ ኣካብነት፤ 2ይ ምስኣን ሰናይ ምምሓደራ እንድሕር ኮይኖም፡፡ እቲ መፍትሒ ብቐዳምነት ንሰናይ ምምሓደራ ካብ ክራይ ኣካብነት ነፃ ብዝኾነ ሓዱሽ ኣመራርሕ ክትካእ ኣለዎ፤ ድሕሪኡ እቲ ክሪይ ዝተኣከበ ብዕሙቀት ተፀኒኡ መፍትሒ ክድለየሉ ኣለዎ፡፡ እቲ ተኣከበ ክራይ(ሃፍቲ) ገጅፍ እንድሕር ኮይኑ ሕጊ መሰረት ጌርካ ናብ ህዝቢ ክምለስን ኣታዊ ክኸውን ይግባእ፡፡ ኣቲ ኣብ ምሕደራ ዝነበረ ብዓል ስልጣን (መሪሕ) ገዚፍ ጉድኣት ንኸይበፅሖን ካሊኣት ፀገማት ንኸይፍጠሩ ጥንቓቐ ምግባር የድሊ፡፡ ኩሉ ነገር ብሓሌትን ብነቔፌታን ንኽፍታሕ ምፅዓር እዩ ዘድሊ፡፡ እንካይ ዶ ዝሰረቐስ ዝቐተለ እውን ኣብ ትሕቲ ሕጊ ብግቡእ ክታሓዝ ኣለዎ፡፡ካብ Grand project grand corruption ይጥቀሙ አለው ንዝባሃሉ ካብ ጥፍኣት ምምላስ፤ እቲ ተሰሪቑ ዝባሃል እንድሕር ሓቂ ኮይኑ መዓዝ ከምዝበልዕዎ ስለዘይፍለጡ ነቲ ድኻ ህዝቦም ንኽሓስብሉ ጠጠው ኢሎም ንኽሓስቡ ናይ ምእማን ስራሕቲ እንተዝስራሕ፤ ይፈለጡ ኣይፈለጡ በዘየገድስ ካብ ጥፍኣት ንኽእረሙ እንተዝግበር፤

3. ዝተመጣጠነ ዕብየት ክልላት ንኽህሉ ናይ ኢንቨስትሜንት ክለሳ ምግባር፤ ብጦርነት ዘባደመ/ዝተጎደአ ክልል ፍሉይ ጠመተን በጀትን ንኽምደብ ናይ ምእማን ስራሕቲ ምስራሕ፤ ተደጋጋሚን ተቐራራበይን ፕሮጀክት (ንኣብነት ኤርፖርት ፕሮጀክት ባህርዳርን ጎነደርን፤ ኤርፖርት ፕሮጀክት ኣርባ ምንጭን ኣዋሳን…..ወዘተረፈ) እዚ ምስ ናይ ክልላት መሰል ዝዳፋኣሉ ምኽንያት የለን፤ ሀገራዊ ጉዳይ ስለዝኾነ’ ውን እዩ፡፡ ናብ ቐዳምነት ዝዋሃቦ ምዕፃፍ (ምርግጋእ ናብራ-ሕፅረት ምግቢ ኸተማ፤ ምስፋሕፋሕ ስራሕ መናእሰይ፤ ብጦርነት ተጎደአ ኽልል ምድጓም)፤ ስድራ ስዋኣት ምዝካር ምዕላይ፤ ኢንቨስተራት ትግራይ ብፉሉይ መልክዕ/አተሓሕዛ ኣትዮም ተወዳደርቲ ንኽኾኑ ምዕዳም – ዝተደላደለ ባይታ ምንፃፍ/ምፍጣር፤ ዝብሉ ጉዳየት/ዛዕባ ኣብ መበል 12 ጉባኤ ሕወሓት ክራኣዩ ኣለዎም ኢለ ይኣምን፡፡ እንድሕር እዚንን ካሊኣት ዓበይቲ አገደስቲ ጉዳያት እንድሕር ዘይተራእየን ናበይ ገፅና ከምነምርሕ ኣይንፍለጥን፤ ሓይሊ ሚዛናውን ንኸይዛባዕ ስግዓተይ እናገለፅኩ ርኢቶይ የቕርብ፡፡

**********

Guest Author

more recommended stories