መበል 12 ጉባኤ – ህወሓት ኣብ ቀራና መንገዲ

1. መእተዊ

ህዝቢ ትግራይ ንምንታይ ኣንፃር መንን ተቓሊሱ? ከመይ ታዓዊቱ? ኣብ ከይዲ ቃልሲ ዘቐመጦም ሽቶታት እንታይ ነይሮም? ድሕሪ ወድቀት ስርዓት ደርጊ ኣብ መፈለምታን ከይድን ቃልሲ ዝተፈጠሩ ሸቶታት ተዓዊቶም ዶ ኣይተዓወቱን? ካብ ዝብሉ ሕቶታት ክብገስ፡፡ ካብዞም ሕቶታት ክብገስ ክብል ከለኩ ብልማዳዊ ኣበሃህል ፍሰት ታሪክ ንምሕላው ጥራሕ ዘይኮነስ፤ ውፅኢት ገምግም ዓወት ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ብሓፈሻ፤ ብፍሉይ ከኣ ህወሓት ከም መሪሕ ውድብ ህዝቢ ትግራይ ንምግምጋም ዘኽአሉ ሰለዝኾኑ እዮም፡፡ ብርግፅ ዕላማ እዚ ፅሑፍ ካብ ሀ ክሳብ ፐ ከይዲ 40 ዓመት ህወሓት ንምግምጋም ኣይኮነን፡፡ ቀንዲ ትኹረት እዚ ፅሑፍ ህዝባዊ ተቓባልነቱ ዝሓለወ ወያናይ ልምዓታዊ ወድብ ህወሓት ንምቕፃል፤ ከም ኣባል ህወሓት ካብ መበል 12 ጉባኤና ዝፅበዮ ንምቕማጥ እዩ፡፡

ህዝቢ ትግራይ ከምኡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ መፋርቕ 20 ክ/ዘመን ብኣዝዩ ዝበለየ ዘወዳዊ ስርዓት ይግዛእ ነይሩ፡፡ እዚ ኣረጊት ዘውዳዊ ስርዓት ናይቲ ድሕሪ ምስረታ ዘመናዊት ኢትዮጵያ ቅርፂ ዝትሓዘ ዘውዳዊ ስርዓት መቐፀታ አዩ፡፡ መዛግብቲ ታሪክ ከምዝሕብርዎ ኢትዮጵያ ሐዚ ሒዛቶ ዘላ ቅርፂ ክትሕዝ ዝካለት በቲ ኣብ መወዳእታ 19 ክ/ዘመን ዝተኻየደ ምስፍሕፋሕን ቀረመት ባዕዳዊ መግዛእቲ ቀርኒ አፍሪካን እዩ፡፡ ድሕሪ ምስረታ እታ ሃገር ከኣ ኣብ ምእኸል ኢትዮጵያ ዝነቆጠ ሓይሊ ናይ ምምእኻልን ህንፀት ሃገርን ስራሕቲ ቀፂሉ ኣተግቢሩ፡፡ እዚ ከይዲ ፈፂሙ ምስ ኣብ ባይታ ዘሎ ትሕዝቶ እታ ሃገር ዘይቃዶ ብምንባሩ ዳርጋ ነቲ ንሙሉእ ሓደ ክ/ዘመን ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈጠረ ጎንፅን ድሕረትን ቀንዲ መንቀሊ ኮይኑ፡፡ ምስ ምምፃእ ሃይለሰስላሴ ተተሓሒዙ ከኣ እቲ ጎንፅን ድሕረት ጫፍ እንዳሓዘ ከይዱ፡፡

ኣብ እዋን ሃይለስላሴ ቡዝሕነት ኣብ ግምት ዘየእተየ፣ ማዕረነት ብሄራት ሃይማነታትን ዘይቕበል፣ ሰብ ብሰብነቱ ዘየኽብር፣ ዴሞክራስያዊ መሰላት ህዝብታትን ዜጋታትን ዘየኽብር፣ ቁጠባዊ ልዕለ ትሕትና ከም መርሕ ዘሰጉም፣ ሃገር ከም ሃገር ንኢደ-ወነንነት ሃፄን ሰብዓብቶምን ዘረክብ፣ ሓይሊ ከም መፍትሒ ዘቐመጠ ስርዓት ስርዓት ንምህናፅ ተፈቲኑ፡፡ እዚ ኩነታት ድማ ህዝብታት በቢዝረኸብዎ ኣጋጣሚ ክዕሙፁ ክህውኹን ዘገድድ ሃዋህው እንዳፈጠረ ክከይድ ግድን ነይሩ፡፡ ካብቶም ማእለያ ዘይብሎም ወፀዓታት ይበፅሖ ዝነበረ ሓደ ህዝቢ ትግራይ እዩ፡፡ ህዝቢ ትግራይ ምስቲ ኣብ 1889 ዝተፈጠረ ምስግጋር ማእለከላይ መንግስቲ ኢትዩጵያ ከብ መቐለ ናብ ኣዲስባ ተኣሳሲሩ፤ ኣብ ልዕሊ ብሄራዊ ወፅዓ ካብ ኩሎም ሕቶታት ልምዓትን ዴሞክራስን ተነፂሉ ኣብ ጎዳና ዕንወትን ጥፍኣት ኣትዩ ይሳቐይ ነይሩ፡፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝበፅሑ ዝነበሩ በደላት ካብ ካልኦት ህዝብታት ኢትዮጵያ ቡዙሕ ዝፍለዩ ኳ እንተዘይነበሩ፤ ታሪካዊ ኣመፃፅኣን ፖለቲካዊ መንነትን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ግምት ኣእቲኻ ግን ህዝቢ ትግራይ ናይ ባዕሉ ወያነ ከካይድ ዝግደደሉ ክነታት እንዳተፈጠረ ክኸይድ ግድን ነይሩ፡፡Image - TPLF at cross roads

ሰለዝኾነ ድማ ገዚፍ ህዝቢ ዘሳተፈን ነቲ ዘውዳዊ ስርዓት ዘሰምበደን ምንቅስቓስ ቀዳማይ ወያነ ኣብ ትግራይ ተጀሚሩ፡፡ እዚ ምንቅስቓሽ ኣንፃር ዘይፍትሓዊ ምሕደራን ዘይተደለየ ናይ ማእከል ሃገር ኢድ ኣእታውነትን ዝተኻየደ እንትኾን፤ ነቲ ካብ ስደት ዝተመለሰ ገና ዘይደልደለ ዘውዳዊ መንግስቲ ከምኡ ውን ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካ ድሕሪ ካልኣይ ኩናት ዓለም ሓላፍነት ተረኪባ ሰላምን ድሕንነትን ይከታተል ኣለኹ ትብል ንዝነበረት ብሪታንያ ፀረ ርብሕኦም ኮይኑ ሰለዝተረኸ ብግፍዒ ክዕበጥ ተፈቲኑ፡፡ እንግሊዝ ነፍርቲ ውግእ ካብ ዓደን እንዳበገሰት እቲ ልሙስ ዘውዳዊ ስርዓት ድማ ዝክእሎ ክሉ ካብ ማእኸል ሃገር ኣበጊሱ ናብ ትግራይ ብምኽታት ዓመፅ ሓረስቶት ቀዳማይ ወያነ ትግራይ ብሓይሊ ተጋዕፂፁ፡፡ መሊኡ ዝጠፈአ ግን ኣይነበረን፡፡

ኣብ ከይዲ እቲ ብላይ ዘውዳዊ ስርዓት ሓይሊ መሰረት ዝገበረ ህዝባዊ ተቐባልነቱ ኣብ ሕቶ ዝኣትዎሉ ምዕባለ ኣብ መላእ ሃገር ውን ይጥጥሕ ጀሚሩ፡፡ ኣብ ቤተ-መንግስቲ ኣዲስ ኣበባ ተቐሚጡ ይኾኒኑ ዝበሎም መሳፍንቲን ደገፈቲ መሳፍንቲ ሙሁራን ኣብ ጎኑ ኣቐሚጡ ኣብ ዝፋን ደቂሱ ይሕርንኽ ዝነበረ መንግስቲ፤ እታ ሃገር ናበይ ገፃ ትኸይድ ከምዝነበረት ክርዳእ ዝኽእል ኣይነበረን፡፡ ኣብ ገጠራት ኢትዮጵያ ብግዕዘይ ምሕደራ፣ ሕቶ መሬት፣ ምጉዳል ፍትሒ ዝተሳቐየ ህዝቢ እንዳተገረፈ ውን ነቲ ስርዓት ምንውናው ኣይገደፈን፡፡ ኣብ ከተማ ውን ከምኡ፡፡ ሸቃላይ፣ መንግስቲ ሰራሕተኛ፣ ወተሃደር፣ ተምሃራይ፣ ነጋዳይ … ነቲ ስርዓት ማሕበራዊ፣ ቁጠባውን ፖለቲካውን ሕቶታት ኣቕሪቦም መልሲ ዝህብ ኣይተረኸበን፡፡ እቲ ዘይንዓቕ ቁፅሪ ዝነበሮ ኣማኒ እምነት እስልምና ውን ኣብታ ናተይ ዝብላ ሃገር ናይ እምነት ነፃነትን ማዕርነትን ክረክብ ሕትኡ ናብ ኣደባባይ ክበፅሕ ተልዓለ፡፡ ዝሰምዕን ፍታሕ ዘቕርብ መንግስቲ ግን ኣይተረኸበን፡፡

ብሓፈሻ አቲ ኣረጊት ዘውዳዊ ስርዓት ሕቶ ብሄራዊ ማዕርነት፣ ሕቶ መሬት፣ ሕቶ ልምዓትን ዴሞክርራስ ክምልስ ድሌት ኮነ ዓቕሚ ሰለዘይነበሮ ሰለይ እንዳበለ ናብ መቓብር ይወርድ ምንባሩ ናይ 1960ታት ሓቂ ነይሩ፡፡ ኣብ መወዳእታ ከኣ ለካቲት 1966 ህዝባዊ ዓመፅ በርቲዑ ካብ ኩሎም ኩርናዓት ዓመፅ ተወሊዑ፡፡ ኩሎም ክፍልታት ሕ/ሰብ ነቲ ስርዓት ክመውት ከምዘለዎ ኣሚኖም ነፂጎሞ፡፡ ኣብዚ ከይዲ ዝነበረ ደንገርገር ተጠቒሙ ንባዕሉ ደርጊ ብዝብል ሽም ኮሚቴ ዝተጣየሸ ወተሃደራዊ ሓይሊ መንግስታዊ ስልጣን ብግዝያውነት ወሲዱ፡፡ እንዳወዓለ እንዳሓደረ ግን እዚ ግዝዊ ወተሃደራዊ መንግስቲ ስልጣን ንህዝቢ ኣረኪቡ ህዝባዊ መንግስቲ ክምስረት ዝፈቅድን ከምዘይኮነ ዘመላኽቱ ምዕባለታት ክገሃዱ ጀሚሮም፡፡

ብኢደ-ወነኑ ሰልጣን ዝሓዘ ደርጊ ካብቲ ዝሓለፈ ስርዓት ዝሓይሽ ከምዘይከውን ቀዲሙ ዝተረደአ ሓይሊ ድማ እቲ ኣብ ምውላዕን ቅርፂ ምትሓዝን ወያነ ኢትዮጵያ ዓብይ ግደ ዝነበሮ ሙሁር (ንኡስ ብርጅዋ) እዩ ነይሩ፡፡ ኣብ ምንቅስቓስ ተምሃሮ ኢትዮጵያ ዝማዕበለ ንኡስ ብርጅዋ፤ ደርጊ ነቲ ወያነ ከምዝጨዮ ብግልፂ ዝተግሃደሉ ድሕሪ እቲ ናይ መስከረም 2 1967 ኣዋጅ እዩ ዝነበረ፡፡ ኣዋጅ መስከረም ክልተ ንኩሎም ምንቅስቓሳት ኣደስኪሉ ደርጊ ስልጣን ክብሕት ዝወፀ ፀረ ዴሞክራስያዊነት እቲ ወተሃደራዊ ስርዓት ናበይ ከምዘብል ብዘየላጢ ምልክት ሂቡ፡፡

ሰለዝኾነ ድማ እቲ ኣብ ምጉሁሃር ወያነ ኢትዮጵያ ብመሪሕነት ዝተፃወተ ሙሁር ክፍሊ ኣንፃር ደርጊ ደው ክብል ተገዲዱ፡፡ እንተኾነ ግን እዚ ንእስ ቡርጅዋ ዝተወሃደ ሓይሊ ኣይነበረን፡፡ ኣብ ጉዳይ ህንፀት ሃገራዊ ሓድነት፣ እንታይ ዓይነት ቃልሲ ከምዘድሊ፣ ካብዝብል ጀሚሩ አብ ቡዙሓት ደቀቅቲ ጉዳያት ከይተረፈ ኣፈላላያት ነይሮም፡፡ ብሰንኪ እዞም ኣፈላላያት ድማ ዝበዝሕ ናይቲ ዘመን ንእስ ቡርጅዋ ምእላይ ስርዓት ደርጊ ኣብ ዝብል ተስማዕሚዑ ግን ከኣ ዝተፈለላየ ኣረኣእያ ሃጋርውነትን ስልቲ ቓልስን ሒዙ ክሳዕ ዝተፈላለያ ውድባት ምምስራት በፂሑ፡፡ ብሓፈሻ እንትርአ እቲ ሙሁር ሓይሊ ናብ ክልተ ግምባራት ኣሰላልፋታት ኣትዩ፡፡ ፀጋማይ ሃገራውያን ውድባትን በቲ ሐቲ ሓደ ገፅ፤ በቲ ካልእገፅ ከኣ ፀጋማይ ሓይሊ ብሄራውያን ውድባት ናብ ዝብሉ ክልተ ኣሰላልፋታት ግን ድማ ኣብ ታክቲክን ስትራቴጅን ከምኡ ውን ኣብ መቃለሲ መሰረት ዝፈላለዩ ውድባት ተፈጢሮም፡፡

ካብዚኣቶም ሓደ ንህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ በገሲ ዝኾነ ብተጋሩ ተምሃሮ ዩንቨርስቲ ዝተመሰረተ ማገብት እዩ፡፡ ማሕበር ገስግስቲ ብሄረ ትግራይ ብቐንዲኡ አብ ኣዲስ ኣበባ ዩንቨርስቲ ኣብ ምንቅስቓስ ተምሃሮ ኢትዮጵያ ዝነጥፉ ዝነበሩ ተጋሩ እዩ ዝተመሰረተ፡፡ እንተኾነ ግን መሰረት ፖለቲካዊ ምልከትኡን ሕቶታትቱን መበቆሎም ኣብ ትግራይ ዝነበረ ኩነታት እዩ፡፡ ትግራይ ድሕሪ ምድምሳስ ቀዳማይ ወያነ ድሕረትን ድኽነት ተሸኪማ ቃልሲ ትፅበይ ነይራ፡፡ ብኩሉ መለክዕታት ከኣ ድሕሪ ኩለን ክፍላተ ሃገራት ትስራዕ ድርብርብ ወፀኣታት ተሸኪሙ ዝነብር ጭቁን ህዝቢ ትግራይ ቃልሲ ይደሊ ከምዝነበረ ኣብ መወዳእታ አቲ ዘውዳዊ ስርዓት ኣብ ትግራይ ዝነበረ ሓቂ እዩ፡፡ ነዚ ነባራዊ ሓቂ እንኮ መፍትሒ ቃልሲ ነይሩ፡፡ ሱር በተኽ ለውጢ ዘምፅእ ወያናይ ቃልሲ፡፡ ነዚ ወያናይ ቃልሲ ኣብ ሽትኡ ዘብፅሕ ከኣ ጥንከር ወያናይ ውድብ የድሊ፡፡ ኣብዚ ከይዲ ማገብት ታሪክ ዝሓረዮ ውድብ ኮይኑ ይፍጠር፡፡

ማገብት ናብ ሜዳ ትግራይ ወሪዱ፡፡ ሽሙ ድማ ተጋድሎ ሓርነት ህዝቢ ትግራይ ናብ ዝብል ቀይሩ፡፡ ተሓህት ብንኡስ ብርጅዋ ዝተጣየሸ ግን ኩነታት ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ እንታይ ክመስል ከምዘለዎ ዝተረደአ ምንቅስቓሰ ነይሩ፡፡ ሕቶ ህዝቢ ትግራይ ሕቶ ብሄራዊ ማዕርነት፣ ሕቶ መሬት፣ ሕቶ ሰላም ዴሞክራስን ልምዓት ከምዝኾነ ቀሚሩ መስመር ኣታትዩ ናብ ብረታዊ ቃልሲ ወሊዑ፡፡ ንህዝቢ ትግራይ ከኣ ፃዊዒት ኣቃሊሑ፡፡

ናይ ሜዳ ቃልሲ ግን ዕንቅፋት ዘይብሉ ሰጣሕ ሜዳ ኣይነበረን፡፡ ነቲ ቃልሲ ዘተዓናቕፉ ውሽጣውን ደጋውን ኩነታት ነይሮም፡፡ ነዚኦም ክትኣሊ ድማ ተዓፃፃፋይ ፖለቲካዊ መስመርን ቃልስን የድልካ፡፡ ደጋዊ ተፃብኦታት ክንብል ከለና ኣንፃር ፖለቲካዊ ፕሮግራማት ውድብ ተሓሕት/ህወሓት ዝተሰለፉ ውድባት ከምኡ ውን እቲ ስልጣን ዝተረከበ ሓይሊ ክብል ክብል ውን ዘባውን ዓለም ለኻ ውን ኩነታት ኣብ ግምት ክተእቱ ዝሓት መድረኽ አዩ፡፡ ብዝበለፀ ግን ክንቃለስ ኢና ኢሎም ኣብ ሜዳ ትግራይ ዝሰፈሩ ተናሓናሕቲ ውድባት ቀንዲ ፀገማት ነይሮም፡፡ እቲ ቀንዲ ሕቶ ዝኸውን ውን ህወሓት ከመይ ጌሩ ነዚኦም በሊፁ እምነት ህዝቢ ትግራይ ወኒኑ ተዓዋታይ ኮይኑ ወፂኡ ዝብል እዩ፡፡ መልሲ ነዚ ሕቶ ወያናይ ህዝባዊ ባህርን ህወሓት ኣብ ዝብሉ አምራት ይቕመጡ፡፡

ህወሓት መሪሕነት ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ቅድሚ ምርካቡ ኣብ ትግራይ ዓቃቢ ናይቲ ዘውዳዊ ስርዓት ዝኾነ ኢዴህ፣ ዕላማ ዘይብሉ ሸፋቱ ዝተኣከብሉ ጠራናፊት፤ ታሪክን ፖለቲካዊ መንነትን ህዝቢ ትግራይ ዘይተረድኦ ብጀብሃ ዝዝወር ጥራናፈ ዝረሓቖ ግገሓት፣ ወያናይ ዝመስል ካብ ነባራዊ ፀገምን ወድዓዊ ፍታሕን ዝወፀ ኢህኣፓ፣ ነንርእሶም ዝይቃደዉ ጨላልቃ ነፃነት ኤርትራ ብዝብል ዝሰኸሩ ውድባት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ደርጊ ፈተና ተደረብቲ ፈተናታት ነይሮም፡፡ ህወሓት ነዚኦም በብመድረኸም ክረትዕ ክተዓፃፀፍን ክገለባበጥን ግድ ነይሩ፡፡ ካብ መፈለምቱ ገና እግሩ ከየትረረ ከኣ በዞም ሓይልታት ተከቢቡ ህልውንኡ ከረጋግፅ ፈተናታት ክሓልፍ ዘገድድ ኩነታት ኣጋጢምዎ፡፡ ንገሊኦም ብዲፕሎማሲ ንገሊኦም ብሓይሊ ከከም ኣመፃፅኦም እንዳተኣናገደ ሰዓራይ ሓይሊ ኮይኑ ወፅዩ፡፡ ከመይ ካብዘም ሓይልታት ተፍልዩ ተዓዊቱ? መልሱ ቡዙሕ ክኸውን ይኽእል፡፡ ምናልባት ሓደ ሓደ ሰባት ብድኽመት ተናሓናሕቱ ዝብሉ ውን ኣይሰኣኑን፡፡

እቶም ቀንድን ገለፅትን መልስታት ዓወት ህወሓት ግን፤

* ኣብ ባይታ ዝነበረ ኩነታት ትግራይ፣ ኢትዮጵያ ከምኡ ወን ዓለማውን ዞባውን ኣሰላልፋ ዘነፀረ በብግዚኡ መድረኽ ዝጠልቦ ምምሕያሻት ዝገበረ ፖለቲካዊ ፕረግራም ሰለዝሓንፀፀ

* ገዚፍ እምነት ህዝቢ ትግራይ ሰለዝወነነ

* ወያናይነቱን ህዝባውነቱን ዝሕልወሉ ውሽጠ ወድባዊ ዴሞክራስያውን ትካላውን ኣሰራርሓ ሰለዝጨበጠ ዝብሉ ሰለሰተ ዓበይቲ ነጥብታ ኣለው፡፡

ፖለቲካዊ ፕሮግራማት ህወሓት በበግዚኡ እንዳተመሓሹ ዝመፁ እዮም፡፡ ቀንዲ ኣሰርቲ ናይዞም ፕሮግራማት ህወሓት ኣብ ብሄራውን መደባውን ቃልሲ ዝተመሰረተ ኮይኑ በብግዚኡ መሰረታዊ ትሕዝቶ ቃልሱ ከይገደፈ ህወሓት ህዝባዊ መሰረቱ እንዳገወደ ክሐይድ ብዘኽእሎ መልክኡ ፕሮግራማቱ ኣዕሚቑን ኣማሓይሹን እዩ፡፡ እዚ ከዓ ገዚፍ ህዝባዊ መሰረት ዘለዎ ወያናይ ውድብ ገይርዎ፡፡

ህዝባዊ እምነት ዝምልከት በቲ ሓደ ገፅ ካብ ተጠቃምነት ፕሮግራማቱ ዝብገስ እንትኸውን በቲ ካልእ ገፅ ድማ ካብ ወያናይ መትከሉ ይብገስ፡፡ ህዝቢ ትግራይ ንካልኦት ውድባት ራሕሪሑ ንሀወሓት ይኹንትኡ ዘሃበ ፕሮግራማቱ ሰፋሕትን ህዝባዊ ተሳትፎ ሰለዘረጋግፀሉን ጥራሕ ኣይኮነን፡፡ ቀንዲ ምስጢር ህዝባዊ ደገፍ ህወሓት ካብ ዴሞክራስያውን ወያናይ ባህርን ህወሓትን ታጋዳላይ ህወሓት እዩ፡፡ ኣብ እዋን ገድሊ፤ ህወሓት ፀገማት ህዝቢን ሕቶ ህዝብን ብዴሞክራስዊ ኣገባብን ወያናይ ሓልዮትን ክኣሉ ምኽኣሉ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ጎኑ ከሰልፍ ኪኢሉ፡፡

ህወሓት ብሓደ ገፅ ብረት ተዓጢቑ ፀላእቱ እንዳተፋለመ ብካልእ ገፅ ከኣ ምሕደራ ህዝቢ እንዳወገነ እዩ ተቓሊሱ፡፡ ኣብ ምሕደራ ህዝቢ ዝለዓሉ ፀገማት ብዴሞክራስያዊ ኣገባብ ይኣሊ፡፡ ምስ ህዝቢ ዘለዎ ርክብ ድማ ወያናይ እመነት መሰረት ዝገበረ ክኸውን ለይትን ቀትርን ይሰርሕ፡፡ ኣመራርሓን ኣባልን ህወሓት ብህዝቢ ተቐባልነት ክረክብ ዘኽአለ ከኣ እቲ ህዝባዊ ረብሓ ዘቐደመ ወያናይ ባህሪኡ እዩ፡፡ እዚ ወያናይን ህዝባውን መሰመር ከ ከመይ ክፍጠር ኪኢሉ?

ውሽጣዊ ዴሞክራስያውን ትካላውን ኣሰራርሓ ዝብል መልሲ ንረክብ፡፡ ህወሓት ዕማማቱ ክፍፅም ዘኽአሎ ውሽጠ ውድባዊ ፖለቲካዊ ኣሰራርሐ እዩ፡፡ ነዚ ዴሞከራስያውን ወያናይን ኣሰራርሓ ካብ ዕለት ናብ ዕለት ዘሰጉምን ዝቆፃፀርን ቀንዲ መሳርሒ ድማ ገምጋም እዩ፡፡ ገምጋም ማለት ውሽጠ ውድባዊ ኣሰራርሓ ከመኡ ውን ህወሓት ምስ ህዝቢ ዘለዎ ርክብ ወያናይ ህይወቱ ዝሓለወ ክኸውን ዘኽእል መሳርሒ እዩ፡፡ ህወሓት ኣፈፃፅማ መደባቱ ይግምግም፣ ኩነታት ህዝቢ ይግምግም፣ ዴሞክራስውን ወያናይን ባህሪ ኣመራርሓ ይግምግም፣ ደውታ እንተጋጥም ውን ኣብ መስመራቱ ዘሎ ብልሒ ይግምግም፣ ዓወቱን ድኽመታቱን ይግምግም፡፡ ካብ ገምጋም ከዓ ይመሃር፡፡

ህወሓት ወያናይ ዴሞክራስያዊ ውድብ ምስ ምኻኑ ውሽጠ ዴሞክራሲ ናይ ምንባርን ዘይምንባር ሕቶ እዩ ዝነበረ፡፡ ኣብ ኩለ መዳያዊ መሰርሕ ህወሓት ኣብ ውሽጡ ኣፈላላያት ምስዝፍጠሩ ክሳዕ ዝበስሉ ውሽጠ ቃልሲ የካይድ፡፡ ኣብ ውሽጠ ቃልሲ ብብዝሓት ዝተኣመነሉ ውሳነ ፀዲቑ ከኣ ብዘይ ኣፈላላይ ይፍፅም፡፡ እዚ ኣብ ነዊሕ ናይ 17 ዓመታት ብረታዊ ቃልሲ ጎዶሎታት ነይሮሞ ዋላ እንተዘይተብሃለ፤ ፍልፍል ዴሞክራስያዊን ወያናይን መንነት ውድብ ኮይኑ፤ ህወሓት ህዝባዊ እምነትን ደገፍን ረኺቡ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ከዐውት ኣኽኢልዎ እዩ፡፡

ህወሓት ፕሮግራማቱ እንዳገምገመ እንዳስፈሐ ሕዝባዊ መሰረቱ እንዳደላደለ፣ ህዝባዊ እምነት እንዳሓየለ፣ ውሽታዊ ዴሞክራስያዊን ወያናይን አሰራርሑ እንደገምገመ ዝእረም እንደኣረመ ዝዓሙቕ እንዳዕሞቐ … ካብ መደረኽ ናብ መደረኽ ክሰጋገር ቀንዲ መዘውር ኮይኑ ዘገልግል እምበኣር ጉባኤ ህወሓት እዩ፡፡ ግባኤን ህወሓትን እንታይ እንታይ እዮም?

2. ጉባኤታት ህወሓት ኣብ ጉዑዞ 40 ዓመት

ህወሓት ዴሞክራስያውን ወያናይን ውድብ ብምኻኑ ጉባኤታቱ ንመድረኻዊ ተሳትፎ፣ መፈተሺ ፀገማቱ፣ ንቕድሚት ዘኺዶ ንፁር ህዛባዊ መስመር ክጥንክር ናይ ሓሳብ ቃልሲ ዝግበረሉ፣ ፀገማት ህዝቢ ዝዝተየሉን ኣንፈታት ልምዓት ዝሕንፀፅሉን ዴሞክራስያዊ መድረኽ እዩ፡፡ እዚ መርሕ ጉባኤ ህወሓት እዩ፡፡

ናብ ታሪኽ ጉባኤታት ህወሓት ተመሊስና ክንርእ ከለና ድማ ካብ ጉባኤ ናብ ጉባኤ ዋላ ይፈለለ ደኣ እምበር ክውንነት ኣለዎ፡፡ ህወሓት ብጀካ እቲ ኣብ 1968 ዓ/ም ዝተሳለጠ መሰራቲ ጉባኤ፤ ክሳዕ ናይ 2005 ዓ/ም መበል 11 ጉባኤ ብጠቕላላ 11 ጉባኤታት ኣካዳ ኣለ፡፡ እዞም ጉባኤታት ካብ ከዓ ብመንፅር መሰረታዊ ዕላማታት ጉባኤ ህወሓት ክንሪኦም ከለና ነኒ መድረኹ ዝመስሉ፣ ህወሓት ፕርግራማቱ ዝዳህሰሰሎም፣ መስመራቱ ዘነፀረሎም፣ ውሽጠ ውድባዊ ኣሰራርሑ ዝገምምገመሎም፣ ኣፈፃፅማ መደባቱ ዝገምገመሎም፣ ናይ ህዝቢ ፀገማትን ሕቶን ዘትዩ መፍትሒ ዘቐመጠሎም ከይኖም ንረኽቦም፡፡ ብውፅኢቶምን ኣብ ናይ 40 ዓመታት ጉዕዞ ዘለዎም ካብ መድረኽ ናብ መደረኽ ዝገብርናዮ ዝላ፣ ፅሬት መስመር፣ ምጥንኻር ፖለቲካዊ ሂወት ውድብ፣ ምስ ህዝብና ዘለና ርክብ ኣብ ምጥንኻር ዝብሉ ነጥብታት ኮይና ክንሪኦም ከለና ግን ኣፈላላያት ንረኸበሎም፡፡

ንኣብነት 1ይ ጉባኤ ህወሓት ተመሊስና ክንሪኦ እንከለና ኣብ ወያናይነትን ህዝባውነትን ህወሓት እምኒ ኩርናዕ ዘንፀፈ ታሪካዊ ጉባኤ ኮይኑ ንረኽቦ፡፡ ካብ የካቲት 17-21 1971 ዓ/ም ኣብ ማይኣባይ ዝተሰለጠ 1ይ ጉባኤ ህወሓት፤ ድሕሪ ናይ 1969 ሕንፍሽፍሽን ምስ ኢዴህ ዝተኻየደ ደማዊ ኩናትን ዝተኻየደ ምስ ምንባሩ፤ ሃላዋት ናይ ምጥፋእ ሓደጋ መኪቱ ዝተኻየደ ጉባኤ እዩ ዝብል ታሪኻዊ ቦታ ኣለዎ፡፡ መሪሕ ጭርሖ ናይዚ ጉባኤ “ሓፋሽ ይንቃሕ ይወደብ ይተዓጠቐ!” ዝብል ዝነበረ እንትኸውን ነቲ ግዜ ዝጠልቡ መደባትን ዝተሓንፀፅሉን ሕሉፍ ጉዕዞ ዝተገምገመሉን ነይሩ፡፡ ብዓይኒ መለክዕታት ወያናይን ህዝባውነትን ህወሓት ናይዚ ጉባኤ ፍሉይ መለለይ ክበሃል ዝክእል ግን ቃልስና ናብ ህዝቢ ንምስፋሕን ሕዝባዊ እምነት ክንጭብጥ ዘኽኣለና መትከል ዝተጨበጠሉ መድረኽ ምንባሩ እዩ፡፡ ኣብዚ ጉባኤ “ገፅ ገድልናን ሰራዊትናን ገፅ ህዝብና ክመስል ኣለዎ!” ዝብል መትከል ተታሒዙ ውድብና ኣብ ልቢ ህዝቢ ትግራይ ክሰፍርን ክሳዕ ቀረባ እዋን ውን ዝዘለቐ ወያናይን ህዝባውነትን ባህሪኡ ክሕዝ ባይታ ኣንፂፉ እዩ፡፡ ወያናይ ስነ-ምግባርን ባህርን ህወሓትን ሰራዊቱን ካብ ኣፅናፍ ናብ ኣፅናፍ ክጋዋሕ ዘኽአለ ታሪካዊ ጉባኤ ክበሃል ይኽእል፡፡

2ይ-3ይ ጉባኤታትና ወያነ ትግራይ ምስ ወያነ ኢትዮጵያ ክሰጣጠም ዘኽእሉ መትከላት፣ መደባት፣ ኣሰራርሓታትን ዝተቐረፀሎምን ዝተገምገምሎምን መድረኻ እዮም፡፡ 1975 ዓ/ም ዝተሳለጠ 2ይ ጉባኤ ህወሓት ወያናይን ህዝባውን መስመራቱ ኣሐይሉ ኣካል ወያነ ኢትዮጵያ ከምዝኸነ ብዕሊ ኣነፂሩ፤ ውፅዓት ብሄርን ብሄረ ሰባትን ኢትዮጵያ ካብ ምዝመዛ ሓራ ክወፁ ዘኽእል ስሙር ዴሞከራስያዊ ግምባር ከምዘድሊ ኣሚኑ ዘትዩ ኣፅዲቑ፡፡ 3ይ ጉባኤ ህወሓት 1981 ዓ/ም ዝተኻየደ ኮይኑ ነቲ ናይ 2ይ ጉባኤ ውሳነ ከጠናኸር ብዘኽእለ ምልክዑ “ናይ ኢትዮጵያዊቲዴሞክራስያዊ ሕብረት ይጠናኸር!” ብዝብል መሪሕ ጭርሖ ዝተኻየደ ነይሩ:: ኣብዚ ጉባኤ ህወሓት ንሰላምን ዴሞክራስን ዘለዎ ተወፋይነት ዘመሰከረ፤ ነቲ ኣብ ኣፍ ሞት በፂሑ ዝነበረ ስርዓት ደርጊ ውን ከይተረፈ ዘሳትፍ ናይ ሰላም እማመ ፃውዒት ዝተኻየደሉ ውን ነይሩ፡፡

4ይ ጉባኤ ድሕሪ ዓመት ኣብ ሐድሽ መድረኽ ቃልሲ ዝተኻየደ ፈላማይ ጉባኤ ብምኻኑ ፍሉይ ዝገብሮ እንትኸውን፤ ኣብ ሰለማዊ ናይ ቃልሲ መድረኽ ዝጋጠሙ ፈተናታት ንምፍታሕ ዘትዩ፡፡ ኣብዚ ጉባኤ ካብ ዝተልዓሉ ፀገማት፤ ቃልሲ ተወዲኡ እዩ ኢልካ ናይ ምስትርሓይን ናብ ውልቃዊ ናብራ ምዝምባልን ዝብሉ ይርከብዎም፡፡ ኣብ ፅባሕ ምፅዳቕ ሕገ-መንግስቲ ኢፌዴሪ ዝተኻየደ ብምኻኑ ከኣ ንምዕዋት ሽቶታት ሰላም፣ ዴሞክራስን ልምዓት ኣመራርሓን ኣባልን ህወሓት ክውይን ከምዘለዎ ፃዊዒት ኣሕሊፉ፡፡ 5ይ ጉባኤ ኣብ ድሮ ወራር ህዝባዊ ግምባር ዝተኻየደ ኮይኑ መቐፀልታ ናይቲ 4ይ ጉባኤ ነይሩ ክበሃል ይከኣል፡፡ ኣብ መበል 5ይ ጉበኤ ኣብ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ምዝዝሕሓልን ከምቲ ዝድለ ዘይምስጋምን ዝብሉ ፀገማት ዝተልዓሉ ኮይኖም፤ ፍልፍል እዞም ፀገማትን ዝርዝር ኣፈታትሕኦምን ኣብዚ ጉባኤ ከይተነፀረ ሓሊፉ፡፡

6ይ ጉባኤ ነጥቢ መቐይሮ ጉዑዞ 26 ዓመታት፡፡ እዚ ጉባኤ ኣብ ፅባሕ ምክፍፋል ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ዝተሳለጠ ብጉባኤ ተሃድሶ ዝፍለጥ እዩ፡፡ ድሕሪ ወራር ህዝባዊ ግምባር ኣብ ኣመራርሓ ህወሓት ኣፈላላይ ተፈጢሩ፡፡ ምክንያት ናይቲ አፈላላይ ብዝተፈላለዩ ኣካላት ዝተፈለለየ ረቓሒ ዝወሃቦ እዩ፡፡ ካብ ወልቃዊ ንሕንሕ ስልጣን ክሳዕ ናይ ርእየተ-ዓለማዊ ኣፈላላይ ዝብሉ ረቓሒታት ዝጥቀሱ እዮም፡፡ ጆን ያንግን መድሃንየ ታደሰን ብ 2003 ዓ/ም/ፈ ኣብ ዘውፅእዎ “TPLF; Reform or Decline?” ዝብል ዓንቀፅ መፈላለይ ነጥቢ መሪሕነት ውድብ ብግልፂ ክረኣይ ዝጀመረ ኣብ ገምጋም ከይድን ኣተኣልያን ኩናት ኢትዮጵያን ኤርትራን ከይኑ፤ ክትዓት እንዳተኸረሩ ብዝኸዱ ቁፅሪ ወልቃዊ ንሕንሕን ምትፍናን ኣመራርሓ ህወሓት እንዳተጋደደ፤ ደሓር ደሓር ከኣ ናብ ርእየተ ዓለማዊ ኣፈላላይ ከምዝዓበየ ይሕብሩ፡፡ በቲ በለ በቲ ናይ መስመር ኣፈላላይ ተፈጢሩ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ንክልተ ተሰንጢቑ ሰዓራይ ሓይሊ መስመርና ንሓድስ ዝብል ኣንፈት ኣነፂሩ ተሰዓራይ ካብ ውድብ ተኣልዩ፡፡

ኣብዚ ናይ ኣፈላላይ እዋን ህወሓት ጥራሕ ዘይኮነ ህዝቢ ትግራይ ብሓፈሻ ህዝብታት ኢትዮጵያን ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ኣጋጣሚ ተፈጢሩ ምንባሩ ዘተሓትት ኣይኮነን፡፡ ኣብዚ ብክልቲኦም ወገናት ነናይ ባዕሎም ናይ ዴሞክሲራ ሕቶን ናይ ኣሰራርሓ ጥሕሰታት ዘልዕሉ ከይኖም፤ ህልውና ህወሓት ክረጋገፅ ከምዝነበሮ ግን ኣየጠራጠርን፡፡ ኣፈላለይ ተፈጢሩ ሰዓራይ ህልውና ህወሓት ኣረጋጊፁ፡፡ እዚ ኣፈላላይ ኣብ ጉዕዞ ህወሓት ናይ ባዕሉ ስምብራት ምግዳፉ ግን ኣይተረፈን፡፡ ብርግፅ ቡዙሓት ኣካላት ህወሓት ድሕሪ እዚ ኣፈላላይ ዉሁድ ኣካል ከይኑ ምቕፃል ኣይከኣሎን፣ ኣብ ሃገራዊ መድረኽ ዝነበሮ ተሰማዕነት ክቕንስ እዩ፣ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዝነበሮ ተቐባልነት ክቕንስ እዩ፣ እቲ ኣብ ህወሓት ዝተለመደ ናይ ሓባር ኣመራርሓ ክጠፍእ እዩ ብኡ ኣቢሉ ወን ናይ ሓደ ሰብ ዓብላላይነት ክረጋገፅ እዩ … ወዘተ ዝብሉ ትንቢታት ኣቐሚጦም ነይሮም፡፡ እሞኸ ከመይ ኮነ ዝብል ደሓር ክንምለሶ ናብ ውዕሎታት 6ይ ጉባኤ ንመለስ፡፡

6ይ ጉባኤ ናይ ተሃድሰ መስመር ኣነፂሩ ህወሓት ዘካየዶ ጉባኤ እዩ፡፡ ኣብዚ መደረኽ ናይ ሕሉፋት 10 ዓመታት ገምገም ዝተኻየደ እንትኾን ቀንዲ ትኹረት ኣብ ድኽመታት ነይሩ፡፡

ድኽመታት ተባሂሎም ካብ ዝተልዓሉ ጉዳያት፤

* ብንፁር ኣመራርሓና ፖለቲካዊ ቃልሲ ዘይገበረ በዚ ኣቢሉ ውን ናይ ውሽጢ ወድብ ኣሰራርሓታት ተዘሓሒሉ

* ናይ ውሽጢ ኣሰራርሓታት ሰለዘይፀረየ ኣብ ክንዲ ግልፅነትን ተሓታትነት ኢደ-መነንነት ሰፊኑ

* ኣብ ክንዲ ብሰለትን ወያናይ ትረትን ናይ ኣረኣእያ እንክልሊልን ርእሲ ምድናንን

* ኣብ ክንዲ ስጡም ትካላዊ ኣሰራርሓ ናይ ወልቀ ሰባትን ምትእስሳርን ሰንሰለትን መሰረት ዝገበረ ኣሰራርሓ ተፈጢሩ

* ኣብ ክንዲ ዴሞክራስያዊ ቃልሲ ሓምየትን ምጉጅጃልን እንዳዓብለለ መፅዩ

* ፀረ-ዴሞክራስያዊነት ነጊሱ

* ክራይ ኣካብን ፅግዕተኛ ሓይልን ጎሲሩ ዝብሉ ድኽመታት ተገምጊሞም፡፡

ብጠቕላላ ነቲ ሓድሽ መድረኽ ዝመርሕ ልምዓታዊ ዴሞክራስያዊ መስመር ተቐሪፁ፤ ተፈፃመነቱ ክሳለጥ ኣብ ከይዲ ክስርሓሎም ዝተብሃሉ ኣንፈታት ውን ተቐሚጦም፤

* ናይ ወድብ ዓቕሚ ናይ ምጉልባት ስራሕቲ

* ህዝቢ ዘሳትፍ ናይ ልምዓትን ህንፀት ዴሞክራስን ስራሕቲ

* ዓቕሚ ህንፀት ኣብ ስራሕቲ ወድብን መንግስትን ተባሂሎም ተቐሚጦም፡፡

3. ጉባኤታትናን ጉዕዞ ህወሓት ድሕሪ ሕዳሰ

ህወሓት ልክዕ ኣብ ታሪኽ ዓለም ከም ዝተርኣዩ ወየንቲ ወድባት ኣብ ጉዕዝኡ ምክፍፋል ከጋጥሞ ግድን ነይሩ፡፡ ምክፍፋል ወያናይ ውድብ መሕዘናይ እዩ፡፡ ሞትን ህይወትን እንዳተኻፈሉ ዝመፁ ብፆት ክከፋፈሉ ምርኣይ ዝያዳ ከብድኻ ይበልዕ፡፡ ኣብ ታሪኽ ምክፍፋል ወያናይ ውድብ ኣዝዮም ዘደንፅዉ ኩነታት ውን ተፈጢሮም እዮም፡፡ መእሰርቲ፣ ምቅትታል፣ ሽም ምጥፍፋእ፣ ኣብዚ ኣሎ ዘይትብሎ ናይ ኣመራርሓ ምስዋር፣ ሰደት … ወዘተ፡፡ በዞም ተጋንፎታት ወያናይ ውድብ ኣብ ህወሓት ዝተፈጠረ ኣፈላላይ ብውሑድ መስዋእትን መእሰርትን ዝተዛዘመ ምንባሩ ከዓ መሊእካ ንከይትሓዝን ይገብረካ፡፡ ሞትን ማእሰርትን ኣጋጠሙ ምስ ናይ ካልኦት ወየንቲ ውድባት ተሞክሮ ክነፃፀር ከሎ ይሓይሽ ዝበሃል እዩ፡፡ ቃልሲ ዝሰለኾነ ክተርፍ ሰለዘይነበሮ መሕዘናይ እንተኾነ ውን ኮይኑ፡፡ ንዕኡ ንታሪኽ ገዲፍና መስዋእቲ ዝተኸፈሎ ሕዳሰ ኣብ ከመይ ይርከብ? ንቐፃልነት ውድብ ምርግጋፅ ዘይተመለሱ ሕቶታት ልምዓትኘ ዴሞክራስን እንታይ ይተርፍም እንታይ ከ ይሓትት? ዝብሉ ናይዚ ሐዚ ዘሎ ኣባልን ኣመራርሓን ህወሓት ከምኡን ደገፍቲ ብሓፈሻ ድማ ህዝቢ ትግራይ ቀንዲ ትኹረት ክኸውን ይግባእ፡፡

ድሕሪ ጉባኤ ሕዳሰ ልምዓታዊ ዴሞክራስያዊ መስመር ገዛኢ ሓሳብ ኮይኑ ወፅዩ፡፡ ዴሞክራሲ፣ ሳላምን ልምዓትን ናይ ህልውና ሕቶታት ምኻኖም ሃገራዊ ምርድዳእ ተፈጢሩ፡፡ ብመዳይ ፖለቲካዊ ምሕደራ ብሰንኪ ስእነት ዴሞክራስያዊ ምሕደራ ኣብ ኣፍደገ ምብታን በፂሓ ዝነበረት ሃገር ህንፀት ዴሞክራስያዊ ስርዓት ወሳንነት ኣለዎ፡፡ ሰለዚ ኣብ ሓበራውን ውልቃውን ዴሞክራስያዊ መሰላት ኣጠዓዒሙ ዝኸይድ ወያናይ ዴሞክራስያዊ ኣተሓሳስባ ክህነፅ ሱር ክሰድድ ግድን ይኸውን፡፡ እዚ ኣተሓሳስባ ካብ መፈለምታ ምስ ውድብ ዝዓበየ ዋላ እንተኾነ ምዕማዕማቕን ምስፋሕ እንደሓተተ ዝማዕበለ እዩ፡፡ ከምቲ ንቃወም ኢና ዝብሉ ሰባት ዝብልዎ ንገለ መደባታት ወይ ክፍልታት ሕ/ሰብ ዝውግን ንኻልኦት ዝዕፍን ውን ኣይኮነን፡፡

ወያናይ ዴሞክራስያዊ ታሪካዊ ምሕደራ ድሕረ ባይታን ህልው ኩነታትን ኢትዮጵያ መሰረት ዝገበረ ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ቐሪፁ ብኣዝዮም ዝበዝሑ ህዝብታት ሃገርና ውን ተቐባልነቱ ዝረኸበን ዝምዕብል ዘሎን እዩ፡፡ ህዛባዊ መሰረቱ እንዳሰፍሐ፣ ኣፈፃፅሙ እንዳተመሓሸየ፣ ትካላዊ ህንፀትን ናይ ዓቕሚ ህንፀትን እንዳማዕበለ ምስዝኸይድ፤ ድሕረትን ድኽነትን ንምስዓር ዘኽእል ሃዋህው የንፅፍ ከምዘሎ ውን ኣየጠራጥርን፡፡

ሰለዚ ብሃገር ደረጃ ክረኣይ ከሎ እቲ ዝተሓንፀፀ ፖለቲካዊ ምሕደራ ምጥንካርም ምዕማቕን ዘድልዮ፤ ምስ ማሕበረ-ኢኮኖማዊ ለውጢ ህዝብና ከኣ በዓሉ ሱር እንዳሰሰደ ምስዝኸይድ ከሰጉም ዝኽእል ጥራሕ ዘይኮነስ ውሕሰነት ሃገር ውን እዩ፡፡ ነዚ ዴሞክራስያዊ ምሕደራ ከኣ ብቐፃልነት ሃጋራዊ ስምመዕነት ክፍጠረሉ ይግባእ፡፡ ክሳዕ ሐዚ ወን ኣንፃር እዚ ፖለቲካዊ ምሕደራ ዝተስለፉ ሓይልታት እንትርፎ ኣብ ደውታን ሸንከሎልን ህዝባዊ ተቓባልነት ክረኽቡ ኣይከኣሉን፡፡ ህዝባዊ ዴምክራስያዊ ስርዓት ምኻኑ ሰለዘረጋገፀ መሰረት ሰላምን ልምዓትን ውን ይኸውን ኣሎ፡፡

ብቑጠባዊ መዳይ ክንመፅ ከለና ንከም ሃገርና ዝበላ ኣብ 21 ክ/ዘመን ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት እዚ ኣተሓሳስባ ፍቱን ፖለቲኮ-ኢኮኖማዊ ኣተሓሳስባ እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ፡፡ ህወሓት/ኢህወደግ ነዚ ሰለዝተዓዘበ ኣብ ዘመነ ነፃ ዕዳጋ ስርዓት ካፒታሊዝም ዝህነፅ፤ መንግስቲ ብዝመርሐ ልምዓት እዩ ዝብል መርገፂ ምውሳዱ ዝነኣድ እዩ፡፡ ድሕሪ ዙሑል ኪናት ዓለም ካብ ነፃ ዕዳጋ ምምላጥ ወይ ገዛኻ ኣፂኻ ምንባር ኣይከኣልን፡፡ ኣብ ከም ናትና ዝበለ ድሑር ቁጠባ ምሉእ ንምሉእ ጉዳይ ቁጠባዊ ምሕደራ ንሓይልታት ዕዳጋ ምግዳፍ ውን ሓደጋታቱ ክንደያናይ ምኻኖም ንምፍላጥ ኣብ ምዕባይ ዘርከቡን ዝዓበዩን ቁጠባታት ዓለም ዝተርኣዩ ዕልቕልቓት እኹላት መምሃርቲ እዮም፡፡ ሰለዚ ሓይሊታት ዕዳጋን መንግስታዊ ኢድ አእታውነትን ሚዛን ዘሐሉ ኣተሓሳስባ ብምኻኑ ርትዓዊ መስመር ይገብሮ፡፡

ቁጠባዊ ምሕደራ ልምዓታዊ ዴሞክራሳስያዊ ኣተሓሳስባ ብተግባር ክሽረፍ ከሎ ንረኽቦ ውፅኢት ወን ምስ ሕሉፍ ክነፃፀር ከሎ ዕውት እዩ፡፡ ኢትዮጵያ ከም ሃገር ንዝሓለፉ 12 ዓመታት በዓል ክልተ ኣሃዝ ኢኮኖማዊ ዕበየት ኣመዝጊባ፡፡ ኣሃዛዊ መግለፂ ናይ ግድን ሰለዝኾነ እምበር ኣባይታ ዘለው ለውጥታት ውን ዝረኣዩን ዝጭበጡን እዮም፡፡ ኣብ ትግራይ ውን ቁጠባዊ ዕብየት ይምዝገብ ኣሎ፡፡

ኣብ ዝሓለፉ 12 ዓመታት ዝተርኣየ ቁጠባዊ ዕብየት፤ ክርፂ ዘትሓዘን ኣብ ሃገርናን ክልልናን ኢኮኖማዊ መቕራዊ ለውጢ ከመፅእ ኣለዎ ዝብል እንፈት ዝቐደደን ናይ 5 ዓመት ትልሚ ዕብየትን ስግግር ሓደ ተቐሪፁ ድሮ ውን ተፈፂሙ ኣሎ፡፡ ገምጋም ዓሪፍሉ ዕውትን ዘይዕውትን ተባሂሉ ኣሎ፡፡ ብመንፅር እቲ ዝለዓላ ጣርያ ዕብየት ክረኣይ ከሎ ኣይተዓወተን፡፡ በቲ መሰረታዊ ዝተብሃለ ድማ ይብዛሕ ይንኣስ ነቲ ዝነበረ ዕብየት ኣቐፂሉ ተባሂሉ ተገምጊሙ፡፡ ብመዳይ ዝተትሓዘሉ ሽቶ ምስላጥ መዋቕራዊ ለውጢ ኢኮኖሚ ክምዘን ከሎ ድማ ድኹመታት ነይሮሞ ተባሂሉ ተገምጊሙ፡፡ ኣብ ሕርሻ ክሳኽዕ ዝተሓሰበ በቲ ዝተተለመሉ ኣይከደን፡፡ ኣብ ኢዳስትሪ ውን ነቲ መዋቕራዊ ለውጢ ኣፍደገ ዝኸፍት ኣፍራያይ ግምባር ከምዘይተዓወተ ተነፂሩ ኣሎ፡፡ ኣብ ግልጋሎት ጥዕና ምስ ሽቶታት ሚለንየም ክነፃፀር ከሎ ዕውትን ተጠቃሳይን ግምባር ኮይኑ ኣሎ፡፡ ትምህርቲ ኣብ መዳይ ምስፍሕፋፍ ምስ ድኽመቱ ፁቡቕ ከይዱ፡፡ ብፅሬት መዳይ ግን ግዜ ዘይወሃቦም ፀገማት ኣለዉ፡፡ ከም ትግራይ ክረአ ከሎ ቀድሚ ዉሱናት ዓመታት ብፅሬት ኣብ ቅድሚት ትስራዕ ዝነበረት ክልል ሎሚ ሎሚ ኣብ ድሕሪት ኣላ፡፡ እዚ ምስቲ ንደልዮ ንልምዓትና ዘሳልጥ ኣፈራያይ ሓይሊ ሰብ ከይነፍሪ፤ ዓቕሚ ዘለዎ በብደረጅኡ ዝውስን ኣማኺሉ ዝመርሕን ሓይሊ ሰብ ከይንፈጥር ዝኾልፍ ሰለዝኾነ ገዚፍ ትኹረት ዝሓትት ድኽመት እዩ፡፡

ኣብ ካልኦት ግምባራት ንኣብነት ከም በዓል ቱሪዝም ዝበሉ ፀጋታት ምስ ካልኦት ሴክተራት ኣብ ምትእስሳርን ምልማዕን ትኹረት የድሊ እዩ፡፡ ኣብ ግምባራት ስራሕቲ ህንፀትን፣ ዝርጋሐን ተበፃሕነትን ኢንፎርሜሽን ቴሌኮሙዩኒኬሽን ቴክነሎጂ ምስ ትሑት ፅሬቱ ዝምሰገን ዓወት ኣሎ፡፡ ኣብዞም ሴክተራት ብተገልልቲ ዝለዓሉ መረረታት ኣለዉ፡፡ ብፍላይ ስራሕቲ ህንፀት ክራይ ኣካብነትን ግዕዝይናን ብሰፊሑ ዝረኣየሎም ምስ ምኻኖ ኣብ ፅሬት ኣዕጋቢ ኣይኮነን፡፡

ዝርገሐ ፅሩይ ዝስተ ማይ ፅቡቕ ተሳሊጡ ዝብል ገምጋም ኣለና፡፡ ኣብ ዓበይቲ ከተማታትና ምስ ንመፅእ ካብቶም ናይ ህዝቢ እንፅርፅሮት ማእከላት ዝኸኑ ሓደ እዩ፡፡ ብርግፅ ፍታሕ ዝተገበረሎም ኣለው፡፡ ኣብኦም ውን እንተኾነ ዝተማልአ ኣይኮነን፡፡ መሊኦም ዘይተፈትሑ ድማ ኣለዉ፡፡

ብሓፈሻ እንትርአ ንቕድሚት ዘሰጉም ዕብየት ጀሚርና ከምዘለና ሕቶ ብሉን፡፡ ግን ከኣ እኹል ድዩ? ወይ ውን ኣብቲ ዘለናዮ ዶ ክንወሰን ነይሩና? ምስ ንብል ኣይኮነን እዩ መልሱ፡፡ እቶም ዝወደቕናሎም ዓውድታት ክንግምግም ከለና፤ ናይ ኣፈፃፅማ ዓቕሚ ምንኣስ፣ ሕፅረት ፋይናንስ፣ ኣብ ልምዓታዊ ሰራዊት ሰለይሰራሕና ኢና ዝብል ገምጋም ኣሎ፡፡ ኣፈፃፅማ ጉድለትን ብቐፃልነት ከም ምኽንያት ወድቀትና ንጠቕሶ ጉዳይ እንተኾይኑ ግን ንውሽጥና ምግምጋም ዘድልየና ይመሰለኒ፡፡ ነዚ ክመርሕ ዝኽእል ፖለቲካዊ ጥንካረ ዘለዎ ወድባዊ ኣሰራርሓ ዲና ንፈጥር ዘለና? ናይ ህዝቢ ሕቶታት ከ እንታይ እዮም ብኣግባቡ ዶ ንርድኦም ኣለና? ተረዲእና ከ ንምልስ ዶ ኣለና? እንተዘይመለስና ከ ህዝባዊ ተቐባልነትና ከመይ ኢሉ ይቕፅል? ህዝባዊ ተቐባልነትና ብዝተሸርሸረ ቁፅሪ ከ ቀፃላይ ዓወትና ናበይ ዘብል ይኸውን? እዚኦምን ካልኦት ሕቶታትን ብዝፍትሽ መልክዑ ከ ዝሓለፉ ካብ 7-11 ጉባኤና ከመይ ተሰሪሕሎም? ኢልና ነብስና ምግጋም ኣገዳሲ እዩ፡፡

ብርግፅ መሰመር ሕዳሰ ስዒሩ ካብ ዝወፅእ ንነዘ ክራይ ኣካብነት ሓደጋ ስርዓትና እዩ ኢልና መርገፂ ሒዝናሉ፡፡ ብቕፃል ከኣ ሰናይ ምምሕዳር ረመፅ እዩ ንቃለሶ ኢልና፡፡ ድሕሪ ጉባኤ ሕዳሰ 5 ጉባኤታት ኣካይድና፡፡ 7ይ ጉባኤ ኣብ ምድልዳል ልምዓታዊ ዴሞክራስያዊ መስመር ጠሚቱ ዘትዩ፡፡ በዚ መስመር እንዳተመራሕና ካብ ድኽነት ነምልጥ ውን ኢልና፡፡ 8ይ ጉባኤ ውን ብተሳትፎን ፍልጠትን ኣባላትና ኣብ ሰናይ ምምሕዳር ዝላ ነረጋግፅ ብዝል ቴማ ተኻይዱ፡፡ 9ይ ውድባዊ ጉባኤ ምስ ምኽባር ምሌንየም ኢትዮጵያ ምርግጋፅ ህዳሰ ሃገርና ዝብል ቴማ ነይርዎ፡፡ 10ይ ወድባዊ ጉባኤ ውን ዓወታትና ብምስፋሕ ህዳሴ ትግራይ ናብ ሓዱሽ ምዕራፍ ነሰጋግር ብዝብል መንፈስ ተፀሚቢሉ፡፡ መበል 11 ጉባኤ ህወሓት ኣብ ማእኸላይ ዘመን ኣፈፃፅማ ትልሚ ዕብየትን ስግግርን ሐደ ዝተኻየደ ኮይኑ፤ ጥንካረታትን ገምጊሙ መፍትሒ ኣንፈት ውን ኣቐሚጡ፡፡

ካብ ዝተቐመጡ ኣንፈታት፤

* ኣንፈት ቃልሲ ክራይ ኣካብነት ክኾን ዝግባእ፤ ሱር ሰዲዱን ተስፋሕፊሑን ዝነበረ ናይ ክራይ ኣካብነትን ተግባርን ኣተሓሳስባን ዝፍታሕ ናይ ፖለቲካል ኢኮኖሚ ለውጢ ብምምፃእ እዩ

* ኣብ መዳይ ሰናይ ምምሕዳር ዝረኣዩ ፀገማት ብናይ ህዝቢ ዝተወደበ ምንቅስቓስ ምፍታሕ

* ኣብ ምዕፃፍ ማእተቶት ብፍላይ ኣብ ንኡስ ተሓራሳይ መሬት ዝተርኣየ ክንዲ ዝግባእ ዘይተኼደሉ ስራሕ ዝፍታሕ፤ ናይ ኣፈፃፅማ መመሓየሺ ሓሳባት ብምምፃእ፣ ህንፀት ልምዓታዊ ሰራዊት ብዝተማልአን ዝተመጣጠንን ብኩለመዳያዊ ኣገባብ ብምህናፅ፤ በቢደረጅኡ ዘሎ ፀገም ቁርፀኛ ኣመራርሓ ምቕራፍ፣ ብጠንካራ ድስፕሊን ናይ ዘይምፍፃም ፀገማትና ብምእላይ፣ ናይ በዓል ሞያን ገባርን ዓቕሚ ምህናፅ እዩ ዝብል ተነፂሩ

* ተፈፃምነት ፖሊስታትና ዝረጋገፅ ውድብና ፅሬት ኣመራርሕኡን ኣባላቱን ሓልዩ፤ ዴሞክራስያዊ ናይ ኣመራርሓ ባህሉ ኣቐፂሉ ብስርዓቱ ዝተወደበ ወድብ ምስ ዝኸውን እዩ ዝብል ውን ተሰሚሩሉ

* ኣብ ናይ ኣመራርሓ ህንፀት ስራሕና ውን ህዝቢ ብዝተወደ መልክዑ ዘቃልሱን ኣብ ቅድመ ግምባር ብኣፈፃፅማን ፅሬትን ቅድሚት ዝወፁ ምምልማል ብዝብል ተታሒዙ

* ኣብ ምቕፃል ርእየተ ኣላማዊ ፅሬት ወድብና ከምኡ ውን ምጠንኻር ኣወዳድባ ኣቕምና መሰረት ዝገበረ ሊጋት መናእሰይ መሰረት ዝገበረ ምልመላ ክካየድ ተቐሚጡ

* ኣመራርሓ ውን ንዓርሱ ብፅንዓትን ምርምር ክሃንፅ ከምዘለዎ ተሓቢሩ፡፡

ብሓፈሻ እንትርአ ካብቶም 7-10ይ ዘለው ጉባኤታት ብዝተፈለየ መልክዑ፤ ኣብ መበል 11 ጉባኤ ጎኒ ጎኒ ንልምዓት ዝወሃብ ትኹረት ኒ ውሽጠ ወድባዊ ፖለቲካዊ ሂወትን ውድባዊ ኣሰራርሓታት ጠመተ ክገብር ዝፈተነ ይመስል፡፡ ኣብ ኣመራርሓን ኣባላትን ናይ ፅሬት ጉዳይ ዘልዓለ ውን ይመስል፡፡ ህወሓት ከም ህወሓት ውሽጣዊ ኣሰራርሑ ክፍትሽ ከምዘለዎ ክእረሙ ይግባእ ዝበሎም ውን ክርኢ ፈቲኑ ዝሓለፈ እዩ፡፡ ምስቶም ዝሃለፉ ድሕሪ ህዳሴ ዝተኻዱ ጉባኤታት እንትነፃፀር ህወሓት ውሽጠ ውድባ ኣሰራርሓ ክፍትሽ መገበሲ ዘቐመጠ ነይሩ፡፡ ኣብዚ ጉባኤ ትኹረት ካብ ዝተውሃቦም ነጥብታት “ተፈፃምነት ፖሊስታትናን ዝረጋገፅ ውድብና ፅሬት ኣመራርሕኡ ኣባላቱን ሓልዩ፤ ዴሞክራስያዊ ናይ ኣመራርሓ ባህሉ ኣቐፂሉ ብስርዓቱ ዝተወደበ ወድብ ምስ ዝኸውን እዩ” ዝብል ዛዕባ ምሰቲ ህዝብና ዘልዕሎ ዘሎ ሕቶታትን ዘስምዖ ዘሎ መረረትን ክረኣይ ከሎ ዓብዩ ትርጉም ኣለዎ፡፡ ዓብዩ ትርጉም ኣለዎ ክንብል ከለና ንሕና ንብሎን ኣብ ባይታ ዘሎን ህዝባዊ ተቐባልነትናን ዝተፈላለዩ ዝኾኑሉ ሃዋህው ይፍጠር ሰለዘሎ አዩ፡ ህዝብን ንሕና እንታይ ዝንታይ ንብል ኣለና?

ኣብ ዝሓለፉ 12 ዓመታት ቁጠባዊ ዕብየት ኣምፂእና ዶ እወ፡፡ ብሃገር ደረጃ ኣብ ህንፀት ዴሞክራስያዊ ስርዓትና ህዝባዊ ምርድዳእ ፈጢርና ዶ እወ፡፡ ውፅኢታውነት መስመርና ብተግባር ኣሽሪፍና ኣርኢና ዶ እወ፡፡ ክራይ ኣካብነትን ስእነት ሰናይ ምምሕዳርን ለውጢታት ኣለዉ ዶ ገምጋምና እወ ክኸውን ይኸእል፤ ኣብ ባይታ ግን እንፅርፆሮት ኣሎ፡፡

ህዝቢ ንውድብና መሪፅዎ ዶ እወ፡፡ ህዝቢ ብኣማሓደርቱ ዕጉብ ድዩ ኣይኮነን፡፡ ሰለዚ መስመርና ተመራፃይ እንዳሃለወ ህዝቢ ብኣና ኣይዓግብን ዘሎ፡፡ ብኣና እንተዘይ ዓጊቡ ድማ እምነቱ ይቕንስ፡፡ ህዝቢ ኣእሚና ምሰዘይነስልፎ ከኣ መመሊሱ ኣፈፃፅማታትና እንደተገደአ ይቕፅል፡፡ ሰለዚ ፀገማትና ላዕላሉ ዘይኮነስ ብዕምቆት ክንምርምር ይግባኣና፡፡ ኣብ መስመርና ፀገም ዘይብልና እንደሃለና ክራይ ኣካብነት ዘይምስዓርና፣ ሰናይ ምምሕዳር ዘይምስፋና፣ ዕብየት ክነመዝገበሎም ኣብ ንክእለሎም ዘርፍታት ዕብየት ዘይምምፃእና፣ ሕቶታት ህዝቢ ዘይምምላስና እንታይ ሰለዝኾና እዩ እንቴልና ውዳባዊ ኣሰራርሓታትና ብዘይ ምፅራይ ይኸውን መልሱ፡፡

ብርግፅ ህዝቢ ሰለዘንፀርፀረ ኩሉ ግዜ ኣይሰራሕናን ኣይበሃልን፡፡ ኣብ ከይዲ ለውጢ ህዝቢ ዘይምዕጋብ ከስምዕ ንቡር እዩ፡፡ ህዝቢና ብተደጋጋሚ ኣብቶም ንሕና ተፈቲሖም ንብሎም ፀገማት ውን የንፀር እንተሃልዩ፤ ከምኡ ውን ደገፉ ክኽልአና ይጅምር እድሕር ሃልዩ ግን ፀገም ኣሎ፡፡ ህዝቢ ኣብ ልዕሌና እምነት ይስእን እንተሃልዩ ውን ናይ መጠንቀቕታ ደወል ምኻኑ ክንርድኦ ይግባእ፡፡ ሰለዚ ናብ መበል 12 ጉባኤ ኣብ ንኣትወሉ እዋን ምስልና ኣብ ባይታ እንታይ ይመስል ዝብል ቀንዲ ውራይ ክኸውን ይግባእ?

4. ህልው ኩነታትና

ንዝሓለፉ ተኸታተልቲ ዓመታት ኣብ ቁጠባ መዳይ ዝተመዝገበ ዕብየት ንቕድሚት ዘሰጉም እዩ፡፡ ኣብ ባይታ ውን ዝረኣዩ ለውጥታት ነዚ እዮም ዝምስክሩ፡፡ ምስዚ ጎኒ ጎኒ ዝተርፉና ነገራት ንሕና ንግምግም ኢና፡፡ ኣንፃር ገምጋምና ዝኸዱ ህዝባዊ ስምዒታትን ትዕዝብትታትን ከ ኣለዉ ዶ? ገምጋምናን ንመሰረት ገምጋማናን ዝኾኑ ካብ ላዕሊ ክሳዕ ታሕቲ ዝግበር ናይ ፀብፃብ ስራሕትና ሓቅነቱ ክንድምንታይ እዩ? ኣብ ትግራይና ዝረኣዩ ማሕበረ ኢኮኖማዊ ፀገማት እንታይ እንታይ እዮም?? ክራይ ኣካብነትን ስእነት ሰናይ ምምሕዳርን ካብቲ ኣባልናን ኣመራርሓን ዝሪአሉን ዝመዝኖን ብኣንፃሩ ህዝብና ከመይ ይሪኦን ይነብረሉን ኣሎ? ፖለቲካዊ ምዕባለ ክልልና እንታይ ይመስል? ኣብ መረፃ ዘመዝገብናዮ ውፅኢትን ተቓወምቲ ዝረኸብዎ ድምፅን ትርጉሙ እንታይ ይመስል? ብዛዕባ ውሽጠ ወድባዊ ፖለቲካዊ ሂወትና ኣባልናን ኣመራርሓን ዕግበቱ እንታይ ይመስል?

ህዝቢና ፀገማት ኣለው ኣብ ዝብሎም የንፀርፅር ኣሎ፡፡ ከምቲ ቀዲሙ ዝተጠቐሰ እንፅርፅሮት ኩሉ ሓቂ እዩ ዋላ እንተዘይተብሃለ፡፡ ነቲ ነቐምጦ ገምጋም ውን ሕቶ የልዕለሉ ኣሎ፡፡ መደባዊ ገምጋማትና ዝተጋነኑ ዝኾኑሉ ኩነታት ኣሎ፡፡ ብፍላይ ኣብ ገጠር መደባት ክግምገሙ ከለው እብቲ ፀብፃብ ምግናን ይረኣዩ አዮም ይብለና ኣሎ፡፡ ኣብ ምህርቲ ምዕፃፍ ይኹን ኣብቲ ኣንፃር ክራይ ኣካብነትን ስእንት ሰናይ ምምሕዳርን ዝተመዝገበ ውፅኢት፤ ኣብ ባይታን ኣብ ወረቐትን ኣፈላላይ ኣለዉኩም ይብለና ኣሎ፡፡ኣብ ገጠር ኣብ መሬት ምሕደራን ኣብቶም ዝተቐረፁ ፓኬጃትን ምጥፍፋእ ኣሎ፡፡ ናይ ገጠር ህዝብና ኣብ መሬት ምሕደራ ወገናውነት ሰፊኑ ኣሎ ይብል ኣሎ፡፡ ኣብ ምዕዳል መደብርያ ውን ታሕተዎት ኣማሓደርቲ ንስለውፅኢት ተኮር ብዘይተደለየ መልኩዑ ገባራት የገድዱ እዮም ዝብል ስምዒት ኣሎ፡፡ ኣብ ሰፍትኔት ውን ህዝቢ ዝሰርሐሉ ንውልቅኦም ረብሓ ዘውዕሉ ኣማሐደርቲ ኣለዉ፡፡ ሕቶ ምስ ዝመፆም ድማ ኣብ ላዕሊ እዩ ተሪፉ ኢሎም ህዝቢ ኣብ ውድብ ቅሬታ ክሓድሮ ዝገብሩ ኣለዉ፡፡ ዝለመዐ መሬት ክፅብፀብ ከሎ ምግናን ኣሎ፡፡ ኣብ መዳይ ንጥዕና ወን ተመሳሳሊ፡፡ ጥዕና ኬላ ዘይብለን ጣብያት እንዳሃለዋ ወረዳታት 90 ዶ 100 ዝበሃል ሽፋን ፀብፃብ የቕርባ፡፡

ጎኒ ጎኒ ዕብየት ስራሕ ስእነት ውን ይሰፍሕ ኣሎ፡፡ ኣብ ገጥርን ከተማን ስራሕ ስእነት ኣለና፡፡ ኣብ ገጠር እቲ ክእለት ዘይብሉ ሓይሊ ሰብ ዘይሕጋዊ ስደት ይኸይድ ኣሎ፡፡ ብርግፅ ዝስደት ኩሉ ዝፀገሞን ዝሰኣነን እዩ ማለት እይኮነን፡፡ ካብ ሓደ ወረዳ ብዘይሕጋዊ ስደት ክሳዕ 7 ሽሕ 8 ሽሕ ዝኸዱ እንተኾይኖም ግን ኣቓልቦ ዝሓትት እዩ፡፡ ኣብ ከተማ ንሓደሽቲ ምሩቓት ናብ መኣዲ ስራሕ ዝአትዉሉ መሰርሕ ዝዑግ እዩ፡፡ ኣብ ዋጋ ናህሪ ውን ተሳሳሊ፡፡ ብርግፅ ሐደሻዕ ምስናሃረ በብግዚኡ ዝተርኣየ ዘሰክፍ ወሰኽ ዋላ ኣይሃሉ ነቲ ታሕተዋይ መደብ (ብፍላይ ሰራሕተኛ መንግስቲ) ዝሃሰየሉ ኩነታት ኣሎ፡፡ ኣብ ኣወሃህባ ግልጋሎት ዘይምዕጋብም ብግልፂ ውን ዝረኣዩ ግድለታት ጽሬት ኣለዉ፡፡

ክራይ ኣካብነትን ሰእንት ሰናይ ምሕደራን ምቅራፍ ዝምልከት ሰለጤን የብልኩም ዝብል ስምዕታ ይመፅእ ኣሎ፡፡ ኣከብቲ ክራይን በለፀኛታትን ሐዚ ወን እንተኾነ ዘይተነኽኡ ኣለዉ፡፡ ፍትሒ ይጋደል ኣሎ፡፡ ኣብ ታሕተዎት መሓውራት ፈፃምን ኣካላት ፍትሕን ሓቢሮም ፀረ-ፍትሒ ይሰርሑ እዮም ዝብል ኣሎ፡፡ ኣብ ከተመታት ውን ክራይ ኣካብነት ይረኣየሎም ኣብ ዝተብሃሉ ምሕደራ መሬት፣ ዝርገሐ መሰረተ ልምዓት፣ ምእካብ ግብር፣ ትኹረት ክግበሮም ይግባእ ይብለና ኣሎ፡፡ ብፍላይ ብፍላይ ኣብ ኣተኣኻኽባ ግብሪ ግዕዝይና ሰፊሑ ኣሎ ዝብል እንፅርፅሮት ይበዝሕ ኣሎ፡፡ ኣብ መከረይን ተኻራይን አብ ኣተማምና ግብሪ ትካላት ንግዲ ዘሰክፍ ግዕዝይና ይረኣይ እዩ፡፡

ናብ ፖለቲካዊ ምዕባለ ክልል ና ምስ ንመፅእ፤ ኣብ እዋን ምፍልላይ ካብ ዝወፁ ኣካላት ገሊኦም ወድብ አጣይሾም ይንቀሳቐሱ ኣለዉ፡፡ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ መረፃታት ተሳቲፎም እዮም፡፡ ካብ ናትና ዝበለፀ ፖለሊስን ስትራቴጅን ከምፅኡ ኣይከኣሉን፡፡ ሰለዝኾነ ድማ ኣብ ናትና ነኻላት ኣትዮም ህዝብና ክፀልአና ምግባር ቀንዲ ዝሓዝዎ ስልቲ አዩ፡፡ ንሕና ንፈጥሮም ነኻላት ብፍላይ ኣብ ግዕዝይናን ጉድለታት ሰናይ ምምሕዳርን እንደሰራሰሩ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ዘለዎ ኣጋዲዶም ከንፀርፀርን ክማረርን ይገብሩዎ ኣለዉ፡፡ ነዚኦም መጠናኸሪ ሓይሊ ዝኸውን ድማ ኣብ ባዕልና ኣብ ውሽጥና ኣሎ፡፡ ኣብ ዝተፈላለዩ መወቕር ዝርከቡ ኣመራርሓታትና ዘለዎም ግደፈት ሰናይ ምምሕዳርን ግዕዝይን ንምሽፋን ኣብ ምፍራጅን ጠቐነን ተዋፊሮም ኣለዉ፡፡ ህዝቢ የሸማቕቕዎ ኣለዉ፡፡ ኣንፃር ብክራይ ዝረኽብዎ ረብሓ ዝተሰለፈ ኣባልን ኣመራርሓን ወድብና ከይተረፈ ምስ ተቓወምቲ ብምፍራጅ ክርዕድ ኢሉ ውን ካብ ውድብ ክፍለ ዝገብሩ ኣለዉ፡፡ እዚ ውን ህዝቢ ንዓና ዝህበና ደገፍ ይቕንሶ፡፡ ኣብ 5ይ ሃገራውን ክልላውን መረፃ ዝተርኣየ ውን እዚ እዩ፡፡ ዋላ ውን ኩሎም ኣብ ትግራይ ንመረፃ ዝቐረቡ ወንበራት እንተሰዓርና፤ ተቓወምቲ ዘይግብኦም ድምፂ ረኺቦም እዮም፡፡ እቲ ዝመረፀም ውሕድ ሰብ ናታቶም ፖሊስን ስትራቴጂን ከምዘይሰርሕ እንዳፈለጠ ንዓና ብምፅልእ ንዕኦም ዝመረፀሉ ኩነታት ኣሎ፡፡

ፖለቲካዊ ርውየት ኣባልናን ኣመራርሓናን ውን ካብ ግዜ ናብ ግዜ ይወርድ ኣሎ፡፡ ትካለዊ አሰራርሐና ክፀሪ፣ መስርሕ ምልመላ ኣባልን ኣመራርሓን ብፅሬት ብቕዓትን ክኸውን፣ በለፀኛን ደላይ ዘይናቱን ኣመራርሓ ክእለ፣ ብሓፈሻ ውድባዊ ጥንካረ ህወሓትን ብሰለት ኣመራርሓን ክረጋገፅ ሓቲቱ መልሲ ምስዝስእን ተስፋ ምቑራፅ ኣሎ፡፡ በዚ ዝተልዓለ ገሊኡ ነቲ ወድብ እንዳራሕርሐ ይወፅእ ኣሎ፡፡ ምውፃእ ጥራሕ ኣይኮነን ዝቃወም ውን ይፍጠር ኣሎ፡፡ ኣብ መሰመርን መሰረታዊ መትከላትን እቲ ውድብ ኣፈላላይ ዘይብሉ ብሰንኪ ፅሬት ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ህይወትና ምስ ውድብ ዝበታተኽ ይበዝሕ ኣሎ፡፡ ኣብቲ አመራርሓ ውን እምነት ናይ ምስኣን ሃዋህው ይረኣይ እዩ፡፡

እምበኣርከስ ተግባራዊነት ልምዓታዊ ዴሞክራስያዊ መስመር ኣረጋጊፅና ንቐጻሊ ዓወት ጉዑዞና ፈተንቲ ዝኾኑ ምዕባለታት ውን ካብ ዝተፈለለየ ኩርናዓት ዝፍጠረሉ ኩነታት ኮይና ኢና መበል 12 ጉባኤ ንፅበዮ ዘለና፡፡

እዚ ከምዚ ካብ ኮነ ኣብ ኣፈፃፅማ ፖሊስታትና ዝረኣዩ ፀገማት ከምኡ ውን ቀፃልነት ልዕልና መስመርና ዝረጋገፅ ፤ መሪሑ ብብቕዓት ከፈፅም ዝኽእልን ኣብ ተኸታታሊ ምትኽኻእን ዓቕሚ ህንፀትን ዘድሚ ውድባዊ ቁመና ክህልወና ከሎ እዩ፡፡ እቶም ዝፍጠሩ ዘለዉ ምንፅርፃራትን ስእነታት ዕግበትን ዝፍትሑ ወን ካብ ህወሓት ቁርፀኛ ወያናይ ህዝባውን ኣመራርሓ ምስ ዝርከብ እዩ፡፡ ኣብ ክራይ ኣካብነትን ስእነት ሰናይ ምምሕዳር ትርጉም ዘለዎ ለውጢ ዝመፅእ ረብሓ ሓፋሽ ዘረጋግፅ ኣመራርሓ ዓብላላይ ኮይኑ ክወፅእ ከሎ አዩ፡፡ ተሪርን ወያናይ ኣመራርሓ ዝመፅእ ከዓ ውሽጠ-ዴሞክራሲ ወድብ ምዝጠናኸር አዩ፡፡ መበል 12 ግባኤ ህወሓት ጎኒ ጎኒ ገምጋም ሕሉፋት መደባት ልምዓትን አንፈት ኣፈታትሓን ምጥንኻርን፤ ሕቶን ስምዕታን ህዝቢ ኣዳሚፁ ኣብ ልዕሊ ክራይ ኣካብነትን ስእነት ሰናይ ምሕደራን ትርጉም ዘለዎ ዓወት ክንረኸበሉ ንኽእል ብኡ ኣቢልና ድማ ህዝባት እመነትና ነሐይለሉ፤ ዕምቆት ዘለዎ ውሽጠ ውድባዊ ኣሰራርሓ ገምጊሙ ናይ ኣሰራርሓ ለውጥታት ብዘምፅእ መልክዑ ኣንፈት ከቐምጥ ኣለዎ፡፡

ናይ ኣሰራርሓ ለውጥታት ክበሃል ከሎ ነቲ እንኮ መሐለዊ ትንፋስ ወያናይን ህዝባዉን ሂወትና ዝኾነ ገምጋም ዝትክኡ ትካላዊ ኣሰራርሓታት ክሳዕ ምፍጣር ክኸይድ ኣለዎ፡፡ ገምጋም ክህሉ ግድን እዩ፡፡ ኣብዚ ሰላማዊ መድረኽ ግን ገምጋም ከምቲ ናይ እዋን ቃልሲ ዝነበሮ ግደ ይፃወት ሰለዘየለ፤ ብፍላይ አብ ምስሓልን ምብላሕን ኣባል፣ ኣብ ምውሳድ ስጉምቲ ዘጥፈአ ኣባልን ኣመራርሓን፣ ኣብ መዐቀኒ ዓቅሚ ኣመራርሓ፣ ኣመላምላን መረፃን ኣመራርሓ፣ ኣብ ኣተዓቓቕና ውፅኢት አፈፃፅማ … ወዘተ ዝብሉ ዓውድታት ውሸጠ ዴሞክራስያዊ ኣሰራርሓና ንቕድሚት ብዘሰጉም መልክዕ ዘኽይድ ትካላዊ ኣሰራርሓ ናይ ምዕማቕ ኣንፈት ክቕረፅ ትፅቢት ይግበር፡፡

5. ውሸጠ ዴሞክራሲ ውሕስና ወያናይ ውድብ

ታሪክ ህወሓት ታሪክ ዓወት እዩ፡፡ ታሪክ ህወሓት ታሪክ ዓወት ንምኻኑ ከኣ ሒዝዎም ዝተበገሰ ሽቶታት ምውቅዑን ዘይምውቅዑን ሓቲትካ ምምላሰ ማለት እዩ፡፡ ሕቶ ብሄራዊ ወፅዓን ድሞክራስያዊ ሓድነት ኢትዮጵያን፣ ሕቶ መሬትን ማሕበረ ኢኮቶማዊ ፍትሕን፣ ብዓብይኡ ከኣ ሕቶ ዘላቒ ሰላም፣ ዴሞክራስን ልምዓትን፡፡ ነዚኦም ንምምላስ ካብ ምጅማር ቃልሲ ክሳዕ ሐዚ ፖለቲካዊ ፕሮግራማት እንዳቐረፀን እንደመሓየሸን በቢመድኾም መሊሱን ኣብ ምምላስ ይርከብን፡፡ ድሕሪ ዓወት ሕገ-መንግስታዊ መልሲ ብምሃብ፤ ብቐፃልነት ዘሰጉሙ ትካላዊ ኣሰራርሓታት ብምዝርጋሕን ምጥንኻርን ከምኡ ውን ነቲ ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ሓደጋ ዝኾኑ ምዕባለታት በብግዚኡ ብምንፃርን ምቀላስን፤ ንሰላምን ልምዓትን ጥጡሕ ባይታ ፈጢሩ ኣሎ፡፡ ሕቶ መሬትን ካልኦት ማሕበረ ኢኮኖማዊ ፍትሕታት ድማ ብሕግን ስርዓትን ኣማእሚኡ ብቐፃልነት ይሰርሐሉ ኣሎ፡፡ ጉዳይ ልምዓት ውን ሃገራውን ዓለም ለኻውን ኩነታት ዘንበበ ርትዓዊ ፖለቲኮ-ኢኮኖማዊ መስርሕ ብምትታይ ብቐፃልነት ሓደጋ ሃገርን ህዝብን ዝኾነ ድኽነት ንምጥፋእ ኣብ ጎዳና ቃልሲ ይርከብ፡፡

ጉዳያት ዘለቒ ሰላም፣ ዴሞክራስን ልምዓት ኣብ ሓደ ነጥቢ ጠጠው ዝብሉ ዘይኮኑስ ብቐፃልነት ዘየቃርፅ ቃልሲ ዝሓቱ እዮም፡፡ ውድብ ህወሓት ከኣ ህልው ገምጋም ዓወቱ ዝምዘን ኣብዞም ነጥብታት ይኸውን፡፡ ብመንፅር ሰላም ንዝሓለፉ 24 ዓመታት ዝተመዝገቡ ውፅኢታት ንቕድሚት ዘሰጉም እዩ፡፡ ኢትዮጵያ ውሽጣዊ ሰላማ ንምርግጋፅ ኣብ ህንፀት ዴሞክራሲ ከምኡ ውን ኣብ ህንፀት ትካላት ድሕንነትን ምክልኻል ዝነኣድ ስራሕቲ ሰሪሓ እያ፡፡ ናይ ውሽጣዊ ሰላም ኢትዮጵያ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካ ቀንዲ ተዋሳኢት ምርግጋፅ ሰላምን ክትከውን ኣኽኢሉ ኣሎ፡፡ ኣብ ልምዓት ውን ከምቲ ኣብ ላዕሊ ብሰፊሑ ዝተገለፀ ሩኡይ ዕብየት ይስጉም ኣሎ፡፡

ህንፀት ዴሞክራስያዊ ስርዓት ብዝምልከት፤ ኣብ ዝሓለፉ 24 ዓመታት ድሕሪ ምንፃፍ ባይታ ሕገመንግስቲ ስርዓት፤ ሓፈሻዊ ዴሞክራሲ ከይዲ ኢትዮጵያ ኣብ ምጥንኻር ይርከብ፡፡ ቀፃልነት ዴሞከራስያዊ ስርዓት ዘረጋግፁ መርሕታት ከም ነፃ ፍትሓውን ሰላምን መረፃ፣ ሓሳብካ ናይ ምግላፅ ነፃነት፣ ነፃ ሚድያ፣ ፖለቲካዊ እምነትካ ብብሕትን ብሕጋዊ ወድብን ምሱጋም፣ ናይ ሓሳብ ኣፈላላይ ምክእኣል … ወዘተ ኣብ ሃገርና ይህነፁን ይምዕብሉን ኣለው፡፡ የለውን ዝብል ኣካል ምስዝመፅእ ነቲ ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ኣብ ምቕባልን ዘይምቕባል እዩ፡፡ ምድማዕ ዴሞክራስያዊ ሃዋህው ኣብ ባይታ ምህላዉ ንምርግጋፅ ዝሓለፉ ናይ 24 ዓመታት ምዕባለታት ከየጋደልካ ምምርማር የድሊ፡፡ ህወሓት/ኢህወደግ ገና መንግስትነት ብግዝያዊነት ምስተረከበ ኣብ ቃልሲ ሰላማዊ መድረኽ ዘለዎ ድልውነት ዘረጋገፀ፤ ኣፍደገ ዴሞክራሲ ጋሕ ኣቢሉ ብምኽፋት እዩ፡፡ ኣብ መፈለምታ ዓመታት ሰለም ቡዙሓት ውድባት ተፈጢረን፣ ናይ ሕትመት ሚድያታት ፈሊሐን፣ ሰባት ድሌቶም ክገልፁ መሰል ረኺቦም፡፡ ኣብዚ ናይ መጀምርያ እዋን ህወሓት/ኢህወደግ ንዴሞክራስን ሰላምን ክብል ብስምዴሞክራሲ ዝካየዱ ልዕልና ሕጊ ዝጥሕሱ ምንቅስቓሳት ሚድያን ፖለቲካዊ ወድባት ውን ተዓጊስዎም እዩ፡፡

ተቓወምቲ ሚድያታትን ወድባትን ግን ዓይቢ ሲኢነኖም ኣብ ክንዲ ንህንፀት ዴሞክራሲ እጃሞም ዘበርክቱ ነቲ ሓድሽ ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ፍፁም ዘይቕበሉን ዕንቅፋት ዝፈጥሩን ኮይኖም ተረኺቦም፡፡ ኣብ መድረኽ ነፃ መረፃ ውን ተመሰሳሊ፡፡ ተቓወምቲ ውድባት ሃገርና ከብ ህወሓት ዝበልፅ ፖለቲካዊ ፕሮግራም ከቕርቡ ዘይኽእሉ ኮይኖም እንዳሃለዉ፤ ግን ድማ ከዓ ህወሓት/ኢህወደግ ካብ ስልጣን ክወርድ ኣለዎ ዝብል ናይ ዜሮ ድምር ፖለቲካ ሒዞም መረፃታት ሃገርና ይሳተፉ ፀኒሖም ኣለውን፡፡ ህዝብታት ሃገርና ግን ክመርፅዎም ኣይከኣሉን፡፡ በዚ ተስፋ ዝቖረፁ ገለ ተቓወምቲ ወድባት ላዕላውነት ህዝባን ሕግን እንዳጠሓሱ ኣብ ኣዕነውቲ ተግባራት ክኣትዩ መሪፆም፡፡ ድሕንነትን ፀፅታን ሃገር፣ ረብሓ ህዝብን ሃገርን፣ ውሳነ ቡዙሓት ናይ ምርግጋፅ ሓላፍነት ዘለዎ ብህዝቢ ዝተመረፀ መንግስቲ ግዴቱ ክዋፃእ ሰለዘለዎ ቀይዲ በተኽ ኣከያይዳታት መዕረፊ ክገብረሎም ንብር እዩ፡፡ ክቕፅል ውን ኣለዎ፡፡

እምበኣርከስ ዴሞክራሲና ክንግምግሞ ከለና ከምዚ ክኸውን ኣለዎ፡፡ ፖለቲካዊ ታሪክ ሃገርና፣ ፖለቲካ ባህሊ ህዝብናን ናይ ፖለቲካ ሓይልታትናን፣ ኣለም ለኻዊ ኩነታት ኣብ ግምት ኣእቲና ህንፀት ዴሞክራሰያዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ምስፀገማቱ ዝምስገን እዩ፡፡ ካልእ ዴሞክራስዊ ስርዓት ሱር ክሰድድ ዝኽእል ንዕኡ ዘቡቅል ማሕበረ-ኢኮኖማዊ ባይታ ክህሉ ከሎ ስለዝኾነ፤ ኣብ ሃገርና ዝፍጠር ዘሎ ማሕበረ ኢኮኖማዊ ለውጢ ወሳስንነት ኣለዎ፡፡ ምዕባለ፣ ምስፋሕ ዝተምሃረ ህዝቢ፣ ህንፀት ማእከላይ መደብ ኣብ ከይዲ ምስላጥ ይርከብ፡፡ በዚ መሰረት ህንፀት ዴሞክራስያዊ ስርዓትና ተፈጥሮኣዊ ዕብየቱ ሓልዩ ክጠናኸር ዘኽእል ሃዋህው ይፍጠር ከምዘሎ ዘጠራጥር ኣይኮነን፡፡

ህንፀት ሰላም፣ ዴሞክራሲን ልምዓትን ከይዲ እምበር ኣብ ሓደ ምዕራፍ ዝኽምበት ከምዘይኮነ ወድዓዊ ሓቂ እዩ፡፡ ነዚ ህንፀት ዝኾሉፉ ሓደጋታት ከም ሃገርን ክልል ኣለው ዶ? እወ! ከም ውድብን መንግስትን ሓደጋታት ትምክሕቲ፣ ፀቢብነት፣ ክራይ ኣካብነት፣ ስእነት ሰናይ ምምሕዳርን፣ ሃይማነታዊ ፅንፈኝነትን መሰናኽል ስርዓትና ከምዝኾኑ ኣብሪህና ኢና፡፡ ብኻልእ ኣበሃህላ ካብ ጉዕዞና ከይንኹለፍ ነዚኦም ሓደጋታት ክንቃለሶም ከምዘለና ወሲና ኣለና ማለት እዩ፡፡ እሞኸ ብተግባር ቃልስና ይዕወት ዶ ኣሎ ወይስ እዞም ሓደጋታት የነቓንቑና ኣለው?

መልሲ ናይዚ ሕቶ ሕድ ሕድ ኣባልን ኣመራርሓን ከከም ወያናይ ትረትን ተቓላሳይ መንፈሱን ክፈላለ ይኽእል እዩ፡፡ ርዝነት ፈተናታት እዞም ሓደጋታት ንጎኒ ገዲፍካ ዘይሰራሕናሎም ኣለው ዝተርፈና ኣሎ ብዝብሉ ገምጋማት ክንስማዕማዕ ንኸውን፡፡ ካብዚ ብተወሳኺ ናብ ባይታ ወሪድና ደጋዊ ገምጋምን ምስንገብር ከኣ ካብ ፅዕንቶ ሓደጋታትና ቡዙሕ ዘይረሓቕና ኮይና ክንረኽቦ ንኽእል፡፡ ክደሚ ዝኽእል ዘየድማናሉ ምኽንያት ከ እንታይ እዩ?

እቶም ዝተነፀሩ ሓደጋታት ገሊኦም ደጋውያን (ካብ ውድብን ሃገርን ወፃኢ) ገሊኢም ድማ ናይ ውሽጥና እዮም፡፡ ክልቲኦም ሓደጋታት ክንምክቶም ንኽእል ግን ውሽጣዊ ውድባዊ ህይወትና ኣብ ምሉእ ጥዕንኡ ምስዝርከብ እዩ፡፡ ውሽጣዊ ውድባዊ ፅሬትናን ጥንካረናን ድኹም እንተኾይኑ፤ ነቶም ካብ ደገ ዝመፁ ምምካት ይትረፍ ባዕልና ውን ሓገዝቲ ኮይና ኢና ንርከብ፡፡ እዚ ስነ-ሞገት ህልው ክኑታትና ብብስለት እንድሕርዳአ ገምጊምና ኮይና ትኽኽል እዩ፡፡ ኣብ ህልው ክነታትና ከኣልኦት ሓደጋታትና ከምዘለዉ ከይኖም፤ ኣንፃር ክራይ ኣካብነትን ስእነት ሰናይ ምምሕዳርን ንገብሮ ቃልሲ ሰለጤን ሰለዘይብሉ ህዝቢ ናብ ምንፅርፃር ኣትዩ ኣሎ፡፡ ሕቶታት ህዝቢ ምስዘይንምልስ ከኣ ድጋፉን እምነቱን ከጉድል እዩ፡፡ እቶም ናይ ደገ ሓደጋታት ዝበልናዮም ጥጡሕ ባይታ ይረኽቡ ኣለው ማለት እዩ፡፡ ሰለዚ ቁልፊ ምምካት ሓደጋታትና ኣብ ውሽጥና እዩ ዘሎ ዝብል መደምደምታ ይመፅእ፡፡

ውሽጠ ወድባዊ ጥዕናና ቁልፊ ምቕፃል ስርዓትናን ዕርዲ መኸተ ሓደጋታትናን ምኻኑ ካብ ታሪካዊ ኣመፃፅኣና ውን ንስሕቶ ኣይኮነን፡፡ እሞኸ ድኣ ወሽጠዊ ውድባዊ ጥዕናና ንምሕላው ኣብ ከመይ ኩነታት ንርከብ? ካብ ምንፃር መስመር ሕዳሰ ክሳዕ ሐዚ ኣብዚ ጉዳይ ዘመዝገብናዮ ዓወት ክንደይ ዝኣክል እዩ? እዞም ክልተ ሕቶታት ክንምልሰም እንተኾይና ኣብ እዋን ምንፃር መስመር ህዳሰና ውሽጣዊ ድኽመታትታ ወድብና ዝበልናዮም ዛዕበታት ብዝግባእ ፈቲሕናዮም ዶ ዝብል ካልእ ሕቶ የስዕብ፡፡ ከም ናተይ እምነት እቶም ዝተነፀሩ ድኽመታት ዳርጋ ኣብ መብዛሕቲኦም ትርጉም ዘለዎ ስራሕ ኣይተሰርሐን፡፡ ብርግፅ ኣብ ዝሓለፉ ውሑዳት ዓመታት ኣንፃር ክራይ ኣካብነትን ሰናይ ምምሕዳርን ዝረኣዩ ዝበልናዮም ስጉምታት ወሲድና ኣለና፡፡ እቶም ዝተረፉ ኣብ ፅባሕ ምንፃር መስመር ሕዳሰ ማለት ውን 6ይ ጉባኤ ዝተነፀሩ ድኽመታት ንምጥቃስ ዝኣክል፤

* ብንፁር ኣመራርሓና ፖለቲካዊ ቃልሲ ዘይገበረ በዚ ኣቢሉ ውን ናይ ውሽጢ ወድብ ኣሰራርሓታት ተዘሓሒሉ

* ናይ ውሽጢ ኣሰራርሓታት ሰለዘይፀረየ ኣብ ክንዲ ግልፅነትን ተሓታትነት ኢደ-መነንነት

* ኣብ ክንዲ ስጡም ትካላዊ ኣሰራርሓ ናይ ወልቀ ሰባትን ምትእስሳርን ሰንሰለትን መሰረት ዝገበረ ኣሰራርሓ

* ኣብ ክንዲ ዴሞክራስያዊ ቃልሲ ሓምየትን ምጉጅጃልን

* በለፅን ፅግዕተኛነትን

* ፀረ-ዴሞክራስያዊነት

ዝብሉ ወይ ከምዘለዉ ይቕፅሉ ኣለዉ ወይ ውን ዝተጋደድሉ ኩነታት የለን ዶ? የለን እንቴልና ውን ገምጋምና መሊስና ክምግምግሞ ምስዘይንኽእል፤ ካብ ባይታ ሪሕቕና እዞም ድኽመታት ሓሊኾም ከውድቑና ምፍቃድ እዩ ዝኸውን፡፡

ውሽጣዊ ውድባዊ ድኽመታትና ኣብ ኣፈፃፅማና ሰለጤን ከይህልወና፣ ሓደጋታትና ከይንምክት ቆሪኖም ዝሕዙና፣ ንተቓወምትና ድኽዒ ኮይኒም ዘገልግሉ ምኻኖም ኣይተርፍን፡፡ ብዓብይኡ ከኣ ካብቲ ፍልፍል ዓወትና ዝኸነ እምነቱን ድጋፉን ኩሉሻዕ ንቕድሚት ዘሰጉሞና ህዝብና ክፈልዩና ይኽእሉ እዮም፡፡ ብሓፈሻ እዚ ብጥቑሉል ቃላት ንግለፆ እንቴልና ዓወትናን ውድቀትናን ኣብ ውሽጢና ኣሎ፡፡ ኣብ ውሽጥናን ደገን ዝረኣዩ ዘለዉ ፀገማት እንኮ መፍትሒኦም ከዓ ውሽጣዊ ፅርየትና ይኸውን፡፡

5.1. ኣምራትን ኣፈፃፅማን ዴሞክራሲ ውሸጠ ፓርቲ

ኣምር ዴሞክራሲ ውሽጠ ፓርቲ ልክዕ ከምቲ ሰፊሕ ሃገራዊ ዴሞክራሲ ኣብ ፖለቲካዊ ስርዓት ሓንቲ ሃገር ወሳኒ እዩ፡፡ ዴሞክራሲ ውሽጠ ፓርቲ ውድባት ዘለዎም ርእዮተ-ዓለማዊ ኣፈላላይ ብዘየግስ፤ ኣብ ናይ ሃገራት ዴሞክራስያዊ ፖለቲካዊ ሰርዓት ገዚፍ ፅዕንቶ ኣለዎ፡፡ ሊበራል ውድባት፣ ማሕበራዊ ዴሞክራሲያዊ ወድባት ኮኑ ወየንቲ ውድባት ዴሞክራሲ ውሽጠ ፓርቲ ምስዘጓድሉ ኣብ ሃገራዊ ህንፀት ዴሞክራሲ ኮነ ካልኦት ሽቶታት ኣሉታዊ ፅልዋ የሕድሩ፡፡ ኣብዚ ሃገራዊ ዴሞክራሲ ዶ ወይስ ዴሞክራሲ ውሽጠ ፓርቲ መን ንመን ይፀልዎ፣ መን ቀዲሙ ተፈጢሩ፣ ጥሉቕ ርክቦም ከመይ ክኸውን ኣለዎ ኣብ ዝብሉ ጉዳያት ዝተፈለለዩ ትንተናታት ይወሃቡ እዮም፡፡ መልሲ ናይዞም ሕቶታት ግን ከምከም ነባራዊ ኩነታት ሃገራት ዝፈላለ ይኸውን፡፡ ዛዕባ ዴሞክራሲ ውሽጠ ፓርቲ ክልዓል ከሎ ዘየላጢ ሓቂ ግን ኣብ ወያናይ ውድብ ዘለዎ ኣድላይንነትን ኣገዳስነትን እዩ፡፡ ዋላኳ ንኹሎም ዓይነታት ውድብ ዘድሊ እንተኾነ ኣብ ወያናይ ወድብ ግን ፍሉይ ቦታ ኣለዎ፡፡ ንምንታይ?

ፍሉይ ኣገዳስነት ዴሞክራሲ ውሽጠ ፓርቲ ኣብ ወያናይ ወድብ ካብ ዴሞክራስያዊ ተጠርናፍነት ይብገስ፡፡ ዴሞክራስያዊ ተጠርናፍነት ወያናይ ውድብ ማለት ናይ ሓሳብ ኣፈላላይ ኣብ ውሽጢ ውድብ ክበስል ከምዘለዎ ዘቐመጥ፤ ሓሳባት በሲሎም ብዓብላይላይ ድምፂ ምስ ፀደቑ ከኣ ንውሳነ ሓሳብ ኣመራርሓን ኣባላትን ብጥንኩር ድስፕሊን ብዘይኣፈላላይ ክፍፅሙ ዝፅውዕ መስርሕ እዩ፡፡ እዚ ምስ ዘይኸውን ውህደትን ጥንካረን ወያናይ ወድብ ማሕሚሑ ክሳዕ ውድቀት ከብፀሖ ይኽእል፡፡ ሰለዝኾነ ድማ ዴሞክራሲ ውሽጠ ፓርቲ ናይ ሓደ ወያናይ ወድብ ደም ሱር እዩ ይበሃል፡፡

ናብ ውድብና ክንመፅእ ከለና ንረኽቦ ሓቂ እዚ እዩ፡፡ ወድብና ወያናይ ወድብ ምስ ምኻኑ ውሽጠ ዴሞክራሲ ኣብ ሂወት ወድብናን ህንፀት ዴሞክራስያዊ ስርዓት ሃገርናን ናይ ሞትን ሕየትን ጉዳይ እዩ፡፡ ብምኸንያት ታሪካዊ ጉዕዞናን ህሉው ኩኑታት ሃገርናን ከኣ ልዕሊ ሃገራዊ ዴሞክራሲ ዴሞክራሲ ውሽጠ ፓርቲ ዝለዓለ ፅዕንቶ እለዎ፡፡ ነዚ ክልተ ምኽንያት ምቕማጥ ይከኣል፡፡ ሓደ ውድብና ህወሓት ምስ ኣብ ሃገርና ዘሎ ዴሞክራስያዊ ክውንነት ክነፃፀር ከሎ ዝሓሸ ዴሞክራስያዊ ተመክሮን ልምድን ሰለዘለዎ፡፡ ካልኣይ ኣብ መስርሕ ፖለቲካ ሃገርና ወድብና ህወሓት/ኢህወደግ ናይ መሪሕ ውድብ ግደ ሰለዘለዎ፡፡ ካብዚ ብምብጋስ ዴሞክራሲ ውሽጠ ፓርቲ ውድብና ንውሽጣዊ ፅሬትናን ጥንካረናን ጥራሕ ዘይኮነ፤ ኣብ ከይዲ ህንፀትን ምጥንኻር ዴሞክራስያዊ ስርዓት ሃገርና ከምኡ ውን ምዕዋት ካልኦት ሽቶታት ዓብይ ትርጉም ኣለዎ፡፡

ወያናይ ውድብ ህወሓት ኣብ ውሽጠ ፓርቲ ዴሞክራሲ ዝኣምንን ዝሰርሐሉን ተመክሮ ዘለዎ ውድብ እዩ፡፡ ዴሞክራሲ ውሽጠ ፓርቲ ወድብና ኣብ ዝሓለፉ 40 ዓመታት ተሰሪሕሉ እዩ፡፡ ቀፃልነቱ ከመይ ነይሩ ኣብ ማእኸል ምቁርራፃት ነይረሞ ዶ ኢልና ምስን ሓትት ከኣ ከከም ርዲኢትና ይፈላለ፡፡ ሓደ ንስማዕመዐሉ ጉዳይ ግን ኣሎ፡፡ ድሕሪ ዓወት ኣብ ኣመራርሓን ኣባልን ህወሓት ንወያናይ ስነ-ምግባር ኣሰራርሓን ውፍይነት እንደቐሰ ከምዝመፀ ይፍለጥ፡፡ ብከይዲ ኣብ ገድሊ ዘይነበረ ኣባልን ኣመራርሓን እንዳበዝሐ ምምፁ ዝፈጠሮ ኩነታት ስዒቡ ውን ዳርጋ ኣዐሪዩ ተዳኺሙ ዝብል ገምጋም ምቕማጥ ይከኣል፡፡ ንምንታይ እንቴልና መደረኻት ገድልን ሰላማዊ ቃልስን ፈፂሞም ሰለዘይራኸቡ፡፡

ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልስና ኣብ ምርግጋፅ ውሽጠ ውድባዊ ፅሬት ንጥቀመሎም ዝነበሩ ኣሰራርሓታት ሐዚ ክሰርሕሉ ዝኽእል ባይታ ፀቢብ እዩ፡፡ ዴሞክራስያዊ ተጠርናፍነትን ጥንኩር ድስፕሊን ኣባልን ኣመራርሓናን ምስ ግዜ ቃልሲ ክነፃፀር ከሎ ናይ ሰማይን መሬትን ኣፈላላይ ኣለዎ፡፡ ገምጋም ኣብ ግዜ ቃልሲ ፍቱን መሕለዊ ወያናይን ህዝባዊን ባህርታትና፣ ካብ ቅንዕና ድሌት ዓወት ተበጊስና ድኽመታትን ጥንካረታትን ነነፅረሉ፣ ምስ ህዝብና ዘለና ርክብ ነጠናኽረሉ፣ ብፃያዊ ሓልየትናን ንመስመር ዘለና ውግንናን ፈሊና ብዘይንሕስያ ንሰርሓሉ … ኮታስ ቀፃሊ ሂወት ወያነና ዝረጋገፀ ኣሰራርሓ ነይሩ፡፡ ሎሚ ገምጋም ካልእ መሳርሒ እዩ፡፡ መጠቓቐሚ፣ መጎዳድኢ፣ ክራይ መአከቢ፣ መበለፂ፡፡ ምክንያቱ ውልቃውነት ዝነገሰሉ እዋን ሰለዝኾነ፡፡ እዚ ከዓ ተፈጥረኣዊ ዕብየትና ዝፈጠሮ እዩ፡፡ ክንዓግቶ ኣይንኽእልን፡፡ ከምቲ ንፍለጠሉን ዝተዓወትናል ኣከያይዳና ነዚ ህልው ኩነታት ተቐበልና፤ እቲ ኣረጊት ኣሰራርሓ እንዳገደፍና ንግዚኡን ነቲ ሒዝናዮ ዘለና ኩነታት ቃልስን ዝምጥን ኣሳርሓ ምትእትታው ጥራሕ እዩ መፍትሒኡ፡፡ እንታይ ዓይነት ኣሰራርሓታት?

ውድብና ተምሃራይ ወድብ እዩ፡፡ ካብ ህዝቢ፣ ሐደሽቲ መድረኻት ቃልሲን፣ ካብ ድኽመታቱን ከምኡ ካብ ተሞኮሮታት ካልኦት ይመሃር፡፡ ታሪክና ነዚ ይምስክር፡፡ ሎሚ ውን ብፅንዓትን ምርምር እንደዕሞቕና ካብ ኩሎም ፍልፍላት ተሞክሮ ክንመሃር ይግባእ፡፡ ንኣብነት ቻይናውያን ብወያናይ ውድብ ዝምራሕ መስመር ህንፀት ርእሰ-ማላዊ ስርዓት ካብ ዝቕምሩ ንነዘ፤ ካብ ካልኦት እዋናት ንላዕሊ ፀገም ፅሬት ውሽጠ ውድባዊ ኣሰራርሓ ኣጋጢምዎም እዩ፡፡ ልዕለ ስብእና ውልቀ መራሕቲን ዘይ-ዴሞክራስያዊ ኣሰራርሓታትን፣ ክራይ ኣካብነት፣ ግዕዝይና፣ ዘይትካላዊ ኣሰራርሐ፣ ናይ ሓሳብ ኣፈላላይን ብዘይጥንኩር ድስፕሊን ዝካየድ ኣፈፃፅማን፣ ምጉጅጅል … ወዘተ፡፡ ፈተና ውን ከይንዎም እዩ፡፡ ኣብ ከይዲ ግን እንኮ መፍትሒ ምስፋን ዴሞክራሲ ውሽጠ ፓርቲ መተካእታ ዘይብሉ ምኻኑ ገምጊሞም ኣቐሚጦም፡፡ ንተፈፃምነቱ ኣብ ናይ ውሽጢ ፓርቲ ትካላዊ ኣሰራርሓት በብግዚኡ ምምሕያሻት ኣካይዶም ውፅኢት ውን ረኺቦምሉ፡፡ ኮሚኒስት ፓርቲ ቻይና ንምስፋን ዴሞክራሲ ውሽጠ ፓርቲን ብኡ ኣቢሉ ከኣ ውህደትን ጥንካረን ውድቡ ንምሕያል ካብ ዝገበሮም ምምሕያሻት፤ ነቲ ከይዲ ዘፅንዐ ቻንግ ሊ ዝተምብሃለ ምሁር “Intra-Party Democracy in China: Should We Take It Seriously?” ኣብ ዝብል ፅሕፉ ከምዝስዕብ ኣቐሚጥዎ ኣሎ፡፡

ልዕሊ ወንበር ሕልፊ ሕፁያት ዝቐርበሉ መረፃ ውሽጠ ፓርቲ

እዚ ከም ቀንዲ ባእታ ዴሞክራሲ ውሽጠ ፓርቲ ዝረኣይ መስርሕ ከይኑ፤ ኣብ ኣቀራርባ ሕፁያትን ከይዲ መረፃን በብግዚኡ ዝሰፍሑ ዴሞክራስያዊ ኣሰራርሓታት ዝተኣታተውሉ እዩ፡፡ እዚ ከኣ በቢደረጁ ኣብ ዘለው ወዋቕራት ወድብ ዝግበር መረፃ ኣመራርሓ ዴሞክራስያዊ ክኸውን ዝኽእል ከይዲ መረፃ፣ ኣቆፃፅራ ድምፂ፣ ተወዳደርቲ ናብ መረፅቲ ዝቐርብሉ ኣገባብ በብግዝኢ ዝመሓየሽሉ ኣገባብ ክህሉ ዘኽእል እዩ፡፡ እዚ ኣብ ከይዲ መረፃ እዩ፡፡

ብዛዕባ መመረፅቲ ሕፅያት ዝምልከት ከኣ ንትምህርቲ ዝኸውን ኣሰራርሓ ተኣታትዩ እዩ፡፡ ናብ መረፃ ዝቐርቡ ተወዳድርቲ ምብዛሕ ማለት እዩ፡፡ ንኣብነት ኣብ ናይ ማእኸላይ ኮሚቴ መረፃ ኮታ 300 እንተኾይኑ ናይዚ እንተነኣሰ 5 ሚኢታዊ ሕልፊ እቲ ኮታ ናብ መረፃ ክቐርብ ኣለዎ፡፡ ንተተካእቲ ማእኸላይ ኮሚቴ ውን ከምኡ፡፡ ኣብ ፖሊት ቢሮን ተተካእቲ ፖሊት ቢሮን ተመሳሳሊ ሕልፊ ወንበር መማረፅቲ ሑፁያት ምቕራብ ከም ሓድሽ ኣሰራርሓ መረፃ ኣመራርሓ ተሰሪሕሉ እዩ፡፡ ከምዚ ዝበለ ኣሰራርሓ ንመረፅቲ ሰፊሕ ኣማራፂ ዝፈጥር ብኻሊእ ገፅ ከኣ ተወዳደርቲ ተናሓናሕቲ ክኹኑ ዘኽእል አዩ፡፡ ንነገሩ ናትና ሕልፊ ተወዳድርቲ ምቕራብ ይትረፍ፤ እቲ ዘለና ቁፅሪ ወንበር ክንመልእ ኳ ጋዶ! ናይ ቻይና ኮሚኒስት ፓርቲ ግን ሕልፊ ተወዳዳራይ ምቕራብ ኣይተፀገም፡፡ ምኽንያቱ እኹል ተተካእቲ ዘፍርየሉ ተተካኢ ማእኸላይ ኮሚቴን ፖሊት ቢሮን ሰለዘለዎ፡፡

እዚ መመራፅቲ ሕፁያት ዝቐርብሉ ዴሞክራስያዊ መረፃ ውሽጠ ፓርቲ ኣብ ላዕለዋይ መዋቕር ጥራሕ ዘይኮነስ ክሳዕ ታሕተዎት መሓውር ወድብ ዝሰርሕ እዩ፡፡ እዚ ኣብ ታሕተዎት መዋቕራት ዝካየድ መረፃ ኣብ ናይ ቻይና ኣዝዩ ዴሞክራስያዊ እንዳኾነን ተናሓናሕቲ ብቐጥታ ናብ መረፅቲ መማረፂ ሓሳብ ክሳዕ ምቅራብ ዝበፅሑሉ ኩነታት ኣሎ፡፡

ውሳነታት ብድምፂ ውሳነ ምሕላፍ

ኣብ ወያናይ ወድብ ዴሞክራስያዊ ተጠርናፍነት ግድን እዩ፡፡ ናይ ሓሳብ ኣፈላላይ ክፍጠሩ ምፍቃድን ክበስሉ ዕድል ምሃብን ከኣ ዝበለፀ ውሽጠ ዴሞክራስያዊ ባህሊ እዩ፡፡ ክሰርሓሉ ይግባእ፡፡ ምስዘይስርሐሉ ጉድኣቱ ከቢድ እዩ፡፡ ኣብ ቻይና ኮሚዩኒስት ፓርቲ ከም መስርሕ ዝጠፈኣሉ ሰዓት ውን ነይሩ፡፡ ልዕለ ስብእና ውልቀ መራሕቲ ክፍጠር ከሎ፤ ስምምዕነት ይፍጠር፡፡ ናይ ውልቀ መራሒ ሓሳባት ልዕልና ረኺቦም ካልኦት ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴን ፖሊት ቢሮን ናይ ሓሳብ ቃልሲ ከካይዱ ኣይዕድምን፡ ኣብ ከይዲ ግን ውሽጠ ፖለቲካዊ ሂወት እቲ ወድብ እንደደስከለ ሰለዝኸይደ ግድኣቱ ከቢድ ኮይኑ፡፡ ካብዚ ተሞክሮ ዝወሰዶ ኮሚኒስት ፓርቲ ቻይና ናይ ሓባር ኣመራርሓ ዝብል ኣምር ክበረታታዕ ከምዘለዎ ኣሚኑ፤ ናይ ሓሳብ ኣፈላላይ ናብ ሓደገኛ ኣንጃ ተለዊጡ ኣብ ሃለዋት ወድብ ሓደጋ ክሳዕ ዘይፈጠረ ክህሉ ከምዘለዎ ኣሚኑ ተቐቢሉ፡፡

ካልእ ኮሚዩኒስት ፓርቲ ቻይና ውሳነ ሓሳባት ዝተፈላለዩ ጉዳያት ውን ብተመሳሰሊ ናይ ሐባር ውሳነ ክኾኑ ምግባር ኣገዳሲ እዩ ዝብል መርገፂ ኣለዎ፡፡ ካብ ተሞክሮ ኮሚዩኒስት ፓርቲ ቻይና ፍልይ ዝበለ ኣሰራርሓ ክበሃል ዝኽእል፤ ኣብ ከይዲ ኣሰራርሓ ውሳነ እቲ ካብ ደገገ ዝግበር ናይ ምምኻር ስራሕቲ አዩ፡፡ ወሳነታት ሳይንሳውን ዴሞክራስያውን ትሕዝቶ ምእንታን ክህልዎም፤ ኣጀንዳ ተቐሪፁ ቅድሚ ውሳነ ኣባላት ፓርቲ ይኹኑ ኣይኹኑ ብዘይገድስ ምስ ዝምለከቶም ኣካላት ምምኻር ይካየዱ፡፡ ምሁራን፣ ሰብሃፍቲ ስራሕ ፈጠርቲ፣ ዓበይቲ ዓዲ ምኽረ ሓሳቦም ይህቡ፡፡ ኣብ መወዳእታ ኣብ ውሽጢ ውድብ ሓበራዊ ወሳነ ይትግበር፡፡ እዚ ነፈፃፅማ ውን ሙቹው ባይታ ይፈጥር፡፡

ስሩዕን ዘይስሩዕን ትካላዊ ሕገ-ደምብታት

እንዳሰፍሐን እንዳገዘፈን ዝመፀ ኮሚዩኒስት ፓርቲ ቻይና ትከላዊ ኣሰራርሕኡ ከሐይል ብምእማን ሱሩዓትን ዘይስርዓት ሕገ-ደምብታት ምትእትታዉ ካብቶም ኣብ ምስፋን ዴሞክራሲ ውሽጠ ፓርቲ ዝተካየደ ለውጥታት ሓደ እዩ፡፡ ስሩዕ ትካለዊ ሕገ ደምብታት ዝበሃል ብመልክዕ ደምቢ ተፃሒፉ ክቕመጥ ዝኽእል ናይ ስልጣን ግዜን ናይ ዕድመ ገደብ ዝምልከት እዩ፡፡ ንኣብነት ገደብ 5 ዓመት ንላዕለዎት ኣማሓደርቲ መንግስትን ወድብ ዝተቐመጠ እንትኸወን፤ ኣብ ኣዝዩ ላዕለዋይ መዋቕር ድማ ሓደ መራሒ ካብ ክልተ ግዜ ንላዕሊ ማለት ውን 10 ዓመት ንላዕሊ ኣብ ተመሳሳሊ ቦታ ክፀንሕ ኣይፍቀድን፡፡ ካብ ሱሩዓት ሕገ ደምብታት ሐደ ኣገዳሲ ክኸውን ዝኽእል፤ ኣብ ታሕቲ በብደረጅኡ ዘሎ ኣመራርሓ ኣፈፃፅምኡን ብቕዓቱን መሰረት ዝገበረ መተኣማመኒ ስርርዕ በቢዓመቱ ይካየድ፡፡ መተኣማመኒ ስርርዕ ብጥቡቕ ክትትል ብዝተፈላለዩ ኣካላት (ኣባል ዘይኮነ ህዝቢ) ውን ብዘሳትፍ ምልክዑ ዝካየድ ኮይኑ ትሕቲ 70 ሚኢታዊ እንተረኪቡ፤ መጠንቀቕታ ተዋሂብዎ ንሓደ ኣመት ይቕፅል፡፡ አብ ቀፃላይ ዓመት ምምሕያሽ እንተዘሪኡ ዝትከኣሉ ኣሰራርሓ ኣለዎ ኮሚዩኒስት ፓርቲ ቻይና፡፡

ዘይስሩዕ ዝበሃሉ ሕገ-ደምብታት ኣብ ወረቐት ክሰፍሩ ዘይኽእሉ ግን ከኣ ኣብ ከይዲ ኣፈፃፅማ ብተለምዶ ክትገበሩ ዝኽእሉ ኣብ ምስፋሕ ውክልና ዝተፈላለዩ ክፍልታት ሕ/ሰብ ከምኡ ውን ከባብያዊነትን ፀቢብነት ስዒቡ ንዝፍጠር ናይ ዘይምቅልላስ ኩነታት ንምኣላይ ኣብ ዝተፈላለዩ መዋቕራት ዝተፈላለየ ድሕረ ባይታ ዘለዎም ኣመራርሓታት ምዝናቕ ዝምልከት እዩ፡፡

ሓፈሻዊ ስርዓት ስፖርቭዝን

ግዕዝይናን ጉድለታት ሰናይ ምምሕዳርን ንምፍታሕ፤ ዝተፈላለዩ ባእታት ዘለዎ ሓፈሻዊ ውድባዊ ስፖርቭዝን ምትእታው፡፡ ንኣብነት፤

* ማእኸላይ ኮሚቴ ኣብ ታሕተዎት መዋቕራት ምሕደራ ዝካየዱ ስራሕቲ ፀረ-ግዝይናን መአረምታት ሰናይ ምምሕዳርን ዘፅንዕን ዝምርምርን ኮሚቴ ብተኻታታሊ ምልኣኽ

* ምምዛግብ ሃፍቲ በብደረጅኡ ዘሎ ኣመራርሓ

* ህዝቢ ዘሳትፍ ግዕዝይና ዝጋለፀሉ ኣሳራርሓት ብስልኪ፣ ፓስታ፣ ኢሜል ኣድራሻ ምትእትታው

* ትካላዊ ክፍፍል ስልጣን ምፍጣርን ትካላት ነንርእሶም ክትትል ቅፅፅርን ከካይዱ ዘኽእል ትካላዊ መዋቕር ምጥንኻር፡፡

እዚ ማለት ኣብ ውሽጢ ወድብ ኣብ ሞንጎ ውሳነ ወሃቢ፣ ውሳነ ፈፃውን ቁፅፅር ኮምሽን ግልፂ ዝኾነ ናይ ስራሕ ክፍፍልን ናይ ቁፅፅር ሃዋህው ምጥንኻር ማለት ይኸውን፡፡ ኣብዚ እዞም ሰለስተ ኣካላት እቲ ሓደን ነቲ ካልእ ብዘይፀቕጠሉ ኣገባብ ሕገ-ደምቢ እቲ ውድብ መሰረት ዝገበረ ክፍፍል ስልጣን ክፍጠር ምኽኣል አዩ፡፡ ክፍፍል ስልጣን ምፍጣር ንባዕሉ እኹል ሰለዘይኮነ ትካላዊ ኣቕሚ ብዝግባእ ክህነፅ ኣለዎ፡፡

ግልፅነት ውድባዊ ጉዳያት

ምስፋን ግልፅነት ኣብ ውድባዊ ጉዳያት ብቐንዱ ምርግጋፅ መሰል ኣባላት ዝምልከት እዩ፡፡ ኣባላት ብዛዕባ ውድባዊ ጉዳያት ሓበሬታ ክረኽቡ፣ ውፅኢት ምዘና ኣፈፃፅማ ኣመራርሓ ክፈልጡ፣ ኣብ ውሰነታት ክሳተፉ፣ አብ መረፃን ቁፅፅር ፓርቲ ክሳተፉ ምግባር እዩ፡፡ ንምስፋን ዴሞክራሲ ውሽጠ ፓርቲ ምርግጋፅ እዞም ዝተጠቐሙ መሳለት እኹል ኣይኮነን፡፡ በብግዚኡ ዝካየዱ ኣመራርሓን ኣባላትን ዘራኽቡ ናይ ምኽኽር መድረኻት ውን ክስፍሑን ክጠናኸሩን ይግባእ፡፡

እዚኦም ኩሎም ኣባና የለውን ወይ ወን ከምዘለው ቀዲሕና ንውሰዶም ማለት ኣይኮነን፡፡ እንተሃልዮም ተፈፃመነቶም ምሕያል፡፡ እንተዘየልዮም ብመፅናዕትን ምርምር ኣዕሚቕካ ንዕና ብዝጥዕመና መልክዑ ንህንፀት ውሽጠ ውድባዊ ኣሳራርሓና ምውዓል ግን ከድልየና እዩ፡፡

ፅሬትን ጥንካረን ውድብና መሰረት ህዝባዊ እምነትናን ዓወትናን እዩ!!!

መሓሪ ዮሃንስ

[email protected]

ነሓሰ 2007 ዓ/ም

መቐለ

***********

Mehari Yohanes is a lecturer at Department of Political Science and Strategic Studies of Mekele University. He can be reached at [email protected]

more recommended stories