ራዕድን ሽበራን ስልጡን ፖለቲካዊ መስርሕ ኣይኮነን – ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ

ራዕድን በራን ስልጡን ፖለቲካዊ መስርሕ ኣይኮነን

ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ (ማተሰኣ)

ኤፕሪል 30/2015

ዓለምና ብሓደ ወገን ኣብ ክሊ ምግማቱ ዘፀግም ቅልጡፍ ከይዲ ግሎባላይዘሽን ዝተመስረተ ናይ ኢኮኖሚ ምትእስሳር ብምፍጣር፣ ሃገራት ካብ ናይ ባዕለን ህልዊ ኩነታት ተበጊሰን ለውጢ ንምምፃእ፣ ዝሐሸ ናብራ ህዝበን ንምርግጋፅን ኣብ ዝፅዕራሉ ፣ ውፅኢት ዘመናዊ ቴኽኖሎጂ ብምጥቃም ዜጋታት ብዝዓባ ህልው ኩነታት ሃገሮምን ከባቢኦምን ኣፍልጦ ብምሃብ ንዝሓሽ ሂወትን ተስፋን ኣብዘማዕድውሉ እዋን ትርከብ። በቲ ኻልእ ወገን ድማ ራዕድን ሽበራን ከም መትከል ወሲዶም ፖሊቲካዊ ስልጣን ንምሓዝ ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን ክፍፀም እዩ ኢልካ ንምእማኑ ብዘፀግም ወዲሰብ ከም እንስሳ እንትሕረድ ይርአ ‘ሎ። ዓለምና ብዞም ክልተ ብጣዕሚ ተፃረርቲ ጫፋት ተወጢራ ናይ ወዲሰብ ብርግኣትን ሰላምን ናይ ምንባርን ሃዋህው ኣብ ሕቶ ኣትዩ ይርከብ።

እቲ ናይ ራዕድን ሽበራን ተግባር ናይ ሓደ ዓዲ ወይ ዝተውሰኑ ህዝብታት ፀገም ኣይኮነን። እኳድኣስ ናይ ኩለን ሃገራትን ህዝቢ ዓለምን ፀገም እዩ። እቱይ ምንታይ ሃገራት ዓለም ብመንግዲ ግሎባላይዘሽን ከም ሰንሰለት ተለቛቒመን ስለዝርከባ። እቲ ዘጋጥም ዘሎ ናይ ሽብርን ራዕድን ተግባራት ዋላ እተን ብኢኮኖሚ ፣ ወታዳራዊን ዲፕሎማሲያዊን ፀብለልትነት ኣለወን ዝባሃላ ሃገራት እዉን በይነን ክምክትኦ ኣብ ዘይኽእላሉ ደረጃ ተበፂሑ እዩ። እቲ ዓለምና ዝህውኽ ዘሎ ራዕድን ሽበራን ናይ ኹላትና ፀገም ስለዝኾነ፣ ንኽውገድ ናይ ኩለን ሃገራት ፃዕርን ምትሕብባርን የድሊ።

ኢትዮጵያ ሃገርና ኣካል እዙ መስርሕ ምዃና ብኣግባቡ ተረዲኣ መንገዲ ግሎባላይዘሽን ናብ ረብሓኣ ንምውዓል፣ ካብ ውሽጣዊ ጭቡጥ ኹነታታ ተበጊሳ ስሉጥ ኢኮኖሚያዊ ትልሚ ብምሕንፃፅ ናይ ህዝብታት ናብራ ብምምሕያሽ ፣ ሰላምን ርግኣትን ብምርግጋፅን ናይ ዜጋታት ሰብኣዊ መሰል ዘኽብራ መሓውራት መንግስቲ እንዳጠናኸረት ዛጊድ ልዕሊ 20 ዓመታት ተጓዒዛ እያ። ኣብዙ አዋን’ዙይ ኣብ ሃገርና ዘረአ ዘሎ ለውጢ ብልሙፅ መንገዲ ዝተረኸበ ኣይኮነን። ኽባር ዋጋ እንናተኸፈሎ ዘመፀ እዩ። ብዙሕ ከምዝተርፈና ድማ ዘጠራጥር ኣይኮነን። Logo - Union of Tigrayans in North America (UTNA)

ኣብ ዓለምና ብራዕድን ሽበራን ፖሊቲካዊ ስልጣን ንምሓዝ ዝገበር ዘሎ ፈተነ ኣብ ኢትዮጵያ እውን ብተደጋጋሚ ተፈቲኑ እዩ። ኢህወዴግ ዝመርሖ መንግስትን ህዝቢ ኢትዮጵያን ግን ንራዕድን ሽበራን ከይተዋገዩ ክባር ዋጋ እናኸፈሉ መፂኦም። ኣብ ናይ መጀመርታ ለውጢ ዓመታት ተጀሚሩ ዝነበረ ራዕድን ሽበራን ፍሉይ ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጥም ፀገም ጌሮም ዝወስዱ ሃገራት ውሑዳት ኣይነበሩን። ውዒሉ ሓዲሩ ግን ራዕድን ሽበራን ዶብ ዘይብሉ ናይ ኩሉ ፈታዊ ሰላም ፀላኢ ምዃኑ ተረጋጊፁ። እተን ናይ ኢትዮጵያ ፀገም እዩ ዝብላ ዝነበራ ሃገራት ‘ውን ዛጊድ ብሕጋዊ መንገዲ ዝተመረፀ መንግስቲ ብራዕድን ሽበራን ንምግላስ ዝፍትን ሓይሊ ኣፍልጦ ኣይንህቦን፣ ኩሉ ዓይነት ርክብ ኣይህልወናን ናብ ምባል በፂሐን ኣለዋ።

ከምቲ ኹሉ ዝፈልጦ ቕድሚ 4 ዓመት ናይ ኢትዮጵያ መንግስቲ ራዕድን ሽበራን ከም መስርሕ ፖሊቲካዊ ጌሮም ዝንቀሳቀሱ ዘለዉ ናይ ጥፈኣት ውዳበታት ከም ግንቦት 7 ፣ ናይ ኦሮሞ ናፃነት ግንባር (ኦነግ) ፣ ናይ ኦጋዴን ብሄራዊ ነፃነት ግንባር (ኦብነግ) ፣ ኣልሸባብን ኣልቓይዳን ፀረ ሰላምን ናይ ጥፍኣት ሓይሊታትን ምዃኖም ኣረጋጊፁ ንህዝቢ ኢትዮጵያን ንህዝቢ ዓለምን ግልፂ ከምዝገበረ ዝዝከር እዩ ። ብኡኡ ልክዕ ድማ እንዳተቃለሶምን ውዳበታቶም እናፈሸለን መፂኡ እዩ።

ኣብ ዝሓልፈ ሰሙን ኣምባሳደር ዌንዲ ሼርማን ናይ ኣሜሪካ ወፃኢ ጉዳይ ምኽትል ሚኒስተር ኣብ ዝሃበኦ መግለፂ ዛጊድ ኢትዮጵያ ኣመዝጊባቶም ዘላ ለውጢታት ዝናኣድን ዝድነቕን እዩ፤ ንቕድሚት እውን ኢትዮጵያ ከምኡ ከምትቕፅል ንሰንን መንግስተንን እምነቶም ፅኑዕ እዩ ምስበላ ኣስዕብ ኣቢለን “ብሕጋዊ መንግዲ ዝተመረፀ መንግስቲ ብራዕድን ሽበራን ከግልሱ ዝፍትኑ ከምኒ ግንቦት 7 ኣይንድግፎን” ክብላ ናተንን ናይ መንግስተንን ፖሊቲካዊ ቕዋም ኣብ አዲስ አበባ መግለፂ ሂበን። ክምብል በለ ‘ሞ ኣይፈሰሰን ከም ዝባሃል ዋላ እኳ ናይ መንግስቲ ኣሜሪካ ትኽክለኛ ቕዋም ዘንጊዑ ይምፃእ እምበር እቲ መንግስቲ ኢህወዴግን ህዝቢ ኢትዮጵያን ቅድሚ 4 ዓመት ራዕድን ሽበራን ከም መትከል ጌሮም ዝንቀሳቀሱ ናይ ጥፍኣት ሓይልታት ንምምካት ዝወሰድዎ ቕዋም ዳግም ቕኑዕነቱ ኣረጋጊፁ።

ግንቦት 7 ፣ ኦንግን ኦብነግን ፀረ-ሰላም ፣ ፀረ-ልምዓትን ፀረ- ሃገርን ህዝብን ብምዃኖም ኣብ ዝኸዱ እንተኸዱ መንነቶም ዝተቓልዐ ብምዃኑ ናብ ፍርዲ ዝቐርብሉ እዋን ርሑቕ አይኾነን። ሎሚ ናይ ግንቦት 7ን ሰዓብቱን ናይ ጥፍኣት ተልእኾ ናይ ኢትዮጵያ ጥራሕ እንተይኮነስ ናይ ኩሉ ፈታዊ ሰላም ፀገም ኮይኑ ይርከብ። ከምቲ ጉጅለ ኣይሲ ሲ ንፁሃት ዜጋታትና ዝሓረዶም ግንቦት 7’ውን ዕድል እንተዝረክብ ነይሩ ፖለቲካዊ ስልጣን ንክሕዝ ከምኡ ጌሩ ክሓርዶም ዝደሊ ህዝብታት ኢትዮጵያ ከምዘለው ካብ ዕለታዊ ፕሮፕጋንድኡ ንርዳእ።

ኣብ እዋን ግሎባላይዘሽን ተሓጋጊዝካ እምበር ተነፃፂልካ ምኻድ እናተረፈ ብምዃኑ ኣብዙ እዋን’ዙይ ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ንናይ ሓባር ፀላዒ ሓበራዊ ግንባር ፈጢረን ኹሉ ዓይነት ራዕድን ሽበራን ንዘካይዳ ናይ ጥፍኣት ሓይልታት ንምምካት ከምዝተሓጋገዛ ካብ ናይ ኣምባሳደር ዌንዲ ሼርማን መልእኽቲ ክንርዳእ ንኽእል ኢና። ግንቦት 7ን ሰዓብቱን ኣብዝሃለዉ ይሃልዉ ራዕድን ሽበራን መስርሕ ፖለቲካዊ ስልጣን ጌሮም ነዊሕ ርሕቐት ከምዘይኸዱ ናይ ኣምባሳደር ዌንዲ ሼርማን መግለፂ መረጋገፂ እዩ። ኣብዙ እዋን’ዙይ ብዘይምፍላጥ ኣብ ናይ ጥፍኣት መስመር ዝተሰለፉ ኢትዮጵያውያን ኢዶም ንክእክቡ፣ ኣብ ሕግን ስርዓትን ዘኽብራ ፖለቲካዊ ውዳባታት ተሰሊፎም ዘለዎም ፖሊቲካዊ እምነት ብነፃ ንኸካይዱ ማሕበርና ይምዕድ።

ኣብ ዲያስፖራ ዘለኹም ፈተውቲ ሰላም ኢትዮጲያዊያን ነቲ ዓለምና ኣጋጢምዋ ዘሎ ዘይምርግጋእ ብኣግባቡ ብምርዳእ፣ ኣብ እትነብሩላ ሃገር ይኹን ኣብ ጎኒ ሃገርኩም ኢትዮጵያ ንሰላምን ርግኣትን ጠጠው ብምባል፣ ንራዕድን ሽበራን ብሓባር ወጊድ ኢልና ኣብ ሃገርና ዝኻየድ ዘሎ ናይ ኢኮኖሚ ምዕባለን ማሕበራዊ ለውጥን ብምድጋፍ፣ ነቲ ቐንዲ ምኽንያት ስደት ኾይኑ ዘሎ ድኽነት ብምውጋድ፣ ዜጋታትና ኣብ ሃገሮም ኮይኖም ዝሓሽ ናብራ ንኽነብሩ ብሓባር ብኹሉ ዓቕምና ኣብ ህንፀት ሃገርና ንኽንሳተፍ ፃውዒትና ነቕርብ።

ኣብ መወዳእታ ኢህወዴግ ናይ ሃገርናን ህዝብናን ድሕንነት ንምሕላው ዘገብሮ ዘሎ ዘይሕለል ፃዕሪ እንዳነኣድና ብሽም ድምፅና ይሰማዕ ዝብል ጭርሖ ተወዲቦም መሳርሒ ራዕድን ሽበራን ዝኾኑ ናይ ጥፍኣት ሰልፍታት ናይ ሃገርናን ህዝብናን ሰላም ከይዘርጉ ከም ወትሩ ምስ ህዝቢ ኾይኑ ክምክቶምን ናብ ፍርድ ከቕርቦምን ፃውዒትና ነቕርብ::

ማሕበር ተጋሩ ሰሜን ኣሜሪካ (ማ.ተ.ሰ.ኣ)

ዋሽንግተን ዲሲ

*************

Content gathered and compiled from online and offline media by Hornaffairs staff based on relevance and interest to the Horn of Africa.

more recommended stories