ኑቑላት ሊቃውንቲ ተጠቒዖም የጥቁዑኻ፡፡ ኑቑላት ሊቃውንቲ ማለት ናብ መሬት ጠብ ዘይብል ፍልጠት ዘለዎም፤ ካብ ነባራዊ ሓቂ ዝረሓቑ፤ ነቲ ንውክሎ ዝብልዎ ህዝቢ ብኣግባቡ ዘይፈልጥዎ እዮም፡፡ እዛ ዘረባ ቡዙሕ ግዜ ስብሓት ነጋ ክዛረባ ይሰምዕ እየ፡፡ እንታይ ክብል ደልዩ ኢዩ ኢለ ደጋጊመ ክሓስባ ከለኹ ግን እናበረሀትለይ ትመፅእል ኣላ፡፡

ህወሓት ሰለምንታይ ንኻልኦት ውድባት በሊፃ ሰዓሪት ኮይና ወፂኣ ክንብል ከለና፤ እቶም ካልኦት ውድባት ብኑቑላት ሊቃውንቲ ዝተዓብለላ ስለዝነበራ ንኩነታት ኢትዮጵያ ከንብብኦ ኣይከኣላን ዝብል መልሲ ንረክብ፡፡ ህወሓት ግን መብዛሕቲኦም ሊቃውንታ ፖለቲካዊ፣ ማሕበራዊን ቁጠባውን መስተጋብር ህዝቢ ትግራይ ኢሉ ውን ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝርድኡን በቲ መስርሕ ዝሓለፉንን ሰለዝነበሩ ኣብዚ መዳይ ዕውት ነይሩ፡፡Photo - Books and a cat

ናብ ናትና ወለዶ ክንመፅእ ከለና ውን ሃዋህውን ንቑላትን ሰብ ሱር ሊቃውትን ከም ሉሙድ ኣሎ፡፡ መሓዝቱናን መሓዙት እንዳመትናን ትግራይ ዘይፈልጥዋ ኣለዉ፡፡ ዘይፈልጥዋ ክብል ከለኹ ብእገሮም ረጊፆማ ዘይፈልጡ ወይ ውን ናብ ትግራይ መፅዮም ዘይፈልጡ ንምባል ኣይኮነን፡፡ ህልው ኩነታት ትግራይ ብኣግባቡ ክርድኡ ኣይከኣሉን ንምባል ደልየ እየ፡፡ ሰለዚ ንይውክለካ እየ ትብሎ ህዝቢ ከዓ ናብ ታሕቲ ወሪድካ ምፍላጥን ምፅናዕን የድልየካ፡፡

ሕቶ ህዝቢ ትግራይ ጭቡጥ ብዝኾነ መልክዑ እንታይ እዩ? እቶም ሐዚ ዘለው ብድሆታት እንታይ እዮም? ከመይ ከ ክፍትሑ ይኽእሉ ናበይ ንኸይድ ኣለና? እምነት ሐረስታይ ትግራይ እንታይ እዩ ጠለባቱ ኸ? ምኽንያቱ ሐዚ ውን መሰረታዊ መደብ ትግራይ ሓረስታይ ሰለዝኾነ፡፡ እቲ ኣብ ከተማ ዘሎ ህዝቢ ካበይ ተበጊሱ ኣበይ በፂሑ ኣሎ? ማሕበራዊ መሰተጋብራቱ ናበይ የብሉ ኣለው? ብሓፈሻ ኣወቓቕራ ሕረተሰብ ትግራይ ከምኡ ውን ኢትዮጵያ ኣብ ከመይ ዝበለ ናይ ለውጢ ጎዳና ይርከብ? ብስትራቴጂካዊ ትንተና ድሕሪ 10 ወይ 20 ዓመት ናበይ ይበፅሕ? መደባዊ ኣሰላልፍኡ እንታይ ዓይነት መልክዕ ይሕዝ? ኣብ ዓለም ለኸ መደረኽ ዘሎ ሓይሊ ኣሰላልፋ እንታይ ይመስል? ንሕና ከመይ ንሳተፍ? እቶም ሓይልታት ከመይ ይፀልውና?… ወዘተ እንዳበልካ ተዓፃፃፋይ ኣረኣእያ እንከይወነንካ፤ ኣብ ሕብረተስብና ዝሕከኽ ቦታ ነጥብን እንዳረኣኻ ሓኺካ ንገሊኡ ከሕሞ፣ ንገሊኡ ከሳሕዎ፣ ንገሊኡ ደስ ክብሎ ጥራሕ ሃቂንካ ዝግበር ናይ ኑቑል ሊቃውንቲ ቃልሲ መወዳእትኡ፤ ህዝብና ኣብ ዘዋራይ ዘይብላ ባቡር ከም ምስፋር እዩ ዝቑተር፡፡ እዚ ክብል ከለኹ እቲ ንነብሱ ከም ሊቅ ዝሓስብ ነኻላት ገዛኢ ውድብ ወይ ውን ስምዒት ሕ/ሰብ ዘለዓዕሉ ዛዕባታት እንዳረኣየ ዝፅሕፍን ዝዛረን ዘሎ መንእሰይና፤ ካብኡ እንተዘይወፅዩ፤ ወድዓዊ ኩነታት መርሚሩ ዝሓሸ ውሑስ መማረፂ ክምፅእ እዩ ዝብል እምነት ሰለዘይብለይ እዩ፡፡

እዚ ናይ ፌስቡክ ወለዶ ዝበሃል ናትና ትውልዲ ካብቶም ኣብ ዝሓለፉ 3-4 ዓመታት ዝተርኣዩ ኣንፈት ዘይብሎም ምንቅስቓስ መንእሰያት ዓለም ክመሃር ይግባእ፡፡ ኣብ ቱንዝያ፣ ሊብያ፣ ግብፂ፣ ብርኪ ናፋሶ፣ ዩክሬን ዝተገበሩ ምንቅስቓሳት መናእሰይ መወዳእቶም ብካልኦት ሓይልታት ዝተጨወዩ፤ እቲ መንእሰይ ወለዶ ኣንፈቱ ኣነፂሩ ነቲ ሕበረተሰብ ብዝግባእ ተረዲኡ ኣብ ስትራቴጃዊ ጉዳያት ከየድሃበ ኣብ ስምዒት ከርኮርቲ ዛዕባታት ስለዝዓሰለ እዩ ዝብል ገምጋም ኣለኒ፡፡ እዚ መለት ከዓ ኑቑል ሊቅ ከይኑ ማለት እዩ፡፡ መናእሰይ ትግራይ ካብዚ መንፈስ ንቑል ሊቅነት ክንናገፍ ከዓ ንድሕሪት ቅድሚትን የማንን ፀጋምን ተዓፃፂፍና ሕብረተሰብናን ኩነታት ሃገርናን ክነንብብ ኣለና እብል፡፡

****************

Mehari Yohanes is a lecturer at Department of Political Science and Strategic Studies of Mekele University. He can be reached at [email protected]

more recommended stories