ፀገም ኤርትራ ብወለዶ ዓጋመ ምምራሕ ድዩ?

ኩሉሻዕ ነፃነት ኤርትራ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ክሳዕ ዝኾነ ይቐበሎ፡፡ ከም ኩሎም ውፅዓት ህዝብታት ዓለም ከኣ ዋላ ዘተጨወ ይኹን ነፃ ሰለዝወፀ ደስ ይብለኒ፡፡ ነፃነት ኤርትራ ግን ፀገም ኣለዎ፡፡ ምኽንያቱ ኣብ ባይታ ዘየለ ሃገራዊ መንነት ክህነፅ ስለዝደለ ምስ ገረባብቲ ህዝብታት ዘጋጩ እዩ፡፡ ብዓብዩ ከኣ እቲ ንፁህ ኤርትራውነት ዝበሃል ኣብ ባይታ ዘየሎ ዕጥቂ ደቂ ኣባት ኢና ዝብሉ (ገለ ገለገሉኦም ካ መበቆሎም ውን ኣይፍለጥን) … ዘሰጉሙዎ ኣምር ግን ንባዕላ ነታ መዕለቢኣ ዘይተፈለጠ ኤርትራ ከዕንዋ እምበር ክህፃ ኣይተርኣየን፡፡

ፖለቲካዊ ራኢ ደቂ ኣባት ኢና ዝብሉ ቄናን ፖለቲካ ዘሰጉሙ ጉጅለታትን ውልቀ -ሰባትን፤ ኣብ ምፅራይ ኤርትራዊ መንነት (purification) ተሸኒኖም ወድዓዊ ፀገማት ኤርትራ ምልላይ ኣቢዎም፤ ገና ንህዝቢ ኤርትራ ህልቂትን ጥፍኣትን ይጥጅእሉ ኣለው፡፡ ነዞም ሰባት ፀገም ኤርትራ ኢሳያስ ተወላዲ ትግራይ ብናቶም ቋንቋ ዓጋመ ሰለዝኾነ እዩ፡፡ ወይ ጉድ!

እሞ መን ድኣ እዩ ኤርትራዊ? ንግደፎ ነቶም ፖለቲካዊ ማሽን ሃገረ ኤርትራ ተቖፃፂሮም ዘለዉ ገዘፍቲ ሰበ ስልጣን … ህዝቢ ኤርትራ ክንደይ ሚኢታዊ እዩ ወዲ ኣባት? ክሳዕ ዝርደኣኒ ወዲ ኣባት ክበሃል ከሎ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ሰብ ክፍጠር ከሎ ኣብ ኤርትራ ዝነበረ፣ ዝፀንሐ፣ ሐጂ ውን ከይተሓንፈፀ ዝነብር ህዝቢ ማለት እዩ፡፡እዚ ኣብ ኤርትራ ክንደይ ሚኢታዊ ይኸውን? ኣበይ ከባቢ ኸ ይርከብ? ማለተይሲ ካልእ ይትረፍ እቲ ናይ ሎሚ ነባሪ ከተማ ኣስመራ ክንደይ ሚኢታዊ እዩ ወዲ ኣባት? ንስኹ ንባዕልኹም ናይ ባሓቂ ደቂ ኣባት ዲኹም? እታ ኤርትራ ትብልዋስ ኣይ ትማልንዶ ዝተፈጠረት … ማለተይ ቀድሚ ኣቦሓጉኡ ንኢሳያስ ኤርትራዊ ምኻኖም፡፡Map - Eritrea's historic regional map

ኣንታ ተዓዘብለይ እባ …. ደቂ ኣባት? ኢሳያስ ኣፈወረቂ ሰለስተ ወለድኡ ኣብ ኤርትራ እዩ፡፡ ኣቦሓጉዘኡ ኣይተ (?) ኣብራሃም ሓጎስ እዮም ካብ ተምቤን ምናልባሽ ናይ ኣሉላ/ሃፄ ዮሃንስ ወተሃደር ኮይኖም ናብ ሓማሴን ኮይዶም፡፡ ነቦይ ኣፈወርቂ ኣብ ፀሎት ወሊዶሞም፡፡ ኢሳያስ ከኣ ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ፡፡ ከም ዘመኑ እንተስ ብኽፋእ እንተስ ብቕንዕና ናብ ሰውራ ኤርትራ ተፀምቢሩ፡፡ ሰውራ ዝሓቶም ፖለቲካዊ ብልሕታት/ሽርሓታት ስለዝወነነ ፕሬዝደንት እታ ሃገር ክሳዕ ምኻን በፂሑ፡፡ ኣዴታት ኤርትራ ከኣ ወዲ ኣፎም ብሪ እንዳበላ እንዳዓለላ ዕምበባ እንዳነዝሓ ተቐቢለንኦ፡፡ ህዝቢ ኣስመራ ሰብ ዘይኮነስ መልኣኽ ገይርዎ ሰጊድሉ፡፡

ህዝቢ ኣስመራ ንኢሳያስ ይፍለጦን እንድዩ ግዲ? ዲቕ ኣቢሉ መወለዱ ዓፅመ ስግኡ ይፍልጠ እምበር፡፡ ሰለምንታይ ደኣ 1991 ዓ/ም ኣስመራ ክኣቱ ከሎ ዓጋመ እዩ ኢሉ ተቓውምኡ ወይ ውን ከምቲ ሐዚ ትገብርዎ ዘለኹም ሓሜቱ ዘየስመዐ፡፡ ንፈልጥ እንዲና ግዲ ልዕሊ ክብሩ ክብረት፣ ልዕሊ ጀግንነቱ ጀግንነት፣ ልዕሊ ንፍዓቱ ንፍዓት፣ ልዕሊ መዓርጉ መዓርግ እንዳሸለመ ዶ ኣይኮነን ወዲ ኣፎም ወዲ ኣፎም ዝብል ዝነበረ፡፡

ሎሚ ዳኣ ሞ እንታይ ተረኸበ? ኢሳያስ ምስ ከፈአን ኣብ ንሕንሕ ስልጣን ተበፂሑ ኤርትራ ኣብ ስንፍላል ምስኣተወት ኢሳያስ ዓጋመ ክኸውን ንምታይ ተደሊዩ? እወ ደቂ ኣባት መልሉስልና እስከ? እንታይ ትብሉ ከምቲ መሰረት ዘይብሉን ዘይሰምርን ሕላማዊ መንነትኩም … ኢሳያስ ኣይኮነን ፉሉይ ክኸውን ካብ ዓለም ዝሓመቐ መራሒ፣ በላዒ ሰብ፣ ሓሪዲ፣ ዑቡድ ካብ ሰብ ዝረሓቐ ናብ እንስሳት ዝቐርብ ፉጡር ምስኮነኩም ድዩ ዓጋመ ክኸውን ፈሪድኩምሉ?

ደቂ ኣባት ወፍሪ ምፅራይ መንነት ኤርትራ ክትግብሩ ክንደይ ሰብ ካብ ሓማሴን፣ ስራየ፣ ኣከለጉዛይ ዓጋመ ክበሃል ተሓፅዩ ኣሎ? ኣብ ቀረባ ከም ዝሰማዕኩዎ፤ ኮሎም ደቂ ኣከለ ጉዛይ ዓጋመ እዮም ኢልኩም ወሲንኩም ሰሚዐ፡፡ ስራየ ውን ትውልዲ ዓዶም ዓድዋን ኣኽሱም ዝኾኑ ቡዙሓት ስለዝኾኑ ናይ ደቂ ኣባት ረቓሒ ኣየማልኡን ተባሂሉ ከምዝውሰን ምግማት ይከኣል፡፡ ዓረዛ፣ ማይዲማ፣ ቆሓይን፣ ባርካ ደኣ ሞ ምስ ኣድያቦን መደባይን ወላ ሐዚ ውን ሱጡም ርክብ ሰለዘለዎም ደቂ ኣባት ኣይኮኑን ማለት እዩ? ዓጋመ እንድዮም ሓቀይ? እስከ ገብጥዎ ኣፃሪኹም ክንደይ ሚኢታዊ ደቂ ኣባት ረኺብኩም? ወይ ዕብዳን!

በሉ ሓዙ ፖለቲካኹም ፋሽትታውን መንገዲ ጥፋኣትን እዩ፡፡ ፀገም ኤርትራ ኣይፈለጥኩሞን፡፡ ናበይ ናብ ዓጋመ! ሰሚዕኩም ዶ ደቂ ኣባት! ፀገም ኤርትራ ናብ ባይታ ዘይወርድ፤ ዝፈልይ ዘይብልኩም ፉሉያት ኢና ክትብሉ ኣብ ዕንክሊል ኣቲኹም ተሰጎሙዎ ዘለኹም ፋሽታታዊ ፖለቲካ እዩ፡፡ ህዝቢ ኤርትራ ከም ካልኦት ህዝብታት ቀርኒ ኣፍሪካ ድኻ፣ ብባህላዊ ማሕረስን መጋሰን ዝመሓደር፣ ካብ ድሑር ኣተሃሳስባ ነፃ ዘይወፀ፣ አብ 21 ክ/ዘመን መናእሰይ ኤርትራ ብሰንኪ ኣዕናዊ መንግስቲ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ዝረሓቐ፣ ንሓድነት ሃገር ዝጠምር ትካላዊ ኣሰራርሓ ዘይብላ ሃገር ዝውንን ህዝቢ እዩ፡፡ እዚ ኩሉ እንዳሃለወ ዘይማዕሪኡ ጫማ ግበር ተባሂሉ እንሆ ነዚ ኩሉ ሕሰምን መከራን ተቓሊዑ ኣሎ፡፡

ኣይፍልኩምን ደቂ ኣባት! ፀገማት ኤርትራ ዝፍትሑ ናብ ዘይትወፅዎ ነንርስኹም ዘባልዕ ህዝቢ ኤርትራ ዓጋመን ዘይዓጋመን እንዳበልካ ምፍልላይ ዘይኮነ፤ እቲ ተጎልቢብኩም ዘለኹም ኣንጭዋ እንዳሃለኹም ሓርማዝ ክትኮኑ ኣብ ሕልሚ ኣእትዩ ዕብድብድ ዘብለኩም ዘሎ ፋሽሽታዊ ኣረኣእያ ምውጋድ እዩ፡፡ ካብኡ ቐፂልኩም ነቲ ሓራዲ ስርዓት ሓቢርኩም ኣጥፍኡዎ፡፡ ካብ ቀብላውን ሃይማኖታውን ኣተሓሳስባ ውፁ፡፡ ሃገርኩም ናብ ጎዳና ዴሞክራሲ ምርሕዋ፡፡ ቁጠባውን ፖለቲካውን ትካላት ሃገር ኣጣሹ፡፡ ምሰ ገረባብትኹም ሰላም ፍተዉ፡፡

ወደሓንኩም!

***********

Mehari Yohanes is a lecturer at Department of Political Science and Strategic Studies of Mekele University. He can be reached at [email protected]

more recommended stories