ህልው ኩነታት ህወሓት አመልኪቱ ዝንፀባረቁ ዘለዉ አረአይታት

(Save Adna)

ብሰሙን ለካቲት 11 ምስ ዝተፈላለዩ ነባራትን ሓደሽቲን ኣባላትን ኣመራርሓን ህ.ወ.ሓ.ት ሰፋሕቲ ናይ ገፅ ንገፅ ምይይጣት ኣብ ዝገበርኩዎ ሰፋሕቲ ናይ ገፅ ንገፅ ምይይጣት ዝተረዳእኹዎ ኣብ ህ.ወ.ሓ.ት ኣርባዕተ ዓይነት ኣረኣእያታት ብስፍሓት ይንፀባረቑ ምህላዎም እዩ፤

1/ ህ.ው.ሓ.ት ኣብ ደውታ(stagnation) ኣላ፡፡

እዚ ስፍሕ ብዝበለ ብፍላይ ካብ ገለ ዓበይቲ ሰበ-ስልጣን፣ ነበር ሰበ-ስልጣን፣ ነባርን ሓደሽቲን ኣባላት ዝንፀባረቕን ኮይኑ መንቀሊ እቲ ሓሳብ “ህ.ወ.ሓ.ት ንቲ ስርዓትን ንቲ ቃልሲን መሪሖም ናብ ዝለዓለ ሓዱሽ ምዕራፍ ከሰጋግሩ ዝኽእሉ ብቑዓትን ሓደሽቲን ተዓፃፀፍቲን ሓሳባትን መራሕቲን ከተመንጩን ክትፈጥርን ኣይከኣለትን፡፡ እኳድኣስ ምስቲ ኣረጊት ኣተሓሳስባታት እቲ ስኒ(ዓቕሚ) ዘለዎ ኩሉ ሓደ ብሓደ ኣወጊዳ ምራጭ ወዲ ምራጭ ድማ ዓሲሎምዋ፡፡ መትከላት ዲሞክራሲን ዓንዲታትን እቲ ስርዓትን እውን ይሸራረፉ ኣለዎ፡፡ ህ.ወ.ሓ.ት ደስኪላ ኣላ፣ ደውታ ኣጋጢሙዋ ኣሎ፡፡ እቲ ደውታ ብግዚኡ ፈቲሽካ ብልቢ ኣሚንካ እንተዘይተፈቲሑ ብስሩ እውን እቲ ስርዓት ናብ ድሕሪት ክምለስ/ክፈሽልን ዝበኣሰ ጉድኣትን ሓደጋን ከስዕብ ይኽእል እዩ፡፡” ዝብል እዩ፡፡

2/ ህ.ወ.ሓ.ት ኣብ ደውታ ዘይኮነስ ኣብ ፍሽለት ወይ ምልሰት(reversal) ኣላ፡፡Photo - Tigrai people

“መትከላት ዲሞክራሲ እቲ ፓርቲ እንተተጣሒሶም፣ ዓምዲታት እቲ ስርዓት እንተፈራሪሶም፣ መገልገላይነትን ሓልዮት ህዝቢን ናብ ዓቀይታዊነት፣ ሃረምረምን ካብ ጎሮሮ ህዝቢ እናመንጠልካ ናብ ጁባኻ ምእታው እንተተቐይሩ ኣበይ ድኣ አሎ እቲ ዝተቓለስናሉን ኣሽሓት ጀጋኑ ዝተሰውኡሉን ዕላማ? በይዛ ህዝቢ ክንከውን ተቓሊስና ንቲ በይዛ ክንኮኖ ዝተቓለስናሉ ዝበልናዮ ህዝቢ ተመሊስና እንተበዲልናዮ፣ ፍትሒን ነፃነትን እንተኸሊእናዮ፣ ሃፍቱ እናሕደግና ናብ ጁባና እንተኾይኑ፤ ንቲ ማሕበራዊ ፍትሒን ልምዓትን ከነምፅአሉ ዝተቓለስናሉ ህዝቢ ሰበ-ስልጣንን ጎሓላሉ ነጋዶን ኣብ ጎንና ኣሰሊፍና ሃፍቱ እንምንዝዖን ብዙሕ ዝደመየላ ዓዲ ናይ ቁሩባት እንተገይርናያ፤ ዲሞክራሲ ከነስፍን ተሊምና ናብ ዲክታተራዊ ስርዓት ነዘግም ዘለና እንተኾይንና…እዚ ደውታ ዘይኮነስ ምድሕርሓር/ምልሰት/ እዩ፡፡ ዝመስረትናዮ ስርዓት ናብ ፍሽለት ገፁ የብል ኣሎ፡፡ ሓደ ብርኪ ንድሕሪት ተመሊሱ ኣሎ፡፡ ስርዓትና ዓብዪ ሓደጋ አንፀላሊዩዎ ኣሎ”፡፡ ዝብል ሓሳብ የንፀባርቑ፡፡ ስፍሕ ብዝብለ ክፋል መንእሰይ ኣባላት፣ ነባራት ተጋደልቲን ኣባላትን ድማ ተደጋጊሙ ይስማዕ፡፡

3/ ህ.ወ.ሓ.ት ክትድሕን ኣብ ዘይትኽእለሉ ብርኪ በፂሓ ኣላ፡፡

“ሞታ ዘይተርፍስ ርግሒታ ብኢሱና ኣሎ፡፡ ኣብ ፃዕረ-ሞት ዘላ ኣድጊ ምርጋሓ ኣይተርፍን፡፡ እቲ በትሪ ዝሓዘ መሪሕነት ንቑልቁል ሒዙዋ ይዕዘር ኣሎ፡፡ ጌግኡ ድማ ፈፂሙ ክሪኢ ኣይደልን፡፡ እቲ ተተኺሉ ዘሎ ስርዓትን ነዊሕ ስራውር ዘለዎ ጠቕላላ መሓውሩን ንምዕራይ ዓቅሚ ኮነ ድልውነት የብሉን፡፡ ክሳብ ዝሓዞ ዝሕዝ ብዝኾነ መንገዲ ቁሩብ ናይ ስልጣን ዕድምኡ ካብ ምንዋሕ ዝዘለለ ዕላማ የብሉን፡፡ ልፍዑ ኢሉና እምበር እዚ ኩለመንኡ በስቢሱ ዘሎ ስርዓት ናብ ሂወት ምምፃእ ዘይከኣል እዩ”፡፡ እዚ ብገለ ነባር ኣባላትን ብዝሕ ዝበሉ መናእሰይን ዝንፀባረቕ እዩ፡፡

4/ ማቻ (comfort) ይስምዐኒ’ሎ? 

“ሐዚ ንሕና ፅቡቕ ኣለና፡፡ ደውታ፣ ምድሕርሓር፣ ፃዕረ-ሞት ገለመለ እናበልኩም ኣይተፅሙና፡፡ እስቲ ኣብልዑና፡፡ ዓገርገር እንበልኩም ሃልኪ ኣይትፍጠሩልና፡፡ ማቻ እዩ ማቻ ማቻ!”

እዚኦም “ስልጣን ወይ ሞት” ዝጭርሖኦም ጉጅለ “ትግራይ እናንባዕኻ ምብላዕ” እዮም፡፡

ብርግፅ ሓምሻይ ጉጅለ እውን ኣሎ፡፡ እዚኦም እናፈለጡ ናይ ባሃይበሎ ድዩ ወይስ ዋሕዲ መረዳእታ ምኽንያቱ ዝኾነ ይኹን ብዙሕ ዘሰክፍ የለን፣ ደሓን ኣለና እናበሉ ዝከራኸሩ እዮም፡፡ ምስ እኹል መረዳእታ እሞ ድማ ካብ ልቦም ክኸውን ከምዘይኽእል ግን ርግፀኛ ምዃን ይከኣል እዩ፡፡ ምኽንያቱሲ ስፍሓትን ዕምቆትን ፀገማትና፤ እቲ ሕመቕና፤ እቲ ግዕዝይና፣ ብልሽውና፣ ልምሰትን ፈላፂ ቆራፂነትን እቲ ኣብ መሬት ዘሎ ስርዓት ብጋህዲ ዝርአ፣ ዝድህሰስን ዝጭበጥን ግሁድ ሓቂ እምበር ክልሰ ሓሳብ ስለዘይኮነ፡፡

*******

Guest Author

more recommended stories