‘ሉኣላውነትን ዴሞክራሲን ኣብ ኢትዮጵያ’ ከመይ ነንብባ?

መፅሓፍ ኣይተ ገብሩ ኣስራት ኣብ መበል ኣርባዓ ዓመት ምጅማር ጡርኑፍ ብረታዊን ብሄራዊን ቃልሲ (organized armed National Struggle) ህዝቢ ትግራይ ብምፅሓፋን፤ ኣይተ ገብሩ ኣስራት ብሰንኪ ኣብ ሕወሓት ዝነበሮ ናይ ኣመራርሓ ቦታን ፍሉይ ጠመተ ምርካባ ኣየጠራጥርን።ብተወሳኪ ድማ እዋን ሀገራዊ መረፃ ምዃኑ ተነባቢነታ ሓፈ ከየበላ ኣይተርፍን። ስሚዒታዊ ተቃዉሞ ገለ ገለ ሰባት ድማ ንዝርገሐኣ ኣውንታዊ ሐገዝ ዝገበረ ይመስለኒ። ኣነውን ሓፈሻዊ ዳህሳሳይ (bird’s-eye view) ብዝኾነ ዓይነት ኣነባብባ ነታ መፅሓፍ ምስ ኣንበብክዋ ብስሩኸ መፅሓፍ ገብሩ ከመይ ክንበብ ኣለዋ? ዝብል ሕቶ ከልዕል ስለ ዝገበረኒ ነዚ ዝስዕብ ፁሑፍ ፂሒፈ ኣለኩ። ዕላማ እዛ ፅሕፍቲ እዚኣ መፅሓፍ “ሉኣላውነትን ዴሞክራሲን ኣብ ኢትዮጵያ” ብምንታይ መዓቀኒታት ኢና ክንግምግሞ ዘለና ንዝብል ሕቶ መበገሲ ሓሳባት ንምውካስ እዩ::

ትሕዝቶ እታ መፅሓፍ ዝኮነ ይኹን ብዘየገድስ እታ መፅሓፍ ሓፋሽ ዘለዎ መረዳእታን ሓበሬታን ናይ ምርካብ መሰሉ ዘኽብር ብምዃኑ ንምንታይ ተፅሓፈ ዝብሉ ሪኢቶታት ሕጋውን ሞራላዊን መሰረት ክህልዎም ኣይክእልን እዩ። ኮታስ “እሰይ! እንዃዕ ፀሓፍካ” ብምባል ነቶም ኣብ ተመሳሳሊ ኸይዲ ዝነበሩ ሰባት ንክፅሕፉ ምብርትታዕ እዩ እቲ ዝሐሸ መንገዲ። ባህሪ እታ መፅሐፍ ማሕበረስብ ንዝገብሮ ናይ ለውጢ ምንቕስቓስ ጠቓሚት (ገስጋሲት- progressive) ድያ ወይስ ጎታቲት (regressive) እያ ዝብል መርሚርኻ ምዝራብ ግን ጠቃሚ ይመስለኒ::

ሓደ መፅሓፍ እንትንበብ ሙሉእ ኣረዳድኣ ንክህልወና ዝኾነ ዓይነት ጡሙር መመዘኒ ምሓዝ ኣገዳሲ ብምኻኑ ዕላማ እዛ ፅሕፍቲ እዚኣ እውን ነታ መፀሓፍ ንምግምጋም ከሕግዙ ዝኽእሉ መዐቀኒታትን ሕቶታትን ምልዓል እዩ ክኸውን። በብዝመስለኒ ርእስታት ከፋፊለ ድማ ነቶም ይጠቅሙ እዩም ዝበልክዎም መዐቀኒታትን ሕቶታትን ከምዝስዕብ ኣቀሚጠዩም ኣለኹ። ኣነ ኣቕመይ ብዝፈቕዶ ሞኪረ ኣለኩ ንስኻትኩም ድማ ብዝበለፀ ከምተማዕብልዎ ተስፍ እገብር::ሰናይ ንባብ!

1/ ርእሲ ናይቲ መፅሐፍን ትርጉሙን

ርእሲ ማለት ነቲ ኣብቲ መፅሐፍ ዝሰፈር ሓሳባት ጠቅሊሉ ክገልፀልና ዝክእል ዋና ዓንኬል ናይቲ ሙሉእ ስራሕ ዝዛረብ ክፋሊ እዩ። ወይ ድማ ምእንቲ ዕዳጋ ከበሀል ነቲ ኣብ ዒላማ ዘእተውካዩ ክንብብ እዩ ኢልካ ትሐስቦ ክፋል ማሕበረሰብ (Target Audience) ስሚዒቱ ክትንክፍ ይኽእል እዩ ኢልካ ትግምቶ ተባራዓይ ርእሲ ትመርፅ ትኽእል ኢኻ። ርክብ ጠቅላላ ትሕዝቶን ርእስን እታ መፅሓፍ እንታይ ይመስል? ንመሽጣ ድዩ ወይስ ብትኽኽል ነቲ ትሕዝቶ እቲ መፅሓፍ ስለዝገልፅ እዩ ተባራዓይ ርእሲ ተመሪፁ? እዚ ምስበልኩ ትርጉም ሉኣላዊነት ዳህሲሰ ሓፈሻዊ ድምዳመን ምርዳእን እታ መፅሓፍ ክሪኣ።

“ሉኣላውነትን ዴሞክራሲን ኣብ ኢትዮጵያ” ብትብል ዝተፅሐፍት መፅሐፍ ብምዃና ተዛማዲ ትርጉም ናይቲ ንኣርእስቲ ዝወዓላ ቃላት ዘይምቅማጡ ዓብይ ድኽመት ዋላ እዃ እንተኾነ፤ ደራሲ እታ መፅሐፍ ዝኾነ ኣይተ ገብሩ ኣስራት ግና ሊበራሊዝም እየ ዝኽተል ዝብል ውድብ (ዓረና) መስራትን ኸዚ ድማ ኣባል ብምዃኑ ኣብ ሉኣላዊነት ዘለዎ ኣረኣእያ ሊበራል እዩ ክዅን ዝክእል ብዝብል ግንዛበ ጥራሕ ኢየ ጉዳይ ሉኣላዊነት ክግምግሞ ተገዲደ። ናይዚ ፀገም መንቀሊ ትርጉም/መብራህርሂ እንታይነት ሉኣላዊነት ዘይምቅማጡ እዩ፤ እቲ ፅቡቅ ነገር ግን ኣየተ ገብሩ መስራትን ኣባልን ዓረና ብምዃኖም ኣብ ጉዳይ ሉኣላዊነት ክህልዎም ዝኽእል ግንዛበ ብተዘዋዋሪ ምፍላጥ (by inference) ዝከኣል ምዃኑ እዩ።

Image - Gebru Asrat Book cover
Image – Gebru Asrat Book cover

ሉአላዊነት ስለ ዝበሃል ንድፈ ሃሳብ ካብ 16 ክፍለ ዘመን ጀሚሩ ዓበይቲ ፈላስፋታትን ናይ ሕጊ ሊቃውንትን ብዙሕ ሓሳባት ሰንዩም እዩም። ን ኣብነት ቦዲን ዝተብሃለ ናይ 16 ክ/ዘመን ሰብ ሉኣላዊነት ማለት “ኣብ ዉሽጢ ግዝአትኻ ፍፁማዊን ብሕታዊን ሕጊ ናይ ምውፃእ ተኽእሎ እዩ” ይብል።ብተወሳኪ ድማ “እቲ ወናኒ ሉኣላዊ ስልጣን ኣብ ልዕሊኡ ኮይኑ ሕጊ ከውፅእ ንዝደሊ ኣካል ዋላ ሓንቲ ትዕግስቲ ከሪኦ የብሉን” ይብል::

ቶማስ ሆብስ ዝተብሃለ ኢንግሊዛዊ ፈላስፋ ድማ “ሉኣላዊ ሓይሊ ብምንም ዓይነት መስርሕ ስልጣኑ ዘይተገደበን ኣብ ልዕሊ ኩሉ ነገር፤ ኣብ ልዕሊ ሃይማኖት እውን እንተይተረፈ፤ ዝውስን ኣካል እዩ” ይብሎ። ካብዚ ብተፃራሪ ድማ ፐፈንድሮፍ “ሉላላዊነት ማለት ብዘይ ገደብ ኩሉ ነገር ናይ ምግባር ስልጣን ኣይኮነን፤ ግዳስ ናይታ ሃገር ላዕለዋይ ሐይሊ ምዃን ማለት እዩ። ላዕለዋይ ማለት ግን ፍፁማዊ ማለት ስለ ዘይኮነ ሉላላዊነት እውን ሕገመንግስታዊ ገደብ ክግበረሉ ይኽእል እዩ” ይብል::

ይኩን ደኣምበር ሉኣላዊነት ከዚ ብዝፈለጥ ትሕዝትኡ ምስፍሕፋሕ ዝጀመረ ምኽታም ውግእ 30 ዓመት ስዓቡ ብ ኣቆፃፅራ ፈረንጂ ብ 1648 ዝተፈረመ ብውዕለ ሰላም ዌስትፋልያ (peace of Westphalia) ኣቢሉ እዩ። ብመሰረት ውዕል ሰላም ዌስትፋልያ ሉኣላዊነት ክልተ መትከላት ዘካትት መፍትሕ ኾይኑ ተቀሚጡ፥ ዉሽጣዊን ግዳማዊን።

ዉሽጣዊ ሉኣላዊነት ማለት ሓንቲ ሃገር ኣብ ዉሽጢ ግዝኣታ ንዘለው ጉዳያት ብነፃነት ከምዝጥዕማ ገይራ ናይ ምምርሕ ተኽእሎን ስልጣንን ምውናን የርእየና።እዚ ማለት ናይ መወዳእታ ዉሳነ ናይ ምውሳድ ስልጣን ኣብ ኢድ መን ክኾን ኣለዎ ንዝብል ሕቶ መልሲ ዝህበና ሓሳብ እዩ። ደጋዊ ወይከዓ ግዳማዊ ገፅ ሉኣላዊነት ድማ ሓንቲ ሃገር ከም ኣባል ማሕበረሰብ ዓለም ብማዕረነት ተቆፂራ ንክትሳተፍን ህልውነታ ብዝኾነ ዓይነት ግዳማዊ ሓይሊ ዘይምትንካፍን ዘርኢ ሓሳብ እዩ::

ብመሰረት እዚ ኣረዳዳኣ ሉኣላዊነት ተጣሒሱ ዝበሃል ግዳማውያን ሓይልታት ኣብ ናይ ሓንቲ ሃገር ናይ ዉሽጢ መሓዉራት ስልጣን (domestic structures of authority) ናይ ወሳንነት እጃም እንትህልዎም እዩ። እዚ ድማ ብሓይሊ (forceful intervention) ወይድማ ብእንግዶት (by invitation) እታ ተደፋሪት ሃገር ክኸውን ይክእል እዩ። ወይድማ ሓንቲ ሃገር ብዉሽጣዊ ፀገማት ተወጢራ ከም ሃገር ክትገብሮም ዝግባኣ ምንቅስቃሳት እንትዕገቱ እዩ፤ ንኣብነት ሊብያ ኸዚ ዘላቶ ኹነታት። ዓለም ለኻዊ ርክባት ስርዓት (order)፣ ህድኣትን (stability) ተገማታይነትን (predictability) ንክህልዋም ናይ ዌስትፋልያ ሓሳብ ሉኣላዊነት ዓብይ እጃም ኣበርኪቱ እዩ::

ድሕሪ ካልኣይ ኩናት ዓለም ብዙሕ ፖለቲካዊን ሕጋዊን ምልውዋጣት ስለ ዝሰዓቡ ትርጉምን ኣረዳድኣን ሉኣላዊነት እውን ምቅያር ኣርእዩ እዩ። ብዝግመት እናተለወጡ ዝመፅኡ ዘለዉ ዓለም-ለኻዊ ሕግታትን፤ ምምፃእ ሐደሽቲ ሓሳባት (ከም ድሕንነት ደቂሰባት- Human Security) ፤ ምውሳክ ዓይነትን ቁፅሪን መንግስታዊን መንግስታዊ ዘይኾኑ ተሳተፍቲ ዓለም-ለኸ ጉዳያት ካብቶም ንምልዉዋጥ ትርጉምን ረብሓን ሉኣላዊነት ዝጥቀሱ ምኽንያታት ዝተወሰኑ እዩም::በዚ ምኽንያት ድማ እዩ ሉኣላዊነት ተፍጥሯዊን ዘይቅየርን ቐዋሚ ሓሳብ ኣይኮነን ዝበሃል:: ንቅድሚት እውን ክቅየር ዝኽእል ሓሳብ ምዃኑ ምግንዛብ ኣገዳሲ እዩ:: እዚ ካብ በልኹ እስቲ ናይዚ ዘመን (modern) ትርጉም ሉኣላዊነት እንታይ ከምዝመስል ንርኣዩ።

ዓለም ለኸ ኮሚሽን ምትእትታዉን ሃገራዊ ሉኣላዊነትን (INTERNATIONAL COMMISSION ON INTERVENTION AND STATE SOVEREIGNTYICISS) ብ ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ብ 2001 ኣብ ዘሰናደኦ ፀብፃብ “ሃገራዊ ሉኣላዊነትት ማለት ሓላፊነት ምሽካም እምበር በርኻ ዓፂኻ ከምድላይካ ምዕንዳር ማለት ኣይኮነን” ይብል:: እቲ ሓላፊነት ድማ ንዜጋታትኻ ስለ ዝኾነ ቐዳማይ ደረጃ እዚ ሓላፊነት ኣብ ኢድ እታ ሃገር ከምዝኾነ ይተቅስ። ሓደ ክንርስዖ ዘይብልና ምዕባለ ኣብ ዘበነ ግሎባላይዜሽን ሉኣላዊነት ክበሃል ከሎ ኣንፃራዊ (relative) ሓሳብ ምዃኑ እዩ። ብሰንኪ ኢኮኖምያዊን ፖለቲካዊን ምትእስሳር ሃገርት ረብሓ ዶባት እናቐነስ ብምምፅኡን ዘመናዊ ቴክኖሎጂታት ርሕቀትን ግዜን እናሕፀርዎ ብምኻዶምን ጉዳይ ሉኣላዊነት ብኣንፃራዊነት ኢና ክንርደኦ ዘለና። ፍፁም ሉኣላዊነት ዝበሃል ነገር የለን።

እቲ ፀብፃብ ሉኣላዊነት ልዕሊ መትከላዊ መስርሕ ዓለም-ለኻዊ ርክብ ምዃኑ ምስ ገለፀ ንብዙሓት ሃገራትን ህዝብታትን ትርጉም ሉኣላዊነት ጉዳይ ኣፍልጦ ማዕርነትን ክብርን፣ ጉዳይ ምሕብሓብን ምክልኻልን ፉሉይ ማንነንትን ሃገራዊ ነፃነትን፣ መስርሕ መረጋገፂ መስል ዓርሰ ዉሳነ እዩ ብምባል ስፍሕ ዝበለ ትርጉም የቀምጥ። እቲ ሓላፊነት ከልተ ዓይነት ምዃኑ ድማ ይሕብር፥ ዉሽጣዊን ግዳማዊን። ብዉሽጣዊ ወገኑ ኣብ ዉሽጢ እታ ሃገር ናይ ዝነብሩ ህዝብታት ሓላፊነት ምኽባር መሰረታዊ መሰላቶምን ክብርታቶምን እንትኸውን፤ ብደጋዊ/ግዳማዊ ገፁ ድማ ምኽባር ሉኣላዊ ነፃነት ካልኦት ሃገራት እዩ።

መፅሓፍ ኣየተ ገብሩ ብ ዳሕረዋት ይኩን ብናይዚ ግዘ ትርጉም ሉኣላዊነት ኸይዲ ህወሓት ብምንታይ መመዘኒ እዩ ንሉኣላዊነት ኢትዩጵያ ይትንክፍ ዝብል? ብስሩኸ እስቲ እተን መሰረታዊ ባእታታት ሉኣላዊነትት መፅሓፍ ኣይተ ገብሩ ትፈልጠን ዶ? መዓዝ እያ ሃገርና ኢትዩጵያ ብዉሽጣዊን ደጋዊን ሓላፊነታዊ ትርጉም ሉኣላዊነት ከምዚ ሕዚ ዘለናዩ ደረጃ ዉሽጣዊ ፖሊቲካዊ ተኽእሎን ግዳማዊ ዓቅምን ሃኒፃ ሉኣላዊነታ ዘረጋገፀት?

ብውሽጣዊ መግለፂኣ ካብ ጭቆና ሓሊፋ “ቤት ማእሰርቲ ብሄራት” ዝብል ቕፅል ስም ዝነበራ ሃገር፤ ብዓለም ለኻዊ ምንቅስቓሳ ሓደ ግዜ ብ ሳንባ ኣሜሪካ ሓደ ግዜ ብሶቭየት ሕብረት ትትንፍስ ዝነበረት ሃገር ምንባራ እንተዘኪርና ኢትዩጵያ ብሳላ መሪሕነት ሕወሓት-ኢህወደግ በፂሓቶ ኣብ ዘይትፈልጥ ደረጃ ሉኣላዊነት ከም ዘላ ምርዳእ ይከኣል። ስለዚ መፅሓፍ “ሉኣላውነትን ዴሞክራሲን ኣብ ኢትዮጵያ” ነዚ ጉዳይ እዚ ከመይ ትሪኦ?

ብተወሳኪ ደራሲ እታ መፅሓፍ ኣይተ ገብሩ ሊበራሊዝም ተከታሊ ዝኮነ ፓርቲ መስራትን ኣባልን እዮም። ሊበራሊዝም እንዳተኸተልካ መሰረታዊ ጭንቅካ ሉኣላዊነት ሃገር ክዅን ኣይክእልን። ምክንያቱ ሊበራሊዝም ማለት በርኻን መሽኮትኻን ጋሕ ኣቢልካ ብምኽፋት ሓይሊ ርእሰማል (Capital) ንዘለዎም ግለሰባት፣ ኮርፖሬሽናትን ቀልፃማት መንግስታትን ምዕዳም (by invitation ዝበሃል) ማለት ስለዝከውን ሊበራሊዝም እየ ዝኸተል እናበልካ ሉኣላዊነት ሃገረይ እዩ ናይ ፈለማን መወዳእታን ዕማመይ ምባል ዘይከኣል ነገር ጥራሕ ዘይኮነስ ተሞክሮ ሃገራት ኣፍሪካ ዘይምፍላጥ እውን እዩ ዘመላክት።

ምትእትታው ሊበራል ዕማማት ባንኪ ዓለምን (World Bank) ዓለም-ለኸ ትካል ገንዘብን (International Monetary Fund) ኣብ 1990ታት ንብዙሓት ሃገራት ኣፍሪካ ከመይ ሉኣላዊነተን ጥራሕ ከይኮነስ ህላውነተን ከም ዝተፈታተነን ዓለም ዝፈላጦ ሓቂ እዩ። ነፃነት ኤርትራ ልዕሊ ሊበራሊዝም ንሉኣላዊነት ኢትዮጵያ ሓደጋ ተገይሩ ምቅማጡ ትሕዝቶን ጥልቀት ትንተና እታ መፅሓፍን ንክትጠራጠር ዝዕድም እዩ::

ባንኪ ዓለምን ትካል ዓለም-ለኸ ገንዘብን ሕወሓት-ኢህወዴግ ዝመርሖ መንግስቲ ኢትዮጵያ ገና ዓቕሙ ከይደልደለ ከሎ ጀሚሩ ኣብ መሬት፣ ፋይናንስ፣ ኢነርጂን ቴሌኮሚኒከሽንን ዘለዎ መትከላት ንክቅይር ብዙሕ ፃዕርታትን ፀቕጥታትን እንተገበራዃ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዓይ ዝጠቅመኒ ኣነ እየ ዝፈልጥን ዝውስንን ኢሉ ብዙሕ ዋጋ እናኸፈለውን ካብ መትከሉ ፊሒት ኣይበለን። እዚ ተግባር እዚ ሕወሓት-ኢህወዴግ ንሉኣላዊነት እዛ ሃገር ክንዲ ክንደይ ርሕቀት ከም ዝጓዓዝ ኣየርኢን ድዩ? ሉኣላዊነት ማለት ቐልፃማት (IMF, WB, The Western Powers) ዝለል እንትብሉኻ ዘይምዝላል ማለት እዩ። ከምተን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪካ ዝለላ እንትብሃላ “ክንደይ ሜትሮ ኢና ንዘልል” ምባል ምጥፋእ ሉኣላዊነት እዩ ዘርኢ።

2/ ዕላማ እታ ፅሕፍቲ

ዓንኬል እታ መፅሓፍ ብኣውራነት ታሪኽ ሕወሓት እዩ። ታሪክ ሕወሓት ታሪክ ሕዝቢ ትግራይ እዩ። ሕወሓት ነቲ ህዝባዊ ቃልሲ መሪሓቶ እምበር ኣይፈጠረቶን። እዚ ቃልሲ እዚ ብሓፈሻ ዕዉት ዛንታ (success story) እዩ። ስለዚ እቲ ሓደ መምዘኒና እታ መፅሓፍ ናይ ህዝቢ ትግራይ ጀግንነት፣ ፀዋርነት፣ ብፃይነትን መሃዛይነትን ብዝርዝር ትገልፅ ዶ? ዝብል እዩ። ኣብ ኢትዩጵያ ካብ ዝነበሩ ብዙሓት ውድባት ንምንታይ ውድብ ሕወሓት ተፈልያ ተዓዋቲት ምኻና ኸ የብራህርህ ዶ? ሚስጢር ዓወት ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ከ እንታይ እዩ ይብል?

እዚ ንክብል ዘገደደኒ ሕወሓት ውሑድ፣ድኻን ዘይተምሃረን ገባር ሒዛ እያ ተዓዊታ፤ ስለዚ ታሪኽ ሕወሓት ብዋናነት ታሪክ ዓወትን ሰዓራይነትን እዩ። ሽንፈትን ውድቀትን ንምፅናዕ ኣንፈት ብዕሪ ፀሓፋይ ናብተን ኣብነታት ውድቀት ዝኾና ቑፅሪን ስፍሪን ዘይብለን ውድባት ሃገርና እዩ ክዘር ዘለዋ። ሕወሓት ካብ ኩለን ተፈልያ ፍፁም ዘይትጋገ ዴሞክራስያዊት ውድብ ክትኸውን ምሕሳብ ኣይከኣልን። ናይ ሓደ ውድብ ባህሪ ብአውሩኡ ንዝነብረሉ ማሕበረሰብ ምምሳሉ ዝገርም ነገር ኣይኮነን:: ሕወሓት ገለ ገለ ጥሕሰት መስል ደቂሰባት ክትፍፅም ትክእል እያ። ብተመሳሳሊ ውድብ ሕወሓትኸ ብመዳይ ባህሊ ዴሞክራሲ ዝነበርዋ ኣወንታዊ ነገራት ተጠቂሶምዶ? ን ኣብነት ባህሊ ሓበራዊ ኣመራርሓን (collective leadership) ፖለቲካዊ ተሳትፎ ወታደራዊ ክንፊ እታ ውድብ ምጥቃስ ይከኣል።

ሕወሓት ካብ ዴሞክራስያዊ ባህሉ ድሑር ዝኾነ ማህበረሰብ ብምፍጣራ ብመዳይ ናይዚ ግዘ መዐቀኒታት መሰል ደቂ ሰባትን ዴሞክራሲን ድኹም ክኾን ክምዝኽእል ብዙሕ ምርምር ዘድልዩ ነገር ኣይኮነን። ክንርስዖ ዘይብልና ነገር ድማ ኣብ መስዋእቲ ዘኽፍል በሊሕ ቃልሲ ዝነበረን ብብዙሕ ሸነኻት በትሪ ተነሓናሕቲ ሓይልታት ዝዓልቦ ዝነበረ ውድብ ምኹዋኑ እዩ። እቲ ጉዳይ መርዓ መርዓ ስለዘይኾነ እዩ ድማ ልዕሊ ስሳ ሽሕ ህዝቢ መስዋእቲ ዝኮነ። ነዚ ጉዳይ እዚ እታ መፅሓፍ ተጉልህ ዶ? ወይስ ኣብቶም ጌጋታት ሕወሓት ጥራሕ እያ ተተኩር?

ድከመት ኣይነበረን ምባል ኣይከኣልን ኾይኑ ግና እቲ ድኽመት ዝበሃል ብናይ መዓዝ ዘበን ዓወዲ (contex) እዩ ተራእዩ ዘሎ። “ኢ-ዴሞክራሲያዊነት” ሕወሓት ምስቶም ኣብቲ ግዜ ዝነበሩ ውድባት እንትነፃፀር እንታይ ይመስል ዝብል እታ መፅሓፍ ሪኣቶ ዶ? ዝነበሩ ፀገማት እነልዕሎም ንመፃኢ ተመሳሰልቲ ፀገማት ንከይድገሙ ብምሕሳብ እዩ። ነቶም ድኩም ጉንታትን ስጉምትታትን ሕወሓት ተባሂሎም ዝቀረቡ ክዋነታት ኣብቲ እዋን እቲ ካልኦት መማረፅታት ምህላዎም ከ እታ መፅሓፍ ተርኢ ዶ? ካብቲ ጉጉይ ዝተብሃለ መንገዲ ዝሕሹ እንታይ ዓይነት መማረፂታትኸ ነይሮም? ዘይተመጣጠነ ሓለፋ ስጉምትታት (excesses) ክምዝህልው ምግማት ከምዝካኣል ኩሉ ምዕራዩውን ኣገዳሲ ምዃኑ ምርዳእ ዝኸብድ ነገር ኣይኮነን::

ጥረ ሓቂ ዝመስሉ ነገራት ወይም ዝኾኑ ነገራት ካብ ዓወዶም (context) ወፃኢ እንተኮይኖም ሓሶት እዩም ዝኾኑ። እዚ ብክልተ መልክዕ ክዅን ይኽእል፥ ሓደ ኣልዕል ኣቢልካ ብምሕሳው (by commission) ካልኣይ ድማ ብ ምግዳፍ (by omission):: ክንደይ ዝኣክል ጥረ ሓቂ እዩ ምስ ግቡእ ዓውዱ ተቀሚጡ? ንዝብል ሕቶ መልስን ሪኢቶን ላዕለዎት ኣመራርሓ ሕወሓት ዝነበሩ ዝጠልብ ጉዳይ ብምዃኑ በይዛኹም ሓሳብኩም ሃቡና ክብል ይግደድ:: ነቲ ብናይና ዓቕሚ ክንፈልጦ እንክእል ዓውዲ ኸ ብዝግባእ ዶ ተቀሚጡ?

ንአብነት ኣነ ን ሐጎስ “ብቁመት ካብ ረዳኢ ትበልፅ” ኢለዩ ንበል። ደሓር ሓጎስ ናብ ገዝኡ ከይዱ “ናሁሰናይ ነዊሕ ሰብ ኢካ ኢሉኒ” እንተይሉ ነቲ ፈለማ ዝነበረ ጥረ ሓቂ ካብቲ ምስ ረዳኢ ዝተነፃፀረሉ ዓወዲ ኣውፂኡ ሓሶት ዝኮነ ነገር ክዛረብ ኪኢሉ ኣሎ፤ ምኽንያቱ ካብ ረዳኢ ትነውሕ ኢኻምበር ብፍጥረትካ ነዊሕ ሰብ ኢኻ ኣይበልኵዎን::

3/ ንመን እዩ ኸ ተፃሒፉ?

ሓደ ነገር ክትፅሕፍ ከለኻ ዒላማ እትገብሮ ኣንባቢ (Target Audience) ምህላው ናይ ግድን እዩ። ነቶም ላንጋ-ላንጋ ዝብሉ መዕነይነይቲ (moderate) ውድባትን ፖሊቲከኛታትንኸ ካብ ሕወሓት ከመይ ስልትን ስታራቴጂን ተወፅእ ተምህር ዶ? እዚ መፅሓፍ ህዝቢ ትግራይ ብመስተንክራዊ ዓወታቱ ንኮኽርዕን ኣብ ኸይዲ ዘጋጠምዎ ድኽመታቱ ንከይደግም ይገብር ዶ? ወይስ እቲ መሉእ ከይዲ “ጌጋ” ምንባሩ እያ ተጉልህ።ወይስ ነቶም ንህዝቢ ትግራይ ከም ከሓድን ጠላምን ገይሮም ዘፀልሙ ሓይልታት ድያ “ትግራወይቲ ናይ መረዳእታ በትሪ” ተቀብል? ብሓፈሻ ነዛ መፅሓፍ ምንባብ ኣብ ዕብየት ዴሞክራሲን ኽብርታት ትግራይን እንታይ ትርጉም ኣለዎ?

እቲ ቃልሲ ብዋናነት ከይዲ ሓርነት ህዝቢ ትግራይ እምበር ናይ ውልቀሰባት እንካ ሃባ ጨዋታ ብዘይምኳኑ ትግራይን ተጋሩን ካብዚ መፅሐፍ እንታይ ይርብሑ? ኢልካ ምሕታት ግቡእ እዩ። ንኣብነት ህዝቢ ትግራይ ብወገን ሰሜንን ደቡብን ዘለው ሓይልታት ትምክሕቲን ፀቢብነትን ንዘውርድሉ ዘለው ማእለያ ዘይብሉ መጥቃዕቲን ጠቐነን ንምክልኻል መፅሐፍ ኣይተ ገብሩ እንታይ ረብሓ ኣለዋ? ብዝብል መመዘኒ ነታ መፅሓፍ ምንባብ ጠቓሚ ይመስለኒ:: ብስሩኸ ህዝቢ ትግራይ ዘሕለፎ መከራን ነዛ ሕዚ ዘላ ኣንፃራዊ ስላምን ልምዓትን ልዕሊ ኹሉ ዋጋ ከም ዝኸፈለ ብዝርዝር ድያ ትዛረብ?

4/ ሕቶ ኤርትራ

ኣብዛ ነገር እዚኣ መራሕቲ ሕወሓት መብራህርሂ እንተሃብሉ ዝምረፅ እኳ እንተኾነ፤ ኤርትራ ድያ ወይስ ሊበራሊዝም ተሸኪሙ ዘምፀኦም ዶብ ተሳገርቲ ትካላት (Transboundary economic and political forces) እዩም ንላኣላዊነትና ሐደጋ ክኾኑ ዝክእሉ? ዝብል ሕቶ ግን ብንድፈ ሓሳብን (theoretically) ብጭቡጥ ተርእዩታትን (empirical cases) መሰረት ጌርና ክንምርምሮ ዘለና ጉዳይ ይመስለኒ:: እታ መስረታዊ ግንዛበ ሉኣላዊነት ዘይምህላዋ ነታ መፅሓፍ ብብዙሕ ነገራት ዝፀለወታ ይመስለኒ፤ ልዕሊ ኩሉ ግና ን ጉዳይ ኤርትራ::

ሕወሓት ጉዳይ ኤርትራ ጉዳይ ባዕዳዊ መግዛእቲ እዩ ምባላ እታ መፅሓፍ ካብ ዝኸንኸናኣ ጉዳያት እታ ዓባይ እዚኣ ትመስለኒ። ኣነ ውን ኣብዛ ነገር እዚኣ መርገፂ ሕወሓት ይገርመኒ እንተነበረኳ እቲ ታሪካዊ ከይዲ ዝነግረና ግን ምስ መትከል ሕወሓት ዝጋጨው ኣይመስለኒን። ኣነ ዝፈልጦ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ጣልያን ከም ሊብያን ሶማሊላንድን ኮሎንያል ሀገር ኮይና ምስ ፀንሐት ድሕሪ ምዝዛም ካልኣይ ዂናት ዓለም ብመስርሕ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ኣብ ኢድ እንግሊዝ ብሐደራ ፀኒሓ:: ውድብ ሕቡራት መንግስትታት ሊብያን ሶማሊላንድን ነፃ ሃገራት ክኾና እንትውስን ኤርትራ ግና ብዘይ ፌደራላዊ ሕገ-መንግስቲ ብመሰረት ባዕዳዊ ዶባታታ ምስ ኢትዩጵያ ብ መልክዕ ፌዴሬሽን “ናብ ወላዲት ሃገራ” (ወደ እናት ኣገርዋ) ክትሕወስ ወሲኑ::

ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ዓርሰ ዉሳነ ቃልሲ እዩ፤ ክምኡውን ኣብቲ ግዜ ዝነበረ ቃልሲ ካልኦት ህዝብታት ኢትዩጵያ። ይኩን ደኣምበር ናይቶም ቓልስታት ናይ መወዳእታ ሽቶ ሓደ ስለዝኮነ ነቲ ኸይዲ እንምዝነሉ መዐቀኒ ሓደ ክዅን ኣይብሉን፤ ንምንታይ እንተይልና ታሪኻዊ ኸይዲ ኣመሰራርታን ፖለቲካዊ ተሞክሮ ህዝብታት ካብ ቦታ ናብ ቦታ ስለ ዝፈላለ እዩ። በዚ መዳይ እዙይ እታ መፅሓፍ እንታይ ዝተፈለየ ታሪካዊ መረዳእታ ወይ ኣተረጓጉማ ኣቅሪባ እያ ነቲ ናይ ሕወሓት መትክል ነቂፋቶ?

ሕወሓት ኣብ መሰረታዊ ፖሊስታታን፣ መትከላታን ስትራቴጂኣን ተደራዲራ (concede) ትፈልጥዶ? ማለት ነዞም መሰረታውያን ኣብ ሐደጋ ዘውድቁ ነገራት ምእንቲ ጥቅሚ ሻዕብያ ኢላ ኣሕሊፋ ሂባ ትፈልጥ ውድብ ድያስ ወይስ ኣብ ገለ ገለ ታክቲካዊ ነገራት እያ concede/compromise ትገብር። ነዚ ነገር እታ መፅሓፍ ነፂራ ብዝርዝር ሪኣቶ ዶ? ሰበይቲ ፕሬዘደንት ሃገር ኣሜሪካ ፍራንክሊን ሩዝቬልት ዝነበረት ኤልያኖር ሩዝቬልት ከምዚ ትብል “Great minds discuss ideas; average minds discuss events; small minds discuss people”. ቱሑት አእምሮ ኣብ ጉዳይ ዉልቀሰብ፣ ማእኸለዎት ድማ ኣብ ከስተታት (ክዋኖታት) እንተተኩሩ ልዑል አእምሮ ግን ኣብ ሓሳብ የተኩር ትብል።

በዚ መስረት እዚ እንተሪእናዩ: ብስሩኸ ሓይልታት ሕወሓት ኣብ መሬት ኤርትራ ኣንፃር ደርጊ ምቅላሶም ንጥቅሚ ህዝቢ ኢትዮጵያ ክፃረር ይክእል ድዩ? ናይ ህዝቢ ኤርትራ ነፃነት ምድጋፍ ኣንፃር ጥቅሚ ህዝቢ ኢትዩጵያ ምዃን ማለት ድዩ? ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ሕወሓት ዝነበራ ፖሊስን መትከላትን ኣፈፃፅመኦምን እንታይ ይመስሉ ነይሮም? እቲ መስረታዊ ከበርህ ዘለዎ ነገር ውድብ ሕወሓት ሻዕብያን ህዝቢ ኤርትራን ፈላልያ ትርኢ ዶ ነይራ እዩ?

ስተራተጂ፣ ፖሊሲ፣ ፕሪንስፕላን ግዝያዊ ታክቲካል ስጉምትታትን ምፍላይ ብጣዕሚ ኣገዳሲ ነገር እዩ። ናይ ሓደ ውድብ ናፅነትን ዓቅምን ዝምዘን ብግዝያዊነት ብዝውሰድ ታክቲካል ስጉምቲ እንተዘይኮነስ ብቀዋሚነት ብዝሕዞም ስትራተጂታትን፣ ፖሊሲታትን ፕሪንስፕላትን እዩ። ኣብ ቀወምቲ እምነታቱ ዘይፀንዕ ውዳበ ናይ ምዕዋት ዕድሉ ኣዝዩ እዩ ዝትሕት፤ መብዛሕቲኡ ግዜ ድማ ከዕወት ኣይክእልን። ስለዚ እታ መፅሐፍ ነዞም ወሰንቲ ነጥብታት ብዝርዝር ድያ ሪኣቶም ወይስ ንኩሎም ነገራት ጨፍሊቃ እያ ነፃነትን መትከላዊ ዓቕሚ ሕወሓት ክትግምግም ፈቲና?

5/ መራሕትን ስልቲ ኣመራርሐኦምን ኸ ከመይ ተሪኦም

ህዝቢ ትግራይ ንዝተጎናፀፎ ዓወት ብውሕልልን መሃዛይን ብዝኾነ መንገዲ ዝመርሑ ሰባት ኸ ኣብታ መፅሐፍ ከምይ ተቐሚጡ። እታ መፅሐፍ ነዚ መስተንክር ዝሰርሐ ኣመራርሓ ኣፍልጦን ክብርን ትህብ ዶ? ኣብቲ ቃልሲ ዐብይ እጃም ዝነበሮም፤ ንነብሶምን ሓንቲ ሂወቶምን ከይሰግኡ ነቲ ቃልሲ ብዝተክአሎም ዓቅሚ መሪሖም ናብ ዓወት ዘብፁሑ ግለሰባት ዝግበኦም ቦታ ረኺቦም ዶ ወይስ ከም ናይ ስልጣን ፃምእ ዝነበሮም ሰባት እዩም ተቀሚጦም።

ንሓደ ፖለቲካዊ ኸይዲ ወይ ድማ ህዝቢ ክትፀርፍ እንተደሊካ ነቶም መራሕቲ ኢኻ ተናሹ። ከምቶም ሓደ ሓደ ትምክሕተኛታት ዝገብርዋ፥ ንህዝቢ ትግራይ ዝፀረፉ እናመሰሎም ሃፀይ ዩውሀንስ ዝስርሕዎም ፅቡቃት ነገራት ከምዘየለዉ ኣምሲሎም የናሽው ወይም ን ህዝቢ ኣምሓራ ዝፀረፉ እናመሰሎም ንሀፀይ ምኒሊክ የናሽው ። ን ኣብነት ተጋዳላይ መለስ ዜናዊ መገልገሊ ሻዕብያ ጌርካ ምቅራብ እቲ ፀርፊ ንመለስ ድዩ ወይስ ንመለስ ኣሚኑ ብመለስ ዝተመርሐ ህዝቢ እዩ?

ኣብዚ መዳይ እዚ ብ 1978 ዓ/ም ብ ተጋዳላይ መለስ ዜናዊ ዝተፅሓፈት “ቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ ካበይ ናበይ” እትብል መፅሐፍ ኣብ ኢደይ ትርከብ። ካብታ መፅሓፈ ዝተረዳእዅዎ ነገር እንተሃልዩ መለስ ኣይኮነንዶ ኣገልጋላይ ሻዕብያ ከብሎ ሻዕብያ እንታይ ምዃኑ ንኤርትራ ናበይ ከም ዘብፀሓ ትንቢታዊ ብዝመስል ነገር እዩ ብፁሑፍ ኣቅሚጥዎ። እስቲ ሓደ ሓደ ሓሳባት እንካብ ናይ መለስ መፅሓፍ ከካፍለኩም

1 – ህዝቢ ኤርትራ ብኩሉ መዳይ ድሑር ብምዃኑ ካብዚ ህዝቢ እዚ ተፈጢረን ዘለዋ ክም ሻዕብያን ጀብሃን ዝበላ ውድባት እውን ድሑራት እየን::

2 – እዘን ድሑራት ውድባት ናይ ባንዴራ ናፅነት እምበር ኢኮኖምያዊን ፖሊቲካውን ነፃነት ናይ ምምፃእ ዓቅሚ ከምዘይብለን ግልፂ እዩ::

መለስ ዜናዊ ነቲ ትንተና ከይሸፋፈነ ከምዘላታ ብዘየሻሚ ቛንቛ እዩ ኣቕሚጡወን።

እዚ ፅሑፍ እዚ ቅዋም መለስ ዜናዊ ጥራሕ ኣይነበረን፤ ኾታስ ሕወሓት ተቀቢላ ምስ ኣፅደቀቶ ንሻዕብያ ተዘይቀረየ እያ ሂባቶም:: ኣውራ ትኩረት እቲ መፅሓፍ ኣብ ምንታይ እዩ? ዝብል ሕቶ ምርኣይ ጠቃሚ ኣካይዳ ይመስለኒ። ጉዳይ ዓሌታዊ ድሕረ ባይታ መሰረት ትንተና ክኾነና ስለዘይክእል ነቲ እታ መፅሓፍ ኣሎ ትብሎ ንሻዕቢያ ምምእዛዝ መንቀሊኡ እንታይ እዩ ትብል? ን ኣብነት ኣብ ክፍፍል ጠበንጃ ዝፈጠር ጉሕለት ሓንቲ ክውኒት (event) እምበር ከመይ ገይራ እያ ኣብ መሰረታዊ መትከላትኻ ተንሸረታታይ ምኳንካ ተርኢ? ኣብዚኣውን ዘረባ ኤልያኖር ሩዝቬልት ምዝካር ጠቃሚ ይመስለኒ። ጠመተ እታ መፅሓፍ ኣብ ሓሳብ (መትከላት፣ፖሊሲታትን፣ስታራቴጂታትን) ድዩ ወይስ ኣብ ከስተታትን ውልቀሰባትን እዩ ዝብል ምርኣይ ኣገዳሲ እዩ::

እዚ ሓቂ ኣብ መዓልታዊ ሂወትና ጥራሕ ተሓፂሩ ዝተርፍ እንተይኮነስ ኣብ እንፅሕፎ ፅሑፍ እውን ዝረኣ ነገር እዩ። መፅሓፍ ኣየተ ገብሩ ኸ በዚ መመዘኒ ስሕበት ጠመተኣ ናበይ ተዘንብል? እቶም ዝቀረቡ ክስተታት ብነብሶም ድዩም ተገምጊሞም ወይስ ንምንታይ ከምዝተኽሰቱ ሓሳብ ቀሪቡሎም እዩ? ጉዳይ ውድብ ሕወሓት ናይ ሓደ ሰብ ወይ ከዓ ድርጅት ጉዳይ ሰለዘይኮነ እንታይነት ስሕበት ጠመተ እቲ መፅሐፍ ምፍላጥ ናይቲ መፅሐፍ ረብሐ ኣዝዩ ስለዝውስኖ ብቀሊሉ ዝረኣ ነገር ኣይኮነን።

“ንውፁዕ ህዝብካ ረጊፁ ድም ዘንበዐ ፀላኢ

ኣብ ርእሲኡ ደይብካ ሒነኻ ትፈዲ

እንበር ፅኑዕ ተቃላሳይ ወዲ ህዝቢ”

ኢልና ንዝንተኣለም እነሞግሶ ነፈሲ ወከፍ ተጋዳላይኸ ኣፍልጦን ክብርን ናእዳን ብዝርዝር ትገልፅ ዶ?

6/ ካብ ኣንፃር ሰፊኑ ዘሎ ሕማም ኣፀሓሕፋ ታሪክ

ኣብ ሀገርና ብሰፊሕ ዝረኣ ሕማም ኣፀሓሕፋ ታሪኽ ኣሎ። እዚ ሕማም እዚ ሓደ መግለፂኡ ምስ ግለሰባት ዘለካ ርክብ መሰረት ጌርካ ታሪክ ምፅሓፍ እንትኸውን እቲ ካልኣይን ኣዝዩ ዘሕምምን መግለፂኡ ግና ናይ ሰብ ታሪክ ተራ ምሕባእን ወይ ድማ እጃም ሰባት ሰሪቅኻ ከም ናይ ባዓልካ ጌርካ ምቅራብ እዩም:: እዛ መፅሓፍ እዚኣኸ ክንደይ ዝኣክል ካብዚ ሕማም ነፃ ኢያ? ዝብል መምዘኒ ብጣዕሚ ወሳኒ እዩ። እቲ መፅሓፍ ብዙሕ ሐበሬታታት ብዘለዎ ሰብ ከም ምፅሓፉ መጠን “ናይ ቄሳር ንቄሳር ዶ?” ይህብ ዝብል ሕቶ ኣገዳሲ ይመስለኒ::

ብተወሳኺ እቲ ታሪኽን ጉዕዙኡን ኣይተ ገብሩ በይኖም ዘይኸድዋ ብምዃኑ እቲ መፅሓፍ ቅድሚ ምፅሓፎም ካብቶም ብሂወት ዘለው ሰባት መረዳእታ ከእክቡ ወይም ከጣልሉ ሞኪሮም ዶ? እዚ ምግባር ናይቲ ፅሑፍ ተኣማኒነት ክልዕሎ ካብ ምእኻል ሓሊፉ እቲ ታሪክ ብዝተፈላለዩ ሪቶታት ሰብ ታሪኽ ናይ ምርጓድ ዕድሉ ስለዝውስኽ እዩ። እዙይ ምግባር እንተዘይተኻኢሉ ድማ እቲ መፅሐፍ ምስተዛዘመ ቅድሚ ናብ ሕትመት ምእታዉ ኣብቲ ቃልሲ ብዝነበሩ ስባት ክግምገም ምግባር ብጣዕሚ ኣገዳሲ እዩ። ስለዚ መፅሓፍ “ሉኣላውነትን ዴሞክራሲን ኣብ ኢትዮጵያ” በዚ መዳይ እዚ እንታይ ትመስል ዝብል ሕቶ ምልዓል ግቡእ ይመስለኒ።

ከም መዕፀዊት እዛ ፅሕፍቲ ክትኾን ነዛ ትስዕብ ኢለ ፁሑፈይ ክዛዝም። ፀሓፋይ ሓደ መፅሓፍ ዝለዓለሉ ስለልቦናዊን ሞራላዊን ኩነታት ነቲ ፁሑፍ ብምንባብ ምፍላጥ ይከኣል እዩ። ን ኣብነት ኣብ ፀልማት ኣቲኻ እትሓስቦ ነገር ናይ ቀቢፀ ተስፋ ፖለቲካ ከተስዕብ ስለ ዝትኽእል ካብ ጥቅሙ ጉድኣቱ ከመዝን ይክእል እዩ። ብግልባጡ ድማ ብሩህ ተስፋ ዝረኣዩን ኣብ ገስጋሳይ ስለልቦናዊ ኣተሓሳስባ ዝተደረኸ ፀሓፋይ ብዝኾነ ሕማቅ ሓይሊ ወይ ከዓ ስሚዒት ተደፋፊኡ ናብ ተታሒዝና ንጥፋእ (mutual destruction) ዝብል መንገዲ ኣይኣቱን፤ ተጋግዩ እንተኣተየዃ ቶሎ ናይ ምውፃእ ዕድሉ ዝሰፍሐ እዩ። እቲ ብሕርቃንን ተስፋ ምቁራፅን ኣብ ፀልማት ዝኣተው ግን ንባዕሉ ፖለቲካዊ ዓርሰ ቕትለት (political suicide) ካብ ምፍፃም ሓሊፉ ካሊእ ስብ ለኪሙ ክጠፍእ እንተኮይኑ እምበር ሃናፃይ ናይ ምኳን ዕድሉ ዝፀበበ እዩ።

ኣብ ሃገርና ሐደ ናይ ፖለቲካ ወይም ናይ ታሪክ መፅሕፋ ተፃሒፉ ክበሀል ከሎ ናብ መብዛሕቲኤና ዝመፅእ ሕቶ “እስኪ ኸዚ ኸ መን ንመን ፀሪፉ” ዝብል እዩ። ነዚ እዩ ድማ ድሕሪ ምንባብ ኣብ እንህቦ ሪኢቶ “ንእገለ ጥራሕ ዝባኑ ኣቅሪይዎ”፤ “ንእገለ ድማ ልክዕ ልክዑ ነጊርዎ”፤ “ሽንቅላጡ ኣውፂእዎ” ዝብሉ ቃላት ካብ ኣፍ “ኣንበብቲ” ዘይጠፍኡ:: ኣብ ሓሳብ ዘየተኩር መፅሕፋ ካብ ናይ ቡን ወግዒ ዝፈልዩ ብወረቀት ምፅሓፉ ጥራሕ እዩ ክኸውን። መፅሓፍ ኣየተ ገብሩ መፃኢ ኩነታት ህዝቢ ትግራይ ዱልዱልን ብሩህን ንምግባር ካብ ዝብል ቅኑዕ ተበግሶ ድያስ ወይስ ተታሒዝና ንጥፋእ እዩ መበገሲኣ? ነዚ ሕቶ እዚ ንምምላስ ኣብታ መፅሐፍ ዝስትውዓሉ ስነልቦና እቲ ፀሓፊ ብድምቢ ምምርማር ኣድላይ እዩ።

ኒኮሎ ማክያቬሊ ዝተብሃል ጣልያናዊ ፈላስፋ “How we live is so far removed from how we ought to live, that he who abandons what is done for what ought to be done, will rather learn to bring his own ruin than his preservation” ይብል:: ትርጉም “ኑቡር ሐቂ ሂወትና ካብ ብሓሳብና እንምነዩ ኣዝዩ ዝረሓቀ ነገር ብምዃኑ ንዝተገበረ ነገር እናገደፈ እዚ ምኾነ ይሓይሽ ነይሩ እናበለ ግዚኡ ዘጥፍእ ሰብ ውድቀት እምበር ንነብሱ ካሊእ ከምህራ ኣይኽእልን” ኢሉ ይመክር።

እታ መፅሓፍ እተልዕሎም ገለገለ ነገራት ኣብቱ እዋን ዝነበሩ መራሕቲ ሕወሓት እምበር ካሊእ ክፈልጦም ስለዘይኽእል ንሶም ብፁሑፍ ይኹን ብመልክዕ ቓለ መሕትት መልሲ እንተሃብሉ ዝምረፅ እዃ እንተኾነ፤ ኣነ ኣቕመይ ብዝፈቀደለይ ንመፅሐፍ “ሉኣላውነትን ዴሞክራሲን ኣብ ኢትዮጵያ” ክንግምግመሉን ክንዕቅነሉን ይጠቅም እዩ ኢለ ዝሓሰብኩዎም መምዘኒታት ኣቀሚጠ ኣለኹ። ካልኦት ድማ ነዚ መሰረት ገይሮም እተን ተላዒለን ዘለዋ ሓሳባት ብዝበለፀ ከምተማዕብልዎ ተስፋ እናገበርኹ ፁሑፈይ በዚ ክዛዝም::

***********

* ናሁሰናይ በላይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ መምህር እንትኸውን ብዘርፊ ፖለቲካል ሳይንስን ዓለም ለኻዊ ርክባትን ዝተምሃረ ኾይኑ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ዙርያ ርክብ ኣመራርሓ ወያናይ ዴሞክራሲን ልምዓታዊ መንግስትን ናይ ዶክትሬት ትምህርቱ ኣብ ምጥንቓቕ ዘሎ መንእሰይ እዩ::

more recommended stories