ዓወታት ለካቲት ኣብ ቃልሲ ፀረ ድክነት ክንደግሞ ኢና

ኣብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዘመዝገብዎ ኣንፀባራቒ ዓወት ኣብ ቃልሲ ኣንፃር ድክነት’ውን ንምድጋም ዝጀመርዎ ፃዕሪ ኣጠናኺሮም ከምዝቅፅሉሉ ነበርቲ ወረዳ ኣስገደ ፅንብላ ኣረጋጊፆም፡፡Image - TPLF 40th anniversary Official banner

ልዕሊ 400 ነበርቲ ወረዳ ኣስገደ ፅንብላ ነዚ ዘረጋገፁ ለካቲትን ዓወታትናን ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ከተማ እንዳባጉና ኣብ ዘካየድዎ ዋዕላ’ዩ፡፡

ኣብቲ ዋዕላ ዝተረኸቡ ዋና ኣመሓዳሪ ወረዳ ኣስገደ ፅንብላ ኣይተ ለኣከ ገብረእግዚኣብሄር ህዝቢ እታ ወረዳ ንመሪሕ ውድቡ ህወሓት ዕቑባን ማእገርን ብምዃን ዓወታት ውድቡ ከምዘረጋገፁ ኩሉ ኣንፃር ድክነት ኣብ ዝግበር ቃልሲ’ውን ብተመሳሳሊ ብቅኑዓት መስመራት ውድቡ እናተመርሓ ጉቡኡ ክፍፅም ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡

ህዝቢ እታ ወረዳ ምስ ካልኦት ህዝብታት ብምኳን ካብ ዘካየዶ መሪር ተጋድሎ ዓወታት ሓፊሱ ኩለ መዳያዊ ተረባሓይነት ከምዘረጋገፁ ዝገለፁ ኣይተ ለኣከ ብመስዋእቲ ጀጋኑ ደቂ ህዝቢ ዝተረኸበ ሰላም ብምጥቃም ጉዕዞ ህዳሰ ወረድኡ ክልሉን ሃገሩን ናብ ዝበለፀ ብርኪ ንምስግጋር ኣበርቲዑ ክረባረብ ይግባእ ኢሎም፡፡

ተሳተፍቲ እቲ ዋዕላ ብወገኖም ኣብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዘመዝገብናዮ ኣንፀባራቒ ዓወት ኣብ ቃልሲ ኣንፃር ድክነት’ውን ንምድጋም ውደባታትና ብምጥንኻርን ንኹሎም ኣማራፂታት ስራሕ ጠንኪርና ብምጥቃምን ክንረባረብ ኢና ክብሉ ብውሳነኦም ኣረጋጊፆም፡፡ (ድምጺ ወያነ – ጥር 15 – 2007)

*********

Content gathered and compiled from online and offline media by Hornaffairs staff based on relevance and interest to the Horn of Africa.

more recommended stories