ዓንዶም ገብረስላሰ – ዝመጸ ይምጻእ መስዋእቲ ንምኽፋል ድልዋት ኢና [Audio]

ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ዓረና ትግራይ ኣቶ ዓንዶም ገብረስላሰ  እቲ ናይ ምርጫ ኩነታት ብጣዕሚ ዝተበላሸወ ይመስል፡ ኢሎም።

ኣተሓሒዞም “ናይ ምርጫ ተዓዘብቲ ኾኑ ናይ ምርጫ ኣፈጸምቲ ኣባላት ኢህወደግ `ዮም ኮይኖም ዘለዉ” ኢሎም። ግን ዓረና ትግራይ ንምርጫ ተዳልዩ `ዩ ዘሎ ኢሎም።

ሕገ-መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘፍቅዶ፡ሰልፊ ኾነ ኣኼባ ናይ ምግባር መሰል ጨሪሱ ከምዝተነፍጎም ዝገልጹ ኣቶ ዓንዶም፡ ብናጻ ክንንቀሳቐስ እንተዝፍቀደልና ኔሩ፡  ብዙሕ ድጋፍ ህዝቢ ብምርካብ  ዘይንዕወተሉ ምኽንያት የለን ኢሎም።

Photo - Arena Tigrai PR head - Amdom Gebreslasie
Photo – Arena Tigrai PR head – Amdom Gebreslasie

ከምዚ` ኢልኩም ብናጻ ምስ ድምጺ ኣመሪካ ምዝራብኩም`ውን ስለምንታይ ከም ኣወንታ ዘይትርእይዎ ? ንዝብል ሕቶ ” እቲ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ባይታ ስለዘሎ ዘይኮነስ ፡ ዝመጸ ይምጻእ መስዋእቲ ንምኽፋል ድልዋት ስለዘለና ኢና ” ኢሎም።  “ሓሳብካ ናይ ምግላጽ መሰሎም ዝተጠቐሙ ኣባላትና እናተኣሰሩን እናተውንጀሉን እናፈለጥና ኢና”

” ኣብ`ቲ ናይ 17 ናይ ቃልሲ ዓመታት ፡ ህዝቢ ትግራይ ምስ ዝኸፈሎ መስዋእቲ ክወዳደር ከሎ፡ ፍርቂ ዘይኮነስ ሲሶ ዝኸውን መሰል `ውን ኣይረኸበን”. ኣሸበርቲ እናተባህሉ ካብ መርዓ፡ ከምኡ`ውን ኣባት ነብሲ ካብ ምርካብ ከይተረፈ ከምዝግለሉ የማርሩ ኣቶ ዓንዶም ገብረሰልሰ።

(ኣብ ዝቕጽል ምላሽ ገዛኢ ፓርቲ ክንደሊ ኢና)

*******

VOA – ጥሪ 12-2007

ምሉእ ቃለ-መጠይቅ ምስ ዓንዶም ገብረስላሰ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል

————

Content gathered and compiled from online and offline media by Hornaffairs staff based on relevance and interest to the Horn of Africa.

more recommended stories