Dr Aregawi Berhe

HornAffairs' staff

ሓደ ካብ መስረቲ ተሓህት ናይ ሎሚ ህወሓት ዝኾኑ ዶ/ር ኣረጋዊ በርሀ፡ ኣዛዚ ሰራዊት ተሓህት’ውን ኮይኖም ኣገልጊሎም’ዮም።Dr Aregawi Berhe

ኣብ ውግእ ኣንፃር ኢድዩ ወሳናይ ኣመራርሓ ዝሃቡ’ዮም ተባሂሎም’ውን ብብፆቶም ይዝከሩን ይሙገሱን ዶ/ር ኣረጋዊ። ሎሚ ኣብ ስደት ኣብ ሆላንድ ይነብሩ።

’ሉኣላዊነትን ዲሞክራሲን ኣብ ኢትዮጵያ’ ኣብ ልዕሊ ዘርእስታ መፅሓፍ ኣቶ ገብሩ ኣስራት ሓፃር ገምጋማዊት ሪኢቶ ስለዝፃሓፉ’ዮም ኣብ ቪኦኤ ተጋቢዞም።

ኣብ እዋን ዕጥቃዊ ውግእ ተሓህት ምስ ህዝባዊ ግንባር (ሻዕቢያ) ዝነበረ ርክብ ኣብ ማዕርነታዊ ኣተሓሳስባ ዝተመርኮሰ’ዩ ነይሩ ኢልካ ኣፍካ መሊእካ ምዝራብ ከምዘይካኣል ይዛረቡ ዶ/ር ኣረጋዊ።

ከምኡ ኮይኑ’ውን ርክባት ክሳብ ምቁራፅ ዝበፅሕ ውሳነ ይብፃሕ ነይሩ ይብሉ ንሶም።

መፅሓፍ ኣቶ ገብሩ መዘራረቢ ኣጀንዳታት ሒዛ ስለዘላ ኩሉ-ሰብ ከንብባ’ውን ሓሳብ የቅርቡ ዶ/ር ኣረጋዊ።

*******

VOA – ጥሪ 14-2007

ሙሉእ ቃለ-መጠይቅ ምስ ዶ/ር ኣረጋዊ (በሪሁ) በርሀ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል

————

Leave a Reply