ብዞባ ምዕራብ ንዝኣተው 180ሽሕ ተጉዓዝቲ ምርመራ ሕማም ኢቦላ ተጌሩሎም

ኣብቶም ዝሓለፉ 3ተ ኣዋርሕ ኣብ መንጎ ዶባት ኢትዮ ሱዳን ብዞባ ምዕራብ ትግራይ ኣቢሎም ናብ ውሽጢ ዓዲ ዝኣተው ልዕሊ 180ሽሕ ተጉዓዝቲ ምርመራ ኢቦላ ተጌሩሎም ከምዝኣተው ተገሊፁ፡፡Image - Ebola virus

ኣተሓባበሪ ጉጅለ ምክልኻል ሕማም ኢቦላ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ዶክተር ኣላይ ብርሃነ ንድምፂ ወያነ ትግራይ ከምዝበልዎ ኣብቶም ዝሓለፍ 3ተ ኣዋርሕ ኣብ ዶብ ኢትዮ ሱዳን ፍሉይ ሽሙ ዲማን ልጉዲን ጉጅለታት ምርመራ ሕማም ኢቦላ ብምጥያሽ ንተጉዓዝቲ ምርመራ እናካየደ ፀኒሑን ኣሎን፡፡

ካብ መንጎ እቶም ተጉዓዝቲ ዜጋታት ሃገራት ቻድ ሱዳንን ናይጀሪያን ከሙኡ’ውን ኢትዮጵያውያንን ይርከቡዎም ዝበሉ ዶክተር ኣላይ ክሳብ ሕዚ ዝኾነ ይኹን ምልክት እቲ ሕማም ዘለዎ ተጉዓዚ ከምዘይተረኸበ ድማ ገሊፆም፡፡

መንግስቲ ፌደራል እቲ ሕማም ብዶባት ኣቢሉ ከይኣቱ ኣድላይ ፃዕርን ቅድመ ምክልኻልን የካይድ’ሎ ዝበሉ ዶክተር ኣላይ ብደረጃ ዞባ ንኪኢላታት ሕክምና ኣብ እንታይነት እቲ ሕማም ስልጠና ከምተውሃበ’ውን ኣረዲኦም፡፡

*******

Source: DmtsiWeyane

Content gathered and compiled from online and offline media by Hornaffairs staff based on relevance and interest to the Horn of Africa.

more recommended stories