ንቐጻላይ ውሕስነት ክልልናን ሃገርናን

ኣብ መፋርቕ እቱ ዝሓለፈ ዓመት መሪሕነት ህወሓት ዝምልከታ ተኸታተልቲ ፅሑፋት ኣቕሪበ ነይረ። ከም ውፅኢት ከኣ ነንርእሶም ዝፃብኡ ብማእኸላይ ሚዛን ኣብ ክልተ ክምደቡ ዝኽእሉ ንልዝብ ዝሃስዩ ርኢቶታት ተቐቢለ። እቱ ቀዳማይ ምድብ መሪሕነት ህወሓት ብዝኾነ ተኣምር ናብ ንቡር ክምለስ ከምዘይኽእል “ብርጉፅ” ዝኣምንን እቱ ዝቕረብኩዎ ናይ “ህወሓት ነዐሪ” ፃውዒት ትሕቲ ዕሽነት ዝቖፅር ስለዝኾነ ከኣ ፃውዒተይ ኣብ ህወሓት ንዘለኒ “ዕውር ፍቕሪ” ካብ ምንፅብራቕ ሓሊፉ ሓንቲ ዑፍ’ውን ከንፍር ከምዘይኽእል ዘመላኽት ቁዋም ምባል ይካኣል። ብኻልእ ወገን ድማ “ፈታዊን ደጋፊን እየ” ብዝብል ውልቀሰብ ኣብ ኣደባባይ ክቐርብ ዘይግብኦ ዘቤታዊ ሽግር ምዃኑን ከምዚኦም ዝበሉ ሓሳባት “ብውሽጣዊ መስርሕ ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ምብፃሕ ዝሓሸ ሜላ” ከምዝኾነ ዘአምርን ምስ ነቐፌታዊ ድጋፍ ዘይቃዶን ኮይኑ እረኽቦ። ከም ኩሉ ከኣ ፅሑፋተይ ብሃናፃይነቶም ዝወሰዱ ብዙሓት ርኢቶታት ረኺበ እየ። ናይ ሎሚ ፅሑፈይ ቀንዲ ትኹረትውን ነዚ ንትግራይን ሃገርናን ዘይረብሕ ኢሉውን ኣብ ሓደጋ ከውድቕ ዝኽእል ኣብ ባይታ ዘየለ ግን “ወትሩ ሕጉስ” ኮይንካ ክትርኤ ዝጠልብ ሱር ዝሰደደ ዝመስል ሕማም ደጊምካ ምልዓልን ንልዝብ መበገሲ ዝኾኑ ሓሳባት ምውካስን’ዩ።

ኢትዮጵያ ድኻ ሃገር’ያ። እዙይ ብዙሕ ዘየከራኽር ሓሳብ ክኸውን ይኽእል። ድኽነት ኣብ ትግራይ ግን ዝሳዕረረን መሪርን’ዩ። ንሓያሎ ዘበናት መጋበሪያ ‘ገበትን ዓውዲ ውግእን ኮይና ዘገልገለት’ሞ ኢትዮጵያ ከም ሃገር ዝሓለፈቶም ፅንኩራት ኩነታት እንተሃልዮም ንህዝብን መሬትን ትግራይ ቀዲሙ ንምስክር ዝስራዕ ካልእ ህዝብን ከባቢን የለን። ካብዞም ወድዓውያን ፀገማት ዝብገስ ከኣ ፀጋታት ትግራይ ክበርሱን ልሙዕ ሓመዳ ተባሕጕጉ ከፍሪ ኣብ ዘይኽእለሉ ብርኪ ክበፅሕ ክኢሉ። ህወሓት ስልጣን ኣብ ዝተረከበሉ እዋን ዓወትን ድኽነትን ኣብ ነናይ ብሕቶም በረኽቲ ጐድባታት ብምዃን ን“ተመሓዝ” ዝተዳለውሉ፣ ልዕሊ 60% ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምሒር ድኽነት ጥሒሉ መልክዕ ትግራይ ፀምልዩ ልቢ ኩሉ ሕልናዊ ትግራዋይ ዝሰብረ ኩነት ነይሩ። ብዓብይኡ ከኣ ኩነታት ፖለቲካ ሃገርና ኣዝዩ ተኣናፋይን ህዝቢ ትግራይ ንዝኸፈሎ ሰፍ ዘይብል መስዋእትነት ኣብ ክንዲ ሞሳን ምስግናን ፀለመን ግብሩ ዘይውክሉ ኣስማትን ዝሽልም ነይሩ። ሐዚውን ካብኡ ብዙሕ ፈንተት ኣይበለን። ብጥሙዩ ፅጉብ ብድኻኡ ከኣ ሃፍታም ተባሂሉ። እዙይ ማለት ከኣ እዋናዊ ኩነት ህዝቢ ትግራይ ንመደምደምታ ታሪኻዊ ተፃባእቱ መሰረት የብሉን ማለት’ዩ። ብዓፀቦ ተትሓዘ ፀገበ ነዞም ሓይልታት እዚኦም ኩሉ ጊዜ ፅጉብ’ዩ። ህዝቢ ትግራይ “ ‘ዛዓተር እንተሓዲራ ኣይትቑርጠምን” ብዝብሉ ነጋውስ ዝተኣለመሉ ሽርሕን ውዲትን፣ “ሸፋቱ ደጊፉ” ብምባል ዝበፅሖ ውርደትን ዓንዲ ሕቐኡ ዝሰብር ከሉመዳያዊ ዘመተን ጥቕዓትን ብዓይነት ዝቕየረ ኣሰላልፋ ፖለቲካዊ ሓይልታት ክሳብ ሐዚ ኣብ ሃገርና ኣይተፈጥረን። ስለዝኾነ ከኣ ልዕሊ ዝኾነ እዋን ነቲ ቃልሲ መበገሲ ዝነበሩ ዕላማታት ህወሓት ዝጠልብን ህዝብ ትግራይ ከም ወትሩ ኣብ ጎኑ ዘሰልፍን ጥጡሕ መድርኽ ምፍጣር እዋናዊ ጠለብ እዩ። እቱ ሕቶ “እንታይ ዓይነት ህወሓት፤ እንታይ ዓይነት መሪሕነት?” ዝብል’ዩ ክኾን ዝግባእ።

ኣብ እዋን ገድሊ ዘይናዓቕ ክፋል ፍልፍል ጥንካረን ፀዋርነትን ህዝብና ጨፍጫፍ ደርጊን እከይ ግብሪ ቀዳሞት ነገስታትን ዘንበሩዎ ብሔራዊ ዕብለላ ዕዛዝ ነይሩዎ ዝብል እምነት ኣለኒ። ድሕሪ’ዙይ ድኽነት ናይቶም ቀዳሞት ጨቆንቲ ሓይልታት ቦታ ምር’ካቡ ርጉፅን ትኽክልን’ዩ። ኣንፃር ድኽነት እንገብሮ ቃልሲ ግን ንትምክሕተኛታትን ውልቀ-መለኽቲን ንምሽናፍ ምስ ዝገበርናዮ ቃልሲ ክነመሳስሎ ዝግባእ ኣይኮነን። ሐዚ ፍልፍል ጥንካረታት ክልልናን ሃገርናን ኣይዲዮሎጂ ዘይኮነስ ህንፀት ዴሞክራሲያዊ ትካላት ክኸውን ይግባእ። ኣይዲዮሎጂ ካብ መስርሕ ጥንካረ ውሽጠ-ፓርቲ ሓሊፉ ሕገ-መንግስቲ መሰረት ብምግባር ዝተዋቐሩ ትካላት ዝትንክፍ እንተኾይኑ ንነዊሕ እዋን ዘደቀስናዮም ኣጋንንቲ መሊሱ ዝቕስቅስ ጌጋ ንፍጽም ኣለና ማለት’ዩ። ኣይዲዮሎጂ ኣብ ህዝቢ ምስራፁ ከምቱ መሪሕነትና ዝሓስቦ ሓቀኛ “ዝላ” ዘምፅእ ኣይኮነን። እቱ ቐዳማይ ነገር ኣብ ህዝቢ ናይ ምስራፅ ዕድሉ ኣዝዩ ትሑት’ዩ፤ እንተዝሰርፅ’ውን ግን ዘምፅኦ ረብሓ ውሱን’ዩ። ውድብ “ምስ ማሌሊት ዓብዪ ዝላ ንቕድሚት” እንትትብል ካብ’ቱ ላዕለዋይ መሪሕነት ሓሊፉ (ንሱውን እንተኾይኑ እዩ) ኣብ ተጋደልትን ህዝብን ግምት ዝወሃቦ ምልዕዓል ፈጢሩ ምባል ዝካኣል ኣይመስለንን። ምኽንያታቱ ከኣ እቲ ኣብዛሓ “ውድብና ዝበለቶ ኩሉ ጠቓሚ ክኸውን ኣለዎ” ካብዝብል ተማእዛዝነት ሓሊፉ ብናይማን ማርክሰ-ሌኒናዊ ስነሓሳብ ነቲ ቃልሲ ዝህልዎ ትርጉም ተንቲኑ ንምግንዛብ ዝነብሮ ድሩትነት እንትኸውን ብኻልእ መልክዑ ግን ንክርዳእ ዘኽእል ዓቕሚ እንተዝነብሮ’ኳ ምስ ታሪኻዊ፣ ብሔራዊ፣ ባህላውን ሃይማኖታዊን እሴታቱ ዘቃደዉ ሓሳባት ስለዘይነበሩ ተጋህ ኢሉ ዝቕበሎም ኣምራት ክኾኑ ኣይኽእሉን። እዙይ ንምርግጋፅ ዝደሊ ሰብ ዝሑል ኲናት ዓለምና እንተብቅዕን መሪሕነት ውድብና “ምስለበመን” ማርክሰ-ሌኒናዊ ስነሓሳብ ዘየዋፅእ ምዃኑ ምስተፈልጠን ብፅምዋ ክቕህም እንትግበር ከም ወትሩ “ውድብና ዝበለቶ ዲንቂ” ካብ ምባል ሓሊፉ ድምጹ ዘስመዐ ህዝቢ፣ ምሁር ኮነ ተጋዳላይ ምንባሩ ኣይፈልጥን። ከስምዕ ነይሩዎ ማለተይ ዘይኮነስ ማሌሊት ነበረት ኣይነበረት ነቲ ኣብዛሓ ዘገድስ ዓብዪ ዛዕባ ዘይምንባሩ ንምዝኽኻር’ዩ። ንመሪሕነትና ግን ኣብ 77 ኮነ 93 ዓ/ም ሓደ መልክዕ ግጥም ሓዝ ክሕዝ ምንባሩ ሰሚዕና ፅንሕ ኢልናውን ብመጠኑ ርኢና። ሃፍታም ገባርስ “ፈታዊና ድዩ ፀላኢና?” ዝብል ነጥቢ ናይ ሞትን ሕየትን ሕቶ ኮይኑ ንምፍልላይ እንተብቅዕ ነዚ ሓዱሽ ወለዶ ናይ ኣመራርሓ ብስለት ዘምህር ጌርካ ምውሳድ ዘይምኽኑይ እዩ።

ድሒሩ ኣብ 93 ዓ/ም ዝተርኣየ ኣፈላላይውን ብመዐቀኒ ብሱል ፖለቲካ ገዚፍ ግምት ዝወሃቦ ጉዳይ ኣይመስለንን፤ ብሰንኩ ኣብቲ ውድብ ብፍላይ ኣብ ሃገርና ከኣ ብሓፈሻ ኣንፀላልዩ ዝነበረ ሓደጋ ሚዛኑ ከምዘለዎ ኮይኑ። እቱ ቀዳማይ ኮነ ዳሕረዋይ ውድብ ዘናቓነቐ ሽግር መሰረታዊ ጸገማቱ ዘይዕረቑ ኣይዲዮሎጂያዊ ፍልልያት ዘይኮኑስ ኣብ መንጎ እቲ ኣመራርሓ ዝነበረ ዘይምቅዳውን ምጉጅጃልን ዘበገሱዎ ከምዝኾኑ ግምተይ እዩ። ሉኣላውነትና ንምኽባር ምስ ኤርትራ እንገብሮ ውግእ መወዳእትኡ እቱ ወራር ምምካት ምዃኑ ዘይርዳእ፣ ካብ ተጀመረ ከኣ ዕላማ ናይቲ መኸተ ዘይነበረን “ኣስመራን ዓሰብን እንተይረኣና ጠጠው ኣይንብልን” ዝብል ክሻብ ሐዚ ዘይዘሓለ እኳ ድኣስ እናሳዕረረ ዝመፅእ ዘሎ ትንሳኤ ትምክሕቲ ከምኡውን እቱ ዝተገብረ ውግእ ዓሰርተ ወኣርባዕተ ሚሊዮን ደቂ ሃገር ብሓለንጊ ጥምየት እናተሳቐዩ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ምንባሩ ብምዝንጋዕ ንምኽሪ ፈተውቲ እዝኒ ምሃብ “ምምብርካኽ” ከምዝኾነ ዝኣምን ሓይሊ መበገስታቱ ምስ ቅንዕና ዘቦኡ ሃገራውነት ክትሓዋወስ የብሉን። ከም ናተይ እቶም ኩሉ ጊዜ ሰሚዕናዮም ዝደንፀዉና መፈላለይቲ ተባሂሎም ዝቐርቡ ነጥብታት ንሳቶም ኣይኮኑን ባሃላይ እየ። እቱ ጉዳይ ኣብ ዘይተነግሩ ነጥብታት ክንእልሾ ዝግባእ ይመስለኒ። ነፍስ ሄር መለስ ካብ ኣቦይ ስብሓት ሓላፍነት እንትርከብ ቁፅሩ ዘይንዓቕ ማእከላይ ኮሚቴ ተቓውሞ ምቕራቡ ባዕሎም ኣቦይ ስብሓት ምስ ሓደ ሚድያ ኣብ ዝገበሩዎ ቃለመሕትት ነጊረሙና እዮም። ከምኡውን ንኣቦ ወንበር ኢህወደግ ምስ ታምራት ላይኔ ሕፁይ ኮይኑ ዝቐረበ መለስ ካብ ክፋል ኣመራርሓ ህወሓት ናይቲ ጊዜ ተቓውሞ ከምዘጋጠሞ ፈለጥትቲ ውሽጢ ይሕብሩ። ስለዙይ ዋና ፀገም ገይረ ዝወስዶ ብነዊሕ ግዜ ዝሓከለ ውልቃዊ ምንሕናሕ’ዩ። ምንሕናሕ ኩሉ ጊዜ ክህልው ዝኽእል ፖለቲካዊ ፀገም እንትኾን በቲ ሐዚ እንኸዶ ዘለና ሕገ-መንግስታዊ ትካላት ዝየጣናኽር እኳ ደኣስ ዘዳኽም ኣንፈት ናብ ዘይተኣመተ ሓደጋ ከየእትወና የስግእ።

እቱ መዛረቢ ዛዕባ ሃገር ኣብ ዘተኣማምን መሰረት ክትህነፅ እንታይ ይገበር ዝብል እንትኾን መልሱ ግን ሓደን ሓደን ጥራይ ዘይክኸውን ይኽእል። ግን ንኹሎም ኣተሓሳስባታት ገዛኣይ ዝኾነ ሓደ ነገር ኣሎ። ንሱውን ካብ ሕገ-መንግስቲ ብዝፍልፍሉን ተፀዋዕነቶም ብሕገ-መንግስቲ ንዝተጣየሹ ናይ ስልጣን ኣካላት ዝኾኑን ትካላት ልዕልነት ናይ ምርካብ ጉዳይ ይምልከት። ጠንካራን ናፃን ፓርላማ፣ ቤት ፍርዲ፣ቦርድ መረፃ፣ ሓይልታት ምክልኻልን ፀጥታን፣ ኣብ ደረት ሓላፍነት ዝሰርሕ ሚድያ፣ኮሚሽን ስነ-ምግባርን ፀረ-ግዕዝይና፣ ከሚሽን ሓባስ ንብዓትን ሰብኣዊ መሰላትን ክህልውና ይግባእ። ስቪል ሰርቪስ ካብ ፖለቲካዊ ፅዕንቶታት መንግስትን ተቓወምቲ ውድባትን ነፃ ኮይኑ ብሕጊ ንዝተውሃቦ ሓላፍነት ብብቕዓት ክፍፅም ምግባር ስግኣታትና ሙሉእ ብሙሉእ እንተዘየትረፈ ምቕናሱ ግን ኣየጣራጥርን። እዙይ ከይዕወት ግን ንገድሊ ዝገበርናዮ ኢንቨስትመንት ሲቪካዊ ስርዓት ኣብ ምምስራት ፀገም ዝፈጠረልና ይመስለኒ። ናይ ሓሳብ ኣፈላላይ ከም ድኽመት ዝርኢ ባህሊ ኣወሪሱና’ዩ። ናይ ሓሳብ ኣፈላላይ ዘይምትብባዕ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝጠልቦ ምንባሩ ዝስሓት ኣይኮነን። እቲ ሽግር ግን ኣብ ህንፀት ሕገ-መንግስታዊ ትካላት ዝተገብረ ወፍሪ ብቕኒት ዕጥቃዊ ቃልሲ ክምርሽ ምፍቃድና እዩ። ንኣብነት ባንዴራ ህወሓት ባንዴራ ክልልና ኮይኑ እንትፀድቕ ዓገብ ዝበለ ሰብ ኣይነበረን። ግን ናይ ውድባት ባንዴራ ብቐጥታ ናይ ክልል ባንዴራታት ዝኾናለን ክልተ ጥራይ እየን፤ ኣምሓራን ትግራይን። ኣብ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ጥራይ ከምኡ ዝኾነሉ ምኽንያት ናይ ኣጋጣሚ ጉዳይ ኣይኮነን። ክልተኤን ውድባት ንዕጥቃዊ ቃልሲ ዝገበርኦ ኢንቨስትመንት ፀብፂበን ካብ መጀመርትኡ ንኻልኦት ኣተሓሳስባታትን ውድባትን ዘይሳነ ከባቢ ናይ ምፍጣር ሃንቀውታ ስለዝነበረን እዩ። ኣስፍሕ ኣቢልና እንተሓሲብናዮ ግን እዙ ሐዚ ዝኒሀ ባንዴራ ክልልና እቱ ዘይተርፍ ድሌታት ፖለቲካዊ ብዙሕነት ዘይጠልቦ ነገር ምዃኑ ገዲፍና ብናይማን መዕቖብ እንኮ ስልጣነን መንግስትነትን ሰለስተ ሽሕ ዘመን ንዝኾነት ትግራይ ዘመሓላልፎ መልእኽቲ እንታይ ክኸውን ይኽእል? ቁጽረን ዘይንዓቕ ዞባታት፣ወረዳታት፣ ከተማታትን ጣብያታትን ንዘመናት ዝጽወዓሉ ዘነበራ ኣሽማት እናጠፍአ ብኣንፈታት ከምሓዱሽ ክኽስትና ንምንታይ ተገይሩ? ህዝብና ሽረ፣ ኣኹሱም፣ ዓድዋ፣ እንደርታ፣ ኣውላዕሎ፣ ራያ፣ ተምቤን ፣ዓጋመ ወዘተ ምስዝብሉ ኣሽማት ዘለዎን ዝነበሮን ምትእስሳር ገዲፍና ሕሉፍ ታሪኽና ንምዕቃብ ዝህልወን ተራ ናብ ሕቶ ዝኣቱ ኣይኮነን። ንኣብነት ዓጋመ ዝብል ሽም መዓዝ፣ ብመንን ንምንታይን ውጽዩ ዝብል ፅንዓት ታሪኽ ንምግባር ዓጋመ ዝብል ሽም ካብ ምዕቃብ ወፃእ ዝሕሰብ ኣይኮነን። ድሕሪ ውሱን ወለዶታት ግን እቲ ሽም ምጥፍኡ ዘይተርፍ እዩ። ምብራቓዊ፣ ምዕራባዊ ወዘተ ዝብሉ ኣሽማት ንምንታይ ከምዝተደለዩ ክርድኣኒ ይኽእል ግን ትኽክለኛን ብታሪኹ ዝኾርዕን ህዝቢ ዝመርሕ ፖለቲካዊ ሓይሊ ከገብሮ ዝግባእ ጥንቃቐ ከምዘይገበረ ጥራይ ዘይኮነስ ዓበይቲ ዓዲ ንዘስመዑዎ ለወባ ኣብ ግምት ዘየእተወ ኣሻይማ ምንባሩ እዩ ዝፍለጥ። ብተወሳኺ ብግብሪ ሓያሎ ጣብያታት ታሪኻዊ ተፅዎኦታተን መንጢልና ታሪኽና ብሰናይ ድሌታትና ንድምስስ ኣለና። ሓደሽቲ ሽማት ከም ሻዕቢያ ዝኣመሰሉ ቅድሚት-ተኮር(forward looking nationalism) ህንፀት ሃገራውነት ዝመረፁ መንግስታት ዝኽተሉዎ ጉዳይ እዩ። እቱይ ምንታይሲ ሻዕቢያ ንድሕሪት ተመሊሱ ክኾርዓሎም ዝግባእ ምልክታት ብሰናይ ድሌቱ ዝሰኣነ ስለዝኾነ። ንሕጋውነት ክብል እንተበዝሐ ታሪኽ የማናይ መግዛእቲ፣ ንኹርዓትን ፍናንን ከኣ ናብ ታሪኽ ገድሊን ናቕፋን ጥራይ እዩ ዝጥምት።ታሪኽ ፅውፅዋይ ስልጣነ ኣኹሱም ዝተቐበለን ብእኡ ዝኾርዕን ወያነ ትግራይ ግን ከምዙይ ዝኣመሰለ ታሪኻዊ ስሕተት ክፍፅም ኣይግባእን ነይሩ።

ነፍስሄር መለስ ብዝነበሮ በሊሕ ኣእምሮ፣ህርኩት ናይ ስራሕ ባህሊን ርቱዕ ኣንደበትን ንሃገርና ዘበርከቶ ኣስተዋፅኦ መዳርግቲ ኣልቦ ከምዝኾነ ናብ ሕቶ ዝኣቱ ኣይኮነን። ዘይእዋናዊ ሞቱ ልቢ ፈተውቱን ቤተሰቡን ናይ ቃልሲ መሓዙቱን ክደሚ ዝገበረ ፍፃመ እዩ። ሐዚውን እንተኾነ እቲ ሓዘን ብዕሊ ዝወፀልና ኣይመስለንን። እቱ ክገልፆ ዝደለኹ ነጥቢ ግን ዕረፍቲ መለስ ስዒቡ ዝርኤ ዘሎ ፖለቲካዊ ስሕተት ዋጋ የኽፍለና ከምዘሎ ንምሕባር’ዩ። ንመለስ ከም ንሃገሩ ተወዳዳሪ ብዘይብሉ ሃገራውነት ዘገልገለ መራሒ መጠን ክውደስ፣ ሽሙ ኣብ ልዕሊ መቓብር ክብ ኢሉ ክልዓል፣ ዝተመርፀ መንገዲ ወይ ትካል ብሽሙ ክፅዋዕ ወይከኣ ከምቲ ዝግበር ዘሎ ብኽብሩ ዝተሰመየ ፋውንዴሽን ክህልው ወዘተ ምግባር ንቡር’ዩ። ካብ ዕጥቂ ቃልሲ ጀሚሩ ክሳብ ዕለተሞቱ ዝተመዝገቡ ሽቶታት ናቱ ወሳናይ ተራ ዝዓረፎም ከምዝኾኑ ኣብ ዝትንትን ፕሮፓጋንዳ ምጽማድ ግን ንመን ከምዝጠቅም ግልፂ ኣይኮነን። እቱ ዝባሃል ዘሎ እንታይ እዩ? ፀውራ ዕጥቃዊ ቃልስና ኮነ ቀፂሎም ዝመፁ ዓመታት ኣብ ዝባን መለስ ዝተደርበየ እንተነይሩ እቶም ካልኦት እንታይ ይሰርሑ ነይሮም? ንሱ ምስ ዝፍለየናኸ እዛ ሃገር እንታይ ክንገብራ ንኽእል? ከምቱ ዝባሃል ዘሎ ናቱ መንፈስን ራእይን ክንደይናይ ርሕቐት ይወስደና? ርሑቕ ከጓዕዙና ዘኽእሉ ሓሳባት “ገዲፉልና ከይዱ’ሎ” እንብል እንተኾይንና’ኸ እቶም ሓሳባት ዝጨበጥናዮም ምዃንና ብምንታይ ክረጋገፅ ይካኣል? ዓርሰ እምነትና ከምዝነግረና ሓሳባት መለስ “ከምዝጨበጥና” ርግጸኛታ ወላ እንተኾንና በብግዜኡ ንዘጋጥሙና ዘይተኣመቱ ሽግራት ብኸመይ ንሰግሮም? ምስ ፀገማት ብኸመይ ንትዓፃፀፍ? ክንዲ ፍርቅን ርብዕን መለስ ዝካኣሎም ፀፀር ዝሰንደዉ ብፆትና ኣፍልጦ ብዘይምርካቦም እንተኾረዩ’ሞ ምኽንያት ፈጢሮም ከምቲ ዝሓለፈ ኣብ መሪሕነት ዝተርኣየ ቅልውላው መሊሶም እንተልዓሉስ ብምንታይ ንከላኸሎም? ብስሩኸ ነፍሰሄር መለስ ድሕሪ ዕረፍቱ ኣጀንዳ ደጋፊን ተቓዋሚን ምግባርና ክንደይናይ ምኽኑያት ይገብረና? ኢልካ ድኣ ኣይበለኒምበር እኒ ስብሓት፣ስዩም፣ኣባይ፣ ኣርከበ፣ስየ፣ተወልደ፣ፃድቃን፣ገብሩ ወዘተ እንትዓርፉ ወፈያታቶም ብኸመይ ክንገልጾ ንኽእል? እቶም ብድንገት ኣቦኦም ዝሰኣኑ ቆልዑትከ ንኽምዙይ ዝዓይነቱ ደረት ኣልቦ ጎስጓስ ብምንታይ ይሪኡዎ? ብናተይ ኣተሓሳስባን ንመለስ ብዘለኒ ኣረዳድኣን እዙ ሐዚ እንገብሮ ዘለና ሓውሲ ዕብዳን ጎስጓስ መለስ ባዕሉ ንኻልኢትውን ቅንዕ ኢሉ እንተዝርኢ ምሓዘነ ይመስለኒ።

ህዝቢ ትግራይ ንምስላፍ ናይ ማንም ሰብ ሽኽሚን ሕድርን ኣየድልዮን። ኣብ ዝባኑ ቸቸ ኢሎም ዝዕንድሩ ዘለዉ ድኽነት፣ ከርፋሕ ናብራን ግዕዙይ ምሕደራን እኹላት እዮም። ብልክዕ ዝሓለፈ “ፍቕሪ መለስ” ዝግበር ወፍሪ ንህዝብና ዝኸፋፍል ከይኸውን ንጠንቀቕ። ህንጡዋት መራሕቲ ኢህኣፓ ብፊደላት “ሸ”ን “ቸ”ን ናብ ዘይምቅዳው የምርሑ ከምዝነበሩ ታሪኽ ይሕብረና። ፈቲና ፀሊእና ክንሓስበሉ ዘለና ግን መለስ ንዛ ሃገር ንልዕሊ ዕስራ ዓመት ብዝለዓለ ፀፍሒ ከምዝመርሐ ሰብ መጠን በዙሓት ልክዕን ግጉያትን ውሳነታት ምሕላፉ እዩ። ብኡ መጠን ከኣ ብውሳነታቱ ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ዝትንከፉ ሚሊዮናት መድነቕትን ተቃወምቲን’ውን ኣፍሪዩ እዩ። እዙ ዝግበር ዘሎ ጎስጓስ ነዚ ሓቂ እዙይ ኣብ ግምት ዘየእተወ ይመስለኒ። ሽም መለስ ንሰልፊ ዝህልዎ ረብሓ ብጥንቃቐ ክምዘን ኣለዎ። ማህትማ ጋንዲ፣ ኔልሰን ማንዴላ ወዘተ ሃገርውያን ምልክታት ካብ ዝኾኑ መራሕቲ ይምደቡ። ብዙይ መንፅር ኣብ ዝተመርፁ ቦታትታን ጊዜን ሽም መለስ ከም ምልክትን ፀግዕን ብቕዓትን ውፍይነትን ኮይኑ ምቕራብ ፀገም ዘይክህልዎ ይኽእል። ነዚ እሴት እዙይ ዘይወሓጠሉ ኣመራርሓ ኮነ ኣባል ውድብ ፈሊኻ ንምውቃዕ እንተተጠቒምናሉ ግን ኣዝዩ ሕማቕ ኣካይዳ መሪፅና ኣለና ማለት’ዩ። ሓቂ ምዃኑን ዘይምዃኑን ወግዓዊ ምላሽ ዘይተውሃቦ ዛዕባ ኣሎ። እዙ ሐዚውን ዘይፃሓየ ጎስጓስ ዘይተቐበሉ ኣባላት መሪሕነት ካብ ቦትኦም ክእለዩ ከምዝተገብረ ዝሕብሩ ጭምጭምታታት ኣለው። ልቢ ኣዕቢዮም እምበር ከምቱ ቅድሚ ዓሰርተ ወኣርባዕተ ዓመት ዝተርኣየ ቅልውላው ክፈጥሩ ዘኽእል ዓቕሚ ስለዝሰኣኑ ኣይመስለንን። በቲ በለ በዚ ኣብ ዝባንና ዝተፅዓነ ዝይግቡእ ሽከም ክነወግዶ ኣለና። ህዝቢ ትግራይን ኣባላት ህወሓትን ሓደ ዝገብር “ሕድሪ ስውኣትና ኣይነዕብርን” ዝብል ጊዜ ዘይሓልፎ ጭርሖ እዩ። ነዚ ጭርሖ እዙይ ዝቃወዎም ዝኾነ ትግራዋይ ኣጋጢሙኒ ኣይፈልጥን፤ ፖለቲካዊ ቁዋሙ ብዘየገድስ። እቱ ሓቂ እዙይ እንተኾይኑ ናብ ኣጥቃዕን ተኻላኻሊን ደምበታት ዝኸፋፍለና ጭርሖ ንምንታይ መሪፅና? ርግእ ኢልና ክንሓስበሉ ዝግበኣና “ለባምዶ የብሎምን?” ኣብ ዘብል ሃዋህው ከምንርከብ ክንስሕቶ የብልናን።

ኣብ መወዳእታ ንተበግሶታተይን ብናተይ እምነት ብሃናፃይ መልክዕ ንዘቕርቦም ሓሳባት ብሰናይ ዘይሪኡ ሰባት ዝብሎ ኣለኒ። ኣነ ቅድም እንትብል “ኩሉ ኣማን” ዝብል ሽም ዝሃብኩዎ ደምበ እንትኾን ከም ግብሩ ከኣ “ወትሩ ሕጉስ” ዝብል ማዕረግ ወሲኸሉ ኣለኹ። እዙ ሓይሊ እዙይ “ኣይትተንክፉኒ” ዝዓይነቱ ቁዋም ዝቕድሞ ምኽኑይ ልዝብን ህንካን ሃባን ዘይጥዕሞ፣ ጉልበት ውድብን መንግስትን ናይ ውልቁ ጉልበትን ዓቕምን ዝመስሎ ምትእኽኻብ ገይረ እወስዶ። ካብ ቀዳሞት ፅሑፋተይ ዘልዓልኩዎም ዛዕባታት ብመርትዖን ሞገትን ዘምክን ዓቕሚ ኮነ ተበግሶ ዘለዎ ኮይኑ ኣይረኸብኩዎን። ዳርጋ ኩሎም ወሃብቲ ርኢቶ ናይ ሓሶት ሽም ዝጥቀሙ፣ ብግብሪ ከኣ ንመትከላት ህወሓት ካባይ ንላዕሊ ክጣበቑን ክከላኸሉን ዘይረኣዩ ግን ባዕላዊ ርኢቶታት ምስ “ንውክሎ ኢና” ዝብልዎ ውድብ መሰረታዊ ስነሓሳባት ዘይሳነዩ ቁዋማት ዘጋውሑ እዮም። ኣነ ግን እብሎም ንመትካላት ህወሓት ደጊፈ ምፅሓፈይ ኣየሕፍረንን፤ ጌጋ መሲሎም ኣብ ዝረኣዩኒ ዛዕባታት ከኣ ሃየ ምባለይ ኣየፍርሓንን። ስለዝኾነ ከኣ ብናይ ከውሊ ሽም ኣይፅሕፍን። ክሓፍርን ክፈርሕን ዝግብኦ እንተልዩ ብልዕሊ ሓምሳ ሽሕ ቀያሕትን ጸለምትን ደቂ ትግራይ ዝተረኽበ ዓወት ንፀቢብ ረብሓኡ ዘውዕል፣ ንኪኖ መሰልን ራህዋን ህዝቦም ክብሉ ኣብ ርእሲ ዝተቐበሩላ መሬት ብሓላፍነት ከመሓድር ብዝተውሃቦ ገንዝብ መንግስቲ ዓሚፁን ገቢቱን ፎቕን ቢላን ሰሪሑ ደቂሱ ዝሓድር ሰብ ክኸውን ኣለዎ።

ንምትብባዕ ዝኣክል ግን ነቐፌታ ዝቐተሎ ሓይሊ በወገነይ ኣይፈልጥን። ኣብ ዓለምና ብዙሓት ወያነታት መኺኖም ተሪፎም እዮም። ናይ ምኽነቶም መበገሲ ግን ብቐንዱ ውሽጣዊ ምሙሽማሽ ዘስዓቦም ከምዝኾነ ንዕዘብ። ደጋዊ ተፃብኦታት ዝህልዎም ተራ ከከምቶም ሃገራትን ዝተፈጠሩሉ ጊዜን ከባብን ዝውሰን እኳ እንተኾነ ብጠቕላላ ግን ውሽጣዊ ፅሬቱ ዝሓለወ ወያነ ክስዕሮ ዝኽእል ሓይሊ የለን። ስለዝኾነ ከኣ “ሰብ እንታይ በለ?” ዘይኮነ ዘገድሽስ “ውሽጥና እንታይ ይመስል?” ዝብል ክኸውን ኣለዎ። “ሰብ እንታይ በለ” ጠቓሚ ዝኸውን ካብቱ ዝባሃል ነገር ትምህርቲ ንምውሳድ ከምኡውን ብሓበሬታ ዘይተደገፉ ነቐፌታታት ንምስትኽኻል ዝዓለመ እንተኾይኑ ጥራይ አዩ። “ኣየእትወኩምን” ዝዓይነቱ ሓይለ-መልጢ መልእኽቲ ንምትሕልላፍ እንተኾይኑ ግን የእትወናን ፈረቓን። ብዛዕባ ዓዱ ዘየእትዎ ንሱ መን’ዩ? “ኣየእትወኩምን” ዝብል ድፍረትስ ካብ ምንታይ ይፍልፍል? መሪሕነት፣ ኣባላትን ደገፍትን ህወሓት የዒንትና ቋሕ ነብል። ልዕሊ 56 ብሔር ብሔረሰባትን ህዝብታትን ዘተኣኸኸበት ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ካብ ትግራይ ዝሓሸ ሃዋህው ምሕደራ ፈጢራ ትርከብ። እታ ዝነኣሰ ብዝሃነት ዘለዋ ትግራይ ክትምርሽ ዘይትክዝእለሉ ሕንቅልሕንቅሊተይ እንተዘይተፈቲሑ ኩሉ ገዲፍና ህወሓት ኣብ ኢህወደግ ዝፃወቶ ግደ ምስእንመዝን’ኳ ካብ ስኽፍታ ኣይንቦክርን። ስለዙይ ነቐፌታ ቁጥዐ ዝፈጥረሉ ሰብ እንተሎ ፍቱን መድሓኒቱ ስልጣን ምግዳፍ’ዩ። ኣብ ፖለቲካዊ ስልጣን ተቐሚጥካስ “ኣይትተንክፉኒ” ምባል ኣይከኣልን፤ “ሰብኣይ ደሊኽንን ጭሕሚ ፀሊእኽንን” ከምዝባሃል። ቁሩሕ ስለዝኾነ ኣይኮነን ኣብ ስልጣን ዝቕመጥ ክሰርሕ ተባሂሉ ዝለዝተኣምነሉ እምበር። ህዝቢ ከኣ ውዕሎን ፍፃመን ኣብ ስልጣን ዝተቐመጠ ሰብ ክከታተል፣ ኣጥፊኡ ኢሉ እንትኣምንውን ክወቅስ፣ እንትብእስ ከኣ ካብ ወንበሩ ከባርርን ኣብ ቤት ፍርዲ ኣቕሪቡ ከቕፅዕን እንተዘይክኢሉ ስልጣን ናይ ህዝቢ ዘይኮነስ ዋንነት ገበርትን ሓደግትን ውልቀታት ኮይኑሎ ማለት’ዩ። ከምዙይ ዝዓይነቱ ከይዲ ናበይ የምርሓና? በቲ ካልእ ግን ኣጉል ተሓላቓይነት እዩ። ኩሉ ሰብ ካብ ድፋዕ ውድብና ወፂኡ ዓርሱ ክኢሉ ጠጠው ክብል ኣለዎ። መግለፂ ፍቕሪ ውድብን ስውኣትን ኣተሓሳስባን ግብሪን እምበር ምንባሕን ጭራ ምዝራግ ኣይኮነን።እሞ ልቢ ንግበር። ዓይንና ይንቋሕ። እዝንና ይስማዕ።

********

Teweldebrhan Kifle

more recommended stories