VOA | ንፉዓት ተማሃሮ ክልቲኤን ሃገራት ንምምሕያሽ ርክብ ህዝብታት ክንሰርሕ ኢና ይብሉ

ሎም-ዘበን ንፈለማ ጊዜ ካብ መዓስከር ስደተኛታት ኢትዮዽያ ዕድል ረኺቦም ናብ ዩኒቨርስቲታት ካብ ሞንጎ ዝኣተው ኤርትራውያን፣እቶም ሓምሳን ክልተን ካብ ዩኒቨርስቲ መቀለ ተመሪቆም‘ለው።

ኤርምያስ ኣምባቆም 3.95፣ኣረጋዊ ተኽለ 3.85፣ወ/ገብርኤል 3.61 ኑርዓይኒ ኢብራሂም 3.25 GPAረኺቦም‘ዮም ተመሪቆም።ኣብ ተመክሮ እቶም ተማሃሮን መፃኢ ኣንፈቶምን ኣማእኺሉ ዝተዳለወ መደብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ካልኣይ ክፋል ንሎሚ ክነቅርበልኩም ኢና።

ዝሓለፈ ሰሙን፣ድሕሪ ምረቃ ኣንፈትኩም ናበይ? ዝብል ሕቶ ዝቀረበሎም ኣጋይሽ‘ዚ መደብ፣ኤርትራዊያን ኤርምያስ ኣምባቆምን ወ/ገብርኤል ገ/ህይወትን ናብ‘ቲ ዝነበርናሉ መዓስከር ስደተኛታት ተመሊስና፣ነቶም ከማና ዕድል ዘይገበሩ ንምሕጋዝ ወሲና’ለና ክብሉ ከለው፣ኑርዓይኒ ኢብራሂምን ኣረጋዊ ተኽለን ብወኖም ንዘምሀረና ሕ/ሰብ ክነሕሕግዝ ኢና ይብሉ።

ኤርምያስ ኣምባቆም ኣብ ዩኒቨርስቲታት ኢትዮዽያ ዝተመረቅና ኤርትራውያን ከምድልድል ኮይና ንክልቲኡ ህዝቢታት ኣብ ምርኻብ ሓጋዚ ኣበርክቶ ክህልወና‘ዩ‘ውን ይብል።

********

1ይ ክፋል

********

2ይ ክፋል

********

Content gathered and compiled from online and offline media by Hornaffairs staff based on relevance and interest to the Horn of Africa.

more recommended stories