ምንስቴር ወፃኢ ኣሜሪካ መጠንቀቂ መገሻ ናብ ኤርትራ ሂቡ!

ምንስቴር ወፃኢ ኣሜሪካ ዓሚ ሕዳር ኣውፂእዎ ንዝነበረ መጠንቀቂ መገሻ ናብ ኤርትራ እንደገና ሓዲስዎ።ኣሜሪካውያን ናብ ኤርትራ ንከይኸዱ‘ውን ምዒዱ‘ሎ።ሰበ-ስልጣን ኤርትራ ናይ መውፅኢ ቪዛ ክህብዎም ሰለይኽእሉ፣ኣሜሪካውያን ናብ ኤርትራ ንከይኣትው ምንስቴር ወፃኢ ኣሜሪካ መጠንቀቂ መገሻ ኣውፂኡ።

መንግስቲ ኤርትራ፣ንምንቅስቃስ ወፃእተኛታት ደሪቱዎ‘ሎ።ካብ ኣስመራ 25 ኪ/ሜ ርሒቁ ዝጓዓዝ ዝኾነ ወፃእተኛ፣ቅድሚ ዓሰርተ መዓልቲ ሕቶ ከቅርብ ኣለዎ።ናብ ምፅዋዕን ከረንን መብዛሕትኡ ጊዜ ፈቃድ ይዋሃብ‘ዩ።ናብ ጥቃ ዶብን ብዲፕሎማታት ዘይዝውተሩን ከባቢታት ግና ፈቃድ ኣይርከብን።

ስለዚ ኤምባሲ ኣሜሪካ፣ካብ ኣስመራ ወፃኢ ቆንፅላዊ ኣገልግሎት ንምሃብ ኣይኽእልን።

ቆንፅላዊ ቤት ፅሕፈት ኣሜሪካ፣ኣብ ኣሜሪካ ዝተወለዱ ፓስፖርት ኣሜሪካ ዝሓዙ ዜጋታት‘ውን እንተኾኑ ናብ ኤርትራ መእተዊ ቪዛ ድሕሪ ምርካቦን ናብ ኤርትራ ምስኣተውን ካብ ኤርትራ ክንወፅእ ደሊና ኣለና ኢሎም ቪዛ ምስሓተቱ ከምዝተከልከሉ ኣረጋጊፁ‘ሎ።

መንግስቲ ኤርትራ ንኣሜሪካውያን ክኣስር ከሎ ንመንግስቲ ኣሜሪካ ዜጋታቱ ከምዝኣሰረ ኣይገልፅን።ብሕልፊ‘ቶም ድርብ ዜግነት ዝሓዙ።

ኣሜሪካውያን ኣብ ወደባትን ደሴታትን ኤርትራ ንከይኣትው ይምከሩ።ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ፀገም ክትራን ባሕሪ ምስ ቀፀለ‘ዩ።

ነዚ መጠንቀቂ መገሻ‘ዚ ዕሽሽ ኢሎም ናብ ኤርትራ ክገይሹ ዝወሰኑ ኣሜሪካውያን፣ቅድሚ ኩሉ ቪዛ ካብ ኤርትራ ክረኽቡ ይግባእ።ገየሽቲ ካብ‘ቲ ዝተፈቀደሎም ጊዜ ንላዕሊ ኣብ ኤርትራ ንከይፀንሑ‘ውን ነዘኻኽር።
*****
VOA – Sept. 15, 2014.

Content gathered and compiled from online and offline media by Hornaffairs staff based on relevance and interest to the Horn of Africa.

more recommended stories