እስራኤል ንኤርትራውያንን ሱዳናዊያንን ኣጨኒቃ ንክወፁ ትገብር‘ላ ተባሂሉ

እስራኤል ንኣሻሓት ስደተኛታት ኤርትራን ሱዳንን ካብ ግዝኣታ ኣስገዳድ ምውፃእ ትፍፅም‘ላ ክብል ሁማን ራይት ዋች መግለፂ ኣውፂኡ።

HRW ሎሚ ሰሉስ ኣብ ዝዘርገሖ ፅሑፍ፣ኣብ ሆሎትን ሳሃሮኒን ዝተባሃሉ ክልተ ካምፕታት ስዱዳት ኣሻሓት ስደተኛታት ከምዘለው ይገልፅ።

እስራኤል ንስዱዳት ክልተ ኣማራፂ ቀሪባትሎም‘ላ፤ቀዳማይ መወዳእታ ንዘይብሉ ጊዜ ኣብ መዓስከር ምፅናሕ፣ካልኣይ ናብ ስደት ክተውርደሎም ትኽእል ሃገሮም ምምላስ ዝብል‘ዩ።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣ኩነታት ኣብ መዓስከር ሆሎት ዘሎ ኩነታት ማዕረ ማእሰርቲ‘ዩ ክብል ካብ‘ቲ መዓስከር ዘዘራረብናዮ ኤርትራዊ ገሊፁ።
******
VOA – Sept. 09, 2014

*****

Content gathered and compiled from online and offline media by Hornaffairs staff based on relevance and interest to the Horn of Africa.

more recommended stories