ኣኽላብ ፈሪሕና እንዳ ኣዛብእ አይነዐቁብን፡፡

“ሓመቕኩ ፀበቕኩ፤ ኣነ ´ኖኻ” በለት ወላድ፤ እዚ ስርዓት ሰቲ እናተነሰነሰ፤ ብበለካ ለኽዐካ ዝመፀ ኣይኮነን። ብፍላይ ህዝቢ ትግራይ ዝፈትዎም ቀያሕትን ፀለምትን ደቁ ገቢሩሉ እዩ። “ወጮ እንተገልበጥኪዮ ወጮ” እዩ፣ ብኽልቲኡ ገፅ ዝሃለቐ ትውልዲ ´ዛ ዓዲስ ወዲ መን ኮይኑ!
እሞ ምበአርከስ ሎሚ´ውን ሓምዞቕቲ እንትዘርጉ፤ ከምጓና ኣብ ገምገም ታሪኽ ኮይንና እነቋመተሉ ምኽንያት የለን።

አታ በዓልማዕዶ እሞ ነዓያንዶ…!!!

ደም ኣሕዋትናን ኣያታትናን ከንቱ ´ዶ ተሪፉ? መልሱ እወን ኣይእወን። ውድቀት ደርጊ ስዒቡ ዝተተኽለ ስርዓት፤ ምስቲ ሕሉፍ በላዒ-ሰብ ስርዓት ኣይነፃፀርን። እንተነኣሰ ብመትከል ደረጃ፤ ንሕገመንግስታውን ንዲሞክራስያውን ስርዓት ጠጠው ዝበለ እዩ። ህልዊ ኩነታት ከከም አገማግማና ክፋላለ ይኸውን።

እኒ እንታይ ግዶም፤ ህወሓት ስለዝበሎ ኣይኮነን። ከም ሓደ ኢ/ያዊ፤ ህዝብና ንብዙሓት ኣብ ድሮ ብርሰት ንዝነበሩ ብሄረሰባት አርኪቡሎም። ማዕርነት ሃይማኖታትን ህዝብታትን ተአዊጁ! እወ ጨና ዳሞክራሲ፣ተነፃፃሪ ሰላምን ልምዓትን ዓሲሉ።

ሓደ በሉ።

ንዚ´ውን ህዝቢ ትግራይ “Thank you!” ክበሃል ምተገበኦ። ኣይተመሰገነን። ኣይኮነንዶ ክምስገን ተመሊሱ ዕሾኽ ኮይኑዎ። ሕልፊ መስዋእቲ ከፊልና ኢና ´ሞ ሕልፊ ረብሓ ይገበረልና ኢሉ ዝሓትት ሓደስ ኳ አይነበረን። እስቲ ሕሰቡ ፤ ብምንታይከ ክትመን? ሂወትሰብ ሸቐጥ ኮይኑ፤ ዕዳጋ ኣይወርድን። ህዝብና ከይብሉኒ ዘጥቀዖ ወረጃ እዩ´ሞ ከምዚ ዓይነት ሕቶ ኣቕሪቡ ኣይፈልጥን። ባህሉ ´ውን ኣይፈቕደሉን። ኢዱ ሓምኹሽቲ ኮይኑ´ምበር ንሓድነትን ናፅነትን እዛ ሃገር መስዋእቲ ምኽፋሉ ሓድሽ ታሪኽ ኣዬኮነን፣ ትማሊን ብቕድሚ ትማሊን ዝነበረ እዩ።

ካልአይ ሐዙለይ፡፡

ብኻሊእ ገፅ ኣይበለን ´ምበር፤ ካብዚ ስርዓት ክከሓስ ይግባእ እንተዝብል ´ውን ግን ነውሪ የብሉን።እንተነኣሰ ካሕሳ ሞራል መድለዮ፤ መሬቱ ዳግመ-ፅገና መድለዮ፡ ዝተመንጠለ መሬቱ መሊኡ ይመለሰለይ ምበለ።እቲ ስርዓት ግን ክኽሕስ ተሪፉስ ፀረ-ህዝቢ ትግራይ ምዃን ዝጀመረ ግና ገና ብጒሓቱ እዩ ነይሩ። ዋላ ካዝና ´ዛ ሀገር ክንዲ ዝደለዮ ባዶ ይፅናሕ፤ ዓቕሚ ዝፈቐዶ ስራሕ ኣይተሰርሐን። ብሰንኮም ቀትርን ለይትን ብደብዳብ ነፈርቲ ሰንሰን ዝበለ መሬት ምርሳዕ ተጀመረ፤ ደቆም ዘወፈዮ ስድራ-ተጋደልቲ ቆላሕ ዝብሎም ስኢኖም። ብዙሓት ስድራታትን ደቂ ስዋኣትን ´ውን በሪሶም፤ ኣብ ሐደጋ ወዲቖም ፤ ወዮ ክብርቲ ሂወቶም ክግብሩ ንበረኻ ዝወፁ ጀጋኑ ዝተፈላለየ መፀለምታ እናተኣለሸ ምንሻው ተጀመረ። ብኣሻሓት ዝቑፀሩ ቅያ ስራሕቲ “ሩፉታት”ዝብል ንእዝኒ ሰማዒ´ውን ዝድንፅው ታፔላ ተለጢፉዎም፤ ተበሳቢሶም ማሕበራዊ ምግላል´ውን ክፍፀሞም ተገይሩ።

ሰለስኩ፡፡

ብዝሓለፈ ስርዓት ዘስካሕኸሐ ህዝብና፤ ኣሽንኳይ ብዓፅሙን ብደሙን ጠጠው ንዘበሎ ስርዓት ክቕየም ፤ ዘርኣዊ ጭፍጨፋ ምስዝፈፀሙሉ በላዕቲ ሰብ ´ውን ይቅርታ ከይሓተቱዎ ኣብ ሓደ መኣዲ ዝቕመጥ እዩ፡፡ “ምእንቲ መጎጎ.. ትሕለፍ ታንጭዋ” እናበለ ክነደይ ኣናጹ ሓለፋ፡፡ኣየጉረምረመን። ሰላም ጥራይ…በለ!!

ራብዓይ ዶ ኢልኩም?

ልቢ በሉ፤ “ዘይብላያ እኖኻስ ካብ እምኒ ትፀንዕ ”ኮይኑዎም ኣይኮነን። ምንም ቁሳዊ ዋጋ ዘይሓትት፤ ኣብ ኢዶም ዘሎ ፍትሕን ምዕሩግ ምሕደራን ´ዮም ከሊኦሞ። ኣብ ክንዲ ዘመናዊ ኣተሓሳስባን ቴክኖሎጂን፤ ከምኒ “ኣነ ይገድድ” ዝኣመሰለ ባዕሉ ንባዕሉ ዘባልዕ ሓደገኛ ኣተሓሳስባታት´ውን ኣተኣታትዮሙሉ። ´ዕዝብ ደኣ..´በለት ጓል፤ ክሳዕ መወዳእትኡ ትርኢ። ወዮም “ኣነ ክሓልፍ ንስኻ ፅናሕ” እናተበሃሃሉ ብሓልዮት መሪር ቃልሲ ኣብ ማእኸል ሃገር ዝበፅሑ ፡እዞም ዓዲ እንታይ ከምዘጥዐሙዎም ኣይንፈልጥን : ፍነጭራዕ ክብሉ ጀሚሮም። ሕድሪ ስወኣት ረሲዖም ብጥቕማጥቕም ጠልቂዮም፤ ሓላፍነቶም ዘንጊዖም ነንርእሶም ተራግሑ፡፡ ህዝብና ኣብ ሜዳ ራሕሪሖም አደዳ ጸላኢ ጌሮሞ ኔሮም፡፡

ጠልቆምቆም በዚሑ፤ “ኩላ ነንፃሕላ” ኾይኑ። ከም ገዋሕታ ገደል ዝበልካዮ ደጊሞም ብዝብሉልካ ተኸቢብካ፥ ኣብ ሓደ ተሸኺሎም “ንምንታይ?” ዝብል ሕቶ ዘይፅገዖም ደካማታት ኣብ ጎንኻ አሰሊፍካ “´ዛ እምባይ መን ይወርሳ” ምባል ተጀሚራ ነይራ። እሞ ብሂወት ንዘየለ ሰብ አምሪርካ ምውቃስ ዝዓበናሉ ባህሊ ኣይፈቅድን ´ምበር ምክሕሓድ በዚሑ እዩ ነይሩ። ቆላሕ ኢልካ ዝረኣ፤ ተስፋ እትገብረሉ ሓደ´ኳ መራሒ ኣስኢንካ፤ ህዝብ ትግራይ ንዝሕለቕ ቆሺሚድካ ሕድሪ ስዉአት ራሕሪሕኻ ዕዝር ደኣ።ሞኸ´ምበኣር ንዘልኣለም ክንበር እዩ! ብዝኾነ ብዙሕ ነብስኻ ዘጠራጥር ነገር ተፈፂሙ። ቃል ተዓፂፉ፤ ህዝቢ ተዓንቂፉ። እነሀልኩም ጉዕዞ ዒጋም ጠሐስ ጀሚርና፡፡ ሐምሻይ፡፡
—–

እኒ ጥሑን ስንቆም ፡ ኣቱም ሓደሽቲ ተቓለስቲ ኣፍቲ እዋን ንዓቕመ -ፖለቲካ ኣይበፃሕኹምን ትነብሩ ´ምበር ብታዓቕምና ሽዑስ ኢልና ኔርና።ኢለ ነይረ ኣጨለይ ´መበይ…
… ሓደሐደ ግዱሳት ተጋሩ አብ ህዝብና ዘንፀላለየ ሓደጋ በወገኖም ከቃለዑ ጸኒሖም፡፡ተሰፋ ድማ ጌርና ኔርና፡፡ #አብራሃ_ደስታ ዝመራሒኦም ካድረታት ዓረና ግን ኣርሒቖም ከይተጓዓዙ የሻል ኢሎም።ምስቶም ንህዝቢ ትግራይ ጸለሎ እናኸደኑ ቀትርን ለይትን ደቃስ ዝኸልእዎ እሂን ምሂን ምባል ምስጀመሩ ኣይፋልኩምን ተመለሱ ድኣ እንተበልና እዝኖም ጡጥ ወተፉሉ እሞ ውፅኢቱ ድማ ከምቲ ንሪኦ ዘለና ኮነ።
* ፀረ ህዝቢ ትግራይ የለን ናይ ወያነ ሽርሒ እዩ፣
* ባንዴራና እንተተቓፀለ ህዝቢ ኣይውክልን ህወሓት እምበር በሉ፣
* ”ኣምበጣ በሊታ” እንትበሃል ኣገንዑ በልዋቶም ፣
* ዶ/ር ቴድሮስ ካብ ቀተልቲ ቑማል ዝወፀ እንትበሃል ኣበጀኹም በሉ።
ንሕናስ ቁልዕነት ዶኾን ሒዝዎምኢልና ምበር ጸረ ህዝቢ ትግራይ ወያነ ጥራሕ እዩ እናበሉ ህዝብና ብኣፎምን ብሚድዮኦምን ትማሊ ግልፂ ርዋንዳዊ ቅስቀሳ ገይሮም ምስ ዝፈሸሎም ሓቢሮም ንምስራሕ ቃልኪዳን ምእሳሮም ካብ ነረጋግፅስ ውዒልና ሓዲርና።
ጉድ በል ጎንደር!

ከም ወዮ “ካብ ኩሉ ንነዊት ጨነቖ …”ከም ዝበሃል መማረፂ ፖለቲካ ሒዞም ንህዝቢ ትግራይ ካብ ወፅዓን ጭቆናን ከናግፉ ኢልና ዓይኒ ዘውደቕናሎም “ኣበያ ትበፅሕ ዝተበሃለት ምራኽስ ኣበይ ተረኽበት” ኮይኑ አብ ክስታይ ረኸብናዮም።ሓዘንና ድማ።
በሉ ኣንቱም ቆራዲድ፣ ቆማልስ መን ምዃኑ ንፈልጥ ኢና ዋ ግን ከምቲ ዝብልዎ ኣይንብልን።እንተንስኹም ጊላታት ግን ቁማል ሒዝኩም ከይትመጽ እሞ ህዝብና ኣደዳ ጨለውታ ከይትገብርዎ በብዘለኹሞ ተሓፂቡን ተደሪዙን ዘይለቅቕ ርስሓት ጎይተትኩም ተሸኪምኩም ንማዓዓዶ።ኣይናትናን።ከማኹም ዝበሉ ነይሮም፣ኣለኹምን ክህልውን እውን እዮም ንሕና ግን ድምብርፅ ኣይብለናን።#ወይኖም ከይትብሉና ኢልና ውን አማዕዲና ኣይንርእን፡፡
ጅግና ድማ ዘይዓጅቦ እዩ።

እንተ ምሳኹም ግን ከዲሕን ነጋሽን።

*********

more recommended stories