ኣብ ኣከባብራ በዓል ‘ዓለም-ለኸ ፌስቲቫል ህዳሰ ትግራይ’ ዘተኮረ መግለፂ ተዋሂቡ

(ወልደስላሰሴ ሕሉፍ)

ካብ ሓምለ 24-30/2006 ዓ.ም. ኣብ ርእሰ ከተማ ክልልና ከተማ መቐለ ንዝሳለጥ ፌሰቲቫል መዓልቲ ዲያስፖራ ክልል ትግራይ ምኽንያት ብምግባር ቦርድ ፈፃ ሚት መግለፂ ሂቡ፡ ፡

እዚ ንመጀመርያ ግዜ ብክልል ደረጃ ንክኽበር ተተሊሙ ዘሎ ፈስቲቫል መዓልቲ ዲያስፖራ ከም ኣገላልፃ ተወካሊ ዲያስፖራ ሰሜን ኣሜሪካ ዶ/ር ጥላሁን ሰለስተ ዓበይቲ ዕላማታት መሰረት ብምግባር እዩ፡ ፡ እቲ ቀዳማይ ዕላማ ኣብ ዓዲ ውሽጥን ካብ ዓዲ ወፃእን ዝርከቡ ተጋሩ መናእሰይ ብሓባር ዝዛተይሉ መድረኽ ምፍጣር ንዘለዉ ፀገማት ክልሎም ክንፅሩን ብሓባር ኮይኖም ድማ መፍትሒ ዘናድይሉ ኩነ ታት ምፍጣር እዩ፡፡ ብምኽንያት እዚ ፌስቲቫል ዝፈጥርዎ ዝምድና ድማ ኣሕይሎም ክቕፅሉሉን ንቕድሚት እውን ንዘጋጥምዎም ሓባራዊ ፀገ ማት ብሓባር ዝፈትሕሉ ዕድል ምምችቻው እዩ ፡፡International Tigray Festival 2014 in Tigray

ብተወሳኺ ድማ ኣብ ክልልና ዝርከቡ መናእሰይ ኣብ ዘይተደለዩ ቦታታት ንኸይውዕሉ መማረፂ ዘናዲ ሓበራዊ ምርድዳእ ዝፍጠረሉ ምይይጥ እውን ኣካል እቲ ሲምፖዚየም ‘ዩ፡፡ ከም ኣበሃህላ እቲ ኮሚቴ ንመናእሰይ ዘዛናግዑ ንዓቕሞም ዘማዕብሉን ማእከላት ኣብ ምፍጣር ዕሙቕ ዘተ ክግበረሉ ከምዕላማ ከምዝተትሓዘ’ውን ተገሊፁ፡፡

እቲ ካልኣይ ዕላማ ድማ ካብ ዓዲ ወፃእ ዝነብሩ ተወለድቲ እቲ ክልል ዓዶም መፂኦም ኩነታት ዓዶም ዝግንዘብሉ ኩነታት ምፍጣር እዩ ኣብ ዓዶም ዘለዉ ፀገማት ምስ ደቂ ዓዶም ተዛትዮም ኣካል እቲ መፍትሒ ክኾኑ ምችው ኩነታት ንምፍጣር ዝዓለመ እዩ ፡፡

እቲ ሳልሳይ ድማ ካብ ዓዲ ወፃኢ ዝነብሩ ተወለድቲ እቲ ክልል ዓዶም መፂኦም ዘለዎም ብሉፅ ተሞኩሮ ኣብ ምርግጋፅ ፅሬት ትምህርቲ ጥዕና ኢንቨስትመንትን ሰናይ ምምሕዳርን ዘመሓላልፍሉ ኩነታት ምፍጣር ዝዓለመ እዩ ፡፡

ኣ ብ መወዳእታ ይብሉ ዶ/ር ጥላሁን እዚ ፌስቲቫል ዕውት ንክኸውን ር /ም/ር ክልል ትግራይ ዝገብሮ ዘሎ ድጋፍ ምስጋናኦም ዕዙዝ ምዃኑ ገ ሊፆም፡ ፡ በዚ ኣጋጣሚ ድማ ኣብ ኣሜርካ ፣ ኣውስትራልያ፣ ካናዳ ፣ ኣውሮፓ ኢሉውን ኣብ መላእ ዓለም ዘለው ተወለድቲ ትግራይ ኣብ’ቲ ፌስቲቫል ንኽርከቡ ዕድመ ኣቕሪቦም፡፡

ብተወሰኺ ከም ኣበሃህላ ኣቶ ኣብርሃ ነቲ ፌስቲቫል ዘተሓባብር ብርኪ ክልል ብሓላፊ ቤት ፅሕፈት ር /ም/ር ዝምራሕ ኮሚቴ ተጣይሹ ነቲ በዓል ዘድልዩ ምድላዋት እንዳገ በረ ምዃኑ ሓቢሮም ፡፡ እዚ ፌስቲቫል ድማ ናይ ኩሎ ትግራዋይን ፈተውቲ ትግራዋይን ዘሎ ኣፈላለይ ብዘየገድስ ብዛዕባ ሰላም፣ ልምዓት ፣ ሰናይ ምሕዳራን ሓባራዊ ቃልሲ ምውጋድ ድኽነት እነጠናኽረሉ ፌስቲቫል ምዃኑ ገሊፆም፡፡

እዚ ዕላማ ሽትኡ ንኽወቅዕ ብርእሰ ምምሕዳር ዝምራሓ 16 ሴክተራት ዘካትት ኮሚቴታት ተጣይሸን ኣብ ምንቅስቃስ ይርከባ፡፡ እዘን ኮሚቴታት ደማ ንኡሳን ኮሚቴታት ተኸፊለን ኣብ ምንቅስቓስ ይርከባ ፡፡ እታ ቀዳመይቲ ንኡስ ኮሚቴ፥ ኮሚቴ ሲምፓዝየም ብፕሬዚደንት መቐለ ዩኒቨርስቲ ዶ/ር ክንደያ ገ /ሂወት ዝትምራሕ ኮይና ተጋሩ ዲያስፓራ ምስ ኣሕዋትን ደቂዓዶ ተጋሩን ኣብ ት/ቲ፣ ጥዕና፣ ሰናይ ምምሕዳርን ኢቨስትመንትን ተመኩሮ ዝለዋወጥሉ ዛዕባ ኣብ ምድላው ከምትርከብ ዶ/ር ክንደያ ገሊፆም፡፡
ከም ኣባሃህላ ዶ/ር ክንደያ ገ /ሂዎት እቲ ዓውደ ምኽክር ንዛ ፌስቲቫል እዋን ጥራሕ ከይኮነ ስ ዘላቒ ንምግባር ኣብ ምድላው ከምዝርከቡ ሓቢሮም፡፡

እታ ካልኣይቲ ንኡስ ኮሚቴ ድማ ብኣቶ ከበደ ኣማረ እትምራሕ ኮሚቴ ባህልን ዑደትን ኮይና ንዝመፁ ተጋሩ ዲያስፓራ ብዛዕባ ባህሎሞን ሓድግታቶምን ኣፍልጦ ንክህልዎም እትንቀሳቐስ እያ፡፡

እታ ሳልሰይቲ ንኡስ ኮሚቴ ድማ ብቤት ፅሕፈት ሓላፊ ርእሰ ምምሕዳር ኣቶ ኣባይ ገ/ሊቦኖስ እትምራሕ ኮሚቴ ምጣያሽ ንሎጅስቲክስን እንትትኸውን እቶም ኣጋይሽ ኣብ ዝመፅሉ እዋን ዝኾነ ዓይነ ት ፀገም ንከየጋጥሞም ብሰላም ናይ ምግያሽን ኣቀባብላን ንኽግበረሎም ኣብ ዝለዓለ ብርኪ ምድላው ከምእትርከብ ገሊፆም፡፡

እታ ራብዐይቲ ንኡስ ኮሚቴ ድማ ብሓላፊ ቢሮ ልምዓት ኣቶ ሓጎስ ወ/ኪዳን እትምራሕ ኮሚቴ ኤግዝብሽን ልምዓት ኮይና ኣብ ክልልና ዘሎ ምችው ኩነታት ልምዓት ግንዛበ ኣብ ምፍጣር ዓብዪ ምንቅስቓስ እንዳገ በረት ከምትርከብ ተገሊፁ፡፡

እታ ሓምሸይቲ ንኡስ ኮሚቴ ድማ ብቢሮ ፀጥታ እትምራሕ ኮሚቴ ኮይና ኣጋይሽ ብሰላም ኣትዮም ብሰላም ንኽምለሱ ዓብዪ ምንቅስቓስ ምስፋን ፀጥታ እንዳሰርሐት ከምእትርከብ ተገ ሊፁ፡ ፡ ኣብ ክልልና ዘሎ ኩነታት ሰላም ከስተማቕሩ እውን ኣብ ምንቅስቓስ ከምእትርከብ ተሓቢሩ፡ ፡

እታ ሻድሸይቲ ኮሚቴ ድማ ኮሚቴ ምልዕዓል እንትትኽውን ነቲ ፈስቲቫል ድምቀት ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዓለም ዝርከቡ ተወለድቲ ትግራይ መፂኦም ኣብቲ ፈስቲቫል ንክሳተፉ ምልዕዓል እትገብር ኮሚቴ ኮይና ነዚ ዕውት ንምግባር ድማ ኣብ ምንቅስቃስ ትርከብ::

ኣ ብ መወዳእታ እቲ ኮሚቴ ኣብ ዕውትነት እዚ ፌስቲቫል ተሳትፎ ኩሉ ትግራዋይን ፈታዊ ትግራይን ብምኻኑ ነዚ ሰናይ ተግባር ንክንክተሎ ፃውዒት ኣቅሪቡ::
*******

Content gathered and compiled from online and offline media by Hornaffairs staff based on relevance and interest to the Horn of Africa.

more recommended stories