ቃለመጠይቕ ምስ ፊተውራሪ ሙዑዝ በየነ ተድላ

ፊተውራሪ ሙዑዝ በየነ ተድላ ይበሃሉ። ወዲ 86 ዓመት በዓል ፀጋ ዕድመ እዮም(ብዕድመ ጥራሕ ኣይኮኑን ዝሓሰብዎ ብምዕዋት እዉን በዓል ፀጋ እዮም)። ንውድብ ህወሓት እግሪ ካብ ዘትከሉን ወሳኒ ግደ ካብ ዝተፃወቱን ተጋሩ(መስፍን ኮይኖም) እቶም ቅድሚት ዝስርዑ እዮም። ኣብ በረኻ ወፂኦም እውን ዝተቓለሱ እዮም። ኣብ ሂወቶም ዝሰርሕዎ መምሀሪ ክኾን ዝክእል ተመኩሮ ቁፅርን ስፍርን የብሉን። ካበ ወረዳ ጀሚሩ ክሳብ ኣባል መወሰኒ ቤት ምክሪ ኮይኖም ኣብ ዝተፈላለዩ ሓላፍነታት (ኣብ ትግራይ ኮነ ኣዲስ ኣበባ) ኣገለጊሎም እዮም። ኣብ ኣዲሰ ኣበባ ዝርከብ መንበሪ ገዝኦም ከይድና ተሞክረኦም ተቐቢልና ኣለና። ሎሚ ኣዋጊዖምና ዘለው(ብምኽንያት 20 ግንቦት) ምስ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ዝተላለይሉን ንቲ ቓልሲ ዝገበርዎ ደገፍን ብዝምልከት እዩ። ምስ ዋና ኣሰናዳኢ ዉራይና ጌታቸው ኣረጋዊ ዝገበርዎ ወግዒ ሲዒቡ ይቐርብ ኣሎ ሰናይ ንባብ። Fitawrari Muuz Beyene Tedla

ሕቶ፦ ጎይታይ ፊቶውራሪ ኣበይ እዮም ተወሊዶም ዓብዮም? ኣተዓባብየኦም እስቲ ብሓፂሩ የካፍሉና?

ፊተውራሪ ሙዑዝ፦ ዝተወለድኩሉ ኣብ ክልተ ኣውላዕሎ ኣውራጃ፣ ወንበርታ/ኣፅቢ ዝተበሃለ ወረዳ፡ እታ ቁሸት ድማ ቦሐለ ትበሃል። ሐዚ ዕድመይ 86 ዓመት ኮይንኑ ኣሎ። ብ1920ዓ/ም እየ ተወሊደ። ኣብኡ እየ ዓብየ ምስ ወለደይ። ናይ ጣልያን ትምህርቲ ጀሚረ ነይረ፣ ቤተክህነት ውን ይመሃር ነይረ፤ ግን ወላድየይ ክምሃር ዘይደልዩኒ ስለ ዝነበሩ ኣቋሪፀዮ። ኣቦይ ሃፍቲ፣ ስልጣን ስለ ዝነበሮም ንዕኡ ከመሓድረሎም ክሕግዞም ስለ ዝደልዩ ዮም ክመሃር ዘይደልዩኒ ዝነበሩ። ወላድየይ ደጃት በየነ ኣወራጃ ገዛኢ(ናይ እንደርታ፣ ክልተ ኣውላዕሎ) ዮም ነይሮም፤ ኣቦሓጎይ ደጃት ተድላ እዉን ከምኡ ኣውራጃ ገዛኢ፣ ሓርበኛ እዮም ነይሮም። እሞ ንወላድየይ እናሓገዝኩ ኣብ ገዛይ ምስ ኣቦይ እየ ዓብየ።

ሕቶ፦ ኣብ ምንታይ ኣብ ምንታይ ሓላፍነታት ሰሪሖም?

ፊተውራሪ ሙዑዝ፦ ምክትል ኣውራጃ ነይረ። ካብኡ ንፓርላማ ተመሪፀ፤ ኣብኡ ድሕሪ ክልተ ዓመት ምክትል ፕረዚደንት(ምክትል ኣፈጉባኤ) ናይቲ ቤት ምኽሪ ሕጊ መውፅኢ ኮይነ ተሰይመ። ናይ ትምህርቲ ሚንስተር ቦርድ ኣባል ነይረ። ኣውራጃ ኣመሓዳሪ ከኣ ተሸይመ ናይ ክልተ ኣውላዕሎ። ሓሙሽተ ዓመት ምስ ሰራሕኹ ድማ ናብ ዓጋመ ኣውራጃ ተቐይረ። ኣማሓዳሪ ኣውራጃ ዓጋመ እናሃለኹ ናብ ቤት ምክሪ መወሰኒ ኣባል ኮይነ ተሸይመ(ብ ጃንሆይ ኢኻ ናብኡ ትሽየም ብመረፃ ኣይኮነን)፤ ክሳብ ደርጊ ዝመፅእ እውን ኣብኡ ፀኒሐ።

ሕቶ፦ ምስ ኣቶ ገሰሰ (ስሑል) ኣየለ ፅቡቕ ርክብ ከም ዝነበረኩም፤ ፅቡቕ ውዕለታ ከም ዝገበርሎም ውን ዝሰማዕክዎ ነገር ነይሩ። ከመይ ኢያ ነይራ የውግዑና ዶ?

ፊተውራሪ ሙዑዝ፦ ንሶም(ኣቶ ገሰሰ) ካብ ሽረ ተመሪፀም ናይ ቤት ምክሪ መውፅኢ ሕጊ/መምርያ ኣባል ኮይኖም እንትመፁ ኣነ ኣብቲ ቤት ምኽሪ መወሰኒ ነይረ። ኣብኡ እንታይ ነይሩ ኣሰራርሓ፤ ናይ ወል ኮሚቴ ዝበሃል ሸውዓተ ሰባት ካብ መወሰኒ፤ ሸውዓተ ድማ ካብ መውፅኢ ሕጊ/መምርያ ዘጣይሽዎ ነይሩ። እዞም ወል ኮሚቴ ስርሖም ምስ እቶም ፕረዚደንት ኮይኖም በቢክፍሉ ዘለዉ ኮሚቴታት እዮም ዝመርፁ። ከምዚ ናይ ባጀት፣ ሰራዊት ወዘተ ማለት እዩ። እምበኣር ሽዑ ኣነ ካብቲ መወሰኒ፣ ኣቶ ገሰሰ ድማ ካብቲ መምርያ ተወኪልና ናይቲ ኮሚቴ እኒ ጀነራል ኣማን፣ ደጃት ብርሃነ መስቀል፣ ደጃት ወልደኪሮስ…ወዘተ ዘለውዎ ኣባላት ኮይና ኣብኡ ንራኸብ፡፡ ሓደ መዓልቲ ደጃት ወልደኪሮስ(ንሶም እዮም ጠርናፊና) ኣኪቦምና እናተማየጥና ኣቶ ገሰሰ(ሓያል በሊሕ እዮም) ምስቶም ደጃት ወልደኪሮስ ይጋጨዉ። ደሓር እቶም ደጃት ወልደኪሮስ “ሰደብከኝ እኮ” ይብልዎም። ወዮም ኣቶ ገሰሰ ድማ “ኣንቱም ደገዝማቲ እቲ ፀርፊ እዉን እባ ፈሊኹም ኣይትፈልጥዎን፤ ኣነ ዝተዛረብኩኹም ምኽንያት ፀርፊ መሲሉ ተረኣይኩም” ይብሉዎም። ደጃት ወልደኪሮስ ድማ ዓብዪ በዓል ስልጣን ስለ ዝኾኑ ክብሪ ተሰሚዑዎም በግ ኢሎም ኮሪዮም ‘የባሰ ደግሞ ኣሁን ሰደብከኝ” ኢሎም እቲ ኣኼባ በቲኖሞ ይኸዱ።

ድሕሪኡ ኣቶ ገሰሰ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ይወድቁ። እቶም ሰብኣይ ንጃንሆይ ከይዶም ክነግሩ ይኽእሉ። እንትነግርዎም ካሊእ ዓይነት ገይሮም እዮም ክነግሩ ዝኽእሉ፤ ብቐጥታ ንፖሊስ ክነግሩ ይኽእሉ፣ ንድህንነት ክነግሩ ይኽእሉ፣ …ምኽንያቱ ተፈራሒ ዓብዪ በዓል ስልጣን እዮም። ንሕና ብጣዕሚ ንጭነቕ። ኣብ ሞንጎ እዙይ ደጃት ወልደኪሮስ ንዓይ ፈታዊየይ እዮም ክሰምዑኒ ይኽእሉ እዮም ኢለ ንኣቶ ገሰሰ ኣየለ ከብ ሽግር ንምድሓን ሓደ ነገር ክብሎም ኢለ ናብ ቢሮኦም ይኸድ። ኣነ ይፈትወኩምን የክብረኩምን እየ። ንስኹም እውን ንዓይ ከምኡ ኢኹም ትብሉኒ እሞ ሎሚ ዝገበርክምዎ ተግባር ፅቡቕ ተመሲሉ ስለ ዘየተረኣየኒ እንተንመኻኸር ከም ደፊሩኒ ኢልኩም ዶ ትሓስብዎ ትኾኑ? ይብሎም። ኣረ ዝወደይ ፀገም የለን በል ደኣ ፅቡቕ ይብሉኒ። እተን የዋፅኣ ዝበልኩዎን ነጊረዮም፤ እዚኣተን ጌጋ ነይረናኹም ብሱሩ ድማ ንስኹም እንዲኹም ዓብዪ ኣቶ ገሰሰ “ሃይለ ቃል” እንተተዛረቡስ ግስፅ ኣቢልኩምዎም ዶ ኣይትሓልፉን ኢለ ይላዘቦም። እሞ ሐዚ እቲ ጉባኤ ንምንታይ ተበተነ እንተተበሃለ ገሰሰ አየለ ስለ ዝፀረፈኒ በቲነዮ ዲኹም ክትብሉ? ምስ በልኩዎም፤ እንታይ ደኣሞ ንግበር? ይብሉኒ። መሊስና ንተኣከብ። አነ ንቶም ዝፈልጦም ካብ ዘለውዎ ደልየ ከምፀኦም ፅባሕ ንጎሆ ንትኣከብ ኣብኡ ድማ አነ እየ ኣጥፊአ ይቅርታ እንተበልኩም ንዓኹም ክብሪ እዩ ይብሎም። ደስ ኢልዎም ተባረኸ ዝወደይ ኢሎም። ከምዚኣ ገይረ ኣተዓራርየ ንኣቶ ገሰሰ ኣየለ ኣድሐንኩዎም። ድሕሪኡ ንሶም ድማ ምስ ኣቶ ወልደልኡለ ስዩም ዝበሃሉ ወዲ ዓድዋ 9ናይ ክልተይና ፈታዊ እዮም። በሊሕ ናይ ሕጊ ባዓል መያ ነይሮም ግን ንተኽለፃዽቕ መኩርያ ሃፀይ ዮውሃንስ ንሃፀይ ተኽለጊዮርግስ ምስ ማረኽዎም ዓይኖም ኣጥፊኦሞም ኢሎም ዝፀሓፍዎ ሓስዮም እዮም ኢሎም ኣብ ጋዜጣ ብሕፅሓፎም ብዙሕ በደል ዝበፅሖም ዝነበሩ እዮም) ይቀራረቡ ስለ ዝነበሩ እቶም ኣቶ ወልደሉኡል ኣቶ ገሰሰ ይደልይኹም እዮም እሞ ንገዛ ክንመፅእ ይብሉኒ ። እሺ ኢለ ድራር ኣዳሊየ ተፀብየዮም። ነብሰይ ኣድሒንኩማ ኢሎም ቡዙሕ ኣመስጊኖም። ድሕሪኡ ኣዕሪና ተቐራሪብና ቡዙሕ ናይ ልቦም እዉን የዋግዑኒ ነይሮም። ዋላ ምስቶም ተመሃሮ ዩኒቨርስቲ (ክቃለሱ ዝደልዩ ተጋሩ) ይራኸቡ ከም ዝነበሩ እዉን የዋግዑኒ ነይሮም። ንመኻኸር ነይርና። ካብ ኩሉ ትግራይ ክኾን ኣለዎ እቲ ሰብ፤ ከም ናይ ቀዳማይ ወያነ ከይኾን ይብሎም ከምኡታት ንበሃል ነይርና።

ሕቶ፦ ስለዚ ምስ ህወሓት ረኽቦም ዝተፈጠረ ብኡኦም ኣቢሉ እዩ ማለት ድዩ?

ፊተውራሪ ሙዑዝ፦ ኣይኮነን። ምስኦም (ኣቶ ገሰሰ) ነውግዕ ዝብለካ ገና ንበረኻ ከይተወፀ እዩ። ንበረኻ ምስ ከዱ ግን ሸፊቶም ተባሂሉ እምበር ርክብ ኣይነበረናነ። ንዓይ ኣቶ ስበሓት ነጋ እዩ ረኺቡኒ ካበ በረኻ መፂኡ(ብርግፅ እነሓሰብኩ እየ ነይረ)ግን እቲ ናይ በረኻ ኩነታት ዝነገረንን ኣባል ክኾን(ርክብ ክህልወኒ፡ ክሕግዝ) ዝገበረኒ ስብሓት ነጋ እዩ።

ሕቶ፦ ብኸመይ ኢኹም ምስ ኣቦይ ስብሓት ተራኺብኩም/ተፋሊጥኩም?

ፊተውራሪ ሙዑዝ፦ ስብሓት ነጋ ይመፅእ ንኣዲስ ኣበባ(ካብ በረኻ)፡፡ ኣቶ በርሀ በየነ ዝበሃሉ ነይሮም ወዲ ኣኽሱም ፈታውየይ እዮም፤ ምስኦም ርክብ ነይርዎ ስብሓት። ደሓር እቶም ኣቶ በርሀ መፂኦም ንገዛይ እቲ ትደልይዎ ነገር ረኺበልኩም ይብሉኒ። ምኽንያቱ ይፈልጡ እዮም ዘለኒ ድሌት። ስብሓት መፂኡ እኒሀ ክበረኻ ንፊተውራሪ ሙዑዝ ኣራኽበኒ ይብለኒ ኣሎ ምስበሉኒ ደስ ይብለኒ። እሺ ኢለዮም ንገዛይ ሒዘሞ መፂኦም። ሽዑ ስብሓት ናይ ሓዘን (ፀሊም) ክዳን እዩ ተኸዲኑ፤ረሳሕ ኣቦ ጀዲድ፣ ፀሊም ቆቢዕ፣ እዩ ገይሩ፤ ንባዕሉ ፀሊም፣ ቀጢን፣ ነዊሕ …ኡፍ ኢልካዮ ዝወድቅ እዩ ዝመስል። ናብ ገዛ ምስ መፀ ኣብቲ ገዛይ ቡዙሕ ቤተሰብ ስለ ዝነበረ ምእንቲ ከይጥርጥሩና ንዕኡ ከም ለማኒ ኣብ ትሕት ዝበለ ኮፍ ኣቢልና እንጀራ ሂብናዮ፡ ረኹመሽ ኢሉ እዩ ኮፍ ኢሉ። ንሱ ሽዑ “ሰበይተይ ህፃን ገዲፋትለይ ጠፊኣ ይደሊ እየ ዘለኹ” እንዳበለ እዩ ዝዛረብ። ኣብ እንዳ ሓደ ኮነልየል ድማ ዋርድያ ኮይኑ ይሰርሕ፤ ኣብታ ትርፊ ሰዓቱ ከኣ ሰበይተይ ይደሊ ኣለኹ እንዳበለ እንደዘረ ስርዒት የጠናኽር፣ ገንዘብ ይኹን ዘድሊ ሓገዛት መድሓኒት፣ መሳርያ ይኣኻኽ እዩ ነይሩ።

ዝኾነ ኮይኑ እሞ እንታይ ኢኻ ትደሊ? እንታይ ትገብሩ ኣለኹም? በልናዮ። ኣብ በረኻ ከይድና እቲ ውድብ መስሪትናዮ ኢና። ህዝቢ እንዳተቐበለና እዩ። ሐዚ ግን ዓቕሚ ስለ ዝንእሰና ክትሕግዙና ኢና ንደሊ፤ ሓገዝ የድልየና እዩ። መድሓኒት የድልየና፣ መሳርያ የድልየና፣ ገንዘብ የድልየና።…ካብ ኤርትራ ውድባት ቁርብ ሓገዝ ረኺብና ኣለና ግን ዝረብሕ ኣይኮነን። ንሕና ክንሕይል እንተኾይና ህዝቢ ትግራይ፡ ኩሉ ትግራዋይ እንተሓጊዙና ጥራሕ ኢና። እሞ ንስኹም ናይ ባዕልኹም ዓቕሚ/ገንዘብ ስለ ዘለኩምን ንኻልኦት እውን ክትተሓባብሩ ስለ ትኽእሉን ሓግዙና እየ ዝብለኩም ይብለኒ። እሞ ንዓይ ደኣ ከመይ ገይርካ ኣሚንካኒ ከምዙይ ገይርካ ትዛረበኒ? ኢለ ይሓቶ። ይፈልጠኩም ዶ አየለኹን ኣፅኒዐ፡ ኣረጋጊፀ እንድየ ግዲ ይብለኒ።

ድሕሪ እዙይ እምበኣር ኣኼባ ንግበር ንበሃሃል። ሰብ ከየብዛሕና ቁርብ ግን ንተኣማመን ንኹን ተባሃሂልና፤ ናብ እንዳ ኣቶ በቀለ ብርሃነ (ኣብ ኣመሪካ ኢንባሲ ዝሰርሑ ፍሉጥ ትግራዋይ እዮም ኣቶ በቀለ) ንኸይድ፤ ኣብኡ እቶም ኣቶ ወልደሉኡል ስዩም፣ ኣቶ በርሀ በየነ ዝበሃሉ ዝበልኩኻ፣ ስብሓት ኣነ ኢና ተኣኪብና ንዘራረብ። ስብሓት እቲ ዘሎ ኩነታት ብዝርዝር የረደአና፤ዘድሊ ነገራት ኩሉ ይነግረና፣ ህዘቢ ትግራይ ንቲ ቃልሲ እንዳተቐበሎ እዩ፣ ብዘይ ጥርጥር ክንዕወት ኢና ይብለና፣ ብዛዕባ ስርዒት እውን የስተምህረና። ኣብ ሞንጎ ኣነ ሕቶ ይሓቶ ንስብሓት፡ ሐዚ ንስኻ እንተተሓዝካ እንታይ ትገብር? ይብሎ። ኣነ እማ ስሚ(ክኒን መቕተሊ) ሒዘ ኣለኹ ንሳ በሊዐ እየ ዝመውት ይብል። ንስኻስ ከምኡ ገበርካ ንዓና ኸ እሞ ኣምፂእኻልና ዶ? ኢለ ኸኣ ይሓቶ። ኣየምፃእኽልኩምን ኢሉና። እታ ትምህርቲ ግን ረኺብና፡ በዓልና ገዚእና ንጥቀም ኢልና ማለት እዩ።

ብዝተረዳዳእናዮ መሰረት ኣነ ቅርሺ ሃብኩ። እኒ ኣቶ በርሀ እወን ከምኡ፤ ንኣቶ በቀለ ተሓዚ ገንዘብ ገይርናዮም። ሽዑ ስብሓት ንዓና ጥራሕ ኣይኮነን ዝረክብ ነይሩ። ኣይነገረናን ሽዑ እምበር ኣበዚ ከተማ ዝሎ ዝኣምኖ ትግረዋይ በቢዝመስሎ እንዳጎጀለ እዩ ዝረክብ ነይሩ( ኣብቲ ናይ ደርጊ በዓል ስልጣን ተቖፂሩ ዋርድያ ኮይኑ እዩ ዝሰርሕ ዘሎ)። እዙይ ምስ ወዳእና ኣነ ንስብሓት ብመኪናይ ገይረ ከብፀሖ ይኸድ፤ ኣብቲ ሉሴ ገብረማርያመ ከባቢ እዩ እቲ ዝሰርሐሉ እታ ገዛ ባዕላ እዩ ዘየርአየና እምበር ኣብቲ ከባቢ እዩ ነይሩ፤ ኣብዙይ ኣውርዱኒ ምስበለኒ ገንዘብ ክህበካ ንዓኻ መንቀሰቐሲ ክኾነካ ይብሎ። ኣይኸውንን ገንዘብ ድኣ ሂብኩም እኮ፡ ንዓይ ዝኸውን ካብ ውድብ ሒዘ እየ። ንስኻትኩም ናብ ውድብ ኢኹም ትህቡ እምበር ኣነ ንውልቀይ ኣይቅበልን ይብለኒ። ይከራኸሮ፡ እቲ ንውድብ ዝህባ ሂበ ኣለኹ ክውስኽ እውን እየ ንዓኻ ግን ክህበካ እየ ተበልኩዎ “ኢደ ትቆረፅ” ኢሉ ይኣብየኒ። በል ኣማኽረኒ እስቲ ይብሎ ሽዑ። ኣነ እንተተጋደልኩ ይሕግዘኩም ዶ? ይብሎ። ምሕጋዝ ምሓገዝኩምና ግን እቲ በረኻ ስለ ዘይትክእልዎ ኣይኸውንን፤ ኣብዙ ኮይንኩም ደኣ ሐግዙ ኢሉኒ ይኸይድ። ኣነ ግን ድሕሪኡ ብውሽጠይ ከኸድ ከም ዘለኒ ወሲነ ምንቅስቓስ ጀመርኩ። ዘለኒ መሳርያታት ድማ ምትእኽኻብ ጀመርኩ። ሓደሽቲ/ተወሰክቲ መሳርያታት እውን ብበዝሒ ዓደግኩ። ዝተፈላለዩ መሳርሕታት ናይ እስራኤል፣ ናይ ኮርያ ዝበሃሉ ቡዙሕ ዓይነታተ ነይሮም ዝዓደኩዎ፤ ናይ ባዕለይ ይኹን ናይ ወላድየይ ዝነበረ እውን ቡዙሕ ነይሩ።

ሕቶ፦ ከመይ ገይሮም ድኣ እቲ መሳርሕታት (ናይ ኩናት) ናብ ትግራይ ወሰድዎ?

ፊቶውራሪ ሙዑዝ፦ ዝገርመካ እዩ! እቲ መሳርሒታት ምስ ኣዳለኽዎ ብዙሕ ይሓስብ እሞ እንታይ ዝብል ሓሳበ ይመፀለይ ሓደ ወልደስላሰ ዝበሃል ናይ ወላድየይ ሽፈር ዝነበረ ነይሩ። ፀዊዐ ንዕኡ የማኽሮ። ንሱ ኸዓ ብጣዕሚ ጅግና እዩ፤ ብደንቢ ኣስተውዒሉ ሓሲቡ እምበኣር እሺ ግዲ የለን ክወስዶ እየ ይብለኒ። ከመይ ገይርካ? እስቲ ንገረኒ እንተበልክዎ፤ ናይ ፅዕነት መኪና ክካረ ካብኡ ሞራለ(ባህሪዛፍ) ክዕድግ ብድሕሪኡ በቢሸሞንተ በቢሸሞንተ ገይርና ንኣስረን አሞ እተን ብውሽጢ ዘለዋ ኣርባዕተ ግን ኣብ ማእከለን ክፍቲ ንገብረን ይብለኒ። ተገሪመ ድንቕ! ኢሉኒ ተሓጉሰ እሺ ቀፂል ይብሎ፤ ከምኣ ገይሩ ብጫፈን ሸሞንቲኣን ዘለዋ ይመስላ ኣብ ማእኸል ባዶ እናገበረ ምስ ኣዳለወን እተን መሳርሕታት ድማ ኣብተን ክፍቲ እናእተወ ገልጠም ከይብል ከኣ ጨርቂ እናወተፈ ብምስማር እናወቐዐ እንተደርበኻዮ ሕጭል ኣይብል ገልጠም ኣይብል ፀዓዒኑ ይወስዶ። በል ኣብ ዝበፃሕኻዮ እናደወልካ ነገረኒ ኢኻ ኢለ ይሰዶ። ዝተወሰነ እናደወለለይ ነየሩ ኣብ ሞንጎ ግን ይጠፍእ እሞ ብጣዕሚ ይጭነቕ፤ ለካ ኣብ ኣለማጣ ምስ በፅሐ እታ መኪና ተበላሽያ ንመቐለ ከይዱ መዐረዪ ኣምፂኡ እዩ ወሲድዋ፤ ዝኾነ ኾይኑ መቐለ ኣትየ ኢሉ ይድውለለይ ልበይ ርግዕ ይብል።

ብድሕሪኡ ኣነን እቶም ኣቶ ወለደሉኡልን(ኣቶ ወልደሉኡል ይፈልጡ እዮም ኣብ ገዝኦም ኢና ፂዕናዮ እቲ መሳርሕታት) እምበኣር ንሕና እዉን ንኺድ ንበሃሃል። ብነፋሪት ገይርና ንኺድ ተባሂልና ንውድእ፤ ኣብ ሞንጎ ክልቴና ናይ ሓሳብ ኣፈላለይ ነምፅእ እዚ ኩሉ እምነት የሩናስ። ንሶም ሮቡዕ ክንጎዓዝ የብልናን ዓርቢ እባ ክንጎዓዝ የብልናን ዝብል የምፅኡ። ለካ ሓደ ጠንቋሊ ኣታሊልዎም እዩ። እንታይ ኮንኩም ኢለ እንተኾረኹ ይነግሩኒ፤ መሊሶም እውን ጥይት ዘየውቅዕ ክህበካ ኢሉኒ ይብሉ እሞ ኣነ ብጣዕሚ ይኹሪ። በዚ ቁሩብ ተዃሪና ንሶም ብመተማ ገይሮም ንሱዳን ክወፁ ተታሒዞም ኣነ ግን ብነፋሪት ንመቐለ ይነቅል። ምናልባት እነተተሓዝኩስ ንባዕለይ እኳ ከጥፈኣላ/ክቐትለላ ኢለ ሽጉጥ ሒዘ እኒሀኹ። እቶም ፍተሻ ከይሕዝኑ ግን እንታይ ክገብር ኢለ ይሓስብ እሞ ቅልጥፍ ኢለ ሸኩለ እየ እንተበልኩዎምስ የሕሉፉኒ ዶ ይኾኑ ኢለ ከይደ ናብ ናይ ጅማ መውፅኢ ሰብ ተራ ሒዙ እናተፈተሸ ኣታ በይዛኻ ተሃዊኸ እየ እሞ ኣሕልፈኒ እንተበልክዎ ይሕለፉ ወላዲ ይብለኒ( እታ ፀጉረይ ካኣ ሙሉእ ንሙሉእ እያ ሰዪባ)። ናበቲ ካሊእ እንዳፍተሻ እንተኸድኩ ውን ከምኡ። ኣብ ሰለስተ ኣርባዕተ ምስ ፈተንኩ እምበኣር ከምኣ ኢለ ናብ መንገዲ ኣየር/መዕርፎ ነፈርቲ/ ክሓልፍ ይኽእል እየ ኢለ ይኸድ። ኣብኣ ውን ክምኣ ኢለ ይሓልፍ።

ኣብኡ ኣብ ውሽጢ ምስኣተኹ ድማ ከም ኣጋጣሚ ሽዑ ናይ ትግራይ ኣመሓዳሪ ዝነበሩ ኮ/ል ቃለክርስቶስ ኣባይ(ወዲ ደጃት ኣባይ ካሕሳይ) ይረክብ። ምስኦም ከዓ ኣዕሪኽቲ ኢና። ሰላም ሰላም ተበሃሂልና( እቲ ዕዱለይ ፅቡቕ ኮይኑ) እናዋጋዕና ናብታ ነፋሪት ንኣቱ። ብሓደ ኮፍ ኢልና እንዳውጋዕና ንኸድ። እንታይ ክትገብሩ ደኣ ንትግራይ ትኸዱ ኣለኹም? ኢሎም ይሓትኑ። እነሓጎይ ሓሚመን ኣፍሞት ተታሒዘን ተባሂለ እየ ዝኸድ ዘለኹ። ምሳኹም እውን ከዓ ጉዳይ ኣለኒ ይደልየኩም እየ ይብሎም። ኣብ መቐለ ምስ ወረድና ካሊእ ነፋሪት መፂኣ ተርክበና። እዚኣ ድኣ እንታይ እያ እንተበልኩዎም ንለገሰ ኣስፋው እያ ሒዛ መፂኣ ይብሉኒ። እምበኣር ንሱ እንድሕር መፀ ምስኡ ክትኮኑ ስለ ዝኾንኩም ኣነ ኣብ ሆቴል ክዓርፍ እሞ ምስ ወዳእኹም ክመፀኩም ኢለዮም ንፈላለ። ወዮ ብሓደ ክንከድ ተባሂልና ዝነበርና። ሽዑ ንሶም እታ ሽጉጠይ ሪኦማ እዮም ግን ከምዘይረኣይዋ ስቕ ኢሎም። በዓል ውለታይ እዮም። ደሓር እውን ኣነ ዘተኣማምን ቦታ ክሳብ ዝሕዝ ከምዛ ዘይፈለጡ ስቕ ኢሎም እዮም ሪፖርት ኣይገበሩን ብጣዕሚ ለባም ሰብ እዮም። ብዝኾነ ክሳብ እቲ በሪ ሓቢርና ሻንጣ ውን ነይራትኒ ኣንጠላጢሎምኒ(ሓጊዞምኒ)፤እቶም ፖላዊሰ ድማ ምስኦም ስለ ዝሪኡኒ ዘለዉ ክጥይቕኑ ኣይክእሉን ብሰላም ወፃእኹ። ሽዓ ናብ መቐለ እንተዝኣቱ ነይረ ክትሓዝ እየ ነይረ። ግን ኣብኡ ዝቕበሉኒ እኒሀው እኒ ኮ/ል በላይ(ኣቦ ፀጉ)፣ እኒ ታፈረ ስብሓት እቶም በዓል ሆቴል፣ ናይ ባዕለይ ላንድሮቨር እውን…እኒሀውኒ እዮም። ኣብ ኣጉላዕ እዉን ዝተዳለው ወታደራት እኒሀውኒ ዝቕበሉ። ከምዙይ ዝመሰለ ምድላው እንሀኒ። እታ ዋና ካብ መቐለ ከመይ ኢለ ከይተተሓዘኩ ይወፅእ እያ። ደሓር ኮ/ል ቃለክርስቶስ እኳ ተኸራኺሮምኒ ነይሮም ግን ንለገስ ኣስፋው እንዶ እኒሀ ኢለ ኣመኽንየ ናይ ቀናዝማች ኤርምያስ ዝበሃሉ መኪና ነይራ ኣብኡ፡ ምሳኹም እየ ኢለዮም ይኣቱ። ንሶም እውነ ፅቡቕ ኢሎም ናብ ኣብርሃ ካስል ንኺድ ተበሃሂልና ንልዓል። ካብኡ ኣነ ስምዑ ቀናዝማች ኤርምያሰ እተን መኻይን ሓመድ ከየብኩኻልና ምእንቲ እማ ክይድ ይበላ እሞ ቀስ ኢልና ነርክበን ኢለዮም እሺ ኢሎም ድሕሪት ንተርፍ። ተላዒልና ክነከድ ምስ ጀመርና ድማ ኣነቱም ቀናዝማቸ ምሳሕ ኣብ ገዛኹም ዘይተብሉዑኒ ሎማዕንቲ ቡን ውን ምእንቲ ክንሰቲ ይብሎም። ገዝኦም ኣብ ኩሓ እዩ። ሰብ ድማ ገዛኻ ውሰደኒ ኢሉካ እምቢ ኣይባሃልን መቸስ። እሺ ኢሎም ተጠዊና ንኩሓ ንኸድ። ደድሕረና ድማ እታ ነሃተይ ላንድሮቨር ትኽተለና ኣላ እያ። ኣብቲ ኩሓ ምስ በፃሕና ኣብ ትሩንጊ ሀቴል ኣብዚ ክሸን ኣውርዱኒ ይብሎም። ወሪደ ንኒኮ/ል በላይ ርእሰይ ስለ ዘሐመኒ ንእሽተይ ኣዕሪፈ ክምለሰኩም እየ ኢለዮም ናብታ ላንድሮቨረይ ኣትየ ጉያ።ክሳብ ኣጉላዕ ብኡ ክሳብ ሓይቂ መስሓል ብታ መኪናይ ከይደ። ኣብኡ ድማ ኣፍራስ ዝሓዙስ ገለ ዝሓዙስ ወታደራተይ ተቐቢሎምኒ ብእግርና ብሕውልዋለ ገይረ ናብታ ዝዓበኹላ ሩባይ በፂሐ። ኣብቲ በረኻ ቤተ ሰብ ተኣኪቡ ብዕራይ ተሓሪዱ ኣይ ብኽያት ኣይ ተሓጓስ ኮይና በዙይ ንምእማኑ ብዘፀግም ብዝገርም ኩነታት ወፂአ ይብለካ።

ሕቶ፦ እቲ መቐለ ዝኣተወ መሳርሕታት ከ ከመይ በለ? ምስ ውድብ/ምስቶም ተጋደልቲስ ከመይ ተራኸቡኩም?

ፊተውራሪ ሙዑዝ፦ እቲ መሳርያታት ኣቶ ወልደስላሰ ኣብ ገዝኡ ኣቐሚጥዎ እዩ ዝኒሀ ሽዑ። ደሓር ኣነ ተኽላይ ዝበሃል ዘመደይ መጀምርታ ናብ፤ እኒ ስብሓስ እኒ ስዩም እኒሀው ሽዑ ኣብቲ ከባቢ ዓሳጋራ ዝበሃል ከባቢ፤ ኣብቲ ከባቢ ውቕሮ ዝንቀሳቐሰ ደማ ሃለቃ ታደለ ነይሩ። ነጋሽ ብዝብል ኮድ እዩ ተነጊሩኒ ንዓይ። እቲ ተኽላይ ኪድ ምምፀአይ ንገሮም ምስ በልክዎ ነጊርዎም ዶ/ር ምስግና ዝበሃልን ሃለቃ ታደለን ይመፁኒ። እሞ ሐዚ መሳርያ እኒሀ ኣብ መቐለ ኣተዩ ከመይ ገይርኩም ተውፅእዎ? ይብሎ ንዶ/ር ምስግና። እንበኣር ምስኒ ስብሓት ኣብ ዓሳጋራ እዮም ዝኒሀው እሞ ተማኺረ ክመፅእ ይብለኒ። ተማኺሩ መፂኡ፤ መሳረያ ክነውፅእ ኣይንኽእልን፣ ዓቅምና ኣይፈቀደልናን ሐዚ በዓልኹም ደኣ ትገብሩ ግበሩ እምበር ይብለኒ። ደሓር ኣነ ናብ ወልደስላሰ ሓደ ኣቶ ሙርፅ ዝበሃሉ ዘመደይ ይልእኸሉ። ከመይ ተገበርና ይሓይሽ? ከነውፅኦ ንኽእል ዶ በሉዎ ኢለ። ወልደስላሰ ኸዓ እሙን ጅግና ትግራዋይ እዩ ከውፀኦ እየ ፀገም የለን ይብል። ከመይ ገይርካ? እንተበልናዮ መቸም ጥበበኛ እዩ፤ ሓንቲ ኣረጊት ናይ ጦር ሰራዊት መኪና ክዕድግ እየ ሚግል ትበሃል ናይ ጦር ሰራዊት እኒሃ ይብለኒ።

ሕቶ፦ እቲ መዐደጊ መኪና ገንዘብ ከ ንሶም ድዮም ክህብዎ?

ፊተውራሪ ሙዑዝ፦ ኣይይ…ንስኻ እባ ክትህቦ!(ሰሓቕ)። እወ ኣነ ይሰደሉ። ድሕሪኡ እታ መኪና ገዚኡ ባኒ ፂዒኑ ንኣይናለም ይመፅእ። ንቶም ኣብ መሰቦ ዘለው ወታደራት (ሓለውቲ) ድማ ክሳብ ዝፀግቡ ባኒ እንደሃቦም ይሓልፍ። ሰለስተ ኣርባዕተ ግዘ ከምኡ እንዳበለ ሓንሳዕ ባኒ ሓንሳዕ ግዛዕ እንደሃቦም ይመላለስ። ይሓልፍ ማይ መኽደን ከባቢ በፂሑ ይምለስ ከምኡ እንዳበለ። እንታይ ደኣይኻ ትመላለስ እንተበልዎ እዛ መኪና ነዕርያ ኢና ዘለና እሞ ይፍትና እየ ዘለኹ እዚ ዓቐብ ቁልቁለ ይብሎም እሞ ምፍታሽ ይሓድግዎ። እዚኣ ምስ ኣረጋገፀ እተን መሳርያ ፅዒንዎን ይወፅእ፤ ንዓና ድማ ነጊሩና እቶም ወታደራተይ ሊኢኸሉ ኣብ ኣጉላዕ ፀኒሖም ተቐቢሎሞ ኣብኣ ደርቢይሎም ተመሊሱ። ብኸምዚኣ እየን ወፂኣን ተቐቢልናየን። እዙይን ካልኦት ናሃተይን ናይ ቤተሰበይን ዝነበረ መሳርያ ይኹን ዋላ ሓይሊ ሰብ ሒዘ ድማ ናብቲ እኒ ስብሓት እኒ ስዩም ዝነበርዎ ከይደ፤ ናብ ውድበይ ተሓዊሰ። ሓደ ዓመትን ፈረቓን እውን ኣብ ምዕራብ ትግራይ ኮታስ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትገራይ እናተንቀሳቐስኩ ኣበቲ በረኻ ደስ እንዳበለኒ ተጋዲለ። ካብኡ ይኣኽለካ ኣብ ወፃኢ ከይድካ ሓግዘና ተባሂለ ብሱዳን ናብ ዓዲ ጀርመን ከይደ። ክሳብ ዓወት ኣብኡ ኣብ ኣመሪካ እንዳተንቀሳቐስኩ ፀኒሐ ድሕሪኡ ዓደይ መፂአ ኣብዛትሪኣኒ ይነብር ኣለኹ።

ሕቶ፦ እሞ ከመይ ይስመዖም ሐዚ?

ፊተውራሪ ሙዑዝ፦ ይሕጎስ! ይሕበን!። እቲ ጅግና ህዝቢ ትግራይ ተቓሊሱ ብዙሕ መስዋእቲ ከፊሉ እዚ ብርሃን እዙይ ኣምፂኡ። መስዋእቲ ከፊልካ እንተተሳዒርካ እዩ ዝስመዐካ እምበር እንተተዓዊትካ ተሓጓስ እዩ። ሓደራ ክብል ዝደሊ ግን እቲ ዝኹሉ ዋጋ ተኸፊሉዎ ዝተረኸበ ውፅኢት ዓወት ከይመራሳሕ ኩሉ ብትኹረት ክሕልዎ ክሕብሕቦ ኣለዎ።

******

Wurayna Magazine

more recommended stories