“ሰብኣይ ኣንስቲ ክልተ ናብዚ ናብቲ ክብል ሞተ”

(ንዋይ ሓድጉ –
ብጋዜጠኝነት ቀዳማይ ድግሪ)

እዚ ግዘ ፀቢብን ፅጉምን ካብ ዝገብርዎ ዘለዉ ሓደ ብደረጃ ስድራ ቤት ዝፍጠሩ ፀገማት እዮም። ስድራ ድማ ብቀንዱ ብሓዳር ክግለፅ ይክእል። ሓዳር ኣብ መንጎ ክልተ ኣካላት ሕብረተሰብ ዝግበር ማሕበራዊ ወይ ሕጋዊ ወይ እውን ሃይማኖታዊ ሰምምዕ ማለት እዩ። እዚ ኣብ ታሪክና ዝተፈላለየ ቅድታት እናሓዘ መፂኡ እዩ። ይኹን እምበር እቲ ኣብ መንጎ ሓደ ንሓንቲ ሓንቲ ንሓደ ዝግበር ስምምዕ ወይ ሓዳር ግና ዝሓሸ ተቐባልነትን ጥዕናን ከም ዘለዎ ይፍለጥ።

ኣብዚ ፅሑፍ እዚ እንታይነት ሓዳርን ተዛመድቲ ጉዳያቱን ንምርኣይ ዘይኮነስ ኣብ ሃገራት ኣፍሪካ ዘሎ ኩነታት መፃምዲ ወይ ሰብ ሓዳርን ስርዓተ ሓዳርን እንታይ ከም ዝመስል ንምርኣይ እዩ።

በዝሒ ኣንስቲ ሓደ ሰብኣይ ክድርቱ ዝክእሉ ብዙሓት ነገራት ዋላ ‘ኳ እንተሃለዉ፤ ባህልን ሃይማኖትን ግና እቶም ቀንዲ እዮም። ንኣብነት ብሰዓብቲ ሃይማኖት እስልምና እንተድኣ ርእይና ሓደ ሰብኣይ ክሳብ ኣርባዕተ ወይ ልዕልኡ ኣንስቲ ክህልውኦ ሃይማኖታዊ ድጋፍ ወይ መሰል ኣለዎ።

ኣብ ሃገርና ዘለዉ ኣመንቲ ሃይማኖት ክርስትና ድማ ብተፃራሪ ልዕሊ ሓንቲ ሰበይቲ ምእታው ኣዝዩ ዝተኸልከለ እዩ። መነወሪ እውን እዩ። ከምኡ እውን ኣብ ሃገራት ኣሜሪካን ኣውሮፓን ምስ ክልተን ልዕሊኡን ኣንስቲ ሓዳር ምምስራት ክሳብ ማእሰርቲ ብዝበፅሕ ቅፅዓት ዘሕትት ገበን እዩ። ኣብዘን ሃገራት እዚአን ልዕሊ ሓደ ወይ ሓንቲ ምእታው ናይ ሃይማኖትን ባህልን ጉዳይ ዘይኮነስ ናይ ሕጊ ጉዳይ እዩ ዝኸውን። እትሕተቶ እውን ብሕጊ እዩ። ምናልባት እውን ፍልፍል ሕጊ እቲ ባህሊ እዩ ዝኸውን እሞ ኩሎም ተመጋጊቦም ዝፈጠርዎ ሓቂ ክኸውን ይክእል።

ናብ ኣፍሪካ ንመለስ። ኣብ ሃገረ ናይጀርያ ሓደ ሰብኣይ ካብ 10 ክሳብ 50 ኣንስቲ ክሕዝ ይክእል። እዚ ልምዲ ወይ ባህሊ እዚ ወዲ ተባዕታይ ክንዲ ዝደለዮ ቁፅሪ ደቂ ኣነስትዮ ክሕዝ ዝፈቅድ ፖሊጋሚ ወይ መውስቦ-ብዙሓት እንትብሃል ብመንግስቲ እታ ሃገር ምሉእ ኣፍልጦ ዝረኸበ እዩ።

እዚ ብዙሓት ናይ ምእታው ስርዓት (ፖሊጋሚ) ኣብ ልዕሊ 150 ሃገራት ዓለም ልሙድ እንትኸውን ልዕሊ 3 ቢልዮን ህዝቢ ድማ ህይወቱ ብፖሊጋሚ ከም ዝመርሕ መረዳእታታት ይሕብሩ። ናይዚ ነፀብራቅ እዩ ድማ ኣብ ናይጀርያ ሓደ ሰብኣይ ብማእኸላይ ክሳብ 100 ውሉዳት ክህልዉዎ ይክእሉ ዝብሃል። እዚ ማለት ስምን መንነትን እቶም ዝበዝሑ ደቁ ዘይክፈልጦም ይክእል እዩ። እዚ ድማ በዚ ንዝናበሩ ናይጀርያውያን ምንም ማለት ኣይኮነን፤ ኣይገርምን። ብተመሳሳሊ መንገዲ ቁፅሮም ዘይንዓቅ ናይጀርያውያን ህፃናት ደቂ መን ምዃኖም ኣይፈልጡን፤ ኣይሓቱን እውን።

ናብ ደቡብ ኣፍሪካ ድማ ንምፃእ።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ልክዕ ከም ናይጀርያ እዚ ናይ ድርብ መርዓ ወይ ሓዳር ጉዳይ ተመሳሳሊ መልክዕ ሒዙ ይርከብ። ዓሌታት ባንቱን መስሉምን ደቡብ ኣፍሪካውያን ልዕሊ ክልተ ኣንስቲ ንከእትዉ ዝፈቅድ ባህላውን ሃይማኖታውን ቅድመ ኩነት ኣለዎም። መራሒ ሃገረ ደቡብ ኣፍሪካ ጃኮብ ዙማ ሓሙሽተ ኣንስቲ ኣለውኦም። ዒስራ ውሉዳት ድማ ኣለውዎም።

ኣብ ጎረቤትና ኬንያ ኸ?

ኣብ ኬንያ ኣብ ወርሒ መጋቢት 2006 ዓ/ም ኣባላት ፓርላማ እታ ሃገር ወዲ ተባዕታይ ብዘይ ፍቓድ በዓልቲ ገዝኡ ክንዲ ዝደለዮ በዝሒ ደቂ ኣነስትዮ ወይ ኣንስቲ ከእትው ዝፈቅድ ረቂቅ ሓሳብ (bill) ዝለዓለ ድምፂ ረኺቡ ናብ ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ ሓሊፉ ኣሎ። እዚ ብኣባላት ፓርላማ እታ ሃገር ዝቐረበ መበገሲ ሓሳብ ክታም ፕሬዚደንት ኬንያ እንተድኣ ዓሪፍዎ ተቀባልነቱን ሕጋውነቱን ይረጋገፅ ኣሎ ማለት እዩ። ዳሕራይ ዝደለየ ኬንያዊ ሰብኣይ ኣንስቲ ክልተ ክኸውን ይክእል እዩ ማለት እዩ።

ይኹን ድኣ እምበር እዚ መበገሲ ሓሳብ ብደቂ ኣነስተዮ ኣባላት እቲ ፓርላማ ዝለዓለ ተቓዉሞ በፂሕዎ እዩ። ብስሩ እውን ፓርላማ ረጊፀን ብምውፃእ ካካይ ሕጊ ክብላ ገሊፀንኦ እየን። ከም ሓሳብ ምልዓሉን ሕዚ እውን ርእሲ ወግዒ ምዃኑን ግና ኣይተረፈን።

እዚ ኩሉ ነገር ምናልባት “ሰብኣይ ኣንስቲ ክልተ ናብዚ ናብቲ ክብል ሞተ” ዝብሃል ምስላ የዘኻክር።

ደሓን ቀንዩታ።

******

Wurayna Magazine

more recommended stories