ፍረ 20 ግንቦት ትእምት – ሓጋዚ ልምዓት ‘ዩ

ፍረ ዓወታት 20 ግንቦት ዝኾና ትካላት ት.እ.ም.ት ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውደ ስራሕቲ ተዋፊረን ሓገዝቲ ስሉጥ ልምዓት ይኾና ከምዘለዋ ተገሊፁ።

ብምኽንያት መበል 23 ዓመት በዓል ዓወት 20 ግንቦት ትካላት ትእምት ኣብ ዝተዋፈርሎም ልምዓታዊ ስራሕቲ ዑደት ከምዝተካየደ ተሓቢሩ ኣሎ።

ኣብ ትእምት ሓላፊ መምርሒ ልምዓት ሓይሊ ሰብ ኣይተ ኪሮስ ገ/ሄር ንማህደረ ዜና ድምፂ ወያነ ትግራይ ከምዝገለፅዎ ውፅኢት ቃልስን ፍረ ዓወት 20 ግንቦትን ዝኾና እዘን ትካላት ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውደ ስራሕቲ ተዋፊረን ሓገዝቲ ስሉጥ ልምዓት ብምዃን ዝተጣየሻሉ ዕላማ እናዓወታ እየን።

ኣብዚ ሐዚ እዋን መብዛሕትኣን እተን ትካላት ኣብ ዝሓሸ ብርኪ ከምዘለዋ ዝገለፁ ኣይተ ኪሮስ ብቐፃሊ’ውን ዘተኣታተወኦ ዘመናዊ ስርዓት ካይዘን ብምጥቃም ብዝበለፀ ሓገዝቲ እቲ ዝምዝገብ ዘሎ ስሉጥ ልምዓትን ዕብየትን ከምዝኾና ገሊፆም።

ብሓይሊ ሰብን ቴክኖሎጅን ዘለዎ ዓቕሚ ካብ እዋን ናብ እዋን ይጠናኸራ ዘለዋ ትካላት ትእምት ብቐፃሊ ኣብ ትግራይ ንዝፍጠር ምዕባለ ኢንዳስትሪ ዝለዓለ ዕድል ከምዝኾና ድማ ወሲኾም ሓቢሮም ኣይተ ኪሮስ ገ/ሄር።

ብሓፈሻ ድማ ውፅኢት ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ዝኾና እዘን ትካላት ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ከተማን ገጠርን ንዘሎ ሕብረተሰብ ብዝተፈላለየ መልክዕ ሓገዝቲ ኮይነን ዝተጣየሻሉ ዕላማ ኣብ ምዕዋት ከምዝርከባ ኣፍሊጦም።

*********
ምንጪ፡-
ድምጺ ወያነ – ጉንበት 20፣ 2006

Content gathered and compiled from online and offline media by Hornaffairs staff based on relevance and interest to the Horn of Africa.

more recommended stories