ቃለመጠይቕ ምስ ቢተው በላይ (ክሳብ 1993 ኣባል ማእከላይ ኮሚቴ ዝነበረ)

ነባር ተጋዳላይ ቢተው በላይ ኣብ ከተማ ዓድዋ ተወሊዱ ዓብዩ፡፡ ክሳብ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ኣብኡ ኣብ ንግሥተ ሳባ ተማሂሩ:: ኣብ መፋርቕ 60ታት ናብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ (በቲሻቡ ቀ.ኀ.ሥ. ዪኒቨርሲቲ) ኣትዩ ኣብ ክፍሊ ትምህርቲ ምህንድስና እናተምሃረ ፀኒሑ፡፡ ብ1968 ዓ/ም ተጋዲሉ፡፡ ክሳብ 1993 ዓ/ም(ካብ ካልኣይ ጉባኤ ጀሚሩ ኣባል ማእከላይ ኮሚቴ ‘ዩ) ኣብ ዝተፈላለዩ ውድባውን መንግሥታውን ሓላፍነታት ክሰርሕ ፀኒሑ፡፡ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣማኻሪ ኮርፖረሽን ብረታብረት ኢትዮጵያ(ሜቴክ) ‘ዩ። ካብ ዘለዎ ተመኩሮ ቃልሲ ገለ ኣካፊሉና ኣሎ፡፡ ሰናይ ንባብ፡፡

ውራይና፡- ብዛዕባ ናይ ቃልሲ ተሞክሮኻ ኢና ኽነዋግዕ እሞ ከመይ ናብ ቃልሲ ከምዝተፀንበርካ ማለት ካብ ምንቅስቃስ ተምሃሮ ጀሚሩ ዶ: ኽተዋገዐና?

ቢተው፡- ኣብ መፋርቕ 60ታት ማሕበር ተጋሩ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስተመስረተ ኣነ’ውን ኣባል ኾይነ ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ይኹን ንዕረፍቲ ንትግራይ ኣብ ንምለስሉ እዋን ኣብ ዝግበሩ ዝነበሩ ዝተፈላለዩ ምንቅስቃሳት ተሳታፋይ ነይረ፡፡ ኣወዳድባና በቢዝነበርናዮ ካምፓስ ይንበር’ምበር ኣብ ዕረፍቲ ጊዜ ብሓባር እናተራኸብና ኩዕሶ ንፃወትን ዝተፈላለዩ ምንቅስቃሳት ንገብር ኔርና ኣብዚ እዋን’ዙይ ዝነበርናን ዝጀመርናዮ ምቅርራብ’ውን ዳሓር ኣብቲ ዕጥቒ ቃልሲ ዝነበሮ ኣዎንታዊ ፅልዋ ቀላል ኣይነበረን፡፡

ክረምቲ ናብ ትውልዲ ኸባቢና ኣብ ንምለሰሉ እዋን’ውን ምስ ካልኣይ ደረጃ ተምሃሮን ካልኦት ናይቲ ሕ/ሰብ ኣካላትን ንራኸብ ኔርና፡- ኣኼባታት ነካይድ፣ ትምህርቲ (ኣካዳምያዊ) ንህብ ነይርና፡፡

እቲ ምንቅስቃስ ካብ ተምሃሮ ምልዕዓል ሓሊፉ ኣብቲ ሕ/ሰብ ዝካየዱ ስራሕቲ’ውን ነይሮም፡፡ ንኣብነት ካብ ከተማ ዓድዋ ናይ ጥዕና ጣቢያ ኣበይ ይሰራሕ? ተባሂሉ፤ ሻቡ ዝነበረ ናይ ሃይለሥላሴ መንግሥቲ ናይ ኣስላም መቃብር ዝነበረ መረፁ፡፡ ኣብ መንጎ ከስታንን ኣስላምን ዘይምስምማዕ ተፈጢሩ ሻቡ ኣብቲ ኸባቢ ብዝነበሩ ተምሃሮ ዪኒቨርሲቲ ተኣልዩ ኣብ ህዝቢ’ውን ዓብዩ ታሕጓስ ፈጢሩ፡፡ ደሓር ከምዝተርኣየ አብቲ ህዝቢ ዝተፈጠረ ሓድነት ነቲ ዕጥቂ ቃልሲ ዝነበሮ ተራ ኣዕርዩ አወንታዊ ነይሩ፡፡

እቲ ምንቅስቃስ ኣብ ካባቢ ዋድዋ ዝተሓፀረ ኣይነበረን ኣብ ኣኽሱም ሽረን ኣብቲ ኸባቢ ምስ ዝነበሩ ተምሃሮ ዪኒቨርሲቲን ካልኣይ ደረጃን ምልዕዓል ይግበር ነይሩ፡፡ ኩዕሶ ፀዎታት፣ ጎይላታትን… ዝተፈላለዩ ናይ ምይይጥ መድረኻት ይካየዱ ነይሮም፡፡ እዙይ ኣነ ብኣካል ስለዝነበርኩ እዩ ዝገልፆ ዘለኹ’ምበር ብተመሳሳሊ መንገዲ ኣብ ካልኦት ኸባቢታት ትግራይ መቐለ፣ ዓ/ዓዲ፣ ማይጨው ዓዲግራት፣ ውቅሮ… ናይ ተምሃሮ ዓበይቲ ምልዕዓላት ነይሮም፡፡

ማሕበር ገስገስቲ ብሄረ ትግራይ (ማገብት) ብኻሊእ ኣፀዋውዓ Tigray National organization (TNO) ብ1966 ዓ/ም ምስተመስረተ ውን ናይቲ ተምሃራይ ምቅርራብ ኣዕርዩ እናተጠናኽረ ከይዱ፡፡ እዚ ዝተመስረተ ማሕበር’ዙይ ማሕበር ተጋሩ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ እናሃለወ እዩ ተመስሪቱ፡፡ ማገብት ዳሓር ንዝተፈጠረ ናይ ዕጥቂ ቃልሲ ውዳበ (ህወሓት) መሰረት ዝኾነ እዩ፡፡

ውራይና፡– ድሕሪ ዩኒቨርሲቲኸ?

ቢተው፡- ደርጊ ናብ ስልጣን ምስደየበ ’እድገት በህብረት’ተኣዊጁ ኣነ ጋምቤላ በፂሑኒ። ኣቐይረ ንትግራይ ተመሊሰ፡፡ ድሕሪኡ ዘመቻ ኣቋሪፀ ንዓድዋ መፂአ፡፡ ኣብ ዓድዋ ናይ ስርዒት ስራሕቲ እናካየድኩ ፀኒሐ። ኣብ መወዳእታ 1968 ዓ/ም በረኻ ወፂአ፡፡

ውራይና፡- ኣብ በረኻ መጀመርታ ኣብ ምንታይ ተመዲብካ?

ቢተው፡- ኣብ ናይ ኸተማታት ሥርዒታዊ ስራሕቲ ተመዲበ ይሰርሕ ነይረ፡፡ ድሕሪ ዝተወሰነ ጊዜ ናብ ህዝቢ ስራሕ ተመዲበ

ውራይና፡– ሓራ መሬት ኾይኑ ካብ ደርጊ ወፃኢ ንስኹም እንድሕሪ ተመሓድርዎ ታይ ታይ መሓውር ወይ ሜላ ትጥቀሙ ነይርኩም?

ቢተው፡- ኣብ ሓራ መሬት ባይቶ ብወረዳ ደረጃ ቅድሚ ምምስራቱ፣ ዝበዝሕ ስራሕ ብጣቢያን ብቑሸትን እዩ ዝካየድ ነይሩ፡፡ ብቑሸት ደረጃ ፍርዲ ባይቶ ብጣቢያ ደረጃ ኻኣ ይግባአኒ ዝስመዐሉ ነይሩ፡፡ ብወረዳ ደረጃ ኻኣ ዝተመደቡ ተጋደልቲ ይመርሑዎ ነይሮም፡፡ ካልኦት ናይ ህዝቢ ኣኼባታትን ምልዕዓላት’ውን ብጣቢያ ደረጃ እዮም ዝካይዱ ነይሮም፡፡ ህዝቢ ናይ ምምሕዳርን፣ ንዕጥቂ ቃልሲ ምልዕዓልን ድጋፍ ምሃብን ብዝምልከት ተልእኾ ሒዙ ዝተወደበ ግን ባይቶ ምስ ኮነ’ዩ። እዚ ባይቶ ኻኣ ብወረዳ ምስተጣየሸ ባዕሉ ኽኢሉ ኣብ ህዝቢ ዝካየዱ ናይ ምምሕዳርን ፀጥታን፣ትምህርትን ጥዒናን ወዘተ ብሓደ ገፅ.. ነቲ ዕጥቂ ቃልሲ ዘድልዩ ኣብ ህዝቢ ክስርሑ ዝግብኦ ስራሕቲ ብኻሊእ ገፅ ይስርሕ ነይሩ፡፡ ካልኦት ኣብ ህዝቢ ዝነበሩና መሓውራት ወይ ኻኣ ውዳበታት ዝተወሰኑ ንምጥቃስ… ዝተፈላለዩ ሓፋሽ ማሕበራት፣ ሸግወየንቲ( ናይ ሓረስቶት ካድረ)፣ዕጡቕ ፕሮፖጋንዳ ኣሃዱታት፣ ሓፋሽ መሰልጠኒ ማእኸላት…. ወዘተ እዮም፡፡

ውራይና፡- መረፃ ዲኹም ተካይዱ እቲ ዝመርሕ ሰብ ከመይ ትምድቡ? ናይ መጀመርያ ባይቶ ኣበይ ተጀምሩ?

ቢተው፡- ናይ ባይቶ መራሕቲ ንምምራፅ፡- እቲ ኣካይዳ ብዙሕ ፍልይ ዝበለ ነገር ዘለዎ ኣይኮነን፡፡ ከካብ ጣብዩኡ ተመሪፆም ብዝመፁ ተወከልቲ እዩ ናይ ወረዳ ጉባኤ ዝስየም አጀንዳታት የዳሉ- ህንፃን ፕሮግራምን ናይቲ ባይቶ መደብን የፅድቕ ኣብ መወዳእታ መራሕቱ ይመርፅ፡፡ መራሕቱ ክመርፅ እንተሎ ነብሰወከፍ እናተርኣየ ኣብቲ ቃልሲ ዝነበሮ ተራ፣ ስነ ምግባሩ፣ ምስ ህዝቢ ዝነበሮ ዝምድና ወዘተ ተራእዩ ይምረፅ፡፡ ባይቶ ብኸተማ ደረጃ ንመጀመርያ ጊዜ ዝተጣየሸ ኣብ ሸራሮ እዩ። ብወረዳ ደረጃ ኻኣ ኣብ መጠቓ እዩ፡፡ (ሻቡ መጠቓ ንባዕሉ ዝኻኣለ ወረዳ እዩ ነይሩ)

ውራይና፡- እንታይ ትበልዑ? ክትንቀሳቀሱ እንተለኹም

ቢተው፡- (ሰሓቕ) ገባር ዘቕርቦ’ዩ ምበር..እንረኽቦ ሓገዝ ብመሰረቱ ካብቲ ህዝቢ ዝመፅእ እዩ፡፡ ቀውዒ እንትመፅእ እቲ ገባር ካብ ዘላቶ የዋፅእ፡፡ ከምኡ’ውን ውድብ ብዝተፈላለየ መንገዲ እትረኽቦ ብክፍሊ ኢኮኖሚ ተዳልዩ ይቀርብ። ኣብቲ መጀመርያ ዓመታት ሓይሊታትውን ኸንቀሳቀሳ እንተለዋ ካብቲ ሕ/ሰብ እናተዳለወ እዩ ዝቐርበለን ነይሩ፡፡

ውራይና፡- ንስኻ ትመርሖ ኣብ ዝነበርካ ኸባቢ ብዙሕ እዩ ተጋዲሉ፡፡ ብምንታይ ሜላ እዩ ከምኡ ክጋደል ዝገበርክምዎ?

ቢተው፡- ብዙሕ መንእሰይ ዝተጋደለሉ ኸባቢ ኣነ ኣብ ዝነበርኩሉ ኻባቢታት ጥራሕ ኣይኮነን ዳርጋ ኩሉ እዩ ኽባሃል ዝካኣል፡፡ እቲ ምስጢር ብመሰረቱ- እቲ ህዝቢ ዝበፅሖ ዝነበረ ወፅዓን- ካብዚ መሪር ወፅዓ ኽወፅእ ኻኣ ድሌት ስለዝነበሮን እዩ፡- ኣብቲ እዋን’ቱይ ኣብቲ ሕ/ሰብ ዝነበሩ ፀገማት -ቁፅሪ ኣይነበሮምን፡- ብኩሉ ገፅ መከራ ዝበፅሖ ዝነበረ ህዝቢ እዩ፡- እቲ ህዝቢ ኣብ ከባቢኡ ዝሪኦም ዝነበሩ ፀገማት እናተፈትሑ እንትኸዱን (ኣብነት መሬት መቐሎ)ብዓብዩኡ ኻኣ ነዚ ቃልሲ ዝመርሖ ቅኑዕ ዕላማን እጃመይ ከውፊ ኣለኒ ኢሉ ዝኣመነ ­ህዝቢ ስበዝነበረ እዩ ብበዝሒ ኽጋደል ዝኻኣለ፡፡

ውራይና፡- ኣብቲ እዋን ንስኻ መንእሰይ፣ ተምሃራይ ኢኻ፣ ካብ ከተማ ኢኻ መፂእኻ ግን ምስቶም ዓበይቲ፣ ምስቶም ኣቅሽቲ፣ ኮታ ምስቲ ኩሉ ሕ/ሰብ ከመይ ኢልካ ቅርብ እልካ ትረዳዳእ ነይርካ? ኣየፀገመልካን?

ቢተው፡- ብርግፅ ሽዑ ዝነበርና መብዛሕትና ካብ ከተማ ዝመፃእና ተምሃሮ ኢና ነይርና፡፡ ኣብቲ ገፀር ዝነብር ሕ/ሰብ ባህልን ልምድን ብዙሕ እንፈልጦ ኣይነበረን፡፡ ግን ምስቲ ህዝቢ ኾይና ባዕሉ ካብ ዝህበና ምኽርን ሓሳብን እናተበገስና ኢና ንሰርሕ ነይርና፡፡ ንኣብነት መሬት መቐሎ ብዝምልከት ዘጋጥመና ዝነበረ ፀገም ቀሊል ኣይነበረን፡፡ ኣነውን ናይቲ ሕ/ሰብ ድሌት መሠረት ገይረ ክሰርሕን ቅድሚኡ ዘይፈልጦን ክብድ ዝበለን ሥራሕ እንተጋጥመኒ ምስቲ ሕ/ሰብ እናተማኸርኩ ንዓኣቶም ሓሳብ ክህብሉ ዕድል እናሃብኩ ይሰርሕን መፍትሒ ይረኽበሉን ነይረ፡፡

ነቲ ሕ/ሰብ ኣብ ምልዕዓልን’ውን ባዕሉ እቲ ህዝቢ ይሳተፈሉ ስለዝነበረ ንዓናውን ዓብዩ ትምህርቲ ንረኽበሉ ነይርና ካህናትውን ዘይሳተፊሉ መድረኽን ስራሕን ኣይነበረን፡፡ በዙይ ይኹን ቅድም ኢለ ብዝገለፅኩዎ መንገዲ ምስቲ ሕ/ሰብ ዝነበረና ምቅርራብ ክጠናኽርን ብቀሊሉ ኽንረዳዳእን ኪኢልና፡፡

ውራይና፡- እቲ ሕ/ሰብ ንስኻ ትመርሖ ዝነበርካ ከባቢ ብጣዕሚ’ዩ ዝፈትወካን ዝናፍቐካን ንምንታይ ይኸውን?

ቢተው፡- እቲ ሕ/ሰብ ንዓይ ንበይነይ ዝፈትወንን ዝናፍቀንን ዝነበረ ኣይመስለን። እቲ ቀንዲ ምኽንያት ህወሓት ሒዝዎ ዝነበረ መስመርን ኣካይዳን ዝወለዶ’ዩ ዝመስለኒ፡፡ እቲ ዕላማ ኣብ ተግባር እንተውዕል መበገሲና ህዝቢ ንገብር ፀገማቱ ክንፈትሕ ፃዕሪ ንገብር ኣብ ዘፅግመና ኻኣ ምስኡ ምስቲ ህዝቢ እናተማኸርና ነካይዶ ስለዝነበርናን እዩ፡፡ እቲ ህዝቢ ንተጋደልቲ ይፈቱን ይኣምንን። ብኡ ኣቢሉ ኻኣ ኣብ ውድብ ዓቢዩ ፍቅሪ እናሕደረ ኸይዱ ንዓና ንተጋደልቲ’ውን ይፈትወና ነይሩ፡፡ ስለዚ ናብ ህዝቢ ቐሪብካ ፀገም ህዝቢ ክትርዳእን ክትፈትሕን ፃዕሪ ብዝገበርካ ቁፅሪ ኻኣ ፍቅሩን ምትእስሳሩን እናተጠናኸረ ይኸይድ ነይሩ፡፡

ሓንቲ ኣብነት ኽነግረካ ኣብ ሓንቲ ጣብያ ዓዲሳጥራ እትባሃል ኣብ ወረዳ ሓሓይለ (ኣብ’ዚ ሕዚ እዋን ወረዳ ዓዲ ኣሕፈሮም) ብዝተኻየደ ናይ መሬት መቐሎ ዓብዩ ፀገም ተፈጢሩ ነይሩ፡፡ ኣመቓቅልኡ ፀገም ስለዝነበሮ ህዝቢ ኣይተቐበሎን። ዳሓር ግን ህዝቢ ብዘቕረቦ ሓሳብን ናይ ኣመቓቕላ መንገድን እቲ ፀገም ተፈቲሑ- ንሕናውን ተማሂርናሉ ኣብ ካልኦት ኸባቢታት’ውን ኽንጥቀመሉ ኺኢልና፡፡ህዝቢ ከምዚኦም ዝበሎ ዓበይቲ ጉዳያት ተፈቲሖም እንትሪኢ ውን ንተጋደልቲ ይኹን ንውድብ ክፈቱ ግድን ነይሩ፡፡

ውራይና፡- ናብቲ ህዝቢ ሓዱሽ ነገር ክተውርዱ ከለኹም ዕንቅፋታት ይገጥምኹም ነይሮም ዶ?

ቢተው፡- ዕንቅፋታት ድኣ ኣበይ ክተርፍ፡፡ ዝተፈላለዩ መደባት ሒዝና እንትንወፍር ቅድሚኡ ዘየፅናዕናዮምን ዘይንፈልጦምን ሓደሽቲ ጉዳያት ይላዓሉ- ነይሮም፡፡ መሬት ንምምቃል ስሪት ኣብ ነዳልወሉ እዋን ናይቲ ሕ/ሰብ ባህልን ልምድን ኣብ ግምት እንተየእተወ እንትተርፍ እንተሎ እቲ ስሪት ተግባራዊ ኣብ ምግባር ዕንቅፋታት የጋጥሙ ነይሮም፡፡ ንኣብነት ናይ ዝተፈላለዩ እምነታት ተኸተልቲ ኣብ ገለ ጉዳያት ስሪት ብሓባር ኣኪብና

ምውፃእ ገዲፍና ፈላሊና ዘውፃእናሉ ጊዜ ነይሩ፡- እቲ ስሪት ናብ ዝርዝር ዝበለ ጉዳያት ይኣቱ ስለዝነበረ ኣብተን ኣገደስቲ እንብለን ጉዳያት ነንበይኖም ዝተረፈ ኻኣ ብሓባር ኾይኖም ኸውፅእዎ ይግበር ነይሩ፡፡ እዙይ ዝተወሰነ እየ ዝጠቅሰልካ ዘለኹ’ምበር ኣብ እዋን ወራር፣ድርቂ እንትህሎ፣በዓላት ብዝምልከት ወ ዘ ተ መደባት ሒዝና እንትንወርድ ብዙሓት ዕንቅፋታት የጓንፈና ነይሮም፡፡

ውራይና፡- ድሑራት ልምድታት ንምትራፍ ብዙሕ ስራሕቲ ዝስራሕኹም ይመስለኒ፤ ውቃበ፣ምጉራዕ፣ሓሜን ወዘተ ዝበሉ ተጠቀስቲ’ዮም፡፡ ብዛዕባ እዙይ እስቲ ኣውገዐና፡፡ ከመይ ትኣልይዎ ነይርኩም?

ቢተው፡- እዚ ኹሉ ዘልዐልካዮ መበገሲኡ ድሕረት እዩ ብኻልእ ገፅ ካብ ባዕልቶም ካብቶም ሰብ ልማድ ዝረኸብናዮን ብተግባር ካብ ዝረኣናዮን መብዛሕትኦም ሰብ ውቃበታት ዝደለይዎ ክስእኑን ወይ እንተይተገበረሎም ኽተርፍ እንተሎ ዘርእይዎ ተግባር እዩ ነይሩ፡፡ እቶም ከምኡ ዝገብሩ ሰባት ንተጋደልቲ ብግልፂ ስለዝዛረቡ/ባ መብዛሕትኡ ንፈልጦ ነይርና፡፡ ድሕርኡ’ውን ፍትሓዊ ዝኾነ ኣሰራርሓን ምርድዳእን ኣብ ዝህልወሉ እዋን እቲ ነገር ክቅንስ መንገዲ ከፊቱ፡፡ ኣብ ገሊኡ’ውን ውሑድ ይኹን’ምበር ሓይሊ ዝተሓወሶ ስጉምቲታት ኣይነበረን ኣይባሃልን፡፡

ሓደ ኣብነት ኽገልፀልካ – ሓደ እዋን (ከባቢ 72 ዓ/ም ኣቢሉ እዩ) ኣብ ሓደ ኸባቢ ሓንቲ መንእሰይ በዓልቲ ሓዳር ንሓደ መንእሰይ ፈትያ በዚ ዝገለፅኩዎ መንገዲ እዩ ስምዒታ ኽትገልፅ ሞኪራ፡፡ እቶም ናብኣ ዝኣተው ክልተ ተጋደልቲ ኣብቲ ውሽጢ ዝነበረ ሰብ ኣውፂኦም ምስኣዘራረብዎ ዘጋጠማ ፀገማት ኩሉ ዘርዚራ ኣቕሪባቶ፡፡ ኣብቲ ኻባቢ ንዝነበሩ ሰባት’ውን ኣይተነግሮምን፤ ፀገማ ዝፍተሓሉ መማረፂ’ውን ቀሪቡላ ነይሩ፡፡ እቲ ጉዳይ’ውን ናብ ህዝቢ እንተይቀረበ እቲ ሓዳር’ውን ዳሓር ከምዝተዓዘብናዮ እንተይፈረሰ ቀፂሉ፡፡

ውራይና፡- ሰብ ክትሸሙ ከለኹም ዋላ እውን ክተውርዱ እንታይ መመዘኒ ትጥቀሙ ነይርኩም? ምስዚ ተታሓሒዙ ገምጋም ዝባሃል መስርሕ ከመይ መፂኡን ማዕቢሉን? ዝነበሮ ግደ ኸ ከመይ ትገልፆ?

ቢተው ፡- ኣብቲ ውድብ መደባት በቢደረጅኡ እንትወርዱ ካብ ትልሚ ጀሚሩ ከመይ ተፈፂሙ፣ ከመይ ተኻይዱ ተባሂሉ እዩ ዝረአ፡፡ ህዝቢውን ረብሕኡ ስለዝረኣየ ብስፍሓት ቀፂሉሉ፡፡ እዙይ ፅብቕ ተፈፂሙ እዙይ ተሪፉ እናተብሃለ ነቲ ሥራሕ (ዝወረደ መደብ) ማዕኸል ተገይሩ እዩ ገምጋማት ዝካየድ ነይሩ፡፡ እቲ ገምጋም ባዕሉ ኣብ ከይዲ እንዳማዕበልናዮ መፂእና፡፡ ካብ እንካይዶም ገምጋማት እናተምሃርና ህዝቢውን እናተምሃረሉ እዩ ኸይዱ፡፡

በዚ መንገዲ’ዙይ ስራሕቲ ፅፈት እናረኸበን ኣብቲ ስራሕ ዝተሳተፉን ዝሓሸ ኣፈፃፅማ ዝነበሮም ውልቀሰባትን ኣካላትን’ውን ንምፍላይ ገምጋም ዓብዩ መሳርሒ ኾይኑ ቀፂሉ፡፡ ንኣብነት ብ1975 ዓ/ም ኣብ ሰፊሕ ኸባቢ ሓራ መሬት ኣብቲ ህዝቢ ሰፊሕ ገምጋም ተኻይዱ ነይሩ፡፡ ኣብ ፍትሒ፣ ኣብ መሬት መቐሎ፣ ኣብ ማሕበራት ወዘተ ብዙሕ ተገምጊሙ፡፡ እቲ ህዝቢ ግልፂ ብዝኾነ ብእርይ ቁፅር እዩ ይግምግም ነይሩ፣ እዚኣ ፅብቕቲ ነይራ እዚኣ ድማ ጉድለት ነይራታ እንዳበለ ህዝቢ ዓብዩ ትምህርቲ ውን ረኺብሉ ንሕናውን ረኺብናሉ፡፡

እቲ ሽመት ዝበልካዮ (ናይ ስራሕ ምደባ እንተበልናዮ ይሓይሽ) ምስኡ ዝተተሓሓዘ እዩ ነይሩ፡፡ ኣብተን ገምጋማት ንፉዕ ዝተብሃለ ሰብ እዩ ናብ ዝሓሸ ደረጃ ዝመፅእ፡፡ ኣብ መሬት መቐሎ፣ ንቓልሲ ኣብ ምልዕዓልን ምድጋፍን፣ ወዘተ ዝነበሮ ተራ ብግልፂ ተራእዩ እቲ ህዝቢ ዝኣመነሉ ፅቡቕ ዝብሎ ንዝተፈላለየ ደረጃ ኣመራርሓ ይምልመል፡፡ ህዝቢ ፀገም ነይርዎ ዝበሎ ድማ ይወርድ፡፡ ሓልሓሊፉ ከዓ ካብ ማእኸል ዝሓሹን ዓቕሚ ዘለዎምን ሰባት እናተመልመሉ ይምደቡ ነይሮም፡፡

ሓደ ሓደ ጊዜ ዝገጥመና ዝነበረ ክንግረካ (ንሎሚ እውን መምሃሪ ክኾን ዝኽእል ይመስለኒ) ንሕና እንደልዮ ሰብ ይህሉ እሞ እቲ ህዝቢ ክመርፆ ብዙሕ ንፅዕር፡፡ እቲ ህዝቢ ግን ነንባዕሉ ስለዝፋለጥ ዘይደልዮ እንተኾይኑ የውድቐልና፡፡ ሽዑ እንታይ ንጋገ፣ ዝገበርና ገይርና ነምርፆ፤ ካብኡ እቲ ስራሕ ምስቲ ህዝቢ ኾይንካ ስለዝስራሕ ኣይዕወትን፣ ይፍሽል። ምኽንያቱ እቲ ህዝቢ ካብ መጀመርትኡ ስለ ዘይኣመነሉ፡፡ ነቲ ህዝቢ ክመርሕ እዩ ዝምደብ ህዝቢ ድማ እንተዘይ ሓጊዝዎ ታይ ይገብር? እታ ስራሕ’ውን እንተይተዓወተት ትተርፍ ዝኣምነሉን ዝፈትዎን እንተኾይኑ ኸ ዋላ ደጊፉ ደጋጊፉ እታ መደብ የዕውታ፡፡ስለዚ በብኸባቢኡ ንመርሕነት ዝሕረ፣ ብከባቢኡን፣ ብመሳርሕቱን ብቐረባ ብዝፈልጥዎ ሰባት ዝእመነሉን ዝፍቶን ከኾን ኣለዎ፡፡

ውራይና፡- ድሕሪ ማእኽላይ ግንባር ናበይ ተመዲብካ ድሕሪ ዓወት ዝነበረ’ውን ሓዊስካ?

ቢተው፡- ካብ 1975 ዓ/ም ጀሚረ ማእኸላይ ኮሚቴ ኣባል ኮይነ፡፡ ድሕሪኡ ናይ ረጅን መተሓባበሪ ኮይነ ናይ ምብራቅ ረጅን ረጅን ሰለስተ ናይ ህዝቢ ስራሕቲ የተሓባብር ነይረ፡፡ ድሕሪኡ ኣብ ደጀና ቢሮታት እንተጣየሸ ኣብ ማስ ቢሮ ይሰርሕ ፀኒሐ፡፡ ትግራይ ሓራ ምስወፀት ካኣ ኣብ ደጀን ቢሮ ተመዲበ ሰሪሐ። ድሕሪ 1983 ዓ/ም ናብ ማእኸል ሀገር ከይደ ኣብ ህዝብታትን ብሄራትን ብሄረሰባት ክልል /ደቡብ ኢትዩጵያ/ እናሰራሕኹ ፀኒሐ ክሳብ 1990 ዓ/ም፡፡ ካብ 1990 ዓ/ም ክሳብ ምፍልላይ (1993) ድማ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ሓላፊ ጉዳይ ክልላት ኮይነ እናሰራሕኹ ፀኒሐ፡፡

ውራይና፡- ብዛዕባ ምፍልላይ 1993 ዓ/ም ዶ እሞ ክተውገዐና?

ቢተው፡- (ነዊሕ ሰሓቕን ኣግራሞትን)…..ምፍልላይ ብዝምልከት….ምውጋዕ ይከኣል እዩ፡፡ ግና ናይ ባዕሉ ርእሲ ሒዙ ብሰፊሑ እንተዝድህሰስ፡፡ መበገሲኡ እንታይ እዩ ነይሩ? ከመይ ተኣልዩ? ውፂኢቱ ኸ እንታይ ኮነ? ንውድብ ህወሓት ኮነ ንህዝቢ ትግራይ ዘለዎ ወይ ዘሕደሮ ፅልዋ ኸ እንታይ ይመስል? ወ ዘ ተ ዝብል ሪኢቶታት እናቀረበ እንተድህሰስ ፅቡቕ ይመስለኒ፡፡ አነውን ብወገነይ ኣብዚ ጋዜጣ ንቅድሚት ከቅርቦ ክፍትን እየ፡፡ ስለዚ ስቕ ኢልና ካብ ንተናኽፎ ብኡ መልክዕ እንተቐረበ ዝሓሸ ይመስለኒ፡፡

ውራይና፡- እሺ ግርም! እሞ ኣብቲ ሕዚ ዝኒሀ ኩነታት እንታይ ሪኢቶ እዩ ዘለካ? ምስቲ ዝሓለፈ ቃልሲ ክትረኦ ከለኻ ኸ እንታይ ክኾን ይግባእ ትብል ንቕድሚት?

ቢተው፡- ምስ ብዙሓት ኣብ ሓላፍነት ዘለው መራሕቲ ንራኸብ ኢና ነዋግዕ ኢና፡፡ ንገሊኦምውን ዘለኒ ሓሳብ ብግልፂ የቕርበሎም እየ፡፡ ምስቲ ዘካየድናዮ ቃልሲ ኣተሓሒዝና እንተሪእናዮ እቲ ህዝቢ ኣብቲ እዋን ቃልሲ ዝለመዶ ነገር ኣሎ፡፡ ዋላ እኳ ከምቲ ናይ ሽዑ እንተዘይኮነ እንተወሓደ ምስቲ ግዚኡ ዝኸይድ፣ ህዝቢ ዘሳትፍ፣ ንሕና ኢና ንፈልጠልካ እንተይተተባህለ ምስቲ ህዝቢ ምምኻር፣ንቲ ህዝቢ ምሰማዕ፣ ምርርን ሕርፍፍ ዝበለን ነገር እንተቕረበ እውን ምስማዕን ምድማፅን የድሊ፡፡ ንፀገማቱን ዘልዕሎም ጉዳያትን ፍታሕ ምሃብ፣ ምፍታሕ ዘይከኣል እንተኾይኑ እውን መብርሂ ምሃብ ይግባእ፡፡ ህዝቢ ምስታፍ ቅኑዕን ጠቃሚን መንገዲ ምኻኑን ኣብ ተሞክሮ ቃልስና ዘረጋገፅናዮ እዩ፡፡ ናይ ሓባር መገማገሚ መድረኽ እንተዝህሉውን ዝበለፀ ምኾነ ነይሩ፡፡ ህዝቢ ይመሃረሉ መራሕቲ’ውን ይማሃርሉ፡-

ውራይና፡- መንእሰይ ብዝምልከትከ?

ቢተው፡- እቲ መንእሰይ ሓዱሽ ወለዶ ድማ ክገብሮ ዝግበኦ መሲሉ ዝረኣየኒ ንሕና ቃልሲ እንትንጅምር ብዙሕ ናይ ቃልሲ ልምድን ተሞክሮ ኣይነበረናን ካብ ሕሉፍ ናይ ካልኦት ናይ ቃልሲ ተሞክሮታትን ካብ ህዝብናን ካብ ነካይዶም መድረኻት እናተምሃርና ውድብ መስሪትና ተቃሊስና ተዓዊትና፡፡ ብዙሕ ዝለዓለ ትምህርቲ እውን ኣይነበረናን፡፡ መብካሕትና ተምሃሮ ኢና ነይርና፡፡ ሕዚ ግን ሓደ ዝሓሸ ፍልጠት ዘለዎ ብትምህርቲ ውን ዝሓሸ ደረጃ ዝበፅሐን ብዙሕ ኣሎ፡፡ ዝሕግዞ ዘማኽሮ እውን እኒሀሉ፡፡ ስለዚ ተወዲቡ ብዛዕባ ዓዱ ክመክር ዘሎ ፀገማት ንምፍታሕ ክፅዕር ይግባእ፡፡ እቶም መራሕቲ እንተሓገዝዎ ፅቡቅ እንተዘይ ሓገዝዎ ድማ ሓደ ሓደ ግዱሳት ዓበይቲ ኣሕዋቱን ወለዱን እናማኸረን ልምዲ እናወሰደን ናይ ባዕሉ ኣተሓሳስባ እናስፈሐን ንዓዲ ዝጠቅም ክሓስብን ክፍፅምን ይግባእ፡፡ ከምኡውን እቲ ዝረኸቦ ትምህርትን ልምድን መሰረት እናገበረ ናይ ባዕሉ ቅዋም ሒዙ ክቃለስን ተርኡ ክፃወትን ዝግባእ ይመስለኒ፡፡
*****************

Wurayna Magazine

more recommended stories