ቃለመጠይቕ | ምስ ሙሉጌታ ገበረሂወት/ጫልቱ/

ኣቶ ሙሉጌታ ገበረሂወት/ጫልቱ/ ነባር ተጋዳላይ ህወሓት እዩ። ክሳብ 1994 ዓ/ም ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴ ኮይኑ ኣብ ዝተፈላለዩ ውድባውን መንግስታውን ሓለፍነታት እንደተመደበ ከገልግል ድሕሪ ምፅናሕ ብናይ ባዕሉ ድሌት ተሰናቢቱ ውልቃዊ ሂወቱ ናብ ምምራሕ ኣትዩ። ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርስቲ መምህርን ተመራማርን፤ ዋና ዳይረክተር ትካል መፅናዕቲ ሰላምን ድሕንነትን(institute for peace and security stadies/IPSS) ኮይኑ እንዳሰርሐ ይርከብ። ሰላምን ድሕንነትን ቀርኒ ኣፍሪካ ብዝምልከት ሰፊሕ መብርሂ ሂቡና ኣሎ ሰናይ ንባብ።

ውራይና፦ አብ ቀርኒ አፋሪካ እቶም ዓበይቲ ዛዕባታት ሰላምን ድሕንነትን ዝበሃሉ እንታይ እዩም?

ኣቶ ሙሉጌታ፦ ብዘሓት ዮም። አብ ቀሪኒ አፍሪካ ዘለዋ ዓድታት እንተሪኢካየን ብምልኡ እቲ ወሰን ወሰን ዘሉ ሓረስታይ ከፍቲ ዘርብሕ ወይ ድማ ሰብክሳግም ዝበሃል ሕ/ሰብ ዘለዎ እዩ ዝበዝሕ። ዝተረጋገአ ሓረሰታይ፣ ዝተማዓራረየ ናብራ ዘለዎ ሕ/ሰብ አይኾነን። ብምሎአም እቶም ናይ ቀርኒ አፋሪካ ዓዲ ንዓዲ ዘዋሰኑ ከባብታት ከምዚኦም ዝበሉ ሕ/ሰብ ዘለዎም ከባቢታት የም። እዚኦም ከኣ እቲ ናብሮኦም አብ ምንቅስቃስ እዩ ዝምስረት። ከፍቲ መርብሒ እንተኾንካ መሰረት ህልዉናኻ ምንቅስቃስ ‘ዩ። ሳዕሪ ዘለዎ፣ ማይ ዘለዎ ቦታ በቢ ግዚኡ ክትረክብ ኣለካ። ስለዚ እቲ ደንበር ናይ ዞም ዓድታት ኣብ ዕለታዊ መነባቢሮኣም እውን ፅልዋ ዝፈጥርሉ ‘ዩ። ብምሉኦም እቶም መንግስትታት ናይ ቀርኒ አፍሪካ እንተሪኢካዮም እውን ዝበዝሕ ሓይሉም አብ ማእከል ‘ዩ። ስለዚ እዘም ወሰና ወሰን ዳር እዩም ዝበሃሉ። ንአብነት ናይ ኬንያ እንተወሲድና’ኳ አብ ናይሮቢ ማእከል ዝግበረ ‘ዩ። ብኡ ምኽንያት እዚ ቦታ እዚ ዝተሓለወ ካባቢ አይኮነን። መንግስቲ ዝጠንከረሉ ቦታ አይኮነን። ሰለዚ ንምሕላው ምችው ከባቢ አይኮነን፤ ንወንጀል ምትሕልላፍ ‘ዩ ምችው ዝኸውን፤ ንኮንትሮ ባንድ፣ ሰብ ምዝውዋር፣ ሰብ ምዝራፍ፣ ሰብ ምምሕልላፍ ብኡ ገንዘብ ምርካብ፤ ጠበንጃ ንግዲ፣ ሓሽሽ ወዘተ አብዚ ዓዲ ዚ መቆፃፀሪ ዘየብሉ፤ ንሰላምን ድሕንነትን ነቲ ማእከል ዓድታት ጠንቂ ዝኸውን ‘ዩ። ሰለዚ ሓደ መግለፂ መልክዕ እዙይ እዩ።

እዚአቶም ካአ በቢዓዱ ፅጉባት/ዕግባት፤ ዝግባእ ጠመተ(Ataintion) ረኪብና ዝብሉ አይኮኑን። ከብ ዓዲ ናብ ዓዲ ይፊላለ ‘ዩ። ንአብነት አብ ኢ/ያ አብቲ ናይ ቀደም መንግስቲ ሶማል፣ ጋምቤላ፣ ቤንሻንጉል ወዘተ ተበዲልና/ተጋኒና ዝብሉ እዮም ነይሮም። ሕዚ ከኣ ከምኡ ዝበሉ ህዝብታት እኒሀው ፈቀድኡ ናይዘን ቀርኒ አፍሪካ ዓድታት። ንአብነት ጅብቲ እንተኸይድካ ዓፍር ተጨቁና ኢና፤ ዒሳ እዮም መንግስቲ ሒዞም እኒሀው በሃልቲ ‘ዮም ። ሱዳን እንተኸድካ እዞም ብሉናይል ዝበሃል መንግስቲ ማለት ንደቡብ ሱዳን ገፅ ዘሎ ንሰሜን ሱዳን ከባቢ ዘሎ ናህና መሰል አይተከበረን፤ መሰልና ሰለ ዘይተከበረ S.P.L.S ሰሜን ዝበሃል ውድብ አቋቄምና ውግእ ክንፍፅም ኢና በሃልቲ ‘ዮም። ከምኡ ከምኡ ዝበለ በቢዓዱ እኒሀ።

ካልእ አብዚ ዞባ እዚ ከብ ቀደም ዝፀንሐ ናይቲ ሓደ ተቓዋሚ እቲ ሓደ ይድግፎ፤ በቲ ሓደ ኣሸባሪ ዝበሃል በቲ ሓደ ነፃ መውፅኢ ይበሃል። ከምዚ ዝበለ ባህሪ(tradiation) አሎ ‘ዩ። ንኣብነት ንሕና/ መንግስቲ ኢትዮጵያ/ ሽብርተኛታት እንብሎም መንግስቲ ኤርትራ ድማ ነፃ መውፃእቲ እዩም ኢሉ አስመራ የቐምጦም ይድግፎም። ናይ ሱዳን ተቓወምቲ ኡጋንዳ ዝሕግዝዎም ኩነታት እኒሀ። Coordination of Revolution forces ዝበሃሉ፣ S.P.L.S ሰሜን ዝበሃሉ ብሓደ ዝፊጠርዎ አብ ኡጋንዳ ቤት ፅሕፈት አለዎም ኢሎም ሱዳን ይኸሱ። ኡጋንዳ ድማ አይኮነን ንኤል አር አ (L.R.A) ዝሕግዝዎም ንሳቶም እዩም ኢሎም ንሱዳን ይኸስዎም። ከምዚ ዝበለ ሸግር እኒሀ።

እቲ ዋና ፀገም እዞም ዓድታት እዚኦም ኢኮነሚኦም ዝተአሳስረ ኣይኮነን። ተሓባቢርካ ተሓጋጊዝካ ብሓባር ፀገምካ ምፍታሕ፤ ሓቢርካ ምልማዕ፣ ምዕባለ ምምፃእ ዝብል የብሎምን። ሐዚ ሰደድ(export) ዝገብሩ እንትኮይኖም ሓደ ዓይነት ሰደድ/ export እዩም ዝገብሩ። ንአብነት ኢትዮጵያ ቡና እንተሰዳ ኬንያ ቡና ትሰድድ፣ ኡጋንዳ ቡና ትሰድድ ስለዚ እቲ ናይ ቡና ዕዳጋ እዩም ዝጫረቱ፤ ኬንያ ዕምበባ ትሰድድ፣ ኡጋንዳ ዕምበባ ትሰድድ፣ ኢ/ያ ዕምበባ ትሰድድ፣ ናይ ዕምበባ ዕዳጋ እዩም ዝጫረቱ። ስለዚ Complement ዝገበር ዝተአሳስር አብቲ ኢኮኖሚታትን የለን። ብመሰረተ ልምዓት እዉን ዝተኣሳሰራ ኣይኮናን። ናይቲ ሓደ ህልውና ንናይቲ ሓደ ምዕባለ ዝፀልወሉ ምትእሰሳር አብቲ ኢኮኖሚ የለን። ከብ ኢ/ያ ንናሮቢ ዘተአሳሰር ኩሉ ግዜ (full time) ዝስርሕ መንገዲ የለን፤ ሞያሌ እዩ ጠጠው ዘብል። ካብ ሞያሌ ክሳዕ ዒስ ዘሎ መንገዲ ናይ ሓጋይ መንገዲ ጥራሕ እዩ። ሕዚ እዩ ክስራሕ ዝበሃል ዘሎ። ካብ ጋምቤላ ንጅባ ንናሮቢን ፅርግያ የለን። ስለዚ አብ ሞንጎ እዞም ዓድታት ምትእስሳር የለን። ናይ ቲሌፍን ምትእስሳር የለን። ካብታ ሓንቲ ናብታ ሓንቲ ክትድውል ኢንተርናሸናል ቲሌፍን ኢክስቸንጅ ተጠቒምካ ኢካ ትድውል።

ዉራይና፦ ከመይ ዝበለ ምትእስሳር/ረኽቢ እዩ ክህሉ ዘለዎ ማለት እዩ?

ኣቶ ሙሉጌታ፦ ንአብነት ናይ ኢትዮጵያ ኢሌክትሪክ ምስፍሕፍሕ ዝፊጥሮ ረብሓ ንርአ። ኢትዮጵያ ኢሌክትሪክ ትሰድድ ንጅቡቲ፤ ጅቡቲ ድማ ቀንዲ/አውትሌት ናይ ኢ/ያ ወደብ ኮይና ተገልግል። አብ ክልተአን ከምዚ ዝበለ ምትእስሳር/ኢንተር ዲፐንደንሲ እኒሀ። ሰለዚ ጅቡቲ እንተተቓፂላ ኢ/ያ ትሓምም ማለት ‘ዩ። ሕዚ ኬንያ እንተተቓፂላ ኢ/ያ አይትሓምምን ማለት ንኡሸተይ አዲስ አበባ ብወረ ንሰምዕ ንኸውን ንሓዝን ወይ ምስቶም ናትና ዝወዳዳሩ ጎየይቲ ደኮን ይንክይሉና ኢልና ተስፋንገብር ማለት ‘ዩ። ቁሩብ ድማ ስድተኛታት ናብቲ ደምበር ይመፁና። ካብኡ ዝሓለፊ ነገር የለን ። ንናትና ህልውና ፀገም ዘስዕብ ነገር የለን። ከምዛ ናይ ጅቡቲ ዓይነት ግን ኢ/ያ ክትቃፀል ከላ ጅቡቲ ሱቅ ክብሉ አይክእሉን፤ ኢሌክትሪክ ክስእኑ እዩም ያ፤ ንህልውነኦም ወሳኒ ‘ዩ። ኣውሮፖ ኣብ ካልአይ ውግእ ዓለም ነኒባዕሎም ይቃተሉ እዮም ነይሮም። ሐዚ አብ አውሮፖ ባዕልቶም ንባዕልቶም ዝባሃል ውግእ ሕልሚ ዝኾነሉ ደረጃ ተበፂሑ ዘሎ ብካሊእ ምክንያት አይኮነን ከምዚ ዝበለ ምትእስሳር /ኢንተርዲፐንዲንሲ አብ ሞንጎ እቶም ሃገራት ስለ ዝተፊጠረ ‘ዩ።

ካልእ ከዓ ናይቶም መንግስቲታት ተፈጥሮ እዉን እኒሀ። መንግስቲ ንብዙሕ ነገር መሳርሒ ክኸውን ይኽእል ‘ዩ። መንግስቲ ንውልቀ ጥቅሚ መሳርሒ እንትኸውን ከሎ ምንጪ ጎንፂ ይኸውን። ብካሊእ ገፅ ድማ መንግስቲ ንፍትሕን ንናይ ሕ/ስብ ዕቤትን መሳርሒ እንትውዕል እንተሎ ዝተፊለየ ተፈጥሮ ይህልዎ ማለት ‘ዩ። መንግስቲ መሳርሒ መፈፀሚ ውልቃዊ ድሌት ክኸውን እንተሎ ናይጐንፂ ምክንያት ይኸውን ፤ፍትሒ ሰኢና፣ አድልዎ ተገይሩና፣ ብዝግባእ አይተማሓዳደርናን፣ ዝብሉ ሰባት ይበዝሑ እሞ ፃመፅ ናብ ምልዓል እኸዱ። መንግስቲ ናይ ሕ/ሰባዊ ፍትሒ መንገሲ ፣መዕበይ፣ መሳርሒ ተገይሩ እንትውሰድ እንተሎ ዝበለፀ ንብዙሕ ሰብእናሳተፊ ፊታሓዊ እናአከበ ሰለዚ ከኣ ሰላምን ድሕንነትን ዘለዎ ሃገር ክፈጥር ይኽእል።

እዞም ዝበዝሑ ኣብዚ ቀርኒ አፋሪካ ዘለው መንግሰትታ እቲ ናይቲ መንግስቲ መሰርሒ ካብ ማሕበራዊ ፍትሒ አብ ምንጋስ አብ ውልቀ ረብሓ ዘድሃቡ እዮም። ብዋናነት ናይቶም ዝግዝኡን አብቶም ዝገዝኡ ዙርያ ንዘለው ሰባትን መሰጐሚ ረብሓታቶም ክኾኑ እዮም ዝረኣዩ። ምስቲ ተፍጥሮ ናይቲ መንግስቲት ዝተተሓሓዘ ውሸጣዊ ሰላም ይጠፍእ፤ ውሸጣዊ ሰላም ተጠፊኡ ከኣ ዞባዊ/ራጅናል ሰላም ሓቢሩ ‘ዩ ዝጠፍእ። ከምቲ ቅድም ኢለ ዝበልክዎ ናይቲ ሓደ ዓመፀኛ እቲ ሓደ ዝሕግዘሉ ዓይነት እንትከውን እንተሎ ምልኽኻም ይህሉ ማለት ‘ዩ። እዝአቶም እዮም ክበሃሉ ዝኽእሉ እቶም መግለፅታት።

ዉራይና፦ ምናልባት ካፍቶም ዝተቐመጡ ብተወሳኪ እንታይ ክልዓል ዝኽእል ይመሰለኒ (ገለ ወረቓቕቲ ክትሪኢ ከለኻ ዝረአ) ናይ ወፃኢ ኢዳት አሎ ዝብል እዩ። ንዚ ከመይ ትሪኦ?

ኣቶ ሙሉጌታ፦ ንሱ እኒሀ እዩ። ግን ቀድም አብቲ እዋን ዝሑል ኲናት (cold war) ከምዝነበረሉ ደረጃ እኒሀ ድዩ የለን ብዝብል ክፍለ እንተዘይኮይኑ። ኣብቲ እዋን ዝሑል ኲናት ናይ ሓደ መንግሰቲ ቦታ አብቲ ዓለም ለካዊ ኩነታት፤ እዚ መንግስቲ ንመን የድምፅ ንመን ይውግን እዩ ነይሩ። እቲ መንግሰቲ ንዜጋታት ክሰዕ ክንደይ ብፅቡቕ የመሓድር ዝብል ኣይነበረን። ናይዚ ቀርኒ አፋሪካ መንግስትታት ድማ ዝተኸፈሉ እዮም ነይሮም። ምስ ምብራቅ ዝተሰለፉ መንግሰትታት ነይሮም ከም ደርጊ ዓይነት ማለት እዩ። ምስ ምዕራብ Block ዝተሰለፉ መንግሰትታት እዉን ነይሮም። ሰለዚ እቲ ኢድ ኣአታውነት ዓብዪ እዩ ነይሩ ሽዑ።

ከም ናይ ግብፂ ዝበሉ ዝነበሩን ዘለውነ ከኣ እኒሀው። ግብፂ ምስ ኣባይ ብዝተተሓሓዘ ብዘለዋ ድሌት ኣብዚ ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪካ ሰላምን ምርግጋእን ከይህሉ ብቡዙሕ መንገዲ እያ እነሰርሐት መፂኣ። ሐዚ እውን ንሱ ጠፊኡ እዩ ንምባል ዝኸብድ እዩ። ግብፂ ኣብዚ ሐዚ እዋን ክህልዋ ዝኽእል ተፅዕኖ ከምቲ ናይ ቀደም ከምዘይኸውን ግን ርግፀኛ ምዃን ይከኣል። ምኽንያቱ እቲ ኩነታት ተለዊጡ እዩ(ብፍላይ ከኣ ኣብ ኢትዮጵያ)። እምበር ግብፂ ከምዘይ ዓረፈት ምልክታት እኒሀዉ። ንኣብነት መንግስቲ ኤርትራ ንናይ ኢትዮጵያ ተቓወምቲ ብዙሕ ገንዘብ ከምዝሓገዘ ባዕሎም እዉን ተዛሪቦም ነይሮም፤ መንግስቲ ኤርትራ ገንዘብ ካበይ ኣምፂኡ ክህቦም ይኽእል? ንባዕሉ እኳ ሓገዝ ዝደሊ መንግስቲ። ካልእ ድማ ሰሊኹ ዝወፀ ናይ ዓበይቲ ፖለቲከኛታት ግብፂ ዘረባ ነይሩ(ብቐጥታ ዝተመሓላለፈ ምስ ፕረዚዳንት ዝገበርዎ ምኽክር)። ሽዑ ዘልዐልዎ ንዚ ንደግፍ፣ ክምዚ እባ ንግበር፣ ኢትዮጵያ በዙይ ንረቢሻ …ገለመለታት ዝብል ሐደ መርኣያ እዩ። ኢትዮጵያ ሓገዝ ከይትረክብ እውን ብዝተፈላለየ ምንገዲ ፃዕርታት ይገብሩ እዮም።

ክምዙይ ዝበለ ናይ ደገ ኢድ ኣእታውነት ዋላ እንተሃለወ እውን ግን ትጉሙ ንእሽተይ እዩ። እቲ ዋና ፀገም ካብ ውሽጢ ዝመጽእ እዩ። ዝተማለአ ምርግጋዕን ሰላምን ኣብዚ ቀርኒ ኣፍሪካ ንዘይ ምህላው ውሽጣዊ ማለት ካብ ባህሪ/ተፈጥሮ እቶም መንግስቲታት ዝምንጩ፣ ካብ ባህሪ ኢኮነሞኦም (ኣብ ህልኽ እምበር ኣበ ምትሕብባር ዘይተመስረተ)፣ ፖሊቲካዊ ኩነታቶም እዉን ህውከት ዝፈጥር ምዃኑ እዩ። እዚታት ክፍታሕ ዘለዎ።

ዉራይና፦ ጉዳይ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተኣጀለ ኣብ ወጥሪ ዘሎ ነገር እዩ። እንታይ እዩ ክኸውን ዝኽእል? ወረታት እኒሀ ዕርቂ ገለታት ዝብል፤ ዕርቂ ይከኣል ዶ? ብስሩ ኸ የድሊ ዶ?

ኣቶ ሙሉጌታ፦ ብዝኾነ መለክዒ ብሰላማዊን ዲፕለማስያዊን መንገዲ እዩ ክፍታሕ ዘለዎ ናይ ኢትዮ-ኤርትራ ጉዳይ። እምብር ብጠመንጃ ብውግእ ክኾን ኣይፍታሕን። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብጣዕሚ ግልፂ እዩ ነይሩ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዙይ። ገና ዕግርግር ክለዓል ከሎ ብሰላም ክፍታሕ ኣለዎ ቅድሚ ናብ ውግእ ምእታው ኢሉ ፃዕሪ ገይሩ። ሽዑ መንግስቲ ኤርትራ ምናልባት ኣብ ዓቕሚ ኢትዮጵያ ግጉይ ሚዛን ስለ ዝነበሮ ይኸውን ካልኣይ ከኣ ሐዱሽ ጉብዝና ምልዐሊ እንዶ ኣየለካን ስቕ ኢሉ ጥንችኡ ዘብል፣ ንባዕሎም ዝነበሮም ግምት እውን ዓቕሞም ዘገናዘበ ዝነበረ ኣይኮነን ከምኡ ዝበለ ነገራት ኮይኑ ደፊኡ ናብ ኲናት ኣትዩ። ብጠመንጃ እናመፀካ ብሰላም ትልምኖ እሞ እንድሕር ዘይምለስ ኮይኑ እነለመንካ እነተወቓዕኻ ኣይትቕመጥን፤ ግብረ መልሲ ክትህብ ግድን እዩ። ብስሩ ግን ብሰላማዊ መንገዲ ክሳብ መወዳእታ ምኻድ እዩ ዝጠቅም። ሓይሊ ስለ ዘለካ እናርከብካ ምውቃዕ ኣይጠቅምን።

ዉራይና፦ ሐዚ መንግስቲ ኤርትራ ባዕሉ ክዓኑ ስለዝተቓረበስ ምስኡ ምትዕራቕ ንምንታይ የድሊ? ባዕሉ ዘይፈርስ ዝብሉ እንሀዉ። ሪኢቶኻ እንታይ እዩ?

ኣቶ ሙሉጌታ፦ ኣነ ሓንቲ ናይ ሰላም ሰሙን እዉን ትኹን ተድሊ እያ ትጠቅም እያ እየ ዝብል። ማለትስ ንዓመታ ይዓኑ እዩ ናይ ኢሳያስ መንግስቲ ዝብል እምነት ዘለዎም ሰባት እንተኾይኖም ንኣብነት እታ ሐዚ ዝበልካያ ዘልዕሉ ዘለዉ ሰባት ኣይኮነን ንዓመታ ዋላ ድሕሪ ሰሙንስ እንተኾነ እታ ሰሙን ሰላም ኮንካ ምፅናሕ እሞ ምስቲ ህዝቢ ኤርትራ ዝመረፆ ሓዱሽ መንግስቲ ከዓ ኣፀናኺርካ ምኻድ ዶ ኣይሕሽን? ነሃተይ ሓሳብ ይሓየሽ እዩ ዝብል እዩ።

ዉራይና፦ ናይ ሶማልያ ኩነታት ከ ኣብ ምንታይ እዩ ዝኒሀ? ንቕድሚት ከ እንታይ እዩ ክኾን ዝኽእል?

ኣቶ ሙሉጌታ፦ እነሓሸ ዝከድ ዘሎ እዩ ዝመስለኒ። ካብ ቅድሚ ዓሚ ዓሚ ካብዓሚ ድማ ለሚዘበን ይሓይሽ። ኣልሸባብ ዋላ መለኡ ኣይጥፋእ እምበር ተዳኺሙ እዩ። እቲ ፌደራል መንግስቲ ምስቶም ናይ ክልል ምንግስቲታት ምዝርራብ ጀሚሩ እኒሀ። ኣየናይ እዩ ፌደራል ኣየናይ እዩ ክልል ዝብል፤ እቲ ስረዓት ከ እንታይ ይኹን? ዝብል ምዝርራባት እኒሀ።

ፑንት ላንድ ሓዱሽ መራሒ ብሰላመዊ ምንገዲ መሪፃ እኒሃ። ዝሓሸ ምርግጋዕ እኒሀ ኣብኡ። ብዙሓት ሶማልያውያን ምምላስ ጀሚሮም እኒሀው። ዓዲ እኒሀና ክብሉ ጀሚሮም።

ዉራይና፦ ኣብ ቀረባ ደቡብ ሱዳን ናብ ውሽጣዊ ጎንፂ ኣትያ ኣላ። መበገሲ እቲ ጎንፂ እንታይ እዩ?

ኣቶ ሙሉጌታ፦ ግርም ኣነ ዝመስለኒ መንግስቲ ናይ ምስራሕ ከይዲ እዩ። ደቡብ ሱዳን መንግስቲ ኮይኖም ኣይፈልጡን። ኣብትሕቲ ካልእ መንግስቲ ካብ ካርቱም ዝእዝዝ መንግስቲ እዮም ነይሮም። ንሳቶም ድማ ንዓኣቶም ብዝጥዕሞም መንገዲ ጥራሐ እዮም ዝገዝእዎም ነይሮም።

ነነዊሕ እዋን ዝተካየደ ናይ ነፃነት ምንቅስቓስ እውን ዝተወደበ መንግስታዊ መልክዕ ዘለዎ ኣይነበረነ። ውግእ እንትህሉ ዝእከብ እንተዘየለ ዝብተን እዩ ነይሩ። ስለ ዚ ናይ መንግስቲ ልምዲ ኣይነበሮምን። ኣብቲ ንምድላው ዝተዋሃቦም ሓሙሽተ ዓመታት እውን ብዛሽባ ምግንፃሎም እምበር ከመይ መንግስቲ ንሰርሕ ዝብል ዝተለማመዱ ኣይመስለኒን። ነፀነቶም ሪኺቦም ንባዕሎም ቀልጢፎም ናብ ጥንኩር መንግስትነት ኣይተሰጋገሩን፤ እቲ ከይዲ ምስራሕ ሀገር ኣይተመለአን። እዙይ ዝወለዶ ስልጣን ብዝብል ቀጥታዊ ምኽንያት ብጉጅለ ተኸፋፊሎም ናብ ዕግርግር ኣትዮም።

ዉራይና፦ ከመይ ክፍታሕ ይኽእል? ግደ ኢትዮጵያ ኸ እንታይ ክኾን ይኽእል?

ኣቶ ሙሉጌታ፦ እቲ ፀገም ካብ መበገሲኡ ኣፅኒዕኻ ክዘራረብሉ ምግባር እዩ። ኢትዮጵያ ዋና መተዓረቒት እንድያ ዝኒሃ፤ ተዘራርብ እያ ዘላ። ግልፅን ዝተዋደደን ስራሕ እያ ትሰርሕ ዘላ። ተሰማዕነት ከኣ ስለ ዘለዋ ዓብዪ ግደ ክትፃወት እያ ዝብል እምነት ኣለኒ።

ዉራይና፦ ብድምር ኢትዮጵያ ኣብዚ ዞባ ዘለዋግደ እንታይ ይመስል? ወይ እንታይ እዩ ክመስል ዝኽእል?

ኣቶ ሙሉጌታ፦ ኢትዮጵያ ሐዚ ንሱዳን፣ ጅቡቲ፣ ኬንያ …ሓይሊ ኤለክትሪክ ምሃብ ጀሚራ እኒሃ። ብኬንያ ናብ ኢትዮፕያ ብኡ ናብ ደቡብ ሱዳን ዝኣቱ ዝስራሕ(ዝተፈረመሉ) ነዊሕ መንገድን መተሓላለፊ ነዳዲን እኒሀ። ምስ ጅቡቲ ብዙሕ ምትእስሳር ኣሎ።እዙይ ዓብዪ መርኣያ ኢኮነምያዊ ምትእስሳር እዩ።

ፖሊሲ ጉዳየ ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣበ ናይ ሃገር መሰረታዊ ጥቕሚ ዝተመሰረተ እዩ። ንኢትዮጵያ ብዝፈጥሮ ልምዓት ዝዕቀን እዩ። ንዙይ ተግባራዊ ምግባር እዩ ካብ ምንግስቲ ዝድለ። ካልኦተን ድማ ንዙይ ከም መርኣያ ምውሳድ።

**********

Wurayna Magazine

more recommended stories