ኣዶ ተጋዳላይ ስየ ኣብረሃ ብ1989 ዝሃበኦ ቃለመጠይቕ

<<ናይ ቀደሙ’ዩ እንድሕር ኮርዩ ንድድ ኢሉ ይዛረብ’ዩ ስኽ ኣይብልን። ኽኢላ’ዩ ብዙሕ እዋን ኣይዛረብን እምበይ ኽኢላ’ዩ ብቖልዕኡ ኣትሒዙሲ ዘረባስ ህድእ ኢሉ ሓሲቡ’ዩ ዘውግዕ እንድሕሪ ተናዲዱ ግን ዋእ ኢድ’ውን ወጥ የብል’ዩ ነይሩ>>

[ኣደይ ኣልጋነሽ በላይ (ኣዶ ተጋዳላይ ስየ ኣብረሃ) ብ1989 ዓ/ም ንመፂሄት ኣሰር ካብ ዝሃበኦ ቃለመጠይቕ ዝተወሰደ።]

ሕቶ፦ ክንደይ ወሊደን ስየ መበል ክንደይ ውላደን’ዩ፡፡ Seeye Abraha

ማማ ኣልጋነሽ፦ ምስ ዝሞቱ ምስ ዘለው 9 ቖልዑ ወሊደ፡፡ሕዚ ሽዱሽተ ኣለውኒ፡፡ሓደ ደርጊ ቃቲልዎ ክልቲኦም ድማ ብእግዝኣብሄር ሞይቶም ሰሃለ/ስየ/ካልኣይ ውላደይ’ዩ፡፡ቦኽረይ ገ/ስላሴ እቲ ደርጊ ዝቐተሎ’ዩ፡፡

ሕቶ፦ ስየ ብቖልዕኡ ፀባዩ ከመይ ነይሩ?

ማማ ኣልጋነሽ፦ እናሳሓቓ ፅቡቕ ነይሩ፡፡ኣይዛርብን’ውን ኣቡኡ ንዕዑ’ዮም ዝፎትይዎ ነይሮም ተባኢሱ’ውን ኣይፈልጥን ኣሰፋ’ዩ ሕይል ዝበለ ‘ምበር ንሱ መልኣኽ’ዩ ብቖልዕዑ ኣትሒዙ ተባኢሱ ተዛሪቡ ኣይፈልጥን ብዝ ኾነ ይጎዩ ቀደሙ ንዕኡ ኢሉ ፈጢርዎ ንውግእ ንመንገዲ ግዲ ይትኩስ’ምበር ባእሲ ምስ ሰብ የብሉን፡፡

ሕቶ፦ ንምንታይ’ዩ ብፍላይ ዝፍትውዎ ንስየ?

ማማ ኣልጋነሽ፦ ፀባዩ ፅቡቕ ኾይኑ ለባም ዩ ህድእ ኢሉ’ዩ ዘውግዖም ከም ቖልዓ መጠን’ውን ሓፍ ዓጠቅ ኢሉ ኣይዛረብን ምስኩሉ ስምምዕ’ዩ በዚ’ውን ንዕኡ ይፎትውዎ ነይሮም፡፡ ሕልፊ መሲሉ….

ሕቶ፦ ንሰን ከ?

ማማ ኣልጋነሽ፦ ኣነ ንገ/ስላሴ እየ ዝፎቱ ኣውራ እቲ ወደይ መልኣክ’ዩ ነይሩ፤ ንንኡ ይፎቱ ሰሃለ ኣብኡ’ዩ ዝፎቱ ኣይምለኸለይ ንዓይ ፈጠጥ’ዩ ዝብል ኣነ ግን ንቲ ዝሞተ እየ ዝፎቱ ኔረ፡፡

ሕቶ፦ ስየ ብቖልዕዑ እንታይ ይፎቱ እንታይ ኸ ይፀልእ ነይሩ?

ማማ ኣልጋነሽ፦ ትምህርቲ ክመሃር ከፅንዕ’ምበር ኣብ ማሕረስ ከይዱ ኣይሓርስን ነይሩ፡፡ ብዘይካ’ዙይ ምስ ኩሉ ስምምዕ’ዩ ዝጠመየ ኣፉ ሓዲጉ ይህብ። ዝዓረቐ ‘ውን ጥራሕ ዝባኑ ወፂኡ ሂቡ ይመፅእ። ምስ ሰብ ኣይበኣስን፤ ፀባዩ ፅቡቕ’ዩ፤ ክሳዕ ምሸት ኣብኡለ ፀባዮም ኩሎም ፅቡቕ’ዮም ንዓይ እቲ ዓብዪ ዝሞተ እዃ ይበልፅ ነይሩ ግን ኣውራ ኣውራ ንሶም ዝፊትው ንሰሃለ /ንስየ/ዩ ጅግና’ዩ፤ ዘረብኡ’ውን ቁልፊ’ዩ ነይሩ። ቀደም ብቖልዕኡ በዚ ንዕኡ ይፎትውዎ ነይሮም ኣቡኡ፡፡

ሕቶ፦ ካብ ብቖልዕኡ ጀሚሩ ተዛራባይ ድዩ ነይሩ?

ማማ ኣልጋነሽ፦ ህድእ’ዩ’ምበር እወ ይዛረብ፤ የዋግዖም። ቅመም’ዩ ኮፍ ኢሉ’ዩ ዘዋግዖም ከም ዓብይ፡፡

ሕቶ፦ እስቲ ስየ ብቖልዕኡ ካብ ዝተዛረቦም ዘረባታት ክሳብ ሕዚ ዘይርስዕኦ ይግለፃለይ?

ማማ ኣልጋነሽ፦ እንድዒ ረሲዐዮ እየ እኒኣኹ’ምበር ቁሩብ ዘኪረን ኣቑሑ ክወስዳ ንዝመፃ ጎረባብቲ ሳህለ ወደይ ኢዚኣዶ ክወስዳ ይብልኦ ዋይ መላገፂ እዩ ዝብል፤ ኣይህብን፤ ገንዘብ እማቱ’ውን ኣይደልን፤ ገንዘቡ’ውን ኣይህብን፤ መላገፂዶ በለ ሰሃለ ይብላኣቶ ጎረባብቲ፡፡

ሕቶ፦ ካብ ዝሰርሓ ዝዝክርኣ ኸ?

ማማ ኣልጋነሽ፦ እንታይ ናይ ሰሃለ ስራሕ ትምህርቲ’ዩ እምበይ፤ ምህሮ ይመሃር ተማሂሩ ምስ ኣቡኡ’ዩ ኣውግዕ ዝውዕል እምበይ ሓደ ሓደ መዓልቲ ኮስኩስ ኢሎም ናብ ኣታኽልቲ ይሰድዎ ኣብ እግሪ ፅላል ደፍተሩ ሒዙ ይውዕል እቶም ኣሕዋቱ’ውን ይፎትውዎ’ዮም ናቱ ዝነበረ ንሳቶም ይኹስኩስሉ

ሕቶ፦ ስየ ወደን ንዝኾነ ዘረባ ቶግ ኣቢሉ ብግልፂ ይዛረብ’ዩ ይብልዋቶ ገለ ሰባት እዚ ፀባይ እዚ እነተልይዎ ናይ ሎሚ ድዩ ናይ ቀደም ፀባዩ?

ማማ ኣልጋነሽ፦ ናይ ቀደሙ’ዩ እንድሕር ኮርዩ ንድድ ኢሉ ይዛረብ’ዩ ስኽ ኣይብልን። ኽኢላ’ዩ ብዙሕ እዋን ኣይዛረብን እምበይ ኽኢላ’ዩ ብቖልዕኡ ኣትሒዙሲ ዘረባስ ህድእ ኢሉ ሓሲቡ’ዩ ዘውግዕ እንድሕሪ ተናዲዱ ግን ዋእ ኢድ’ውን ወጥ የብል’ዩ ነይሩ

/እናሳሓቓ ኣስሒቐናና/

ሕቶ፦ ሕዚኻ ኣብ ዝለዓለ ሓላፍነት ከምዘሎ ሰብ ድየን ዝቐርበኦ ወይስ ከምውሉደን?

ማማ ኣልጋነሽ፦ ብዙሕ ኣይስከፎን ከምወደይ ጌረ እየ ዘውግዖ ኣይሓፍሮን ንምታይኸ ይሓፍሮ እንታይ ክበግረኒ ፍዩ? ሸምባይ ንእኡስ ንኣኹምስ ከሓፍረኩም ድየ?ሽምባይ ካብ ኸብደይ ዘውፃኽዎ ንእኡ ኣነ ንኹለኹም ኣይፈርሕን፡፡

ሕቶ፦ ስየ ብቖልዕኡ እንተሎ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝነበረ ስርዓት ፅልኣቱ ብኸመይ ይገልፀልኻትኩም ነይሩ?

ማማ ኣልጋነሽ፦ ኣነ ከም መጠን ውሉደይ ጡዑይ ፀብሒ ጣይታ ጌረ የቕርበሎም እየ ንቶም ደቀይ ኣድልው የብል ካብቲ ሰራሕተኛ ሰብ ንሱ ግን እቲ ዝሃብክዎ እንጀራ ሓዊሱ ምስቶም ሓረስቶት ይበልዕ። ወዮ ኣብ ትምህርቲ ነይሮም ስለዝመፁ ክረምቲ ናባና ኣንታ ንሳቶም ኣጋውሽ’ዮም ንስኻትኩም ግን ኣብ ገዛ ነበርቲ ስለዝኾንኩም ኣይትቀየምዎም። ኣንቱም ደቀይ ቅድሚኹም እንጀራ እንኦም ስለዝናፍቁስ ቖላሕ ኣይትበልዎም ይብሎም ንቶም ኣብ ገዛ ዘለው ዘዕበኹዎም ደኻትም ነይሮም፡፡ ኣይንብሎምን ንሕና ዘግነና እንበልዕ ምዑጎና ሽሮና እንበልዕ ብልዑ ንስኻትኩም ኢሎምዶ ይኣብይዎም ኣይንበልዕን ኢሉ ግን ግልብጥ ኣቢሉ ምስኦም ይበልዕ፤ ኣነ’ውን ምስኣቶም ይብልዑ ኢለ ብድሕሪኡ…

ሕቶ፦ ካሊእ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝነበረ ስርዓት ተወሳኺ ከም መግለፂ ፅልኣቱ ዝዝክርኦ ኸ?

ማማ ኣልጋነሽ፦ ሰብ ውድሰብ ሓደ’ዩ ሕልፊ እንጀራ በሊዕናስ እንታይ ክገብረልና ኢሉ እቶም ኣሓትና ምሳና ዝተፈጠሩ’ዮም ንሕና ኣቦ ኣልዮምና ንሳቶም ኣቦታቶም ሞይቶም ደኻትም ኮይኖም ስለናባና ዝጠበቑ ንሕና ንበይንና ክንበልዕ የብልናን ግደፊ ኣይተዳልይ ብሓደ ኢና ንበልዕ ይብለኒ ቃተኛውን እንተኾነ ንእሽተይ እድሕር ሂበዮ ንብኩሎም እናዘረ ኣኮልስ ኣቢሉ ኣጋ መጨረሻ ሓንቲ ኩላሶ ይበልዕ እዚኣ እክልቲ’ያ ምስ ኣሕዋትና ኣብ ዝኸድናዮ እንጀራ ኣይንስእንን ይብል

ሕቶ፦ ስየ ወደን ንበረኻ ምስ ወፀስ እንታይ በላ?

ማማ ኣልጋነሽ፦ ዓቢደ ኔረ፡፡ መጀመሪያ ጥሪ ይመፅእ፡፡ እንታይ ክትገብር መፃእኻ ንብሎ “ዘመቻ እናትብሃለ” ይብሎ ንኣቡኡ እንታይ ዳኣ ክትገብር ኣብዚ ይብልዎ ሓሪሰ ክበልዕ ምስ ኣቦይ እየ መፂአ ንስኻስ ናይ ኢደይ ናይ እግረይ በጢሰ ኣምሂረካስ ክትሓርስ ኪድ ኣብታ ዝነበርካያ ኢሎም ይኹርይዎ፡፡እሺ ኢሉ ይቕኒ ሰለስተ ርእሱ’ዩ መጀመርያ ዝመፀ ካብ ኣዲስ ኣበባ፡፡

ኣነ ግን እንታይ ግበር ይብልዎ ኣለው’ዮም ሓሪሰ ክበልዕ እንተበለስ እንታይ ገበረ እዚ ቖልዓ ይብል ንሶም ተፈሊጥዎም ግዲ ነይሩ ኣይተቀበሉንን፡፡ኣብ ሞንጎኡ ጥዕና ስኢነ ኢሉ ለካ እዚ ሕብረት ነይርዎ ግዲ ክማኽረሉ ናብ ዓብይ ዓዲ ይኸይድ፡፡/ካብ ዓዲ ኣሓ/ኣብኡ ይቐኒ ስርሑ ምስኣካየደ ይምለስ፡፡ድሕሪኡ ኢድኹም እግርኹም ትቅንጠቡ ኣለኹም ተባሂሉ እንትእወጅ ኣቡኡ ይሰምዑ ኣለው ኪድ ተምሃር ኢሎም ይሰድዎም በሪሩ ኸደ ብድሕሪኡ ኣይተመለሰናን፡፡ጠፊኡ፡፡

ጥሪ ዝኸደስ ሰነ ኣሎያ ዓድዋ ተብሃለ፡፡ኣነ’ውን ክሕከም እየ ኢለ ምስከድኩ ካብ ዓብይ ዓዲ ብዓባይ መኪና ጠፊአ ደድሕሪኡ ክደሊ ኸይደኔረ፡፡ ነይሩስ ከይዱ፡፡ብዙሓት ደቂ ሸውዓተ ሸሞንተ ዝኾኑ ደኾነይ ነይሮም ምስኡ ሽዑ እንደደኣ መምፃኺ ኣላ ኣብ ዓድዋ ዝነበረት ሓፍተይ ትኹርየኒ፡፡ሕዚኣፍኺ ሓዚ ኩልና ከይንሰር ኣብ ዝኸድዎ ኣይተፈለጠን ብዙሓት’ዮም ትብለኒ፡፡ንኣያ ዜናዊ ትፅውዖ /ኣቡ ንመለስ/ ሃለቃ ኣባይ’ውን ነይሩ ሓውና ወዱ ዝኸዶ፡፡ብሓባር ምሸት ይመፁ ተራኺቦም፡፡

ብድሕሪኡ ኣያ ዜናዊ እንታይ ግበሪ ኢኺ ትብልያ ዘለኺ እታ ድኻ ቖልዓ ግዜ ዘምፅኦስ ግዜ የውፀኣዮ እምበይ መዓዝ በይኑ ኮይኑ እቲ ዕቡድ ወደይስ ነይሩ፡፡እንድዩ ምስኡ ደቅመን ዶኾን ደቅመን ዶኾን ነይሮም ምፂድናዮም ኣብዮምና ሕዚ ግን ሽረ ዓዲ ዳዕሮ ዳኣኾኑ፡እንድዩ ምስኡ ደቅመን ዶኾን ደቅመን ዶኾን ነይሮም ምፂድናዮም ኣብዮምና ሕዚ ግን ሽረ ዓዲ ዳዕሮ ዳኣኾኑይ እኒህው ዝበሃል ዘለው ናበይ ከ ከይዶም መሲልኪ’ዩ ትጭነቂ ዘለኺ ኣለው’ዮም ይብለኒ፡፡እንድሕር እኒህው በልካኒ ናብታ ዘለውዋ ውስደኒ ኢለ የጭንቐሉ፡፡ክትእስርኒ ድኺ ደሊኺ? ንባዕልኺ’ውን ኣብኡ ክትጠፍኢ ዲኺ ደሊኺ? ከይትጭነቒ ኢለ ይጠየኪ ኣለኹስ ተገምጢልኪ ውሰደኒ ክትብልኒ? ኣነ ንባዕለይ ባዓቲ ደጊፈ እናሓደርኩስ ናበይ እየ ዝወስደኪ ኡሉኒ፡፡

መኮነን ዝበሃል ንእሽተይ ሓወይ ኣነ ክኸድ ጠይቐዮም ክመፅእ ሪኣዮም ክመፅእ እሞ ንስኺ ፅንሕኒ ይብለኒ፡፡ድንቂ ኢለ ኣዐሽዮምንስ ክኾን ናይ እማኖምስ ክኾኑ ኣሳፊሮም ይሰድዎ፡፡ኣነ’ውን ካብ ኣኽስም ተመሊሰ መፃእኹ፡፡ብድሕሪኡ ቀነኹ ክሳብ ዝመፅእ’ውን ኣይቀነኹን ጠፊአ ኸድኹ ንሽረ፡፡ካብኡ እታ ሓፍተይ ምስ ኣያ ዜናዊ ስዒቦም ሒዞምኒ ይምለሱ ኣዐሽዮም፡፡እዚ ሓወይ’ውን ሕዚ ኸይዶም’ዮም እንታይ ክትገብሪ ኢኺ ሰብ ትህውኺ ኢሉ ተማኺሮም ሒዞምኒ ይመፁ ንዓድዋ ካብ ዓድዋ ኻዓ ገዛይ /ዓዲ ኣሓ/ ኣብፂሕኒ ኸይዱ፡፡እቲ ወዲ ሓው ኣቦይ፡፡
***********

Content gathered and compiled from online and offline media by Hornaffairs staff based on relevance and interest to the Horn of Africa.

more recommended stories