ሓባእ ቑስሉ ፈውሲ ኣይረክብን

(ተወልደብርሃን ክፍለ ([email protected])

መሓሪ ዮሃንስ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዓይጋ ፎረም “ውሽጠ ዲሞክራሲ፣ ተጠርናፊነት፣ ገምጋምን ወያናይ ባህሪ ተጋዳላይ ህወሓትን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ፅሑፍ ኣዝዮም ኣገደስቲ ዝኾኑ ዛዕባታት ተወኪሱና። መሓሪ ኣብ ዘልዓሎም ሓሳባት ብወሳናይ መልክዑ ስለዝሰማማዕ ናይ ፅሑፈይ ትኹረት ነዚ ብዘጠናኽርን ግን ድማ ኣብዘይተልዓሉ ዛዕባታትን ብምድራኽ ንቐፃላይ ልዝብ መበገሲ ዝኾኑ ነጥብታት ኣብ ምቕራብ ዘድሃበት ክትከውን እያ።

ናይ’ዛ ፅሕፍቲ እዚኣ ዕላማ ዓወታት ህወሓት ምጉዋሕ ኣይኮነን። ስለምንታይ’ሲ ህወሓት ኣብ መዋእላ ዘመዝገበቶም ዓወታት ንፈተውታ ብዘየማትእ መንገዲ ብሩህ እንትኸውን ቃልስናን ዓወትናን ምስ ባህግታቶም ዝፃባእ ንዝመስሎም ሓይልታት ከኣ ዝተብሃለ እንተተብሃለ ፀባን ፀሊም ማዓርን መሪር ካብ ዝብል ዘይምኽኑይ መርገፂኦም ንኻልኢት’ውን እንተኾነ ፈተኽ ዘይብሉ ብምዃኖም እዩ። ስለዝኾነ እዛ ፅሕፍቲ በቐንዱ ሃለዋትን ቀፃልነትን ውድብና ህወሓት ንዘገድሶም ሰባት ትምልከት።

ህወሓት መበል 39 ዓመት ውልደታ እንትፅምበል ኣብ ከመይ ዘበለ ኩነታት ከምዘላ ኣብ ባይታ ብዘለው ወድዓዊያን መርኣያታት ብምምርኳስ ምፍታሽ ንጽባሕ ዝባሃል ዛዕባ ኣይኮነን። ኣመራርሓ ህወሓት ኣብ ውሽጣዊ ገምጋማቱ ንነብሱ ከመይ ይመዝን ዝብል ኣፍልጦ የብለይን። ብወግዓዊ መግለጺታቱ ግን ንሃለዋት ውድብን መንግስትን ኣብ ሓደጋ ዘእትዉ ርኡያት ፀገማት በመሰረቱ የለውን ዝብል እዩ ። እቶም ኣብ ምሕደራን ግዕዝይናን ኣለው ዝባሃሉ ሕርኽራኻት’ውን ኣምሪሩ ይቃልሶም ከምዘሎን ውዒሉ ሓዲሩ ከኣ ብዘየላጢ መስርሕ ፍታሕ ከምዝረኽበሎምን ይገልፅ። እንተኾነ ግና ኣብ ባይታ ዘለዉ ወድዓውያን ሓቅታት ምስቱ ዝግለፅ ቁዋም ኣመራርሓ ህወሓት ዝሳነዩ ኣይኮኑን። ገና ብዕሸላ ብኹሉ ኣንፈታት ኣንፃራ ንዝቐንዑ ሽርሒታትን ተፃብኦታትን ብዘገርም ኩነት በዲሃ እንትተብቅዕ ኣብ መድረኽ ሰላምን ልምዓትን ከምቲ ባህጊን ትፅቢትን ህዝቢ ትግራይን ፈተውቱን ንቕድሚት ክትምርሽ ዘይከኣለትሉ ምኽንያት ብግልፅን ሓላፍነት ብዝተመልኦን ኣገባብ ፀሓይ ከወቕዖ እንተዘይጌርና ናይ ታሪኽ ተሓተትቲ ካብ ምዃን ዘናግፋና ሓይሊ የለን።

1. ገምጋም ከም ውድብን መንግስትን

ኣብ እዋን ዕጥቃዊ ቃልሲ ገምጋም ቀንዲ መፍትሒ ኣታኣላልያ ውሽጣዊ ኣፈላላያትን ጎንጽታትን ኮይኑ መተካእታ ዘይብሉ ተራ ተጻዊቱ እዩ። ህወሓት ኣብቲ ግዜ እቲ ቃልሲ ጀሚረን እሞ ዘይተሳኸዐለን ኣብዛሓ ውድባት ብፍላይ ነዚ ገምጋማዊ መስርሕ ግብራዊ ብምግባራ ቃልስና ክዕወት ካብ ምስላጥ ሓሊፉ ካልኦት ውድባት ካብዝፈፀሙዎም ውሽጣዊ ጎነፃት ብሓይሊ ናይ ምፍታሕ ከበድቲ ታሪኻዊ ስሕተታት ብወሳናይ መልክዑ ክትዕቀብ ኣኽኢሉዋ እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ። ስለዝኾነ ከኣ ብረታዊ ቃልስና ውፅኢታዊ ጥራሕ ዘይኮነስ ብቕንዕና ካብ ዝተሳለጡ ቃልስታት ዓለም ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ ይገብሮ።

እዞም እወንታዊ ጐንታት ገምጋም ግን ከም ፈጻሚኦም ውፅኢቶም ይፈላለ ከምዝነበረ ኣይክሓድን። ተጋደልቲ ብቅንዕና ንውድቦም ጠቐምቲ ዝመስሉዎም ፍልይ ዝበሉ ሓሳባት ምስ ዝሕዙ ፖለቲካዊ ጥቕዓታት ይበጽሖም። ብብቕዓቶም ክበጽሕዎ ዝግብእ ዝነበረ ብርኪ ሓላፍነት ይንፈጎም። ብኣንጻሩ ድማ ኣብ በብብርኩ ዝነበረ ኣመራርሓ ዝብሎ ዝደግሙ ዓቕሞም ካብ ዘፍቅደሎም ንላዕሊ ክውንጥሑ ይግበር ነይሩ።

እንተኾነ ግና ኣብ ዕጥቃዊ ቓልሲ ዝለዓለ ሓላፍነት ማለት ዝያዳ ኣበርክቶን ውፍይነትን ተጌሩ ስለዝውሰድ ኩሉ ተጋዳላይ ውልቃዊ ስምዒቱ ብዘየገድስ ኣብ ዘዝተመደቦ ዓውደ-ስራሕ ብዕቱብ ይነጥፍ ነይሩ። ብግብሪውን ኣብ መንጎ ኣመራርሓን ታሕተዋይ ኣባልን እዙይ ዝበሃል ናይ መነባብሮ ይኹን ካልእ ባህጊ ኣፈላላይ ኣይነበረን። ስለዝኾነ’ውን ዓቕምኻ ዝምጥን ሓላፍነት ምርካብን ዘይምርካብን ቐንዲ ውራይ ኮይኑ ኣይፈልጥን። እዚ ብምዃኑ ከኣ ብተዛማዲ ገምጋማት ብቕንዕና ይሳለጡ ነይሮም። ኣባላትውን ድኽመታት ነቒሶም ብምውፃእ ምስትያት ውድቦም ኮይኖም ኣገልጊሎም። እቲ መሪሕነት’ውን እንተኾነ በብእዋኑ ዘጋጥሙ ንዝነበሩ ብድሆታት ቀዲሙ ብምእማት ውሕሉል ክባሃል ዝካኣል ኣመራርሓ ይህብ። እዙይ ክገብር ምስ ዘይኽእልን ፀገማት ምስ ዘጓንፉን ከኣ ቀዲሙ ሓላፍነት ይወስድ፣ ነብሱ ይነቅፍ ፤ በኣባላት ንዝቐርቡ ነቐፌታታትውን ተጊሁ ናይ ምቕባል ባህሪታት ዝተላበሰ ነይሩ። እሞ እዚ ሓቂ እዙይ መንግስቲ ኮይንካ ክድገም’ዶ ይካኣል?

እቱ መልሲ ከም ምሕታቱ ቀሊል ኣይኮነን። ግን ካልኦት ዝመስሎም ክሳብ ዝውስኹ ናዓይ ዝመስለኒ ወስ ከብል:: ብውልቀይ ክሳብ ሐዚ ብዘለኒ ኣፍልጦ እዚ ኣብ በረኻ ዘገልገለ መስርሕ ገምጋም መንግስቲ ምስትኾን መሊሱ ዘገልግል ኣይኮነን ባሃላይ እየ። እቲ ኣብ በረኻ ዝነበረ ኩነታት መንግስቲ ምስትኾን ተለዊጡ እዩ። ኣብ በረኻ እቶም ዕዮታት ብወሳናይነት ግልፂ፣ ዘይተሓላለኹ ፣ብተዛማዲ ሓደ ተጋዳላይ ወይ ከኣ ጉጀሉ ዝሰርሖ ብቐረባ ዝፍለጥ ስለዝኾነ ከኣ ናይ ተጋደልትና ዕለታዊ ምንቅስቓሳት ብቐሊሉ ዝግመት ምስቱ ቅንዕናኦም ሓዊስካ ንምሕደራ ኣዝዩ ምችዊ ሃዋህው እዩ ነይሩ:: ውልቃዊ ናብራ ዘይፈልጥ፣ ምስ ቤተሰቡ ዝኣስሮ ክሪ ዝበተኸ፣ ቤተሰቡ ቃልስን ቃልስን ጥራሕ ዝገበረ፣ ሎሚ ይሰዋእ ፅባሕ ዘይፈልጥ ፣ እንተፈለጠውን ዘይግዳሹ፣ ሕዝሎን እንጥልጥሎን ዝጸልእ ፣ ልዕሊ ኩሉ ድማ ሃስያ-ፍትሒ ዘይጻወር ሓይሊ’ዩ ነይሩ ተጋዳላይ ህወሓት። ሽግራት ካብ ከምዚ ዝዓይነቱ ሓይሊ ካብ ክስወሩ ግመል ብቐዳድ ምርፍእ ክትሰሉኽ ይቐልል።

መንግስታዊ ቑዋም ምስትሕዝ እዞም ዝተገለጹ ረብሓታት ብዘይ ምንም ቅድመ ኩነት ትስእን። መንግስታዊ ዕዮታት ብተነጻጻሪ ርሕቐትን ናጽነትን ይሳለጡ ጥራሕ ዘይኮነስ ግዕዙይ ባህሊ ዝወረሰ ስርቅን ምውቕቓዕን ዝብህግ ሓይሊ ዝዓረደሎም’ዮም። መብዛሕትኦም ዕዮታት ፍሉይ ክእለትን ገዚፍ ሃገራዊ ሃፍቲን ዝጠልቡ፣ ንሽርሒ ዘይልምዓታዊ ሓይልታት ዝተቓልዑ እዮም። ከምዙይ ዝዓይነቱ ስርዓተ-ምሕደራ ኣብ ግሉጽ ጥዕና ፈጸምቲ ዝምስረት ገምጋም ብምክያድ ብውፅኢት ዝሳለጥ ኣይኮነን:: ትካላዊ ተሓታትነት ዝማእኸሉ ኩለንተናዊ አሰራርሓ ምስ ዝትግበር’ዩ ዝበለፀ ውጽኢት ዝርከብ:: በቲ ልሙድ መስርሕ ብዓይኒ-ዕሙት ምምራሽ ግን ተወሳኺ ሃገራዊ ሃፍቲ ዝህሙኽ መስርሕ ካብ ምዃን ሓሊፉ እቱ ዝጥለብ ረብሓ አየምፅእን።

ድሑር መንግስታዊ መሓውርን ሓዱሽ ከባቢን ናብራ ዘይምንታዩ ዝነበረ ተጋዳላይ ሓዱሽ ሂወት ክለምድ ግድን ጌሩዎ። ጎጆ ቐሊሱ እቲ ዝተበትከ ቤተሰባዊ ቀይዲ ዳግም ተኣሲሩ። ናይ መሲልካ ምንባር ሓዱሽ ጥበብ ተማሂሩ:: “ኣይፈልጥን” ሓንቲ “እፈልጥ’የ” ምባል ግን መዘዛ ብዙሕ ምዃና ተረዲኡ:: ኣብ ዕለታዊ ልኡኽቶኡ ይኹን በብግዜኡ ኣብ ዝሳለጡ ገምጋማት ወስ ዘብለን ሓቅታት ናብራ ዓርሱን ደቁን ዝውስና ኮይነን። እቲ ከም ናይ ለውጢ ኮር ኮይኑ ከገልግል ዝተተስፈወሉ ሓይሊ ወይ ብዝተፈላለዩ ሜላታት ካብ ፅዋታ ወፃእ ይግበር ወይ ከኣ ባዕሉ ተዋሳኢ ብምዃን ካብ ጸላኢ ዘይንእስ ጉድኣት የብፅሕ:: ሽግራት ጎርጕረን ብምውፃእ ሙስናን ግዕዙይ ምሕደራን ክዋጋኣ ዝግበኧን መራኽብቲ ሓፋሽ እኳ መንግስትን ውድብን ፈፂምናዮም ዝብልዎም ነገራት እናመላለሳ ካብ ምጓሕ ዝተፈለየ ኣብርክቶ ኣይሃባን። ክህባ ስለዘይነበረንን ስለዘይኽእላን ግን ኣይኮነን።ኣመራርሓ ህወሓት እቲ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝፈጠሮ ጥጡሕ ባይታ ተጠቒሙ ዝበረኸን ምዕሩይን ምሕደራ ከውሕስ ንምንታይ ክምዘይተኽኣሎ ካብ ዝውስኑ ቐንዲ ንጥብታት እምብኣር እቲ ሓደ በብግዚኡ ዝሳለጡ ገምጋማት ዘይሓቃዊ ካብ ምዃኖም ሓሊፉ ኣብ ዓርሰ-ናእዳ (Self-congratulation) ዘድሃቡ ምዃኖምውን’ዩ:: ዓርሰ-ሙገሳ ቐንዲ ሕማም መሪሕነት ህወሓት ካብ ዝኾን ነዊሕ ጊዜ ሒዙ’ሎ:: ብዝኾነ ይኹን ዋጋ ዓርሰ-ሙገሳ ክዘንበሉ ዝጠልብ መሪሕነት ፀገማት ብቕንዕና ከፈትሕ ዘኽእልዎ ኣምራት ዝተመንጥለ’ዩ:: ስለዝኾነ ከኣ ገምጋም ኣብቲ በረኻ ዝነበሮ ውፅኢትን ትርጉምን ስሒቱ ፍልይ ዝበለ ሓሳባት ዘመንጭዉ ውልቀ-ሰባት ዝዳኽምሉ ብኣንፃሩ ከኣ ዓቕሚ ዘይብሎም ምስሉያት ቁልፊ ቦታታት ውድብን መንግስትን ክቋናጠጡ ዕድል ፈጢሩ።

2. ቀንዲ ፀላኢ ብዕሊ ዘይምልላይ

ህወሓት ካብ ካልኦት መድሐርሓርቲ ውድባት ዝፈልያ ካልእ ባእታ ቐፃሊ ጥዕናኣ ዝውሰን ብውሽጣዊ ጥንካረኣን ፅሬት መስመራን ምዃኑ ብዘየማትእ ኩነት ግልፂ ጌራ ኣባላታ ክትመርሕን ክተቃልስን ምኽኣላ እዩ። ግዳማዊ ተፃብኦታት ሃጥ እንተበለ ከሐንኵሉዋ እንተኾይኖም እምበር ከምዘየውድቑዋ ዝኣምን መሪሕነት ነይሩዋ። እዙ ኣታሓሳስባዚ ምውናና ኣባላታ ኣብ መሪሕነቶም ዝነበሮም እምነት ነቕ ዘይብል ከኸውን ብኡ ኣቢሉ ድማ ኣብ ዘዝተመደዎ ዓውደ ስራሕቲ ብቕንዕናን ውፍይነትን ክነጥፉ ኣኽኢሉዎም’ዩ።

ፀበብትን ትምክሕተኛታትን ሐዚ’ውን እንተኾነ መስመር ህወሓት ክስዕር ዝኽእል መማረፂ የብሎምን። ህዝቢ ዝውክሉ መማረፂታት ክውንኑ ዘኽእሉ ባህርያት የብሎምን። እንኮ መማረፂኦም ኣብ ድኽመታት ህወሓት/ኢህወደግ እናተመገብካ ምሕካል’ዩ። መሪሕነት ህወሓት ከኣ ነዚ ሓቂ ዝምቹ ጥጡሕ ባይታ ፈጢሩ ይርከብ። ቐንዲ ድልየት ህዝብና ንጎኒ ብምግዳፍ ካልኦት ሓይልታት ዝኽፍትዎ ወፍሪ ክምክት ላዕሊ ታሕቲ ይብል:: እዙይ ግን እቱ ዝደለ ዝድለ ውፅኢት ዘምፅእ ኣይኮነን። ትግራይ ኣብ ስኒ ማእለያ ዘይብሎም ፀላእቲ ኣትያ እያ። እዙይ ማለት ግን ኩሎም መበገሲታት ፅልኢታቶም ውሻጣዊ ድኽመታትና እዮም ንምባል ኣይኮነን። እኳ ደኣስ ህወሓት ቅድሚ ምፍጣራ ዝነበሩን ንምፍጣራ ምኽንያት ዝኾኑን ፖለቲካዊ ሽርሕታት ምዃኖም ብሩህ’ዩ። ስለዚ ሓዱሽ ግዳማዊ ፀላኢ ተፈጢሩ ክንብል ኣይንኽእልን። ሓዱሽ ግዳማዊ ፀላኢ ኣብዘይተፈጠረሉን እቶም ዝነበሩ ከኣ ብባህሪታቶም እናተዳኸሙ ኣብዝኸድሉን እዋን ዳግም ትንፋስ ክሰርዑን ክሕክሉን ዘኽእሉዎም ኩነታት ኣብ ባይታ ይፍጠር ኣሎ። ንምንታይ? እምበኣር ከስ እቲ ኣዝዩ ዘሰክፍ ነገር ንምንታይ ‘ዞም ድኽመታት እዚኦም ክግብሉ ክኢሎም ዝብል’ዩ::

ካብቶም ቐንዲ ምኽንያታት ሓደ መሪሕነት ህወሓት መንግስቲ ከም ውድብ ክመርሕ ምህቃኑ እዩ። ውሽጣዊ ውድባዊ ዲስፕሊን፣ ምሽጥራውነትን ጥርናፈን መንግስቲ ምስትኾን ውፅኢታዊያን ኣይኮኑን:: መንግስቲ ኣብ ህንፀት መንግስታዊ ተቋማት ዴሞክራሲ ክተኣማመን ይግብኦ ነይሩ። ሕጋዊ ብዘይኮኑ ፅዕንቶታት መንግስትን ውድብን ዘይስኮኑ ተቋማት ግን ክህነፁ ኣይተገብረን። ኩሉ መሓውር መንግስቲ ነቲ ፈፃሚ ስራሕ ውድብ ክምእዘዝ ተጌሩ። ዕላማ ውድብ ንጎኒ ገዲፎም ውልቃዊ ናብራኦም ብዘናድዩ ካድረታት ህዝቢ ሰንሰን እንትብል ዝርእዩ ትካላት ሚዲያ፣ “ሓባሲ ንብዓት” ይኹኑ ካልኦት ከምዛዘይረኣዩ የፅቅጡ:: ፀገማት ህዝቢ ካብዝፃወሮም ንላዕሊ እንትኾኑን ብወግዒ ምስ ዝቃወምን ጊዝያዊን ምኽኑይን ብዘይኮኑ መፍትሕታት ሓዊ ናይ ምጥፋእ ስራሕቲ ይሳለጡ። ከም ናይዙይ መርኣያ ክሳብ ሐዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ወረዳታት ህዝቢ ዘልዓሎም ናይ ምሕደራ ፀገማትን ከምኡውን ግዕዝይና ፈጺሞም ናብ ፍርዲ ዝቐረቡ ሰባት ዝፈጸሙዎም ጉድለታት ዋላ ሓደ ሚድያ(መንግስታዊ ይኹን ናይ ውልቀ) ቀዲሙ ዘጊቡዎም ኣይፈልጥን። መንግስቲ ብዝደልዮን ብዝኽእሎን መጢኑ እዩ ሕጋዊ ስጉምቲ ዝወስድ።እቲ ፈጻሚ ስራሕ ስጉምቲ ክወስድ እንተዘይደልዩ ከኣ ነገራት ተሸፋፊኖም ይሓልፉ።

እቲ ካልኣይ ቐንዲ ጸገም እቱ መሪሕነት ባዕሉ ዝተሰርሓሉ ውህድ ይምልከት። ብፍላይ እቱ ሐዚ ዝኒሀ መሪሕነት ህወሓት መድረኽ ካብ ዘፍረዮም ኣባላታ እቶም ዝበለጹ ከምዘይኮኑ ናይ ብዙሓት እምነት’ዩ። ኣብ አገደስቲ ዛዕባታት ውድብን መንግስትን ዝውክል ኣባይ ጸሃየ እንተኾይኑ ፈጻሚ ስራሕ ንምንታይ ዘይኮነ? ኣርከበ ዑቕባይ ኩሉ ሰብ ብዝፈልጦ ኣግባብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ናይ ለውጢ ባቡር ክትኣቱ ምስገበረ እንታይ ረኸቦ? እዙይ ንኣብነት ዘልዓልኩዎ እዩ ግን ከም ኣባይን ኣርከበን ዝበሉ ኣብ ዘዝተመደብሉ ሓላፍነት ብቕዓቶም ዘየጠራጥሩ ካድረታት ህወሓት ኣበይ ምስኣተዉ እዩ ዓርሶም እኳ ክገልጹ ዘይኽእሉ፣ ብሕማቕ ምሕደራዊ ሜላኦም ዝንቀፉን ሰባት ማ/ ኮሚቴ፣ ፈጻምቲ ስራሕ ውድብን ት.እ.ም.ት.ን ክኾኑ ዝተገብረ? ብምዃኑውን እዚ መሪሕነት እዚ ካብ ዘይምዖሩያት ቕመማት ዝተስርሐ ውሁድ እዩ። ንነብሱ ብቕንዕና ምስ ዘዐሪ እዩ ከኣ ውድብና ክትድሕን እትኽእል። እቱ ጉዳይ ኣብ ዓንኬል ምትኽኻእ ዝሽክርከር ጥራሕ ኣይኮነን። መንን በየናይ ረቛሒን ዝብሉ ውሰንቲ ዛዕባታትዮ’ም። ቅፃልነት ህወሓት ብድኹማትን ምስሉያትን ክረጋገፅ ኣይኽእልን። ስለዝኾነ ከኣ ምእንተ ድሕነት ውድብን ረብሓ ህዝቢ ትግራይን ሓቀኛ ስምዒት ኣባላት ዘንፅባርቕ ምዕሩይ ኣወዳድባን ኣመራርሓን ክፍጠር ይግባእ።

3. ኣብ ሙቐት ብረታዊ ቃልስናን ፍናን ስውኣትና ምንጥልጣል

መሪሕነት ህወሓትን መንግስቲ ትግራይን ብሓደ ገጽ ብረታዊ ቃልስና ታሪኻዊ ሕመረቱ ዘህስስ ብኻልእ ገፅ ከኣ ዝትሓልፉ ከበድቲ ጸገማትን ዝተኸፍለ መስዋእትን መዓልታዊ ክበሃል ብዝካኣል ኣቀራርባ ብፕሮፓጋንዳ መልክዕ ብታ መንግስቲ ዝውንና እንኮ ኣየር ሰዓት ተሌቭዥን ኢትዮጵያ ይፍኑው። ኣሽማት ውሩያት ስውኣትና ብተደጋጋሚ ብምልዓል ድኹም ጎንታት ህዝቢ ትግራይ ክብለፁ ላሕ ይብሉ። እዚ ግን ንጥንካረ ውድብና ዘበርክቶ እጃም የዐርዩ ውሱን’ዩ።

ስዉኣትና ካብ ሓቂ ንላዕሊ ካልእ ኣይድብሶምን። ስውኣትና ካብ ፅፁይ ምሕደራን ኣፍራይነትን ወፃእ ዝድበሱ ኣይኮኑን:: ስውኣትና እቶም ዝሞቱሎም ዕላማታት ከይሸራረፍካ ካብ ምፍጻም ወፃኢ ድቃስ ኣይወስዶምን። ህዝቢ ትግራይ ትርግታ ልቡ እናዳመፅካ ክቐስን ካብ ምፅዓር ወፃእ መስዋእቲ ደቁ ትርጉም ኣይህቦን። ካብ ያታ ክንወፅእ ይግባእ። ሓዱሽ ወለዶ ካብ ብሩሑቕ ብዝርኣዮ ስርሒት ብረታዊ ቃልስና ንላዕሊ ህልዊ ኩነታት’ዩ ቅድሚት ዝሰርዕ። ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ተሳቲፉ ብጅግንነት ሕሉፋትን ህልዋትን ብጾቱ ዝግረምን ብታኣምር ዝተረፈን ተጋዳላይ ነዚ ወለዶ እዚ ነበረያ ነበረ እዩ። እዚ ወለዶ እዚ ኪኖ መግዛእቲ ሃይለስላሰን ጨኸና መንግስቱን ካብ ያታ ዝሓልፍ ስምዒታዊ ምትእስሳር ክፈጥር ኣይኽእልን። እዙይ ወድዓዊ ሓቂ እዩ። ስለዙይ ሐዚ ዘዋጽእ ምልእቲ ትግራይ ደደቢት ምግባር ኣይኮነን። ሐዚ ዘዋፅእ ኣብ ውልቃዊ ብቕዓት ዝምርኮስ ኣፍራይነትን ትካላዊ ኣሰራርሓን ምንጋስ’ዩ። እዙይ ንምግባር ድማ ካብ ከለላ ብረታዊ ቓልስን ስውኣትን ምውጻእ ይጠልብ። ብረታዊ ቃልስናን መስዋእትናን ርእሱ ዝኻኣለ ፍልፍል ኩርዓትና ክኸውን ኣይግባእን፥ ኣይኽእልንውን። ናይ ኩርዓትናን ርውየትናን እንኮ ፍልፍል ርህውቲ ትግራይን ዓባይ ኢትዮጵያን ዘውሕስ ቀፃላይ ዝኾነ ዱልዱል ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ምስ እንሃንፅ ይኸውን።

4. ስክፍታ ፈተውቲ ብሃናፃይነቱ ዘይምርኣይ

ከም ትዕዝብተይ ኣብ ውሽጠ ፓርቲ ገምጋም ከም መሪሕነት ህወሓት ዓርሱ ዝነቅፍ ሓይሊ ኣይፈልጥን። እዙይ ዝጸንሐ ብሉጽ ጎኑ እንትኾን ኣባላቱ ይኹን ፈተውቱ ኣብ ቅሉዕ ሚድያ ንዘቕርቡዎም ነቐፌታታት ግን ብትግሃት ዝቕበል ኣይኮነን። መሪሕነት ህወሓት ግሉፅ ዝኾነ ነቐፌታ ካብ ፈተውቱን ኣባላቱን ኣይምችዎን። ዓገብ ንዝብሉ ሰባት ዝተፈላለየ ኣሽማት ብምሃብ ኣፎም ክዓፅዉ ይደሊ። እንታይ ተብሃለ ዘይኮነስ መን እንታይ በለ ኣብ ዝብል የድህብ:: እዚ ጠለብ እዙይ አዩ ከኣ ኣብ ከውሊ ክነብር ዝገብሮ። ካብ ከውሊ ከወፅእ ብኡ ኣቢሉውን ኣባላቱን ህዝብን ዘልዕሉዎም ፀገማት ካብ ልቢ ክፍትሽ እቲ ቐንዲ ፀገም ኣመራርሓ ኮይኑ ምስ ዝርከብ ከኣ ሓላፍነት ክወስድ ይግባእ። ከምዙኸማይ ዝበሉ ህወሓት ካብ ዝኾነ ይኹን ነገር ንላዕሊ ኣብሊፆም ዝሪኡ ተጋሩ ውድቦም ሰኣን ውሕሉል ኣትኣላልያ ኣብ ሓደጋ እንትትወድቕ ካብ ምርኣይ ንላዕሊ ዝሕስቦም ዛዕባ የለን። ስለዝኾነ ከኣ ብዝካኣሎም ኣገባብ ዓገብ ምባሎም ክቕጽሉ እቲ መሪሕነትውን ፂን ኣቢሉ ከዳምፅ ይግባእ እብል:: እንታይ ይገበር ዝብል ነጥቢ ኣብ ቀፃላይ ፅሑፈይ ንምድህሳስ ክፍትን’የ:: ክሻዕ ሽዑ ስሰናዩ ይምነ::

**********

Teweldebrhan Kifle

more recommended stories