ዝተሓላለኸ ቅልውላው ቀርኒ ኣፍሪካ ክሳብ መዓስ?

መእተዊ

ኣዝዩ መፀገምን ዝተሓላለኸን ኩነታት ቀርኒ ኣፍሪካ ካብ ውሽጥን ደገን ብዝመፁ መበገስታት ንኣስታት 150 ዓመታት እናተሓመሰ ቀፂሉ እዩ። ብፍላይ ኣብቶም ዝሓለፉ 60 ዓመታት ድማ እቲ ፀገም መግለፅታቱ እናበዝሐን ዝያዳ እናተሓላለኸን መፂኡ እዩ። እኹል (ገና ዘይተበልዐ) ፀጋታት ተፈጥሮ፣ ሓይሊ ሰብ፣ ፍሉይን ሰሓብን ባህሊን ታሪኽን(መቦቀል ደቂ ሰብ)…እንዳሃለወና ኢና እዚኩሉ ተሓሚስና መለለይና ድሕረት፣ድንቁርናን ጎንፂን ኮይኑ ንርክብ ዘለና። ኣብ ቀረባታት (ብፋላይ ኣብ ኢትዮጵያ) ተስፋ ዝህብ ኩነታት እኳ እንተሃለወ ከምሓዱሽ መልክዕ ሒዙ ተላዒሉ ዝኒሀ ጎንፂ ደቡብ ሱዳን፣ ዘይተፈትሐ ወጥሪ ኢትዮ-ኤርትራ፣ ወጥሪ ሱዳን-ደ/ሱዳን፣ ኩነታት ሃገረ ሶማልያን ኤርትራን ሓፈሻዊ ዘይድልዱልነት መንግስቲታት እዚ ዞባን እንትንርኢ ግና ገና ጠመተ ዘድልዮን ዘተሓሳስብን ምዃኑ ርዱእ እዩ።

እምበኣርከስ እዚ ፅሑፍ ቀንዲ መግለፅታት ዝተሓላለኸ ፀገም ቀርኒ ኣፍሪካ፣ ኣብተን ኣባል ሃገራት ዘለዎ መግለፂ፣ መበገሲ እቲ መሰረታዊ ፀገምን ከም መፍትሒ ክግበር ዝግበኦን(ግደ ኢትዮፕያ ኣብ ምምፃእ መሰረታዊ መፍትሒ) ብዝብል ከፋፊልና ንምርኣይ ፈቲና ኣለና ግርም ንባብ።

1. መግለፂታት መሰረታዊ ፀገም ቀርኒ ኣፍሪካ

ካብቲ ዋና ርእሲ እዉን ንምርዳእ ከም ዝከኣል ፀገም ቀርኒ ኣፍሪካ ንነዊሕ እዋን ዝፀንሐ ዝተሓላለኸን መፀገምን ስለ ዝኾነ እቲ ፀገም ብእርይ ቁፅር ንምቕማጥ ኣፀጋሚ እዩ። በቢእዋኑ እዉን ዝተፈላለየ መልክዕ ስለ ዝሕዝ እዙይ ኢልካ ቅዋም ክትሕዘሉ ዘፀግም እዩ። እዙይ ከምዘሎ ከይኑ ዝተፈላለዩ መፅናዕቲታት ብምፍታሽ ዋና ዋና መግለፅታት ዝበልናዮም ኣቕረብና፦

1.1. ጎንፅን ኲናት ሕድሕድን

ጎንፅን ኲናትን ካብቶም ቀንዲ መግለፅታት ፀገም ቀርኒ ኣፍሪካ ቅድሚት ዝረኣዩ እዮም። ኣብ ውሽጢ ነብሲ ወከፍ ሃገራት ብዘጋጥሙ ጎንፂታትን ኲናታትን፣ ኣብ ሞንጎ ሃገራት ብዘጋጥም ጎንፂታትን ኲናታትን ኢልካ ክረአ ዝኽእል እዩ። ዳርጋ ኩለን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪካ ድማ ክልቲኡ መልክዓት ተደጋጋሚ የጋጥመን እዩ።

1.2. ስደት

እቲ ስደት ብሕጋዊን ዘይሕጋዊ መንገድን ዝግበር ኮይኑ እዙይ እዉን ካሊእ መግለፂ ፀገም እዚ ዞባ እዩ። ዜጋታት እዘን ሃገራት ፈቐዶ በረኻ እንትተርፉ፣ ቀለብ ኣራዊተ ገዳም እንትኾኑ፣ ኣብ ባሕሪ እንትሰምጡ እሞ ቀለብ ዓሳ እንትኾኑ ምርኣይን ምስማዕን ልሙድ ነገር እዩ ኮይኑ።

1.3. ድርቅን ጥምየትን

ምግቢ ውሕስኑ ዘየረጋገፀ፣ ቀረብ ፅሩይ ዝስተ ማይ፣ መሰረታዊ ኣገልግሎት ትምህርቲን ጥዕናን ዘይረኸበ፤ ብሓፈሻ ሓገዝ ካሊእ ኣካል ዘድልዮ ልዕሊ 14 ሚልዮን ህዝቢ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ከም ዝርከብ መረዳእታ ትካል መግቢ ዓለም የረጋግፅ(ኣብ 2012 ዘውፀኦ መረዳእታ እዩ)። ብዙሕ ክፋል ሕብረተሰብ ናብረኡ ኣብ ሕርሻ ዝተደረኸን ካብ ኢድ ናብ ኣፍ ብምዃኑን ሓንቲ ክረምቲ ሕፅረት ዝናብ እንተጋጥም ብጥምየት ዝሕለብሉ ኩነታት እዩ ዘጋጥም።

1.4. ዘይሕጋዊ ተግባራት /ንግዲ/

ወሰናወሰን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪካ ዝበዝሕ ቦታት መንግስቲ ዘይቆፃፀሮ/ዘይብሉ ን መሰረተ ልምዓት ዘይብሉን ስለ ዝኮነን ንዘይሕጋዊ ተግባራት ማለት ዘይሕጋዊ ዝዉውር ሰባት፣ ሓሽሻት፣ መሳርሒ ኲናት(ኣብዚ ዞባ ዘሎ መሳርሒ ኩናታት ፍርቂ ዘኸዉን ኣብ ኢድ ዘይሕጋውያን ኣካላት ከምዝርከብ ይግለፅ)፣ ካልኦት ገበናትን ዝተቓለዐ ዞባ እዩ። እዙይ ብስፍሓት ዝረአ ፀገም እዩ።

1.5. ድኹም መንግስቲ(ምፍራስ መንግስቲታት)

መብዛሕተአን ብዙሕ ዘይደልደለ መንግስቲ እዩ ዘለወን። ከምዝፍለጥ ሶማልያ ንዝሓለፉ 20 ዓመታት መንግስቲ ኣልባ ኮይና ፀኒሓ፣ ኤርትራ እዉን ከምኡ ዓይነት ሓደጋ ዘንፀላለዋ እያ። ብዛዕባ ውልቀ ስልጣኖም እምበር ብዛዕባ ህዝቢ ዘይግደሱ መራሕቲ ዝመርሕዎም መንግስታት ንዘን ሃገራት ዳረን እንተርእይዎን እንደረኣና መፂእና። ሐዚ እዉን ዝቅፅሉ ኣለዉ።

እዚኦም ከም ቀርኒ ኣፍሪካ መግለፂ እቲ ዝተሓላለኸ ፀገማት እዮም ካብ በልና ኣብ በቢሃገራቱ ዘለዎም መልክዕ ብዝርዝር እንትንርኢ ድማ ዝተማለአ ግንዛበ ንኽህልወና ዝሕግዝ ይኸዉን።

ሶማልያ

ሶማልያ ኣብ ዓለም ዝተሓመሰትን መንግስቲ ኣልባን ተባሂላ ንሶርያ፣ ኣፍጋንስታን፣ ሱዳን፣ ማእኸላይ ኣፍሪካን ዴሞክራስያዊ ሪፐብሊክ ኮንጎን ኣኺቲላ እተሰረዐትን እትፍለጥን ሃገር እያ። ካብ ውድቀት መንግስቲ ዝያድ ባሬ 1991 ዓ/ም/ፈ ብውሽጥን ብደገን ብዙሕ ፈተነ እኳ እንተተገበረ ጠንካራ ማእኸላይ መንግስቲ ንምምሰራት ግና ኣይተኸኣለን። ሐዚ ቁሩብ ተስፋ ዝህብ ነገራት ይረአ ዘሎ ይመስል። ናይ መቋድሾ መንግስቲ በቢኸባቢኡ ምስ ዝተጣየሹ ግዝኣታት ምድርዳር ዝጀመረሉ ኩነታት እኒሀ። ዝኾነ ኮይኑ ሶማልያ ዋና መለለዪ ታሕሚስ እዚ ዞባ ኮይና ንኣስታተ 20 ዓመታት ዘሊቓ ኣላ። ኩሎም መግለፅታት ህውከት ቀርኒ ኣፍሪካ ተማልእ ሶማልያ(ንኻሊእ እዉን ትልክም እምበር)። መንግስቲ ዝያድ ባሬ ጭዋድኡ ኣሕቢጡ ብሽም ምፍጣር ዓባይ ሶማልያ ዝብል ሕልሚ ንኢትዮጵያ እኳ ክልተ ግዘ ኲናት ከፊቱላ(ጎንፂ ምስ ጎረቤት ሃገር)።

ድሕሪ ምፍራስ ማእኸላይ መንግስቲ ልዕሊ መጠን ፍቕሪ ስልጣን ብዘለዎም መራሕቲ ጎሳ ብዝፈጥርዎ ጎንፂን ኲናትን ንዓመታት ንህልቀትን ህውከትን ተቓሊዓ እኒሀ(ውሽጣዊ)። ሕሱም ፍቕሪ ስልጣንን ባዕላውነትን መጨበጢ ዘይብሉ ተለዋዋጢ ባህሪ መራሕቲ ጎሳን ሶማልያ ኣብዚ ከምዚ በፂሓ ኢሉ ሰር ሪጃርድ በርተን ዝተባህለ ፀሓፊ ታሪክ ዝገርሙ መረዳእታት/ዛንታት እናቅረበ የረጋግፀልና። ሶማልያ ብጎሳ ተኸፋፊላ ኣብ ኲናት ሕድሕድ ተፀሚዳ መዕቐቢ ኣሸበርቲ፣ መርኣያ ዘይሕጋዊ ንግድን ዝርፍያን፣ መግለፂ ስደትን ጥምየትን፣ ንኢትዮጵያ ይኹን ንቲ ዞባ ብሓፈሻ ክሕምሱ ንዝደልዩ ሓይልታት(ከም ግብፂ፡ ኤርትራ) መጥቀሚ ኮይና እያ ትርከብ። ሶማልያ 10% ዝኾን ሰባ ስደተኛ እዩ። 4 ሚልዮን ህዝባ ሓገዝ የድልዮ። ኣብ ቀረባታት ኣብ ከም ፑንተ ላንድ ዝበሉ ግዝኣታት ዝረአ ዘሎ ናይ ምርግጋዕ ተስፋ ዝህብ ኢልካ ክበሃል ይኽእል።

ኤርትራ

ድሕሪ ን30 ዓመታት ዝተኻየደ ብረታዊ ተጋድሎ ካብ ኢትዮጵያ ተገንፂላ ላእላውነታ ዝኣወጀት ሃገረ ኤርትራ ካብተን ኣብ ዝኸፍአ ኩነታት ዝርከባ ሃገራት ሓነቲ እያ። ኤርትራ ከም ሃገር ሕገ መንግስቲ ዘይብላ፣ መረፃ ዝበሃል ፈፂማ ዘይረኣየት፣ ፍፁም ፀረ-ዴሞክራስያዊ ብዝኾነ ውልቀ መላኺ እትምራሕ፣ ብደረቕ ትእዛዝ እቲ ውልቀ መላኺ ዝምራሕ ኢኮኖሚ ዘለዋ፣ ምንም ዓይነት ነፃነት (ናይ ምፅሓፍ፣ ምዝራብ፣ ምውዳብ ወዘተ) ዘይብላ፣ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ከም ውልቀ ንብረቱ ዝእዝዛ ሃገር እያ።

ኣስታት 30% ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ስደት እዩ። ኤርትራ ምስ ኩሎም ጎረባብታ ጎንፂን ኲናትን ዝፃሕተረት ሃገር እያ። ምስ ኢትዮጵያ፣ የመን፣ ጅቡቲ፣ ሱዳን፣.…ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ጎንጽን ኲናትን ዝኣወጀት ሃገር እያ። ኤርትራዉያን ኣዝዩ ስለ ዝጨነቖም ሂወቶም ናብ ሓደጋ እናረከሱ ይስደዱ ኣለው። ናብ ኢትዮጵያ ጥራሕ (ኣብዚ ግዜ እዙይ) በቢመዓልቱ ካብ 60-70 ሰብ እነኣተወ ይርከብ። ኣብ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ጥራሕ 60 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣዕቒቦም ይርከቡ። ብኽፉእ ተግባር መንግስታ ብማሕበረሰብ ዐለምን ሕብረት ኣፍሪካን ከምኡዉን ኢጋድ ዝተፈላለየ ዓዕቐባት ተገይሩላ እዩ።

ደቡብ ሱዳን

ድሕሪ ነዊሕ ቃልሲ ካብ ሱዳን ተነፂላ ሓዳሽ ሃገር ኮይና ኣብ ዓለም ብዝተመዝገበት ቡዙሕ ግዘ ከይወሰደት ናብ ዉሽጣዊ ጎንፂ ኣትያ ዘላ ሀገር እያ። ምስ ሱዳን ዘለዋ ውጥጣት ከምዘሎ ኮይኑ ኣብ ሞንጎ ሳልቫኬርን ምክትሉ ዝነበረ ሬክ ማከርን ዝመርሕዎ ጉጅለ (ገለገ ናይ ዴንካን ንውየርን ዝበሃሉ ጎሳታት ብሄርሰባት ጎንፂ እዩ ዝብሉዎ) ዘጋጠመ ጎንፂ ተሓሚሳ ትርከብ። እቲ ጎንፂ ናይ ዴንካን ንዉየርን እዩ ዝብሉ ተንተንቲ ሳልቫኪር ካብ ዴንካ ማከረ ድማ ካብ ንውየር ዝብል መከራኸሪ ዘቕርቡ እንትኾኑ እቲ ጎንፂ ናይ ዘይምዕሩይ ምሕደራን ዘይተመለአ ከይዲ ምስረታ ሃገርን ውፂኢት እዩ ዝብሉ ድማ ንዕኡ ውድቂ ይገብረዎ ወይ ኣንኢሶም ይሪእዎ።በቲ በለ በዚ ንልዕሊ 1000 ሰባት መስዋእትነትን ልዕሊ 200ሽሕ ሰባት ምፍንቓልን ምኽንያትን ኮይኑ ኣሎ። እቲ ጎንፂ ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ፅኑዕን ተኸታታሊን ዘተታት እናተኻየደ እዩ። ኢትዮጵያ ቀንዲ መደራደሪት እያ ብወኪላ ነበር ወፃኢ ጉዳይ ሚንስተር ስዩም መስፍን ኣቢላ።

ኬንያ

ኬንያ ልዕሊ 40ሚልዮን ህዝቢ ዝነብረላ ሃገር ኮይና ኣብ 2007 ዓ/ም/ፈ ዘጋጠመ ብመረፃ ዝተለዓለ ዓመፅ ዝወለዶ ሞት 1300 ዜጋታት፣ ሓልሓሊፉ ዘጋጥም ንእሽተይ ናይ ጎሳ ጎንፂታት ከምኡ ውን ዘይሕጋዊ ንግድን ስርቅን እንትዘይኮይኑ እዙይ ዝበሃል ዝኸፍአ ነገር ዘጋጥማ ሃገር ኣይኮነትን። ድልዱል ዝኾነ ህዝባዊ መንግስቲ ዘለዋ ሃገር እያ እኳእንተዘይተባሃለ (ገለ ሰባት ኢድ ኣእታውንት እንግሊዝን ኣመሪካን ስለ ዘሎ እዩ ከምዝብልዎ እውን ክኸውን ዝክእል) ብንፅፅር ዝሓሽ ምርግጋዕ ዘለዋ እያ።

ጅቡቲ

ብ1977ዓ//ፈ ካብ ፈረንሳይ ነፃ ወፂኣ ናይ ባዕላ ሪፐብሊክ ዝመስረተት ኣዝያ ንኡሽተይ ሃገር እያ።32 ሽሕ ትርብዒት ኪሎ ሜትሮ ስፈሓት፣ ኣስታት ፍርቂ ሚለዮን በዝሒ ህዝቢ፣ ዓፋርን ዒሳን ዝበሃሉ ክልተ ዓበይቲ ጎሳታት ዝሓዘት ሃገር እያ። ብተናፃፃሪ ዝሓሽ ሰላም ኣለዋ።

ኢትዮጵያ

ኢትዮጵያ ኣብቶም ሕማቅ ኩነታት ቀርኒ ኣፍሪካ ተባሂሎም ዝተገለፁ ኣስታት 150 ዓመታት ኩሎም እቶም መግለፅታት ዝተሓላለኸ ፀገም ቀርኒ ኣፍሪካ ክበፅሕዋ ዝፀነሐት ሃገረ እያ። ክሳብ ቀረባ ማለት ኢህወደግ ንደርጊ ዝደምሰሰሉ ፅባሕ ክትፈርስ እያ ተባሂላ ዝተፈርሐላ ሃገር እያ። ዘይተመጣጠነ ማሕበረ ኢኮነምያዊን ፖለቲካውን ቅርፂ ዘለዎም ህዝብታት፣ ዝተፈላለዩ እምነታት፣ ብርክት ዝበሉ ብሄራትን ብሄረሰባትን፣ ገና ዘይተረጋገዐ(ዘላን) ክፋል ማሕበረሰብ ዝሓዘት ሃገር እያ። ዝሓለፉ መንግስታት ነዚ ንጎንፂ ብዘጋድድ እምበር ንሃገር ሓድነት ብዝዕድም ስለ ዘይከድዎም (ንውልቀኦም እምበር ንህዝቦም ዘይግደሱን ዘይፈልጡን መራሕቲ ስለ ዝነበርዋ) ብውሽጣዊ ጎንፂን ኲናትን ብዙሕ ደመ ዝተፋሰሰት፣ ዜጋታታ ንዝኸፍአ ስደትን ከርተትን ዝተጋለፅዋ ኮይና እያ ፀኒሓ።ካብ ውሽጢ ዝመፅእ ከምዘሎ ኮይኑ ብደገ እዉን ዝተፈላለዩ ወራራት እናጋጠምዋ ኣብ ዝኸፍአ ኩናት ንነዊሕ እዋናት ዘሊቓ። ከምኒ ምኒሊክ ዝበሉ ግጉይ ብዝኾነ መንገዲ ጥንኩር ማእኸላይ መንግስቲ ንምምስራት ዝኸድዎ ኣካይዳ ኣብቲ እዋን ይኹን ደሓር ንሱ ብዝወለዶ ኲናት ብዙሕ ዋጋ ተኸፊሉ እዩ። ምንቅስቓስ ተመሃሮ ይኹን ጉዳይ ኤርትራ ውፅኢት እቲ ግጉይ ፖሊሲ እኒ ምኒሊክ እዩ።

ኣብዞም ዝሓለፉ ዕስራ ዓመታት ግና ኢትዮጵያ ብመሰረቱ ዝተፈለየ መልክዕ ክትሕዝ ክኢላ እያ። ብኤርትራ ዋላ ቁርብ ረብሻ ዝበፅሓ እንተኾነ ኣብዚ ዝተሓላለኸ ኩነታት ቀርኒ ኣፍሪካ ኮይና ካብ ዓለም ኣዝየን ስሉጥ ምዕባለ ኣብ ዘመዝግባ ዘለዋ ሃገራት ክትስለፍ ክኢላ እያ። ሐዚ ዘሎ ኩነታት ኢትዮጵያ ብመሰረቱ ንቲ ዞባ እዉን ክልውጥ ዝኽእል እውንታዊ ተስፋ ዝረኣዮ ዘሎ እዩ። እዙይ ማለት ኩሉ ነገር ተፈቲሑ እፎይ ዝበሃላሉ ኩነታት ተበፂሑ ማለት ኣይኮነን። ሕሱም ጥምየት እኒሀ እኳእንተዘይተበሃለ ድርቂ መሊኡ ዝፃወር ኢኮነሚ ኣርተሃነፅን።ዘይሕጋዊ ንግዲን ምውስዋሳትን ሐዚ እዉን እኒሀዉ እዮም። ሓልሓሊፉ ብፍላይ ኣብ ሰብ ኣኽሳግም ንእሽተያት ጎንፅታት የጋጥሙ እዮም። ምሉአ ዴሞክራስያዊ ብሄርተኝነት (ካብ ኣብ ሕገ-መንግስቲ ምስፋር ዝዘለለ)ማዕቢሉ ዝበሃል ኣኮነን (ገና ሰፊሕ ስራሕ ዘድልዮ እዩ)። ምዕሩይ ክፍፍል ሃብቲ ተመሳሳሊ። ተረፍ መረፍ እቶም ዝሓለፉ ስርዓታት ዝገብርዎ ሕጋዊ ዝመስልን ዘይሕጋውን ምውስዋሳት ቁሩብ ክርብሽ ይኽእል እዩ። እዚታት ካብ ውሽጢ ክረኣይ ዝኽእልን ዝረአን እንትኾን ካብ ደገ ድማ ምስ ኤርትራ ዘሎ ነገር እቲ ንሪኦ ዘለና እዩ። ግብፂ እዉን ሕጉስቲ ከምዘይትኾን ዝተፈለጠ እዩ።ኣብ ሶማልያ ኮነ ደቡብ ሱዳን ዝኒሀ ኩነታት መልክዕ ከይሓዘ ዘህርስ ኣይኮነን…ወዘተ። እዝታት እናተኸታተልካ ጉ”ዞ ኢትዮፕያ ንቕድሚት ብሩህ እዩ።

እዞም ዝዘርዘርናዮም ቀንዲ መግለፅታት ዝተወሳሰበ ፀገም ቀርኒ ኣፍሪካን ኣብተን ዓድታት ዘለዎ መልክዕን ቁሩብ ካብ በልና መሰረታዊ መበገሲ እቶም ፀገማት ቀርኒ ኣፍሪካ እንታይ ምዃኖም ድማ ንምርኣይ ክንፍትን።

2. መሰረታዊ ፀገማት ቀርኒ ኣፍሪካ መበገሲኦም እንታይ ይኾን?

በቢግዚኡ በቢሃገራቱን ብዝተፈላለየ መልክዕን ዘጋጥሙ ፀገማት ስለ ዝኾኑ ብኦ ልክዕ ዝተፈላለየ መበገሲታት ክህልዎም ዝክእል እኳ እንተኾነ ከም ምግለፂ መበገሲ እቶም ፀገማት ተባሂሎም ብዝተፈላለዩ መፅናዕቲታት ዝተነፀሩ ግን እኒሀዉ።

2.1. ዘይምዕሩይ ስርዓተ መንግስትን መራሕትን (ድኹም መንግስቲ ምህላው)

ካብ መበገሲኡ ንኩነታት ህዝቢ ኣፅኒዑ ብፍቓድ እቲ ህዝቢ ዝፀደቐ ሕገ-መንግስቲ ሃልዩ፤ ንዕኡ ዝመርሕን ዘተግብርን መንግስቲ እዉን ብህዝቢ ክምረፅ እንተዘይ ኪኢሉ ጠንካራ ህዝባዊ መንግስቲ ኣሎ ዝበሃል ኣይኮነን። ድሌት ውልቀ ሰባት ቤተሰቦምን ነሃትና ዝብልዎ ጉጅለን ዘገልግል መንግስቲ እንበር ህዝባዊ ምንግስቲ ነይርዋ ትብሃል መንግስቲ የላን። ግዕዝይና፣ ዘይፍትሓዊ ክፍፍል ሃፍቲ፣ ኣድልዎ፣ ዓፈና ወዘተ መግለፂ መንግስቲታት እዚ ዞባ እዩ ኮይኑ ፀኒሑ።

2.2.ኢድ ኣእታውነት ናይ ደገ ሓይልታት (ተዋሳእቲ)

እዙይ ብቡዙሕ መንገድታት ዝግለፅ እዩ። ሓደ ኣብ ሞንጎ ዝማዕበላ ዓድታት ብዝነበረ ንሕንሕ ብፍላይ ቀይሕ ባሕሪ ንምቁፅፃር እኒ ቱርኪ፣ ፖርቱጋል ዝበላ ዝገብረኦ ዝነበራ ፈተነታት። ካልኣይ ኣብ እዋን ምቅርማት ኣፍሪካ እንግሊዝ፣ ጣልያንን ፈረንሳይን ንሃገራት ቀርኒ ኣፍሪካ ከም ቀረመት በጢሰን በጣጢሰን እንትገዝኣ ዝነበረን ንሕንሕ ዝወለዶ ኣብ ሞንጎ እቶም ህዝብታት ምት”ረፋፍ ዝፈጥር ኣካይዳ ነይሩ። ንኣብነት ኣብ ሱዳን ክሳብ ሐዚ ዝኒሀ ፀገም ቀንዲ መበገሲኡ እንግሊዝ ብትክተሎ ዝነበረት ከፋፊልካ ግዛእ ዝብል ሻጥር ዝወለዶ እቲ ዝዓዘዘ ገፁ እዩ። ቁሩብ ግልፂ ንምግባር እንግሊዝ ንግብፂን ኡጋንዳን ትገዝእ ስለ ዝነበረት ሰሜናዊ ሱዳን ናብ ግብፂ ደቡብ ድማ ናብ ኡጋንዳ ንምሕዋስ ብዙሕ ፃዕርታት ኣካይዳ እያ። ግብፂ እዉን ኣብዚ ጉዳይ ምስ ኣባይ ብዝተተሓዘ ሱዳን ንምሕዋስ ብዙሕ ሰሪሓ እያ። ሰሜን ሱዳን(ኣዕራብ) ንስ ግብፂ ብዙሕ ሻጥር ስለ ዝነበሮምን ደቡብ ሱዳን ድማ እናተገለሉ ስለ ዝኸዱን ሕቶ ነፃነት ደቡብ ሱዳን እናኸረረ ክኸድ ገይርዎ። ደቡብ ሱዳን ንባዕላ ብቲ ባዕዳዊ መግዛእቲ ደቡብ ብሉናይል፣ ኢደዩን ኮርደፋን ብዝብል ኣብ ሰለስተ ተኸፋፊላ ስለ ዝነበረት ነቲ ሐዚ ዝኒሀ ጎንፂ እዉን ሓደ መበገሲ ከምዝኾነ እዩ።

ከም ሳልሳይ ክለዓል ዝክእል ግብፂ ኣብ ኣባይ ዘለዋ ዳርጋ ብሙሉኡ ናይ ምቁፅፃር ድሌትን ሓያል ዓረባዊት ሃገር ንምዃን ብዝነበራ ሕልምን ተላዒላ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪካ ብፍላይ ንኢትዮጵያ ሰላም ከይትረክብ ብዕቱብ ክትሰርሕ ፀኒሓ።

ራብዓይ ንሕንሕ ዝሑል ኲናት ዝወለዶ ንኢትዮጵያ እዉን ኣዕርዩ ዝጎድኣ እዩ። ኣብ ክልቲኡ ብሎክ (ፀጋም የማን ወይ ምዕራብ ምብራቕ) ደገፍቲ መንግስቲታት ንምፍራይ ኣብ ዝግበረ ዝነበረ ንሕንሕ እቲ ዓደ እነግስቲ እንተሒዙ እቲ ካሊእ ንተቓወምቲ ዝድግፈሉ ፣ ሓደ ንሓንቲ ሃገር እንተሒዙ ካሊእ ድማ ንታ ጎረቤታ እነሓገዘ ዝርበሸሉ ኩነታት እዩ ነይሩ።

ከም ሓምሻይ ድማ ንስም ስብከት ሃይማኖት ዝግበር ኢድ ኣእታውነት ይልዓል እዩ። እዙይ እውን ሓደ መበገሲ ጎንፂ ኰየኑ ምህላው ዝረአ ዘሎ እዩ።

ምስዚ ተኣሳሲሩ ቅኑዕ ዝመስል ግን ንቲ ፀገም ዘጋድድ ኢድ ኣእታውነት ዓለምለኸ ተዋሳእቲ ብሽም ንቲ ፀገም ምፍታሕ ዝግበር ስምምዓትን ሓገዛትን እዩ። ንኣብነት ዜጋታት እተን ሃገራት ኣብ ወፃኢ(ዝማዕበላ ዓድታት) ክመሃሩ ምፍቃድ፣ እዙይ ውፂኢት ዘምፅእ ኣይኮነን ዘዚተመሃረ ኣብ ወፃኢ እናኸደ ከገልግል ዝገብር እዩ ብተግባር ከም እኒሪኦ። ካልኣይ ሃገራተ ቀርኒ ኣፈሪካ ፍርያተን ናብ ዝሓዕበላ ዓድታት ከእትዋ ምትብባዕ፤ እዙይ እውን መፍትሒ ኣይኮነን ባዕለን ንባዕለን ኢኮነምያዊ ምትእስር ክህልወን ፃዕሪ/ደገፍ እንተዝግበር። ሳልሳይን ዘየድልን ንቶም መንግስቲታት ዝቃወሙ ሓይልታይ ምድጋፍ እዩ። እዙይ ዝገደደ ህውከት ዘምዕእ እዩ እምበር መፍተሒ ዘምፅእ ኣይኮነን ህዝባዊ ድጋፍ ዘለዎ ሓሊ እንተኮይኑ ባዕሉ ክዕወት እዩ።

2.3.ኤርትራ

መንግስቲ ኤርትራ ዝተኸተሎ ግጉይ ሜላ ምስረታ ሃገር (state building mechanism) ሓደ ዓበዪ መበገሲ ፀገም ኮይኑ ኣሎ ኣብዚ ዞባ። ምኽንያቱ መንግስቲ ኤርትራ ንህልዉና ኤርትራ ይጠቅም ኢሉ ዝተኸተሎ ፖሊሲ ምስ ጎረባብቲ ሃገራተ ጎንፂን ኲናትነ ብምኽፋት ንቶመ ዜጋታት ’ተኸቢብና’ ዝብል ስሚዒት ክሓድሮም እሞ ኩሉግዘ ሃገሮም ናይ ምክልኻል ስራሕ ክሰርሑ ብኡ እቲ ስምዒት ሃገርነት ክጥንክር ዝብል ምዃኑ ምስ ኩሉ ክበኣስ ግድን ኮይኑ።

2.4.ኣብ ሞንጎ እተን ሃገራት ዝጠንከረ ኢኮነምያዊ ረክቢ ዘይምሀላዉ

ናይ ጥቕሚ ምትእስሳር ኣበ ሞንጎ እተን ሃገራት ዘየለ ምዃኑተሓላልየንን ተኸባቢረንን ንከይኸዳ ሓደ ምኽንያት እዩ። ሐዚሐዚ ኢትዮጵያ ምስ ኬንያ፣ ኢትዮጵያ ምስ ሱዳን፣ ምስ ጅቡቲ፣ ወዘተ ተጀሚሩ ዘሎ ኢኮነምያዊ ምትእስሳር ተስፋ ዝህብ ኮይኑ ዝያዳ ክስረሐሉ ዝግባእ እዩ።

እዚኣቶም ካብቶም ቀንዲ መበገሲ ዝተሓላለኸ ፀገም ቀርኒ ኣፍሪካ ኢልካ ክለዓሉ ዝኽእሉ እዮም። ንዞም መሰረታዊ ፀገማት ብዘላቕነት ንምፍታሕ ኣካል እዚ ቀርኒ ኣፍሪካ ዝኾነትን ንዘበናት ኩሎም እቶም ፀገማት ዝግለፁላ ዝነበረትነ ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋን ትኽተሎ ዘላ መንገዲ ከም መበገሲ ክውሰድ ዝኽእልን ዝግበኦን ምዃኑ ብሙህራን ዝምከር እዩ ኮይኑ ዘሎ። እዚ ማለት ካብ ውሽጢ ዝምንጩ ንመሰረታዊ ሕቶታት እቲ ህዝቢ ዝምልስ፤ ካብ ሕገ-መንግስቲ ጀሚሩ ኩሎም ሕግታትን ፖሊሲታትን ዘላቒ ረብሓ ህዝብታት ብዘረጋግፅ መልክዑ ምድላውን ንዚ ዘፈፅም መንግስቲ ብዴሞክራስያውን ህዝባውን መረፃ ምጥያሽን እዩ። ካብ መሰረታዊ መርህ እቲ ሕገ-መንግስቲ ዝፍልፍል ኣብ ሰናይ ጉርብትና ዝኣምን ዝተማለአን ዉሕሉልን ፒሊሲ ወፃኢ ምድላው የድሊ። እዙይ ኢትዮጵያ ተግባራዊ ገይራቶ እያ። ኣብዚ እዋን ኢትዮፕያ ክትሕግዘኒ እያ እምበር ክትወረኒ እያ ኢላ ትሰግእ ሃገር የላን።ዳርጋ ኩለን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪካ እዉን(በዘይ ኤርትራ) ንኢትዮጵያ ዓብዪ እምነት ዝሃባሉ እዋን በፂሕና ኣለና። መንግስቲ ኢትዮጵያ እዙይ ኣጠናኺሩ ክቕፅለሉን ሐድነታ ዝጠንከረነሰላምነ ምርግጋዕን ዝዓሰላ ቀርኒ ኣፈሪካ ክትህሉ ዘይሕለል ፃዕሪ ክገብር ትፅቢት ይግበረሉ።

********

Wurayna Magazine

more recommended stories