ፕ/ት ኣልበሽር ናይ ኣመራርሓ ኢህወደግ መጓዓዝያ ዝነበረት ነፋሪት ንሓወልቲ ሰማእታት ትግራይ አረኪቦም

ቅድሚ 23 ዓመታት ላዕለዎት ኣመራርሓ ህወሓት ኢህወደግ ሒዛ ትጓዓዝ ዝነበረት ነፋሪት ሱዳን ሓወልቲ ሰማእታት ትግራይ ኣትያ፡፡

እቲ ስነ-ስርዓት ርክክብ ብፕሬዝዳንት ሱዳን ሓሰን ኣልበሽር 1ይ ሚኒስትር ሃይለማርያም ደሳለኝን ርእሰ ምምሕዳር ኣባይ ወልዱን’ዩ ተፈፂሙ፡፡

ፕሬዚዳንት ሱዳን ሓሰን ኣልበሽር ኣብ ከተማ መቐለ ብድምቀት ኣብ ዝተኸበረ መበል 39 ዓመት ልደት ህዝቢ ትግራይ 11 ለካቲት ተራኺቦም ነዛ ነፋሪት መጓዓዝያ እንተረክቡ ዝምድና ኢትዮ ሱዳን ነዊሕ ዘቁፀረ ከምዝኮነ ገለፁ’ሞ ህዝቢ ትግራይ ደርጊ ብምድምሳስ ሰላም ንምምፃእ ዘካየዶ ኣህላኪ ቃልሲ ብዓወት ምዝዛሙ ህዝብን መንግስትን ሱዳን ዝለዓለ ኩርዓት ከምዝስመዖም ሓቢሮም፡፡

ውፅኢት ቃልሲ ህዝቢ ትግራይን ኢትዮጵያን ካብ ውሽጣዊ ጉዳያት ሓሊፏ ኣብ ጉዳያት ኣፍሪካ እጃሙ የበርክት ከምዘሎ ፊልድ ማርሻል ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ኣገንዚቦም፡፡

ውፅኢት ጥንካረ ቃልሲ ህወሓት ኢህወደግ ኢትዮጵያ ብደረጃ ዓለም ስሉጥ ቁጠባ የመዝግባ ካብ ዘለዋ ሒደት ሃገራት ተርታ ክትስራዕ ኣክኢልዋ እዩ ድማ ኢሎም፡፡

********
*ምንጪ፡- ድምጺ-ወያነ፣ 12 ለካቲት -2006፤ ‹‹ርክክብ ነፋሪት ሰሲና 421 ተፈፂሙ››

Content gathered and compiled from online and offline media by Hornaffairs staff based on relevance and interest to the Horn of Africa.

more recommended stories