ዶ/ር ገላውዲዎስ:- ታሪክ ኢትዮጵያ 5000 ዐመት ዝሽፍን እዩ

* “[ኢትዮጵያ ናይ ሓደ ክፍለዘበን ታሪክ እዩ ዘለዋ ንዝብሉ ሰባት]…ብሓፂሩ ካብ ታሪክ ተመሃሩ በይዛኹም እየ ዝብሎም። እዚ ናይ ሓደ ሚኢቲ ዓመት ዝብል ምናልባት ንዘበናዊት ኢትዮጵያ ንምግላፅ እዩ ዝኸውን።”

* “እቲ ክልላት ናይ ምኽፋል/ምዉዳብ ብሄርን ቋንቋን መሰረት ዝገበረ ምኳኑ ብውልቀይ ኣይቅበሎን። ታሪክ፣ ጂኦግራፊ፣ ፖለቲካዊኣመፃፅኣዝሓውስ ክኾን ነይርዎ በሃሊ እየ።”

* “ትግራይ ኩሉ ግዜ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ዘሓዘ እዩ ነ ነሩ። ከም ኣካል ኢትዮጵያ ኮይኑ ድማ ንናይ ሐዚ ትግራይ ሓዊሱ ፤ናይ ሎሚ ኢርትሪያ፣ ወልቃይት ብወገን ምዕራብን፣ኣለማጣ-ወልድያ ከባቢ (ኣልወሃ ምላሽ) ብደቡብን ዘካለለ ነይሩ ናይ ትግራይ ምምሕዳር።”

ሕቶ:-
ኣብ ዙርያ ታሪክ ኢትዮጵያ ብዙሕ ፀብፃባት/ሰነዳት ኣዳሊኻ ኢኻ እሞ፡ ናይ ሰለስተ ሽሕ ታሪክ ኢትዮጵያስ ፅውፅዋይ እዩ ኢሎም ንዝከራኸሩ እንታይ ሪኢቶ ኣለካ?

ዶ/ር ገላውዲዎስ:-
ግርም, ኩሉ ማሕበረሰብ ኣብ አፈ-ታሪኩ ፅውፅዋይ ይሓውስ እዩ።ብስሩ ግን ናይ ኢትዮጵያ ታሪክ ትርጉም ክስእን ተባሂሉ፡ ፅውፅዋይ ከም ጌጋ ወይ መዛብዒ ክውሰድ የብሉን።እንድሕር ብዛዕባ ታሪክን ታሪካውነትን ንዛረብ ተተባሂሉ ግን (እቲ ፅውፅዋይ፡ ኣፈታሪክ ዝብል ንግዚኡ ገዲፍና) ኢትዮጵያ ልዕሊ 3000 ዓመት ዕድመ ታሪክ ከምዘለዋ ዘረጋግፁ ብርክት ዝበሉ ውፅኢት ኣርኪኦሎጂካዊ ምርምርን ሰነዳትን እናተረኸቡ እዮም።ኣስተብህል,ካብ ወርቃዊ ዘበነ ኣክሱም ንነዘ ናይ 2000 ዓመት ታሪክ እኒሀና። ቅድሚ ኣክሱም ድማ የሓ ነይሩ። ሐዚ ሐዚ ድማ ቅድሚ የሓ ዝነበሩ ስልጣነታት ዘርእዩ መረዳእታታት ይርከቡ ኣለዉ። ኣብ ጎቦዱራ ዝተረከበ ሓደ መረዳእታ እዩ። ካብ ኣክሱም ኣስታት 7 ኪሎ ሜትሮ ሪሕቓ እትርከብ ቦታ እያ ጎቦዱራ፣ እቲ ኣብኡ ዝተረኸበ ገልዕን ዓታሩን 3000 ዓመት ቅድሚ ልድተ ክርስቶስ ንድሕሪት ይምለስ። ስለ’ዚ ታሪክ ኢትዮጵያ 5000 ዐመት ዝሽፍን ምኳኑ ንርዳእ። ኢትዮጵያ ኣዝያ ጥንታዊት ምኳና እውን የረጋግፀልና።

ሕቶ:-
ስለ’ዚ ኢትዮጵያ ናይ ሓደ ክፍለዘበን ታሪክ እዩ ዘለዋ ንዝብሉ ሰባት ከ እንታይ ኢኻ ትብሎም?

ዶ/ር ገላውዲዎስ:-
ብሓፂሩ ካብ ታሪክ ተመሃሩ በይዛኹም እየ ዝብሎም። እዚ ናይ ሓደ ሚኢቲ ዓመት ዝብል ምናልባት ንዘበናዊት ኢትዮጵያ ንምግላፅ እዩ ዝኸውን። ነገር ግን ዘበናዊት ኢትዮጵያ ናይ ጥንታዊትን ማእኸላይ ዘበንን ኢትዮጵያ መቐፀልታ እምብር ብሓንሳእ ጥብ ኢላ ዝተፈጠረት ከምዘይኮነት ክንርዳእ ይግባእ። ዝተኣሳሰረ ናይ ኣሸሓት ዓመታት ታሪክ ከምዘለና እኹል መረዳእታ እንሀና እዩ።

ሕቶ:-
እሞእታ እንሪኣ ዘለና ኢትዮጵያስ ንዝሓለፉ 3000 ዓመታት ከይተቖራረፀት ዝመፀት ሃገር እያ ዲኻ ትብለና?

ዶ/ር ገላውዲዎስ:-
እዚ ሕቶ ክልተ መሰረታዊ ቁምነገራት ሒዙ ኣሎ፡ 1.ጥንታዊትን ዘበናዊተን ኢትዮጵያ 2. ቀፃልነት ሃገርነት። እዚ ሕቶ ንምምላስ እምበኣር መሰረታዊ ኩነታት/ጭብጢ እቶም ክልተ ክፋል ቁምነገራት ምርዳእ ከድሊ እዩ። ሓደ, ታሪክ ኢትዮጵያ ብዘይ ሕቁርራፅ ዝመፀ እዩ ኣይበልኩን። ክም ናይ ጉዲት፣ ኣሕመድ ግራኝ፣ ዘበነ መሳፍንቲ….ብዝመሳሰሉ ምቁርራፃት ዘጋጥመሉ ነይሩ እዩ። ነገር ግን ከም ሃገር እቲ ህልውና ጠቕሊሉ ዝጠፍኣሉ ኣጋጣሚ ኣይነበረን። እታ ዘበናዊት ኢትዮጵያ ናይ ጥንታዊት ኢትዮጵያ ቅዳሕ/ኮፒ/ እያ ድማ ኣይብልን ዘለኹ ፡ግን ናይ ጥንታዊት ኢትዮጵያ ታሪክ፣ ባህሊ፣ ሙዚቃ፣ ስነ ፅሑፍ፣ ሃይማኖት ወዘተ ነፀብራቓቶም ኣፀብቑ ኣብ ዘበናዊት ኢትዮጵያ እኒሀ እየ ዝብል ዘለኹ።

ሕቶ:-
ብዛዕባ ጥንታዊ ስልጣነ ኢትዮጵያ ካብ ደቡብ ዓረብያ ዝተወርሰ እዩ ዝብል መካትዒ ጉደይ ከ እንታይ ክትብለና ትኽእል?

ዶ/ር ገላውዲዎስ:-
ከም ዝፍለጥ ደቡብ ዓረብያ(ናይ ሎሚ የመን ማለት እዩ) ብጅቡቲ(ብወገን ወሽመጥ ኤደን) 12 ማይል ጥራሕ እያ ርሒቓ ትርከብ።. ስለ’ዚ ኣብ ጥንታዊ ዘበን ብክልቲኡ ወገን ናይ ቀይሕ ባሕሪ ዘለዉ ህዝብታት ናይ ባህሊ ምውርራስ ነይርዎም እንተተበሃለ ዝገርም ኣይኮነን። ይኹን እምበር ኣዕራብ ንኢትዮጵያውያን/ኣፍሪካውያን ኣሰልጢነሞም ዝብል፡ ኣፍሪካውያን ስልጣነ ተቐበልቲ እምበር መፍለቐቲ ወይ ወሃብቲ ክኾኑ ኣይኽእሉን ናይ ዝብል እከይ ኣረእያ ኣካል እዮ። ኣብ ብዙሓት ፅሑፋተይ ኢትዮጵያን ዓረብን ርክብ ከምዝነበረን( ኣብ ንግዲ፣ ባህሊ፣ ዲፕሎማሲ ወዘተ) ይምጉት እየ። ይኹን እምበር,ጥንታዊ ስልጣነ ኢትዮጵያ ካብ ንዓረብ/የመን ንስልጣነታት ናይል ኑብያን ግብፅን ዝቐረበ ከምዝነበረ ታሪክ የረደአና። ኣብ ኣክሱምን ቅድሚኡን ይነግሱ ናይ ዝነበሩ ነገስታት ሽም ምስ ናይ ግብፂ ነገስታት ሽም ይምሳሰል፣ ሓወልቲታት ኣክሱም ምስ ሓወልቲታት ግብፂ ኣዕርዮም ይመሳሰሉ፣ኣቀፃፅራ ዘበን ኢትዮጵያ(በዓል 13 ኣዋርሽ) ምስ ናይ ግብፂ ሓደ እዩ፣ ወዘተ ወዘተ። ምስ የመን ዘመሳስለና ፊደላት ሳብያን፣ ኣሽማት ቦታ ከም ሓውዜን፣ መረብ፣ሳባ ወዘተ እዮም። ካብዚ ወፃእ ናይ ኣክሱማውያን/ኢትዮጵያውያን ሳናቲም፣ ስነ ፅሑፍ(ግእዝ) ወዘተ ኣብ የመን ፈፂሞም ዝርከቡ ኣይኮኑን። ኣብ ከክንዲ’ዚ ግን ኣክሱማውያን ካብ ኣፊላስ( 3ይ ክፍለ ዘበን) ጀሚሩ ክሳብ ካሌብ(6ይ ክፍዐ ዘበን) ኣብ ልዕሊ ደቡብ ዓረብያ ዓብለልትን ገዛእትን ምንባሮም እዩ ታሪክ ዝነግረና ዘሎ። ኣብዚ እዋን ታሪክ የመን (ባዕሎም ኦፊሻሊ ዝኣመንሉ) ከምዘርደአና የመን ኣብ ዝኾነ እዋን ኣብ ትሕቲ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ከምዝነበረት እዩ።

ሕቶ:- ኢትዮጵያ ኣብዚ ሐዚ እዋን ብሄርን ቋንቋ መሰረት ዝገበረ ናይ ክልላት ኣወዳድባ እያ ትኽተል፡ ብዛዕባ እዙይ እንታይ ሪኢቶ ኣለካ?

ዶ/ር ገላውዲዎስ:-
ሕቶ ብሄር ኣብ ኢትዮጵያ እቲ ዝለዓለ ሕቶ እዩ። ኣብ ምንቅስቓስ ተመሃሮ(ኣብ እዋን ሃይለስላሴ) እዉን እቲ ዝለዓለ ሕቶ/ጭርሖ እዩ ነይሩ። እዙይ ብኢህወደግ ምላሽ ተዋሂብዎ ወይ መፍትሒ ረኺቡ እዩ። እቲ ክልላት ናይ ምኽፋል/ምዉዳብ ብሄርን ቋንቋን መሰረት ዝገበረ ምኳኑ ብውልቀይ ኣይቅበሎን። ታሪክ፣ ጂኦግራፊ፣ ፖለቲካዊኣመፃፅኣዝሓውስ ክኾን ነይርዎ በሃሊ እየ።

ሕቶ:-
ምስ’ዚ ስርዓት ኣካልላ ክልላት ኢትዮጵያ ተኣሳሲሩ ብርክት ዝበሉ ክትዓት ይለዓሉ እዮም። ንኣብነት ኣብ ከባቢ ወልቃይትን ወልድያ-ኣለማጣ ከባቢን ሰፋሕቲ ቦታታት ካብ ጎንደርን ወሎን ተቖሪሱ ንትግራይ ክካተት ተገይሩ ዝብል ብፍላይ ኣብ ዲያስፖራ ብስፍሓት ይለዓል እዩ። እዚ ከይ ኢኻ ትሪኦ?

ዶ/ር ገላውዲዎስ:-
ኣከራክሪ ምኳኑ ኣየጠራጥርን ብዙሕ ግዜ ዝላዓል እዩ። ኣብ ተቓወምቲ ብፍላይ ኣብ ዲያስፖራ መሬት ተወሰደ፣ ንትግራይ ተወሃበ ታይበ ታይባ ምትኳር እምበር ንመሰል ዓርሰ ዉሳነነን ምሕደራን ኣብ ግምት ዘይምእታው እኒሀ። ብዛዕባ እቲ ህዝቢ ዝግደስ ተቓዋሚ/ዲያስፖራ ብዙሕ ሰሚዐ ኣይፈልጥን፤ ብዛዕባ መሬት ዝህትፍ እምበር።

ናብቲ ናይ ወልቃይት ዝበልካዮ መካትዒ ነጥቢ እንትመፅእ ብዛዕባ ታሪክ እቲ ከባቢ ቅሩብ መብረሂ ክህብ እሞ ፤ ደሓር ወልቃይት ብትግራይ ድዩ ዝመሓደር ነይሩ ኣይኮነን? ዝብል መልሲ ክንረከበሉ፡፡ ትግራይ ኩሉ ግዜ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ዘሓዘ እዩ ነ ነሩ። ከም ኣካል ኢትዮጵያ ኮይኑ ድማ ንናይ ሐዚ ትግራይ ሓዊሱ ፤ናይ ሎሚ ኢርትሪያ፣ ወልቃይት ብወገን ምዕራብን፣ኣለማጣ-ወልድያ ከባቢ (ኣልወሃ ምላሽ) ብደቡብን ዘካለለ ነይሩ ናይ ትግራይ ምምሕዳር።

ኣብ መፋርቕ 17 ክ/ዘበን ኣመሓዳሪ ሽረ ዝነበሩ ደጃዝማች ገላውዲዎስ ንወልቃይት ብምልኡ የመሓድርዎ ነይሮም። ኣብ መበል 20 ክ/ዘበን እውን ወልቃይትን ፀለምትን ኣመሓዳሪ ትግራይ ንዝነበሩ ራእሲ ጉግሳ ይግብራ ምንባረን ሰነዳት የረድኡ። ድሕሪ ምንጋስ ሃፀይ ሃይለስላሴ ግነ ኣብ ዝኾነ እዋን(1930-1957) ወልቃይትን ፀለምትን ኣካል ምምሕዳር ጎንደር ክኾና ተገይሩ። ኣብቲ እዋን ንዝነበረ ኩነታት ትግራይ ክግነዘቡ ንዝደልዩ ምሁራት ፡ ‘Tractatus Tres Historico-Geographici’ (Portuguese) or ‘A Seventh Century Historical and Geographical Account of Tigray, Ethiopia’ (English) ዝብልብ Manoel Barradas ኣብ 1634 ተፃሒፉ ብElizabeth Filleul ናብ እንግሊዝኛ ዝተተርጎመን ምርኣይ ይኽእሉ። ኣብቲ መፅሓፍ ዘሎ ካርታ ትገራይ ከምዝሕብሮ/ከምዘርእዮ ኣልወሃ ምላሽ ብደቡብ ፤ለማልሞ ብሰሜን፤ዓፋር(ሓጋፍ ሽንጥሮ) ብምብራቕ፤ ዳህላክ ደሴት(ሐዚ ኤርትራ) ብሰሜን ምብራቕ ተካትት ትግራይነይራ። ብሓፂሩ ስፍሓት ኣብ 17 ክ/ዘበን ዝነበረት ትግራይ ኣርባዕተ ዕፅፊ እታ ሐዚ ዝኒሃ ትግራይ ነይሩ።

ሕቶ:-
ብዛዕባ ብሄራዊ ዕብለላ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብዚ ግዜ እንታይ ትብል? ህወሓት ዓብላሊ ውድብ ስለዝኾነ ኣብ ኢህወደግ፡ ትግራይ ዓብላሊ ብሄር እዩ ብኡ ልክዕ ድማ ትግራይ ዝያዳ ተጠቃሚት እያ ዝብሉ ኣለዉ።

ዶ/ር ገላውዲዎስ:-
ሕቶ ዓብላልን ተዓብላልን ብሄር ኣብ ኢትዮጵያ ኣብቂዑ እዩ።ስርዓት ሃይለስላሴ ካብ ዝወድቅ ጀሚሩ ምስኡ ኣኽቲሙ። ኣብቲ ዝሓለፈ ኣረጊት ስርዓት ናይኒ ሃይለስላሴ ኣምሓራ ዝበለፀ ተጠቃሚ ነይሩ፤ ብፍላይ ኣብ ናይ ባህልን ቋንቋን ዕብለላ። እቲ ዝበዝሕ ህዝቢ ኣምሓራ ጭቁንን ድኻን ምንባሩ ከይረሳዕና። ኣብ ትግራይ እውን ተመሳሳሊ እዩ። ህወሓት ዋላ ዓብላሊ እዩ እንተይልና እቲ ህዝቢ ግን ብርግፅኝነት ከምኡ ኣይኮነን። ክንርድኦ ዝግበአና ዝመስለኒ እቲ ዝመርሕ ሰብ ኣበይ ትውልዱ ዝብል ዘይኮነስ ንኢትዮጵያ ህዳሰን ሓድነትን ይጠቅም ዶ አይጠቅምን ብዝብል እንተዝኸውን።

ኣብ ትግራይ ሓለፋ ልምዓት ኣሎ ኣብ ቀረባ ንኢትዮጵያ ተዘዋዊሮም ዘይረኣዩ እዮም ዝኾኑ። ብርግፅ ኣብ ትግራይ ቅድሚ ሐዚ ዘይነበሩ ትካላት ልምዓት ኣለዉ። ኣብ ኣዋሳ፣ ባህርዳር፣ ኣዳማ ወዘተ ተዘዋዊሩ ንዝዕዘብ እውን ግን ተመሳሳሊ እዩ ቅድሚኡ ዘይነበሩ ሓደሽቲ ምዕባለታት ኣለው። እዙይ ኣካል ናይቲ ብሃገር ደረጃ ዝምዝገብ ዘሎ ለውጥታት እዩ ክኮን ዝኽእል። እምበር ኣብ ትግራይ ሕልፊ ዝተሰርሐ ኣሎ ኢሉ ዘቅርብ ብፍፁም የለን፡ ስቅ ኢልካ በለካ ለኽዐካ እንተዘይኮይኑ።

*********

 * ውራይና መጽሔት – ታህሳስ 2006

Wurayna Magazine

more recommended stories