መበል 13 ጉባኤ ቤት ምክሪ ትግራይ ተዛዚሙ

(ድምፂ ወያነ ትግራይ)

4ይ ዘበን ስራሕ መበል 13 ስሩዕ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ዝተሳለጡ መደባት ልምዓት ብምግምጋም ሕፅረታት ብቐፃሊ ዝፍትሕሉ ኩነታት ብምይያጥን ኣዋጃት ብምፅዳቕን ብዓወት ተዛዚሙ፡፡

ካብ 27-29 ጥሪ መበል 13 ስሩዕ ጉባኤኡ ዘሳለጠ ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣብ ቅንያት ንፀብፃብ ስራሕ ሕሉፍ 6 ኣዋርሕ ርእሰ ምምሕዳር ፀብፃብ ዋና ኦዶተርን ፀብፃብ ላዕለዋይ ቤት ፍርድን ሰሚዑ ተመያይጡ ኣፅዲቑ’ዩ፡፡

ብዜካዚ እቲ ቤት ምኽሪ ንምምሕያሽ ዝቐረበ ረቒቕ ኣዋጅ መጣየሺ ኣብያተ ፍርዲ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ተመሓይሹ ዝወፀ ረቂቕ ኣዋጅ ስልጣንን ተግባርን ምምሕዳር ጉባኤ ዳያኑ ረቒቕ ኣዋጅ ምክልኻልን ምእላይን ጎንፂ ኣብ ዝብሉ ረቒቕ ኣዋኛት ዝርዝር ምይይጥ ብምክያድ ኣፅዲቑዎ’ዩ፡፡

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ሹመት ፈፀምቲ ኣካላትን ዳያኑን ዘፅደቐ እንትኾን ብመሰረት’ዚ ሓላፊት ቢሮ ስቪል ሰርቪስ ሰናይ ምምሕዳርን ክልልና ንወ/ሮ ትርፉ ኪዳነማርያም ኣመሓዳሪ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ድማ ኣይተ ማሞ ገብረእግዚኣብሄር ክኾኑ ብርእሰ ምምሕዳር ኣይተ ኣባይ ወልዱ ዝቐረበ ሽመት እቲ ቤት ምኽሪ ተቐቢሉ ኣፅዲቑዎ’ዩ፡፡

ብተመሳሳሊ ብላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዝቐረበ ሹመት 24 ደቂ ኣንስትዮ ዝርከብኦም 114 ዳያኑን ሬጅስትራርን ኣብ ማእኸላይን ላዕለዋይ ኣብያተ ፍርዲ ብዳይነት ክሰርሑ ዝቐረበ ሹመት ተቐቢሉ ኣፅዲቑዎ፡፡

4ይ ዘበን ስራሕ መበል 13 ስሩዕ ጉባኤ ድማ ብዓወት ተዛዚሙ’ዩ፡፡

********

Content gathered and compiled from online and offline media by Hornaffairs staff based on relevance and interest to the Horn of Africa.

more recommended stories