ኢትዮጵያዊ ዝበሃል መንነት የለን።

(Yemane Nagish)

ሆኒ…ኢትዮጵያዊ ዝበሃል መንነት የለን።

ኣይክህሉን ´ውን፥ ኢትዮጵያዊነት ዜግነት እዩ። እንተሃለየ ´ውን ናይ ሕሸት እዩ። ሽፋን ጥራሕ እዩ። ከመይ? ይብል ለባም። .

ቐፂለ። ቅድም ቀዳድም ባዕልና ኢና፤ መሰረትና ´ውን ቤተሰብ እዩ፤ መሰረታዊ ትካል ደቂሰባት። ካብኡ ቀፂሉ ትግራዋይነት ዝበሃል ንፁህ መንነት ኣለና። እሱ ድማ ብስምምዕነትን ብግዜን ተዊሲኑ ዝተኣሰረ ውዕል ኣይኮነን። ምሳና ዝተፈጠረን ምሳና ዝነብርን፤ ብምዃኑ ብዘይካኡ መለለዪ የብልናን። ንሱ ድማ ንዘመናት ብደም፣ ብቋንቋ፣ ብስነልቦና፣ ባህልን ታሪኽን ዝተኣሳሳረ ´ምበር ትማሊ ብውዕል ዝተፈጥረ ኣይኮነን። ቀዲሙ ድማ ይመፅእ።

ኢትዮጵያውነት ከምዚ ኻማና ዝተፈላለየ መንነታት ዘለዎም ተስማሚዖም ዝፈጥሩዎ ቃል ኪዳን እዩ። ቃል ኪዳን ድማ ውዕል እዩ፤ እንትድለ ይእሰር፣ እንተዘይተደለየ ድማ ከም ኣድላይነቱ ይፈርስ ፤ ካሊዕ ውዕል ´ውን ክእሰር ይኽእል። አብ መንጎ ሃገራት ´ወን ሕብረት ይፍጠር ሓደ አህጉር ሐደ ዓለም ናበለ ይቕፅል።
እዚ ሖብረት ምሳና ጠቢቑ ክነብር ግን ግዴታ ኣይኮነን። ካሊእ ሃገር ይፍጠር። ካሊእ መንነት ግን ኣይፍጠርን። ሎሚ ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ተጋሩ በቃ ተጋሩ እዮም፤ ኢ/ያውያን ግን ኣይኮኑን፤ ሓደ ውዕል ኣፍሪሶም ካሊእ ውዕል መስሪቶም ይሓድሩ ´ለው። አብ ሃገርና ዘለው ሶማል፤ ኮኑ ዓፋር ውን ከምኡ። ኣይጠዓሞምን፣ ሓዚ´ውን ከፍርስዎ ይኽእሉ። ካሊእ ውዕል ይምስርቱ።ኣብ ዝኾኑ ኾይኖም ግን እሶም ባዕሎም እዮም። ካሊእ ሃገር፤ ካሊእ ዜግነት ´ምበር ካሊእ መንነት ኣይህልዎምን። ዜግነቶም ካብ ሃገር ናብ ሃገር ዝቕይሩ ሰባት ´ውን ከምኡ። መንነቶም ኣይትንከፍን።

ሓደሓዲኦም ቋንቋኦም ፤መንነቶምን ባህሎምን “ሓድነት” ብዝብል ድርዕቶ ጠቕሊሎም ክኸድኑና ዝደልዩ ዓሪቕና ሪኦም ኣይኮኑን። ሕፅረት መንነት ´ውን የብልናን። መንነቶም ከላብሱና እሞ ናህና ገዲፍና ለኦም ክንመስል ስለዝደልዩ ጥራሕ እዩ።
በብገዛኻ ተኸባቢርካ ብሙሉእ ድሌት ዝፍጠር ሓድነት ዝፅላእ ኣይኮነን። ዓቕሚ ስለዝፈጥር። መንነትካ ሸቂጥካ ዘይንስኻ መሲልካ ዝመፅእ ሓድነት ግን ኣርማጭኡ ይእተ። እዚኣ እንትንብል ዘርአኛታት ይብሉና፤ ትክክለኛ ዘርአኛታት ግን ንሶም ባዕሎም እዮም። “ልኣና ተለይመሰልኩም ኢ/ያውያን ኣይኮንኩምን” እናበሉ ቀዳማይን ካልኣይን ብርኪ ዜግነት ዝፈጥሩ። ደቂ ሕንጊድ፤ ወጊድ ንበሎም!

ንዝትከወሎም ሕዲት ጥቕማ ጥቕሚ ክብሉ፤ እዚ ድርዕቶ መንነት ፈትዮም ዝኽደኑ ሓደሓደ ስሱዓት ኣይጠፍኡን፥ ብታሪኽ ´ውን ዘይተርአየ ኣይኮነን። ትግራዋይነትና ንምጥፋእ ሓፍነቕ ዝብሉ ዝነበሩ ኣብ ቅድሚት መን ኣስሊፎም ድዮም? ባዓል እዚኦም።
ሎሚ ´ውን እዚ ድርዕቶ ዝኸደኑ ፈትዮም ከይመስለኩም፤ ሕማም መንነት ዘጥቀዖም እዮም። ወይለ ተረፍ መረፍ እዮም። ኣቦይዝጊ ካብዚ ደውየ ይምሓሮም ንብል። ላብ ነብሶም ክምለሱ ድማ ፀሎት ንግበረሎም። እዚ ሕማም ግን ከም ጨለውታ ተሓላላፊ ስለዝኾነ፥ ከይመላልኡና ምእንቲ በብግዚኡ ክትባት ምውሳድን ምሃብን የድሊ።

ወዲአ።
*******

more recommended stories