“ናይ ህወሓት ትንሳኤ ናይግድን እዩ” – አቦይ ስብሓት ነጋ

Highlights:-
* ኣካል ናይ’ዚ ሽግር ዝነበረ ኣካል ፍታሕ ከምዘይኸውን ዓለማዊ ሓቂ እዩ፡፡ ስለዚ ዝነኽኡን ዝተነኽኡን ናብ ከባቢ ምፅራይ ምስታፍስ ይትረፍ ብህጊ ምእጋዶም ዘድሊ ይመስለኒ፡፡
* ሕዚ’ውን እቲ ናይ ሕዚ መሪሕነት ህዝቢ ሒዙ ህወሓት እንደገና ኣይፈጥራን ኣይብልን፡፡ እቲ ቕድም ይኹን ሕዚ ካብ ማ/ኮሚቴ ዝወፀ ከም ብሓዱሽ ተወዲቡ ነቲ ዘሎ ማ/ኮሚቴ ምሓገዘ፡፡
* ህዝቢ ትግራይ ዘቃልሶ ኣቃሊሱ ዝጠቕሞ ወያናይ ውድብ ይግበኦ
* እቲ ስርዓት ጥሒሱ ገዛ ጋሕ ኣቢሉ ከፊቱ ዝሰረቐን ገዛ ጋሕ ኣቢሉ ከፊቱ ዝሰረቐ ዘሎ ምዃኑ እናፈለጠን እናሰምዐን ስጉምቲ ዘየወሰደ ወይ ዘይኣውሰደ ብዝለዓለ ደረጃ ጥፍኣት ክጥየቕ ይግባእ፡፡
* እቲ ክፉት ረኺቡ ዝጠልቆመ ብኻልኣይ ደረጃ ዝእረም ምግባሩ ንህዝቢ ከረጋግእ ይኽእል፡፡
* እቶም ክወፁ ኣይነበሮምን ዝብሎም ኣመራርሓ ህወሓት እንተዝፀንሑ ’ውን ዓብይ ለውጢ መምፅኡ ነይሮም ዝብል እምነት የብለይን፡፡ ኣንጃ’ኮ ኩላትና ኣብኡ እነሃለና እዩ ውድብ ተቖፃፂሩ መንግስቲ’ውን ክሕዝ ተቓሪቡ ዝነበረ፡፡

——

ኣብ ውራይና መፅሔት ናይ ሰነ ሕታም ቁፅሪ ክልተ ጋዜጠኛ ጌታቸው ኣረጋዊ ንዝሓተተኒ ሕቶታት ዝሃብኩዎም መልስታት፤ ሕቶታትን ርኢቶታትን ከም ዘልዕሉ ገሚተ ነይረ፡፡ብፍላይ ከኣ ርኢቶታት፡፡ ምኽንያቱ ድማ ዝኾነ ሪኢቶ ተወሳኺ፣ መስተኻኸሊ፣ ዋላ እውን ብዓይነቱ ተለዋጢ ዝኾነ ሪኢቶ ይዕድም እዩ፡፡ይግባእ እውን፡፡ የማነ ገብረመስቀልን ሓየሎም ኣሉላን ዝፃሓፍኩምለይ ሕቶታት ተመሳሳላይነት ስለዘለዎም ናይ ክልተኹም ጠቕሊለን ኣሕፂረን ክምልሰልኩም እየ፡፡

መተሓዳደሪ ደምቢ ህወሓት በቢደረጃኻ ካብ ላዕሊ ክሳዕ ታሕቲ ከም ሓደ ኣካል ተወዲብካ ዲሞክራስያዊ ኣሰራርሓ ውድብ እተረጋግፀሉ መሰረታዊ ዓንድን ሓይልን እዩ፡፡ ዲሞክራስያዊ ጥርናፈ ግድን ይብል፡፡ ንናይ ግለሰባት ሰንሰለታዊ (ጉጅለ) ዕድል ኣይህብን፡፡ ምጉጂጃል ኣጥቢቑ ይኹንን፡፡ምጥቕቓዕ እውን ካብኡ ንላዕሊ ይኹንን፡፡ ከምኡ እንተኹይኑ ድኣ እቲ ናይ ቅድሚ ሕዚ ኣንጃ ንምንታይ ኣብ’ቲ ደረጃ’ቲ በፂሑ ዝብል ሕቶ ንሕዚ ከም መምሀሪ ወሲድና ናይ ሕዚ ንግበር፡፡

ካብ ህዝቢ ምጥቕቓዕ፣ ምጥቕቃምን ምጉጂጃልን ከምዘሎ ይውረን ይስማዕን ኣሎ ኢልካ የማነ ገብረመስቀል ክትሓትት እንተለኻ፡፡ ኣነ ’ውን ከሙኡ ይስመዐኒ ኣሎ፡፡ እዚ ወረታትን ስምዒታትን ከይገደፍና ብዓብይኡ ግን ብፃይ ኣባይ ወሉ ኣብ ዝሓለፈ ጉባኤ ህወሓት ደጋጊሙ ምጥቕቓን ምጥቕቓዕ ኣብ ውድብና ብሰፊሑ ይረአ ኣሎ ኢሉ ገሊፅዎ እዩ፡፡ ካብ’ዚ ንላዕሊ መረጋገፂ የለን፡፡ ከም’ዚ ዝበለ ብኣሰላልፋ ደረጃ ዝረአ፣ ውድባዊ ዓቕምን መደባት ምስንካል ሓሊፋ ናብ ዝኸፍአ ውድቐት ከብፅሕ ዝኽእል ሓደገኛ ውድባዊ ኩነታት ዘሎ ኣይመስለንን፡፡

ስለ’ዚ ብፃይ ኣባይ ወሉ ኣብ ጉባኤ ከልዕሎ እንተሎ ክዝተየሉን ናይ መፍትሒ ኣንፈት ክቕመጠሉን ነይርዎ፡፡ ናይ’ዚ ውድባዊ ኩነታት ስፍሓቱ፣ ትሕዝትኡን መንቀሊኡን ኣሰላልፍኡን ኣፅኒዑ ናብ ዝምልከቶ ዘቕርብ ኣካል ድማ ብጉባኤ ክጣየሸሉ ነይርዎ፡፡

ሕዚ’ውን ዝሓለፈ ገዲፍና ማእኸላይ ኮሚቴ ካብ’ዚ ዝዓቢ ናይ ኣሰላልፋ ጉድለት ዘርኢ ኣጀንዳ ስለዘይብሉ(ክህልዎ እውን ስለዘይግባእ) ብፅፈት ዝፅነዐሉ ትልሚ ከውፀአሉን ንዝምልከቶም ኣካላት ግልፂ ክገብር ከም ዘለዎን ይረአየኒ፡፡

ኣብ ጉዕዞ ቓልስና ዘጋጡምና ዝነበሩን ሕዚ’ውን ዘይጠፍኡን ኣካይዳታት ኣለዉ፡፡ ንኣብነት ግዕዝይና ኣሎ እንተልካ ኣብ ክንዲ ግዕዝይና ከም ናይ’ቲ ስርዓት ሓደጋ ምርኣይ “ንስኻኸ ካብ ግዕዝይና ነፃ ዲሓ?” ኢሎም ነቲ ዓብይ ጉዳይ በረድ ዘፍስስሉ ሰባት ውሑዳት ኣይኮኑን፡፡ ሕዚ’ውን ነዚ ዓብይ ውድባዊ ጉዳይ ብመጋረጃ ንምሽፋን ስብሓት ንምንታይ ሽዑ ኣብ ጉባኤ ዘየቕረቦ ዝብሉ ኣይስኣኑን ዝብል ግምት ኣለኒ፡፡ እዚ ኣድላይ ኣዝኾነሉ ድሓር ይረአ እየ ዝብል፡፡ ኣነ ንምንታ ዘየልዓልክዎ ድሓር ንበይኑ ይርአ ማለተይ እዩ፡፡ስለ ዘየልዓልክዎ ግን ዓብይ ጉዳይ ክሕለፍ የብሉን፡፡

ምትኽኻእ ዝምልከት ሕዚ’ውን ሓቲትኩም፡፡ ነቶም ዝተመረፁ ማእኸላይ ኮሚቴ ጉባኤ ሓደብሓደ ርኢቶ ሂብሎም እዩ፡፡ ኣነ ዝብል ዘለኹ ነቶም ካብ ማእኸላይ ኮሚቴ ዝወፁ’ውን ጉባኤ ከምቱ ናይ ወትሩ ሓደብሓደ ሪኢቶ ክህበሎም ነይርዎ፡፡ ካብ’ዚኦም ክፀንሑ ዝግበኦም ምነበሩ፡፡ ካብ’ዚኦም ዝፀንሑ እንተዝህልዉ ካብ’ቶም ዝተመረፁ ድማ ክወፁ ዝግበኦም ምነበሩ፡፡ ስለ’ዚ ኣካያይድኡ ጉጉይ ስለዝነበረ ውፅኢቱ እውን ከምኡ እዩ እየ ዝብል ዘለኹ፡፡ ካብ ክልቲኦም ወገን ከምቲ ዝሓተትካኒ ስም ምዘርዘርኩ ግን ለውጢ ስለዘየምፅእ ስም ዝርዝር ኣድላይ ኣይመስለንን፡፡

በቲ ዝፀንሐን ሕዚ’ውን ዘሎን ኣረኣእያን ኣወዳድባን፣ ኣወፋፍራን ኣሰራርሓን ኣገማግማን እቶም ክወፁ ኣይነበሮምን ዝብሎም ኣመራርሓ ህወሓት እንተዝፀንሑ ’ውን ዓብይ ለውጢ መምፅኡ ነይሮም ዝብል እምነት የብለይን፡፡ ኣንጃ’ኮ ኩላትና ኣብኡ እነሃለና እዩ ውድብ ተቖፃፂሩ መንግስቲ’ውን ክሕዝ ተቓሪቡ ዝነበረ፡፡ ቅድም ኣብ እዋን ምግባል ኣንጃ፣ ኩላትና ደቂስና ነይርና’ሞ እቶም ዝወፁ እንተዝፀንሑ ምደቀሱ ማለተይ ግን ኣይኮነን፡፡ ነቲ ሕዚ ዘሎ መሪሕነት ምሓገዙ ደኾን ማለተይ እዩ፡፡

እቲ ሕዚ ዘሎ መሪሕነት ህወሓት ነተም ንዓመታት እናጠራቐምናዮም ዝፀናሕና ሽግራት ብፍፁም ነፃነትን ብፍፁም ወያናይነትን ብትኽክል እንተተረዲእወም፣ ክርድእዎ እውን ኣለዎ፣ ናይ ህወሓት ትንሳኤ ጊዜ ክወስድ ይኸውን እምበር ዓወትና ናይግድን እዩ፡፡ ህወሓት’ኮ ካብ ኣብ’ዚ እቶ ዘይበሃል ዓቕሚ ተበጊሱ ህዝቢ ትግራይ ኣሰሊፉ ካብ’ቲ ኣብ ባህሪ ናይ ምድረ ድሕረት ኣሰላልፋ ስዒሩ ወፂኡ ንምእማኑ ዘፀግም ሃገራዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ኣብ ምፍጣር ወሳኒ ተራ ዝተፃወተ እዩ፡፡

ሕዚ’ውን እቲ ናይ ሕዚ መሪሕነት ህዝቢ ሒዙ ህወሓት እንደገና ኣይፈጥራን ኣይብልን፡፡ እቲ ቕድም ይኹን ሕዚ ካብ ማ/ኮሚቴ ዝወፀ ከም ብሓዱሽ ተወዲቡ ነቲ ዘሎ ማ/ኮሚቴ ምሓገዘ፡፡ ካብ ማእኸላይ ኮሚቴ ወፂኡ’ውን ዝሕግዘሉ መንገዲ ክድለ ኣለዎ ማለተይ እዩ፡፡ ኣብ’ቲ ጉዕዞ ምድኻም እውን ስለዝነበረ ተጠያቒ እዩ ካብ ዝብል ዘይኮነስ ብባህሪኡ እውን ወያናይ እዩ፡፡ ስለዚ እቲ ዘሎን እቲ ዝወፀን ሓቢሮም ይወይኑ፡፡ ህዝቢ ትግራይ ዘቃልሶ ኣቃሊሱ ዝጠቕሞ ወያናይ ውድብ ይግበኦ፡፡ህዝቢ ትግራይ ኲናት ብምስዓሩ ትንግርቲ ኾይኑ፡፡ሕዚ ድማ ኣባልን ሓፋሽን ህዝቢ ትግራይ ስርዓት ምኽባር ጥራሕ እንተይኮነስ ናይ’ተቓሊሱ ዘምፅኦ ስርዓት ቅድመ ግንባር ብምስላፍ ከኽብር፣ ክኽበርን ክረክብን ንኻልኦት እውን ከኽብርን ኣለዎ፡፡

ናይ ምትኽኻእ መምርሒ ሓቲትካኒ ካብ ታሕቲ ካብ ጣብያ ጀሚርካ ክሳዕ ላዕሊ ዝህሉ ናይ ምትኽኻእ መምርሒ እንደገና ክረአ ኣለዎ ዝብል እምነት ኣለኒ፡፡ ኣባል በቢደረጅኡ በቢኣካሉ ዘሎ ኣመራርሓ፣ተጠቃማይ ህዝብን ኣባልን በቢእዋኑ ኣብ ዝተሳተፍሉ ግልፂ መድረኽ እናገምገምዎን እናሰርዕዎን ዝኸዱ ክኾን ኣለዎ፡፡ ምናልባት ሕዚ’ውን ከምኡ ዝበለ መልክዕ ክህልዎ ይኽእል፡፡ ፅርየቱ ምርግጋፅ የድሊ፡፡ ኣነ ምኽንያቱ ሕዚ ክጠቕሶ ኣይደለኹን እምበር ፅሬት ይጎድሎ እዩ፡፡

ኣባል መሪሕነት ክኾን ዘለዎ መዐቀኒኡ እንታይ እዩ? ኢልካኒ ሓየሎም፡፡ ታሕተዋይ ኮነ ማእኸላይ ዋላ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ክኾን ዘይብሉን ክኾን ዘለዎን መዐቐኒኡ ንስኻ ትፈልጦ፣ ኻሊእ እውን ይፈለጦ ኣነ’ውን እፈልጦ፡፡ እቲ ሽግር ዘሎ ኣብ ምዃንን ዘይምዃንን እዩ፡፡ ገለይና እቲ ክንኮኖ ዝግበኣና ገዲፍና እቲ ኽንኮኖ ዘይግበአና እናኾና ’ዩ እቲ ሽግር፡፡

ካብ’ቶም ክንኮነም ዝግበኣና ሓደሓደ ክሕብረልካ፤ ንናይ ወያናይ ዲሞክራሲ ፕሮግራም ህወሓትን መተሓዳደሪ ደምቡን፣ ንሕገመንግስትን ካብኡ ዝወፁ ሕግታትን መምርሕተትን ፍፁም ተራ ተገዛኢ ጥራሕ እንተይኮነስ ሕዚ’ውን ፍፁም ውፉይ ጠበቓ ምዃን እቲ ሓደ ዋናን ቀንድን መዐቀኒ እዩ፡፡ ኩሎም ዓቕምታት ካብ’ዚ ይብገሱ፡፡ ካብ’ዞም መሰረታት ዓንድታት ተበጊሶም ንዝወፁ ናይ ህወሓት ይኹን ናይ መንግስቲ መደባት ነቲ ዝተቐመጠ ኣስራርሓ ተኸቲልካ ብብቕዓት እናፈፀምካ በብጊዚኡ ኩነታት እናመሓየሽካን እናለወጥካን ናብ ዝዓበየ መደብ ምፍፃም እናተሸጋገርካ ምኻድ እዩ እቲ ኻልኣይ ክጠቕሰልካ ዝደሊ፡፡ ሳልሳይ ዝረኣየኒ ኣብ ካይዲ መደብ ምፍፃም “ኣነ ባዕላይ” ኩሉ ክሰርሖ ዝብል ናይ ውድቀት ሓጥያት ብሓበራዊ ኣመራርሓ (collective leadership) ብምትካእ ከማኻ ዝበሉን ካባኻ ዝበልፁን ብርክት ዝበሉ ኣማዕዲኻ ዝረኣዩ ሰባት ምፍራይ እዩ፡፡ኣብ ከም ጌጋኻ ቅድሚ ኹሉ ኣቐዲምካን ኣጉሊህኻን ምቕባልን ጌጋኻ ንምእራም ምትጋህን ወዘተ. ኣብነት ብምዃን ሓይሊ ኣብ ምፍጣር ተራ ምህላውን’ውን ከም መዐቀኒ ክውሰድ ኣለዎ፡፡ ብሓፂሩ መበገሲ መዐቀኒ ሰልፈኛ ብኣረኣእያ ብተግባር ፀረ ፀላኢ ምስ ሓፋሽ ህዝቢዶ ተሰሊፉ ወይስ ብኣካል ምስ ውድብ ብተግባር ድማ ምስ ፀላኢ እዩ እቲ መዐቀኒ፡፡ ጌታቸው ናይ ትግራይ ልምዓት ዝምልከት እንትሓተኒ እቲ ኣብ ጉባኤ ዘይቀረበን ብወረ’ውን ዘይሰማዕኹዎምን ግን ሓቲተ፡፡ዘይምፍላጠይ ናተይ ድኽመት እዩ ኢለ እየ ኣነ ዘይፈልጦ ሕቶታት ኣቕሪበ የማነ ኸዓ ሕቶታትይ ኣብ ክንዲ ምምላስ እንደገና ሓቲትካ፡፡ ኣነ’ውን ሕዚ እነሓዘንኩ ሕቶታተይ እየ ዘብርህ፡፡

ጠቕላላ እቶት(GDP) ክልል ትግራይ ክንደይ እዩ? ነብሲ ወከፍ(Per-Capita) ክንደይ እዩ? እዚ ምስ ናይ ሃገርና ንናይ ኢህወደግ ክልላት Averege እንትወዳደር? ትራንስፎርሜሽን፣ ማለት ብፅሒት ሕርሻ፣ ማኒፋክቸሪንግ፣ ሰርቢስ ከመይ ኣሎ? Comparative advantage and Competitive Advanatage ከመይ እዩ? ማለት ናይ ዓድን ናይ ወፃእን ኢንቨስተር ክሳዕ ክንደይ ብናይ ትግራይ Comparative advantage and Competitive Advanatage ይስሓብ ኣሎ? ምስዚ ተኣሳሲሩ ኣብ ትግራይ ዝኣቱ ካፒታልን ብዓል ሞያን ሙሁራን እንታይ ይመስል? እዮም ነይሮም ናይ ሕቶታተይ ትሕዝቶን መንፈስን፡፡ ምኽንያቱ ትራንስፎርሜሽን ብዘይ ኢንቨስትመንትን ካፒታልን ስለዘይሕሰብ እዩ፡፡ ከምቲ እንዝክሮ ብፃይ መለስ ብዛዕባ ኢኮኖሚያዊ ዕብየትን ትራንስፎርሜሽንን(GTP)እንትግለፅ ክልተ ብድሆታት(challenges) ደጋጊሙ ገሊፁ፡፡ ናይ ምፍፃም ዓቕምን ፋይናንስን ፈተንቲ እዮም ይብል ነይሩ፡፡ እቲ ዝሓቶ ዘለኹ’ውን እዚኦም ከመይ ይፍትሑ ኣለዉ እዩ፡፡

ኣብ ትግራይ (Grand Corruption) ኣሎ ኣይበልኩን በዚ ደረጃ’ዚ ዘለ’ውን ኣይመስለንን፡፡ ኣብ ቀረባ ግዘ ናይ ዓለም ባንክ ምስ ካልኦት ኢንተርናሽናል ኣካላት ኾይኑ ዘፅንዖ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ናይ ግዕዝይና ኩነታት ብጣዕሚ መደንገፂ እዩ፡፡ግዕዝይና ቀንዲ ሓደጋ ስርዓትና እዩ ኢሉ ዝተበገሰ ፓርቲን መንግስትን ንምንታይ ናብ’ዚ ሓደጋ እዚ በፂሑ ዝብል ሕቶ ብብቕዓትን ብቖራፅነትን እንተዘይተመሊሱ ኣብ’ዛ ሃገር እንታይ እዩ ክፍጠር? ግዕዝይና ካብ ቁፅፅር ይወፅእ ኣሎ ዝብል ጥቆማ ካብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ናብ ዝምልከቶ ይውሕጅ ነይሩ፡፡ ብእዋኑ ሰማዒ ክረክብ ነይርዎ፡፡

ግዕዝይና ከምቱ እንሪኦ ዘለና ገፊሕ እንተኾይኑ ንምፅራዩን ንምቁፅፃሩን ቀሊል ኣይኸውንን፡፡ ገፊሕ ምዃኑ ጥራሕ እንተይ ኮነስ ብተዘዋዋሪ ይኹን ብቐጥታ ብዙሕ ምጥልላፍ ስለዝህሉ ሓይሊ ሚዛን ኣብ መንጎ ፀረ ግዕዝይናን ግዕዙያትን ኣብ ምንታይ ከምዘሎ ንምፍላጥ ኣሸጋሪ እዩ፡፡ ብቐጥታ ይኹን በተዘዋዋሪ፣ብዕርክነት ይኹን ብዝምድና ወዘተ. ምስ ግዕዝይና ዝተኣሳሰሩ ብዙሓት እንተኾይኖም ሓይሊ ሚዛን ስለዝዛባዕ እቲ ቀንዲ ጉዕዞና ከም እንደገና ናብ’ቲ ዘይጋዕዘየ ወይ ድማ መጠነኛ ግዕዝይና ዘሎ ሓዞ ትሰዶ ክእቶ ይኽእል እዩ፡፡

ግዕዙይ ኩሉ በቢደረጅኡ ክእረም ኣለዎ፡፡ እቲ ስርዓት ጥሒሱ ገዛ ጋሕ ኣቢሉ ከፊቱ ዝሰረቐን ገዛ ጋሕ ኣቢሉ ከፊቱ ዝሰረቐ ዘሎ ምዃኑ እናፈለጠን እናሰምዐን ስጉምቲ ዘየወሰደ ወይ ዘይኣውሰደ ብዝለዓለ ደረጃ ጥፍኣት ክጥየቕ ይግባእ፡፡ እቲ ክፉት ረኺቡ ዝጠልቆመ ብኻልኣይ ደረጃ ዝእረም ምግባሩ ንህዝቢ ከረጋግእ ይኽእል፡፡

ብላዕለዎት ሓለፍቲ ተደጋጊሙ ከምዝተገልፀ ኣብ’ዚ እዋን እዚ ግዕዝይና ንምምካት ህዝቢ ሒዝካን ብጥንቓቐን ክኾን ኣለዎ፡፡ ኣብ ህዝቢ ዓብይ ተቐባልነት ከም ዝፍጠር ገይርካ እንተኼድካ ግዕዝይና ጥራሕ እንተይኮነስ ካልኦት ነገራት እውን ንምእራም ዓቕሚ ህዝቢ ክረክብ እዩ፡፡ ህዝቢ ምስታፍ መተካእታ ዘይብሉ እኳ እንተኾነ ንምስታፉ ግን ቀሊል ኣይኮነን፡፡ ኣይናይ ህዝቢ ኣየናይ ናይ ግዕዝይና ዓውዲ (area) ይካፈል ወዘተ. ኣፅሪኻ ምቕማጥ ጠቓሚ ምኾነ፡፡ ንኣብነት ናይ ኮንስትራክሽን ጉዳይ እንተኾይኑ ምስ ኮንስትራክሽን ምቅርራብ ዘለዎም ወዘተ. ማለተይ እዩ፡፡ ኣካል ናይ’ዚ ሽግር ዝነበረ ኣካል ፍታሕ ከምዘይኸውን ዓለማዊ ሓቂ እዩ፡፡ ስለዚ ዝነኽኡን ዝተነኽኡን ናብ ከባቢ ምፅራይ ምስታፍስ ይትረፍ ብህጊ ምእጋዶም ዘድሊ ይመስለኒ፡፡

***********

*Originally published on Wurayna megazine, titled “ህዝቢ ትግራይ ዘቃልሶ ኣቃሊሱ ዝጠቕሞ ወያናይ ውድብ ይግበኦ”, authored by Sebhat Nega.

Wurayna Magazine

more recommended stories