ሎሚ ሎሚ ኣብ ፌስቡክ ዝለዓሉ ፖለቲካዊ ኣጀንዳታትን ምይይጣትን ኣዚዮም ዘይእርኑባትን ፅልእን ቅርሕንትን ዘንበድብዱ እንዳኾኑ ኣናኸዱስ ፌስቡክ ሓዲግካ ጥፋእ ጥፋእ ይመፀኒ፡፡ እንታይ’ሞ ይገበር? ናበይ’ከ ይኽየድ? ፌስቡክ ዘይብሉ ቦታ ሎሚ ኣይርከብ፡፡ ናይ ኢትዮጵያ ፖለቲካውን ማሕበራውን ኩነታት ኣመልኪቱ ኣብ ዝካየዱ ምይይጣትን ምልልሳትን ብዙሓት ሰባት ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዘለዎም ፅልኢትን ግጉይ ኣረዳድኣን ንዕዘብ፡፡ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ሰሪሑዎም ኢሎም ዝገልፁዎም ስሕተታትን በፂሑና ዝብሉዎ በደላትን ልክዕ ህዝቢ ትግራይ ከምዝበደሎም ገይሮም ዝዛረቡ ብዙሓት እዮም፡፡ ምስቲ መንግስቲ ንገብሮ ኣለና ዝብሉዎ “ቃልሲ” ልክዕ ምስ ህዝቢ ትግራይ ይቃለሱ ከምዘለዉ ገይሮም ይዛረቡ፡፡ ምስዞም ሰባት እዚኦም ብዙሕ ጊዜ ሂብና ስለንካታዕ ንሎሚ ነዓኣቶም ሓዲግና ብዛዕባ ኣብ ሓደ ሓደ ተጋሩ ዝረኣዩ ተመሳሳሊ ኣመለኻኽታታት ነዋግዕ (እዞም ሓሳባት መብዛሕትኦም ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ብዘተፈላለዩ ተጋሩ ወገናት ዝለዓሉን ሓልሓሊፉ ምይይጥ ዝግበረሎምን እዮም)፡፡

እዞም ኣብ ላዕሊ ዝገለፅኩዎም ሰባት ከምዘለዉ ኮይኖም ህዝቢ ትግራይን መንግስቲ ኢትዮጵያን በበይኖም ምኳኖም ፈላልዮም ዝሪኡን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ተቓውሞን ነቐፌታትን ዘስምዑን ኣዚዮም ብዙሓት ኣለዉ፡፡ ኮይኑ ግና ነዚ ኣብ ልዕሊ ኣቶ መለስ ይኹን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝለዓሉ ተቓውሞታትን ነቐፌታታትን ከም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኣወጀ ጦርነት ገይሮም ዝሰብኩን ነቶም ከምዚ ዓይነት ተቓውሞ ዘስምዑ ሰባት ድማ ከም ፀላእትን ደመኛታትን ህዝቢ ትግራይ ገይሮም ዝቖፅሩን ተጋሩ ሓያለ እዮም፡፡ ንኣብነት ኣብ ቀረባ እዋን ኣበበ ገላው ዝተበሃለ ግለሰብ ዝፈፀሞ መሕፈሪ ተግባር ስዒቡ ብዙሓት ተጋሩ ዝተፈላለዩ ስእልታት ኣበበ ገላውን ኣቶ መለስን እንሰኣሉ ኣብ ፌስቡክ ዝህቡዎ ዝነበሩ ግብረመልሲ ኣዚዮም የሕዝኑ ጥራሕ ዘይኮነስ ነቲ መሕፈሪ ተግባር ዝፈፀመ ግለሰብ ገዚፉ ንክረአን ኣቶ መለስ ናብ ዘይግበኦም ደረጃ ክወርዱን ዝገብሩ እዮም – ኣነ ከምኡ ተሰሚዑኒ ……….. ሓደ ሓደ ጊዜ ምሽጓር (Ignore ምግባር) ዓቢይ ግብረመልሲ እዩ – ኣበበ ድማ ካብኡ ንላዕሊ ኣይግበኦን ነይሩ፡፡ እንተዘይኮይኑ ግን “ተቓሊስና ዘምፃእናዮ ስልጣን ከመይ ገይርና ብሰላማዊ ሰልፊ ንለቅቕ”……  “ገና ገና 100 ዓመት ክንገዝአኩም ኢና” …. ዝብሉ ዓይነታት ርኢቶ ኣብ ማሕበራዊ ምይይጥ ፌስቡክ ምርኣይ ከም መጠን ትግረዋይ ኣዚዩ የሰክፈኒ፡፡ እዞም ሰባት እዚኣቶም ረሲዖማቶ ግዲ’ምበር እቲ ኣሸሓት ህይወት ተኸፊሉዎ ዝተረኸበ ዓወት  ዜጋታት ዝመሰሎም ክድግፉን ይሕሸና ዝበሉዎ ናብ ስልጣን ከደይቡን ዘይምችዖም ድማ ንከውርዱን’ምበር ትግረዋይ ቀዳማይ ሚኒስቴር ኣብቲ ቦታ ከቐምጡን ክንካእ የብሉን ኢሎም ክሞቱሉን ኣይኮነን፡፡ ብስሩ’ኸ ቀዳማይ ሚኒስትር ትግረዋይ እዩ ማለት ተጋሩ ይገዝኡ ኣለዉ ማለት ድዩ ?…..  ፅባሕ ንጉሆ ተወላዲ ከምባታ መራሒ እታ ሃገር እንተኾይኑ “ብከንባታ ንግዛእ ኣለና” ክንብል ማለት ድዩ ? …..  ከምዚ ዓይነት ፖለቲካ ኢትዮጵያ ተመሊሳ ክትከዶ ዘይግባኣ ሕማቕ መንገዲ እዩ – ንኹላትና፡፡ ካለኦት ሰባት ናብ ዝመርሑና ግጉይ መንገዲ ኣይንስዓብ፡፡

ሎሚ ሎሚ በብዕለቱ ፌስቡከይ እንትኸፍት መጀመርያ ዝሪኦም ነገራት ናይ ኣቶ መለስ ስእልን ነዐኦም ዘሞግሱ ፅሑፋትን እዮም፡፡ እቶም ዝልጠፉ ኣበሃህላታት ካብ ዝግባእ ንላዕሊ ብዛዕባ ኣቶ መለስ ይዛረቡ፣ እቲ ዘሓለፈ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ‹ ኣብታ ሃገር ይረአ ኣሎ ዝበሃል ለውጢን ኩሉ ናይ ኣቶ መለስ ስራሕ ጥራሕ ገይሮም ይወስዱዎ፣ ሎሚ ሎሚ’ኳ ብዛዕባ እቶም ኣብ ፍቖዶ ሽንጥሮ ዝተረፉ ተጋደልቲ ምዝራብ ዳርጋ ተገዲፉ እዩ፡፡ ህዝባዊ ቃልሲ፣ ውድብ፣ መንግስቲ ዝበሃል ኩሉ ተረሲዑ ኩሉ ነገር ኣቶ መለስ ጥራሕ እዩ ኮይኑ፡፡ እዚ ናይ ብዙሓት ሚሊዮናት ህዝብታት ፃዕርን ኣበርክቶን ምዝንጋዕ እዩ፡፡ እዞም ሰባት ኣብዚሖም ክዛረቡሉ ዝስማዕ ሓደ ጉዳይ  “ኣቶ መለስ ክትከኦም ዝኽእል ሰብ ፈፂሙ የለን” ዝብል እዩ፡፡ እዚ እንተተተረዲኡዎም ብግልፂ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ይኹን ንህዝቢ ትግራይ ዓቢይ ፀርፊ እዩ፡፡ መጀመርያ ነገር ንዘሓለፉ 21 ዓመታት  ኣብቲ ቦታ ተቐሚጡ ዝተፈተነ ካሊእ ዜጋ የለን – ስለዚ ከነወዳድር ኣይንኽእልን፡፡ ካልኣይ ኣሸሓት ብቑዓት ዜጋታት ኣለዉ እዮም ብዘይጥርጥር፡፡ ኣቶ መለስ ከም ካለኦት መሓዙት ብፆቶም ኣብ እዋን ንእስነቶም እቲ እዋን ዝጠልቦ ግዴታን መስዋእትን ፈፂሞም እዮም፡፡ ዕድለኛ ኮይኖም ድማ ናይ ውድቦምን ናይታ ሃገርን መራሒ ኮይኖም ብዘለዎም ፍልጠትን ተሞክሮን ክንዲ ዝኸኣሉዎ ሰሪሖም እዮም፡፡ ብዙሕ ክብሪ ይግበኦም እዩ ኣብ አዋን ኣመራርሐኦም ብዙሓት ፅቡቓት ዝተረኣዩ ለውጢ  ስለዘለዉ -  ኮይኑ ግና ክምለኹ የብሎምን፡፡ ኣቶ መለስ መልኣክ ኣይኮኑን’ሞ ጌጋ እንትፍፅሙ’ውን “የለን ተጋጊኹም” ክንብሎም ይግባእ፡፡ እዚ ድማ ከም ሓገዝ’ምበር ከም ፅልኢት ህዝቢ ትግራይ ገይርና ክንወስዶ  የብልናን፡፡

ናይ ህልክ ፖለቲካ ዘሰጉሙ ድማ እኒሀውታ -  እዚኣቶም ንሃፀይ ሚኒሊክ ስለዝተፃረፉ ሃፀይ ዮሃንስ ዝኽበሩ ዝመስሎም፣  ናይ ኮ/ል መንግስቱ ሃይለማርያም ዘይፅቡቕ ምሕደራ ስለዝዘርዘሩ ናይ ኣቶ መለስ ስሕተት ዘስረዩ ዝመስሎም እዮም፡፡ ኣብታ ሃገር ፅቡቓት መራሕቲ  ተባሂሎም ክፅውዑ ዘለዎምን ሓወልቲ ሃገር ዝግበኦምን ነሃትና ሰባት ጥራሕ እዮም እናበሉውን ይዛረቡ፡፡ ኣሕዋት ኩሎም መራሕቲ ነናይ ባዕሎም ፅቡቕን ሕማቕን ተግባር ኣለዎም ንኹሎም ድማ እንተኽኢልና ከም መጠን ሰባት እንተዘይኮይኑ ከም መጠን ኢትዮጵያውያን ኮይና ንመዝኖም
፡፡ ሎሚ ዝረኣዩ ምዕባለታት ምስ ትማሊ ዝነበሩ ምዕባለታት ኣይነወዳድር ከምኡውን ሎሚ ዝፍፀሙ ጉድለታት ትማሊ ብዝነበሩ ጭቆናን ዘይፍትሓውነትን ኣይንለካዓዮም፡፡ ሎሚ ጌጋ እንተተፈፂሙ ጌጋ እዩ -  ዝሓሸ ጌጋ ዝበሃል ነገር ኣነ ብወገነይ ኣይርደአንን፡፡ ሎሚ ዘለና ኣተሓሳስባ ባህጊን ጠለብን ትማሊ ኣቦታትናን እኖታትናን ኣቦሓጎታትናን እኖሓጎታትናን ካብ ዝነበሩዎም ድሌታት ዝተፈለየ እዩ፡፡ ሎሚ መንግስትና ዘለዎ ሰላም ምርግጋእን ሓድነትን ትማሊካብ ዝነበረ ኣዚዩ ዘዓበየ እዩ፡፡ ስለዚ ዜጋታት ሓደ ነገር እንተሓቱ ትማሊ እኮ ከምዚ ዓይነት መሰል ኣይነበረካን እቲ ተዋሂቡካ ዘሎ የኣኽለካ እዩ ኣይንበሎም በሃሊ እየ፡፡ ብዝባን ስውኣት !

ካብ ኢትዮጵያ ወፃኢ ኮይንካ ብዛዕባ ሃገርካ ክትዛረብ የብልካን ኢሎም ዝዛረቡ መሳሰይቲ’ኸ ኣጋጢሞሙኹም ይፈልጡ’ዶ ? ብዙሓት እዮም፡፡ አረ ገለገሊኦምስ ካብኡ ሓሊፎም ካልእ ነገራትውን ይዛረቡ እዮም፡፡ ትግረዋይ ንመንግስቲ ዝነቅፍ ነገር ክዛረብ የብሉን ዝብሉ ?…ኣለዉ ብዙሓት፡፡ እቲ ዝገርም ግን ናይዞም ሰባት ፊሎሶፊ ንመንግስቲ ዝድግፍ ነገር እንተኾይኑ ፀገም የብሎምን ምናልባት’ውን ክትቅፅለሉ የበረታትዑኻ፡፡ “ከምዚ ዓይነት ፀገም ኣሎ” ኢሎም ዝሕብሩ ወይ “እዚ ጉዳይ ንምንታይ ከምኡ ኮይኑ ኣይተረደአንን?” ኢሎም ዘሓቱ ግን ከም ፀላእቲ ህዝቢ ይቑፀሩ፡ ኣብ መወዳእታ ዘልዕሎ ጉዳይ መን እዩ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ዝምልከቶ? ዝብል እዩ፡፡ ተጋሩ? ኣምሓሩ? ኦሮሞ? ካለኦት ብሄረሰባትከ? ብዓይኒ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓደ ብሄረሰብ ካብቲ ካልእ ብሄረሰብ ዝሐሸ ቀረባ ዘመዱ ድዩ? ሓደ ብሄረሰብ’ከ ካብቶም ካለኦት ብሄረሰባት ብዝተፈለየ መንግስቲ ንዝሰርሖም ፅቡቕ ይኹን ጌጋ ስራሕቲ ናይ ምሕላቕ ግዴታ ኣለዎ ድዩ? ብምንታይ መለክዒ? ንመያየጠሎም  …………… እንተ ኣነ ኩላትና እታ ሀገር ማዕረ እያ ትብፀሐና ኢልና  ኣሚና ሕድሕድ ዜጋ ዝደለየ ዓይነት ኣመለኻኽታ ናይ መሓዝ መሰሉ ኣኽቢርና ስልጡን  ብዝኾነ ኣገባብ ናብ ዝሐሸትን ኩሎም ዜጋታት ናትና ዝብሉዎ መንግስትን ሃገርን ንምፍጣር ንረባረብ ይብል፡፡   

ክብርን ሞገስን ንህይወቶም ከይሰስዑ ዝተሰውኡ !

****************

The author Jossy Romanat can be reached at [email protected]. You may find other articles by Jossy Romanat here.

Jossy Romanat

more recommended stories